Print this page

ሰላሳ ዓመታት ኣብ ጸልማት ካርሸሊ

2022-04-25 19:56:06 Written by  ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1371 times
Rate this item
(0 votes)

ሰላሳ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ፡ ብገበን ነይሩ እንተዝኸውን፡ ብፍርዲ  እንተዝኸውን፡ መሰላት እሱራት ብዝተኸብረሉ መንገዲ እንተዝኸውን ግዲ ኣይምበለን። እቲ ዘደንጹን ዘሕዝንን ግን እዚ ኢዩ በደልኩም ከይተባህሉ ብዘይ ክሲን ፍርድን፡ ዝበጽሖምን ዝርእዮምን ናይ ቀረባ ይኹን ርሑቕ ቤተ-ሰብ ዘይብሎም ጩራ ብርሃን ኣብ ዘይብሉ ጸልማት ን30 ዓመታት ክነብሩ እንከለው ኣዚዩ መሪርን ኣቐንዛውን ኢዩ። እዚ፡ ኣብዚ ዘመንዚ ብዘይካ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም ዘጋጠመ ተግባር ኣይኮነን።

ብዘይካ ኣብያተ-ማእሰርቲ፡ ካልእ ናይ ልምዓት ህንጻታት፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ይኹን ኣብያተ-ሕክምና ኣብ ዘይህነጻ ኤርትራ ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን ተኣሲሮም ዘለዉ፡ ብዝኸፍአ ድማ፡ ብህሉው ስርዓት ሂወቶም ዝጠፍኡ ቁጽሮም ዝፍለጥ ኣይኮነን። ኣብ ትሕቲ ምልኪ ኣብ እትነብር ዘላ ኤርትራ ዜጋኣ ዘይተሰዋኣላ፡ ዘይትኣሰረላ፡  ዘይተቐተለላን ዘይተሰጐላን ሓራ መዓልቲ የለን። ዕለታት ኣብ ኤርትራ ኩለን ከም መዓልቲ እሱራት፡ መዓልቲ ስዉኣትን መዓልቲ ጭቁናትን ተባሂለን ንዝኽሪታቶም እንተዝቕመጣ እኹላት ኣይምኾናን። ሎሚ መበል ሰላሳ ዓመት ማእሰርቲ ናይ ክልተ ብጾት ተቓለስቲ  ንዝክር ኣሎና። ንብጾትና ከኣ ብኣድናቖትን ብኣኽብሮትን ኢና ንዝክሮም።

ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ብ26 ሚያዝያ 1992፡ ድሕሪ ሃገራዊ ናጽነት ሓደ ዓመት ኣብዘይመልአ ግዜ   ማለት ኢዩ፡ ሃገር በቲ ዝተረኽበ ዓወት ናጽነት ገና ኣብ ሓጎስን ፈንጠዝያን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እዮም ተጋደልቲ ወልደማርያም ባህልቢን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ምስ ጸጥታ ሱዳን ብምትሕብባር ካብ ሱዳን፡ ከሰላ ተኣሲሮም ዝተወስዱ። ክልቲኦም፡ ነባራት ተጋደልቲ ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩ ኢዮም። እቲ ናይ ኩሉ ሃሚ፡ ቀልብን ተስፋን ዝነበረ ከመይ ጌርካ ነዛ ብነዊሕን ክቡርን መስዋእቲ ናጻ ዝወጸት ሓዳስ ሃገር ኢደይ ኢደይ ኢልካ ትሃንጻ ኢዩ ነይሩ። ከመይ ገይሩ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ታሪኹ ከም ናጻ ህዝቢ ዝኣትዎ ዘሎ ታሪኻዊ ምዕራፍ፡ ወሳኒ ኣብ ጉዳዩ ኮይኑ ዝኸደሉ መንገዲ እንዳተሓስበ ኢዩ ነይሩ። ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዝቃለስ ዝነበረ፡ መሪሑ  ናጽነት ዘምጽአ ውድብ፡ ካብ ጸላኢ ዝማረኾም ከይተረፈ ዝምሕር ዝገበረ ውድብ ኩሉ ህዝቢ ናብኡ ተስፋታቱ ኣንቢርሉ ዝነበረ ውድብ፡ ኣብ ናጽነት ሃገሮም ግደኦም ዘበርከቱ ኣብ ምህናጻ እጃሞም ከበርከቱ  ንዝኽእሉን ኤርትራውያን ምእሳር ዕብዳን ጥራይ ኢዩ ነይሩ ክበሃል ዝከኣል።

እቲ ነቲ ጉዳይ ዝያዳ ኣደንጻዊ ዝገብሮን ነቲ ጠላምን ከሓድን ኣሰራርሓ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ዘቃልዖን ታሪኽ ዘለዎ ምዃኑ ኢዩ። ኣብ መንጎ መሪሕነታት ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን  ንዓመታት ዝጸንሐ ናይ ምዝርራብ ዝምድና ነይሩ። መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ነቲ ዝምድና ብናቱ ኩነት ክዛዝሞኳ ዝደሊ እንተነበረ፡ ንውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ብዝነበሮ ተቐባልነትን ኣጽቂጡ ክሰግሮ ዘይከኣል ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ኣብ እንካን ሃባን ንምብጻሕ ብዝተፈላለየ ጽፍሒታት ውድብ ሰውራዊ ባይቶ ምስ ልኡኻት ህዝባዊ ግንባር ጽዑቕ ርኽክባት ይካየድ ነይሩ። ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት ብወድዕነት ምምዛን ከም መእተዊ ናይቲ ዝስዕብ መድረኻት ስለዝነበረ ክልቲኦም ሸነኻት ኣብኡ ኣተኲሮም ይዝትዩ ነይሮም። ብ30 ሰነ1991 ብኣቦ መንበር ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝተዳለወት መዘክር ናብ ዋና ጽሓፊ ህዝባዊ ግንባር ኤርትራ (መራሒ ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ) ብኢድ ወኪሎም ኣብ ከሰላ ንክትበጽሕ ተዋሂባ።

እቲ ዝተኻየደ ዘተታት ሓልዮትን ሓላፍነትን ዝመልኦ ናብ ዝሓሸ መንገዲ ንምብጻሕ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ስልጣን ንምክፋል ጠለብ ኣይነበሮን። ናይ ግዚያዊ መንግስቲ ዕማማት ክሳብ መሰጋገሪ መንግስት ዝቐውም ብህዝባዊ ግንባር ክካየድ ሰውራዊ ባይቶ ድሉው ነይሩ። ውድባዊ ሃለዋቱ ከየፍረሰ ንግዚያዊ ኣመራርሓ ህዝባዊ ግንባር ተቐቢሉ ኣብ ህንጻ ሃገርን ምትካል ዲሞክራስያዊ ስርዓትን እጃሙ ከበርክት ቅሩብ ነይሩ። ሓድነት ሓይልታት ሰውራ ኤርትራ ካብ ቅድም ብዝለዓለ ተጠላቢ ምንባሩ፡ ብሓዲሽ መንፈስ ንምርግጋጹ ጻዕሪ ክካየድ ከምዝግብኦ ይርኢ ነይሩ። ብኣንጻሩ ህዝባዊ ግንባር ህላወ ካለኦት ውድባት ብምኽሓድ ብዉልቀ ደረጃ ዝገብርዎ መጸዋዕታ ቅቡል ኣይነበረን። ኣብቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ንኣብዝሓ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ከም መሳርሒ ንርጉእን ስልጡንን ሕብረተሰብ ምህናጽ’ምበር ከም ዕላማ ይውሰድ ኣይነበረን።

 ብወከልቲ ህዝባዊ ግንባር ዝቐርብ ዝነበረ፡ ኤርትራ ከም ዝተዓወተት፡  እቲ ሽዑ ዝነበረ ስራሕ ምህናጽ ሃገር ምዃኑ፡ ህዝባዊ ግንባር ናይ ቃልሲ ባይታ ስለዝኾነ ኣብ ውሽጡ ምእታው ከምዘድሊ፡ ናይ ውድባት ጉዳይ ምስቲ ክትከል ዝምረጽ ፖለቲካዊ ስርዓት ዝተኣሳሰር ከም ዝኾነ ይገልጹ ነይሮም።

 እቲ ኣብ ከሰላ ዝካየድ ዝነበረ ዝርርብ፡ ኣብ ኣስመራ ንክቕጽል ስምምዕ ተበጺሑ። ብወገን ተሓኤ ሰ.ባይት፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ሰውራዊ ባይቶ ኣሕመድ ናስር   ዝመርሖ ዝለዓለ ናይ ዘተ ልኡኽ ቆይሙ። ካብ ካርቱም መገሽኡ ናብ ኣስመራ ኣብ ዘምርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ካርቱም ብዝነበረ ወኪሎም እቲ መገሻ ከምዝተሰረዘ ተሓቢሩ። እቲ ምኽንያት ናይቲ መሰረዚ ግን ኣይተገልጸን። ብወገን ሰውራዊ ባይቶ እዚ ምውሳእ ናይዚ ክልተ ኣካላት ምድልላይን ኣወንታዊ ዝምድናን ዘመልክት ኢዩ ዝብል ግምት  ነይሩ። ናይ ተጋደልቲ ወልደማርያምን ተኽለብርሃን (ወዲ ባሻይ)ን ተራ ኣብዚ መዳይዚ ዕዙዝ ነይሩ። መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ነዚ እንኮ መድሕን ፖለቲካዊ መስርሕ ኤርትራ ዝነበረ ጽምዶ፡ ምስ ካልኦት ሓይልታት ውን ክገብሮ ዝነበሮ ጠሊምዎ ኢዩ። ነዚ ኣሳታፊ መርገጽ ነጺጉ ከኣ ናብ ጨዋዪ፡ ኣሳርን ረሻንን መርገጻት ተሰጋጊሩ።

መዓስ ኢዩ ውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ካብ መዛቲይቲ ናብ  ኣስጋኢ  ተቖጺሩስ፡ ንምቕንጻሉን ንምድምሳሱን ዝወሰነ? ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ቂምን ቅርሕንትን ዘይነብር፡ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተሻሪኹ ኣብ ልዕሊኡ ንዝፈጸሞ ሃገራዊ ገበን ንታሪኽ ገዲፉ ኣብ ምትሕግጋዝ ዝኣተወ ኢዩ። ኣብ ፍሉይ እዋን ክጥቀመሉ ንዘይከኣለ ከብድቲ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ኣብ ጠቕሚ ሰውራ ንክውዕል ንመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ኣረኪቡ። ኩሉ ግዜ ቀዳምነት ዝህቦ ህዝብን ሃገርን ስለ ዝነበረ፡ ህዝባዊ ግንባር ከምኡ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዝግደስ ነይሩ እንተዝኸውን  ስግኣት ኣይምኾኖን።  ትጽቢት መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር፡ ሰውራዊ ባይቶ ወይ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትዩ ክእሰር ወይ’ውን ኣብ ግዳም ኮይኑ ሓንቲ ዘይገብር፡ ለሚሱ ንክነብር ኢዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ሰውራዊ ባይቶ፡ ብዘይካ ነቲ ዝተሰለፈሉ ህዝባዊ ዕላማን መትከላትን ጽኑዕ ኮይኑ ምቕጻል ካልእ ምርጫ ኣይነበሮን።

ስለዚ ሰውራዊ ባይቶ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝተንፍጎ ናይ ቃልሲ ባይታ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኮይኑ ክቕጽሎ መደብ ኣውጽአ። ክልተ ኣብ ሜዳ መሻርኽቲ ዝነበሩ፡ ተመሓዝዮም ንተሓኤ ዝሃረሙ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን መንግስታት  ኮይኖም። ብኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣቢልካ ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ዝመስል ኣይነበረን። እንተኾነ ግን ኢትዮጵያ ብዙሓት ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝዋስኡላ ሃገር ስለዝነበረት፡ በቲ ሓደ ሓይሊ እንተተዓጸኻ በቲ ካልእ ሓይሊ ክኽፈተልካ ስለዝኽእል መሪሕነት ሰውራዊ ባይቶ ንኹሉ ዕድላት ዳህሰሰ። ኣብቲ ድህሰሳ ግን ዋላ እቲ ናይ ህዝባዊ ግምባር መንገዲ ክኽተል ኢዩ ተባሂሉ ዝተፈርሐ ህዝባዊ ወያነ፡  ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲና ክንንቀሳቐስ ከም እንኽእል ፈቐደ። እዚ እዋንዚ ቅድሚ ረፈረንደም ስለ ዝነበረ ኤርትራዊ ክነስኻ  ኢትዮጵያዊ መሲልካ ምንቅስቓስ ዘጸግም  ብዘይ ምንባሩ ኢዩ።

ገለ ኣባላት መሪሕነትን ላዕለዎት ካድራትን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ሚያዝያ 1992 ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣተዉ። እዚ ንመሪሕነት ህዝባዊ ግምባር መንጸሮር ዘትሕዝ ዜና ኮነ። ድሕሪ'ዚ ድማ፡ መራሕትን ካድራትን ናይዚ ውድብ ክጨውዩ፡ ክኣስሩን ክቕንጽሉን ከም መደብ ሓዙዎ። ቀለስትን ኣዋፈርትን ዝነበሩ ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት ሰውራዊ ባይቶ ተጋደልቲ ወልደማርያምን ተኽለብርሃንን ኣብታ ወርሒ ብ26ሚያዝያ 1992 ኣብ ከሰላ ምስ ጸጥታ ሱዳን ብምትሕብባር ካብ ገዛ ናይ ዘመዶም ጨወይዎም። ሽዑ ምስ ወሰድዎም ኣበይ ኣለዉ ዘይበሃሉ እነሆ ንሰላሳ ዓመታት ኩነታቶም ስዉር ኣሎ።

መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ናይ ምእሳርን ምቕንጻልን መደባቶም ብምቕጻል፡ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ   ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ፡ ብዝገበርዎ ሓያል ድፍኢት  26 ተቃለስቲ ብ28 ሚያዝያ 1994 ብመንግስቲ ኢትዮጵያ  ተቐይዶም። እንተኾነ ግን፡ ውድብ ሰውራዊ ባይቶ ብዝገበሮ ሓያል ጻዕርን ተጽዕኖን ማእሰርቶም ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ስለዝተጋውሐን መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓደኛ ስለዘይኮነን “ኣረኩብኒ” ዝብል ጠለብ መንግስቲ ኤርትራ ኣይተዓወተን። መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያን ኤውሮጳን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከለዉ ፖለቲካዊ ዑቕባ ብምሃብ ከኣ ነናብ ሃገረን ወሲደንኦም። ዝተረፉውን ብሜላ ናብ ድሕነት ዝረኽብሉ ሃገራት ተሰዲዶም።

መሪሕነት ናይዚ ክሳብ 1994 ህግሓኤ ካብ 1994 ንደሓር ድማ ህግደፍ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘሎ ግንባር፡ ናይ ኣስማት ፍልልይ እንተዘይኮይኑ ናይ ተግባርን ባህሪን ፍልልይ የብሉን። ሰብኣውን  ዲሞክራስያውን መሰላቶም  ንዘዘውተሩ ብቐጻሊ ብውልቀ ይኹን ብእኩብ ኣሲሮም ኩነታቶም ኣብ ዘይፍለጥ ደርብዮሞም ሃለዋቶም የጥፍእዎም። መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ልዕሊቲ ዘርዚርናዮ ዘሎና እከይ ስራሓቶም፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1992 መሻይኽን መምሃራንን ዝርከብዎ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ታሕሳስ 1994 ብርክት ዝበሉ ንጹሃት ዜጋታት ካብ ከረንን ከባቢኡን ኣቑርደትን ጨውዮም ብምውሳድ ኣበይ ከምዘእተዉዎም ኣጥፊኦሞም ኢዮም።

ስም ውድቦም ናብ ህግደፍ  ምስ ቀየሩ ድማ፡ ኣብ መስከረም 2001 ኣብ መንግስቲ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰብ ስልጣንን ጋዜጠኛታትን ብብዝሒ ኣሲሮም የሳቕይዎም ኣለዉ።

ነዚ ከም ኣብነታት ድኣ ንጠቕሶ ኣለና እምበር ብፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኦምን ሃይማኖታዊ እምነቶምን ንዓመታት ተኣሲሮም ዝማሰኑ ብዝሓት ኢዮም። ህዝቢ ኤርትር ንገዛእ ርእሱ  እታ ዝነኣሰት ሰብኣዊ መሰሉ ከተኽብረሉ  ዘይከኣለት ሃገሩ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ኮይናቶ ኣላ።

Last modified on Tuesday, 26 April 2022 09:22