Print this page

ብሪታንያ ሓተት’ቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ከተሰጋግር መዲባ

2022-04-16 07:33:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 790 times
Rate this item
(0 votes)

መንግስቲ ዓባይ ብሪታንያ፡ ኣብኣ ካብ ዘለዉ ሓተትቲ ዑቕባ ኣሸሓት ማይላት ርሒቓ ናብ እትርከብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሩዋንዳ  ከተሰጋግር መደብ ከም ዘውጸአት ኣሶሼት ፕረስ (ASSOCIATED PRESS) ብ14 ማዝያ 2022 ኣብ ዝዘርግሓቶ ዜና ሓቢራ። እቲ ስደተኛታት  ናብ ሩዋንዳ ናይ ምስግጋር መደብ ናብ ብሪታንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ምእታው ንምዕጋት ተባሂሉ ከም ዝተተለመ እቲ ዜና ብተወሳኺ ገሊጹ።

ናይ ብሪታንያ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ጉዳይ ስደተኛታት ዘገድሶም ጉጅለታትን ብወገኖም እቲ መደብ ምስግጋር፡ ዘይሰብኣዊ፡ ዘይተግባራውን ገንዘብ ዘባኽንን እዩ ብዝብል ኮኒነሞ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ነቲ ተግባር ሰብኣዊ ሻቕሎት ዘሕድር እዩ ኢልዎ። እቲ ወጺኡ ዘሎ መደብ፡ ናብ ብሪታንያ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብመካይን ወይ ብጃላቡ ተሓቢኦም ናብ ዝኣተዉ ዘተኩር ከም ዝኸውን እውን ተመልኪቱ።

ስድተኛታት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ብሪታንያ ንምእታው፡ ከም መንጠሪ ዝጥቀሙላ ሰሜናዊ ፈረንሳ ምዃና እቲ ዜና ጠቒሱ። በዚ መሰረት ብስንኪ ኮቪድ-19 ብ2020 ዕጽዋ ካብ ዝካየድ ንደሓር  8 ሺሕን 500 ዘይሕጋውያን ከም ዝኣተዉን ካንዚኣቶም እቶም 27 ዝሓለፈ ሕዳር 2021 ዝኣተዉ ምዃኖምን ተሓቢሩ።

ብ14 ማዝያ 2022 ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪታንያ ቦሪስ ጆንሶን ብዛዕባቲ መደብ መግለጺ እናሃቡ እንከለዉ፡  ህጻናት ዝርከብዎም፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተብዕትዮን ብጀላቡ  ዶቨር ናብ  ዝተባህለ ወደብ ከም ዝተወሰዱ ተፈሊጡ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጥቓ እቲ ወደብ ኣብ ዘሎ መዓርፎ ነፈርቲ ንወተሃደራትን ሰራሕተኛታት ሓለዋን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡  “ናብ ብሪታንያ ብዘይሕጊ መንግዲ ዝኣተወ ናብ ሩዋንዳ ክሰጋገር እዩ”፡ ከም ዝበሉ እቲ ዜና ጠቒሱ።

መንግስቲ ሩዋንዳ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ከም መጀመሪ ን5 ዓመታት ከም ዝጸንሕ ገሊጹ፡ ብሪታንያ 120 ሚልዮን ፓውንድ ( 158 ሚልዮን ዶላር) ንሩዋንዳ  ከም ዝኸፈለ ብምጥቃስ እዚ ገንዘብ ኣብ ምህናጽ ኣባይትን ነቶም ስደተኛታት ንምርግጋእን ከም ዝውዕል ተሓቢሩ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩዋንዳ ቪንሰት ቢሩታ ብወገኖም በቲ ስምምዕ መሰረት፡ ስደተኛታት ሕሉዋት፡ ዝተኽበብሩን መጻኢኦም ንክመሓይሹ ዝተባብዑን ምዃኑ ሓቢሮም። ስደተኛታት ድሌቶም እንተኮይኑ ብቀዋምነት ኣብታ ሃገር ክነብሩ ዘፍቅድ ምዃኑ ድማ ብተወሳኺ ገሊጾም።

ኣብ ርእሲዚ  ሩዋንዳ ደቂ ኮንጎ፡ ሊቢያን ፓኪስታንን ወሲኽካ ናይ 130 ሺሕ ስደተኛታት  መዕቆቢት ኮይና ከም ዘላ እቶም ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ  ጠቒሶም። ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪታንያ፡ ነቲ እቲ መደብ “ሓልዮትን ተገዳስነት ዝጐደሎ እዩ” ዝብል ኣበሃህላ ነጺገምዎ። ዘይሩዘይሩ ሕጋዊ ብደሆታት ከም ዘኸትል ግና ኣይከሓዱን።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ከም ዝሰገሩ ዝዝከር እዩ። ኣብዞም ካብ ብሪታንያ ናብ ሩዋንዳ ዝሰግሩ ዘለዉ ስደተኛታት ኤርትራውያን ብዛዕባ ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ግና ዝተጠቕሰ የለን።

Last modified on Saturday, 16 April 2022 09:36