Print this page

ጃምላዊ ማእሰርቲ ኣብ ዓዲ ንፋስ

2022-01-12 21:37:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 916 times
Rate this item
(0 votes)

Logo

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣስታት ሰማንያ ነብርቲ ዓዲ ንፋስ ብሓይልታት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ከም ዝተኣስሩ  ተለቪዥን ኤሪሳት ምንጭታታ ጠቒሳ ካብ ብዘቕረበቶ ዜና ሓቢሩ። ካብዞም ዝተኣስሩ መብዛሕተኦም ብዕድመ ዝደፍኡ ኮይኖም፡ ስድራቤት ተጋደልትን ነባራት ተጋደልትን ከም ዝርከብዎም እቲ ዜና ብተወስኺ ሓቢሩ።

ምስ ነበርቲ ዓዲ ንፋስ ምስሕሓብ ዝነበራ ኣመሓዳሪት ዞባ ኣኽርያ ኣስመራ፡ ሕኒኣ ንምፍዳይ መዝነታ ተጠቒማ ከም ዘእሰረቶም እዩ ተሓቢሩ። እቶም ግዳያት ማእሰርቲ መጀመርያ ብሓባር ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ከም ዝተዳጐኑ ደሓር ግና ናብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከም ዝተወስዱ ተፈሊጡ ኣሎ። መንግስቲ ህግደፍ ህዝቢ ከይቀስን ኣብ ናይ ዓድታት ውሽጣዊ ምምሕዳራዊ ጉዳይ እንዳኣተወ ህውከት ምፍጣር ልሙድ ተግባሩ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ምምሕዳር ዓድታት፡ ንኡስ ዞባታትን ዞባታትን ኢድ እንዳእተወ ዘይምርግጋእ ከም ዝፈጥር ተፈሊጡ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ መራሕቲ ናይዘን ዝተጠቕሳ ምምሕዳራት፡ “መደባት ክተት ብግቡእ ኣይተግበርኩምን” ብዝብል ህዝቢ ከም ዘንገላትዑን ከም ዝብድሉን ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ቀጻሊ  ግፋ ዘካይድ ዘሎ ኮይኑ፡ ምናልባት ኣብ ገጠራት ዝተሓብኡ መንእሰያት ከይልዉ ብዝብል፡ ኣባላት ጸጥታ ናይቲ መንግስቲ ናብ ገጠራት ከም ዝዋፈሩ እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። 

Last modified on Wednesday, 12 January 2022 22:42