Print this page

ኣብ ኤርትራ 400 ሶማላውያን፡  ከም ዝተቐትሉ ተሓቢሩ

2022-01-12 21:42:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 966 times
Rate this item
(0 votes)

Somali Soldiers 1

ኣብ ኤርትራ ንወትሃደራዊ ታዕሊም ካብ ዝተላእኩ ሶማልያውያን ኣብ ዝተፈላለዩ መደበራት ታዕሊም፡ 400 ብወትሃራት ኤርትራ ከም ዝተቐትሉ ሶማልያ ጋርዲያን ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ንሓደ ካብቲ ቦታ ዝሃደመ ጠቒሳ፡ ብ11 ጥሪ 2022 ብዝዘርግሓቶ ዜና ሓቢራ። እታ መርበብ ኣተሓሒዛ፡ ነቲ ካብ ኤርትራ  ዝሃደመ ዓብደልቃድር ኣብሽር ዝተባህለ ተዓላማይ ዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት ገይራ ከም ዝገለጸቶ፡ ካብቶም ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ብዙሓት ናብ ውግእ ናይ ኢትዮጵያ ክኣትዉ እንከለዉ ካለኦት ኣሸሓት ከኣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ግዱድ ናይ ጉልበት  ስራሕ ከም ዝኣተዉ ሓቢራ።

እቲ ካብ ኤርትራ ከም ዝሃደመ ዝሓበረ ዓብደልቃድር ኣብሺር፡ ኣብ መጀመርያ ኣዋርሕ 2020 ናብ ኤርትራ ከም ዝተላእከ ጠቒሱ፡ ኣብ 6 ኣዋርሕ ታዕሊሙ ከም ዝወደአ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቶም ምስኡ ዝተዓለሙ ኣብቲ መደበር ታዕሊም ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኩነታት መነባብሮ ከም ዝገደፎም ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ዓብደልቃድር ነታ መርበብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ካብ 2019 ጀሚሩ ኣብ ኤርትራ ደሃዮም ዝጠፍአ ሶማላውያን ተዓለምቲ ብሕጽረት ሕክምናን መግብን ከም ዝሳቐዩን ብሰንክዚ መሰረታዊ ሕጽረታት ብዙሓት ከም ዝሞቱን ጠቒሱ። ብሰንክቲ ሕማቕ ኩነታት ኣብ መንጎ ሶማላውያን ተዓለምትን ኤርትራውያንን ብዝተፈጥረ ጐንጺ ብደርዘናት ዝግመቱ  ኣስማቶም ዘይተፈልጠ ተዓለምቲ ከም ዝሞቱ  ኣቃሊዑ።

በቲ ካብ ሶማሊያ ጋርዲያን ዝተረኽበ ዜና መሰረት ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ መንእሰያት ሶማላውያን ልዕሊ 5400 ኮይኖም፡ ናብ ሰለስተ መደበራት ታዕሊም እዮም ተኸፋፊሎም። ካብዚኣቶም መብዛሕተኦም መንግስቲ ሶማልያ ናይ ዝተመገብዎ፡ ዝሰተይዎን ዝተሓከምዎን ወጻኢ ንክኸፍን ብመንግስቲ ኤርትራ ተሓቲቱ ስለ ዘይከፈለ፡ ከም “ናይ ዕዳ ትሕጃ”  ተታሒዞም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት እዮም ተዋፊሮም።

ካልኦት ካብ ኤርትራ ዝሃደሙ ሶማላውያን ከም ዝበልዎ ድማ፡ መንግስቲ ሶማልያ ክሳብ ሎሚ ብዛዕባዚ ጉዳይ ርኢቶኡ ኣይሃበን። እቶም ኣብ ኤርትራ ተሪፎም ዘለዉ ናብ ሃገሮም ክምለሱ እዮም እዩ ዝብል ትጽቢት ግና ኣሎ። እንተኾነ መንግስቲ ሶማልያ ታዕሊሞም ምስ ወድኡ ስለምንታይ ንክልተ ዓመታት ዝኣክል ነቲ ምምላሶም ከም ዘደንጐዮ ንጹር ከምዘይኮነ እቲ ዜና ጠቒሱ።

Last modified on Wednesday, 12 January 2022 22:53