Print this page

መግለጺ ሓዘን

2021-11-05 18:53:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1248 times
Rate this item
(0 votes)

ጅግና ተቓላሳይ ዑስማን መሓመድ እስማዒል፣ ብ4 ጥቅምቲ  2021 ወጋሕታ፣ ድሕሪ ነዊሕ ሕማም ኣብ ሃገረ ግብጺ ከተማ ካይሮ ብሞት ከም ዝተፈልዘ ዝሕብር መርድእ ምስ ሰማዕና ኣዚና ሓዚንናን ሰንቢድናን።

ስዉእ ዑስማን መሓመድ ሃገራዊ ግቡኡ ንክፍጽም ብ1965 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ከም ዝተሰለፈ ታሪኽ ህይወቱ ይሕብር።

ተጋዳላይ ዑስማን ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ካብ ቃልሲ ከምዘይተፈልየን፡ ዓበዝቲ ፈተንቲ መድረኻት ናይ ቃልሲ  ዝሰገረን፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ጽፍሕታት ከም ዝተቓለሰን ክሳብ መራሒ ብሪጌድ በጺኹ ከም ዝነበረ እውን  ታሪክ ቃልሱ ኮነ ናይ ቀረባ መቓልስቱ ዝፈልጥዎ እዩ።

ሞት ዘይተርፍ ናይ ኩልና ዕዳ እዩ እሞ፡ በዚ ጋጣሚ መሰረታትን መሪሕነትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንቤተሰቡን መቓልስቱን ጽንዓት ይሃብኩም፣ ንስዉእ ዑስማን መሓመድ ከኣ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ እንዳበልና ናይ ሓዘንኩም ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

Last modified on Friday, 05 November 2021 20:11