Print this page

ኤርትራ፡ ካብ ኣምበሳደር ናብ ኣፈጻሚ ጉዳያት

2022-04-01 08:26:48 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1188 times
Rate this item
(0 votes)

ኤርትራ ድሕሪ ኣምበሳደር ሰመረ ርእሶም ካብ ኢትዮጵያ ምምላሱ፡ ኣብ ቦታኡ ኣፈጻሚ ጉዳያት ከም ዝመደበት ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ። እቲ  ኣፈጻሚ ጉዳያት ኮይኑ ዝተመደበ ኣቶ ቢንያም በርሀ፡ ናይ ውክልና ደብዳበኡ ብ30 መጋቢት 2022 ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንሓላፊ ፖሮተኮል ዳይረተር ኣቶ ደመቀ ኣጥናፉ ኣረኪቡ። በቲ ሓበሬታ መሰረት ቢንያም በርሀ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣብፍሪቃ ሕቡራት ሃገራትን እውን ክውክል እዩ። ቢንያው ንሓያሎ ዓመታት ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝሰርሐ ምዃኑ ይንገረሉ።

ብዛዕባ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣፍልጦን ተመኩሮን ዘለዎም ኣካላት ከም ዝገልጽዎ፡ ካብ ኣምበሳደር ናብ ደረጃ ኣፈጻሚ ጉዳያት ምውራድ፡ ኣብ መንጎ እተን ልኡኻት ዝለዋወጣ ሃገራት ዝምድና ኣብ ደሓን ደረጃ ዘይምህላዉ ዘርኢ ምልክት እዩ። ናይ ኤርትራ ካብ ኣምበሳደር ሰመረ ርእሶም ናብ ኣፈጻሚ ጉዳያት ቢንያም በርሀ ምውራድ እውን ብመንጽርዚ ይመዝንዎ ኣለዉ። ካለኦት ወገናት ከኣ ነዚ ኤርትራ ወሲዳቶ ዘላ ኣመዳድባ ምስቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ግዜ ደርጊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸተሎ ኣመዳድባ የዛምድዎ።

ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን የሐርፊፎም ካብ ዝበሃሉ ጉዳያት ሓደ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ውግእ ኢትዮጵያ ዘሎ ኮይኑ፡ ናይ ህግደፍ ውግእ ንቐጽልን ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውግእ ጠጠው ኣቢልና ናብ ልዝብ ክንምለስ ኢና ምባልን ምዃኑ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። ኣብ ውግእ ዩኩረይን-ሩሲያ ክልቲኦም ወገናት ተመሳሳሊ መርገጽ ክሕዙ ዘይምኽኣሎም እውን ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።

Last modified on Friday, 01 April 2022 10:36