Print this page

ባይቶ ውሕሃ ኣባልነት ሩሲያ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ትካል ኣንጠልጢሉ፡ ኤርትራ ዘላቶ ወገን ተሳዒሩ

2022-04-08 11:22:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 865 times
Rate this item
(0 votes)

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ7 ሚያዝያ 2022 ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባልነት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ካብ ዝመርሕ ዓለም ለኻዊ ትካል ከም ዘንጠልጠለ ኣሶሼት ፕረስ (AP) ኣፍሊጡ። ሩሲያ ኣባልነታ ዝተንጠልጠለ ንዩክረይ ኣብ ዝወረትሉ ወተሃደራታ፡ ሕቡራት ሃገራትን ዩክረይንን “ገበን ውግእ” ዝሰየምዎ በደላት ስለ ዝፈጸሙ እዩ። ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ድምጺ ብጽምጺ ናይ ምስዓር መሰል ዘለወን 5ተ ሃገራት ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰድ እዚ ናይ መጀመርያ ምናልባት ከኣ ሳሕቲ ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ኣንበሳድር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ግሪንፊልድ ነቲ ተረኽቦ “ታሪኻዊ” ኢለንኦ። ኣተሓሒዘን ከኣ በዚ ውሳነ ኣቢልና ስቓይ ግዳያት ሸለል ተባሂሉ ከም ዘይሕለፍ መልእኽቲ ኣመሓላሊፍና ኣለና፡ ሩሲያ ከኣ ተሓታቲት ክትከውን ይግበኣ  ኢለን። እዘን ኣንበሳደር ኣሜሪካ ሩሲያ ካብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣባልነታ ክንጥልጠል ወፍሪ ዘካየዳ፡ ኣብ ከባቢ ርእሰ-ከተማ ዩክረይን ኬቭ ቡቻ ኣብ ዝበሃል ቦታ ብወተሃደራት ዝተቐትሉ ሲቪል ኣብ ጐደናታት ተዘርጊሑ ምስ ተራእየ ምዃኑ ኣብዚ ኣኼባ ተገሊጹ። እዚ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ዩክረናውያን ዝተፈጸመ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ተወሳኺ እገዳታት ንክውሰን ከም ዘለዓዓለ  እውን ተገሊጹ።

ፕረሲደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን በወገኖም፡ እቲ ውሳነ መራሒ ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን  ክሳብ ክንደይ ሃገሮም ብሰንኮም  ተነጺላ ከምዘላ ከም ዘርኢ ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ከኣ ሩሲያ ተሓታቲት ንምግባርን ብቁጠባ ንምንጻላን ዘኽእል ሓበሬታ ንምእካብ ምስ ኩለን ሃገራት ሓቢሮም ከም ዝሰርሑ ሓቢሮም። ክሳብ ሕጂ ደድሕሪ ሊቢያ ኣባልነታ ካብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ትንጥልጠል ዘላ ሩሲያ 2ይቲ ሃገር እያ።

እቲ ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዝፍጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል  ዝከታተል፡ ዝተፈጸመ ጥሕሰታት ዘጻርይን ከም ኣድላይነቱ ብኮሚሽናት ዝሰርሕን  በብግዜኡ ኣብተን 193 ሃገራት ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ገምጊሙ መድረኻዊ ጸብጻባት ዘቕርብን  ኣካል ባይቶ ሕቡራት ሃገራት  እዩ።

እዚ ንኣባልነት ሩሲያ ካብቲ 47 ሃገራት ዝኣባላቱ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል  ዘንጠልጠለ ውሳነ፡ ብ93 ደገፍ፡ 24 ተቓውሞን 58 ተዓቅቦን እዩ ሓሊፉ። ኤርትራ ከኣ ሓንቲ ካብተን ንሩሲያ ንምድጋፍ ዘይኮነ፡ ኣብ ሃሃገረን ዘሎ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ንምሕባእ ዝተቓወማ 24 ሃገራት ሓንቲ እያ። ሩሲያ ኣብ ባይቶን ቤት ምኽሪ ጸጥታን ሕቡራት ሃገራት ደጋፊት ስርዓት ህግደፍ ኮይና ዝጸንሐት ሃገር ምዃና ዝዝከር እዩ።

Last modified on Friday, 08 April 2022 13:31