Print this page

ኢማራት 30 ቶን ሓገዝ መግቢ ናብ ትግራይ ልኢኻ

2022-03-20 19:55:15 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1791 times
Rate this item
(0 votes)

ሕቡራት ዓረብ ኢማራት 30 ቶን ዝምዘን ሓገዝ መግቢ ብቐጥታ ብነፋሪት ናብ ትግራይ ከም ዝለኣኸት ዜና ወሽመጥ (gulf news)  ብ19 መጋቢት 2022 ሓቢራ። እዚ ሓገዝ መግቢ 5,600 ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ንዝርከብዎም 7,000 ሰባት ከም ዝውሃብ እቲ ዜና ኣስፊሩ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ከም ዝጠቐሶ ኣምበሳደር ኢማራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ መሓመድ ሱሌማን ኣልራሽዲ “ኢማራት ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ መግቢ ጸገም ንምፍታሕ  ሰብኣዊ ረዲአት ኣብ ምቕራብ ክትሕግዝ ድልውቲ እያ።”  ከም ዝበሉ ኣስፊሩ።

እዚ ዜና ወሽመጥ፡  ኢማራት ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ እውን ረዲአት ንምቕራብ ድልውቲ ምዃና ሓቢሩ፡ ንጽጉማት ናይ ሓገዝ ኢዳ ብምዝርጋሕ ኣብ ቅድሚት ከምትስራዕ ጠቒሱ፡ ረዲአት ዝደሊ ህዝቢ ናብ ዘለወን ሃገራት፡ ብህጹጽ  ካብ ምቕራብ ድሕር ከምዘይትብል ጸብጺቡ።

ኢማራት ደገፍ ንዘድልየን ሃገራት ምሕጋዝ ልዑል ግምት እትህብ፡ እዚ ከኣ ልዕሊ ኩሉ ብዘይኣፈላላይ ንህዝቢ ክብሪ ካብ ምሃብ ዝነቅል ምዃኑ እቲ ዜና ተቒሱ፡  ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ብመንገዲ ትካል መግቢ ዓለም 337 ቶን መግቢ ናብ መቐለ ከም ዝለኣኸት ኣዘኻኺሩ። እዚ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሓገዝ 63.000 ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም 80, 000 ሰባት ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝተላእከ ምንባሩ ከኣ ተፈሊጡ።  እቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሓገዝ 200 ቶን ዘይቲ ብልዕን 18.5 ቶን መድሃኒትን ይርከቦ ከም ዝነበረ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ሕቡራት ዓረብ ኢማራት፡ በቲ ሓደ ወገን ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘመናዊ ድሮናት ኣዕጢቓ  ኣብ ልዕሊ ህዝብን ንብረትን ትግራይ ዕንወት ንክወርድ ጠንቂ ክነሳ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሰብኣዊ ተግባራት ምስታፋ ንብዙሓት የዛርብ ኣሎ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ናይ ኢማራት ምስ ህዝቢ ትግራይ ምድንጋጽ ንጉጅለ ህግደፍ ባህ ከምዘይብሎ ድማ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

 

Last modified on Sunday, 20 March 2022 21:02