Print this page

ዜናዊ ጸብጻብ፡ 5ይ ጉባአ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ

2021-10-31 12:00:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1071 times
Rate this item
(0 votes)

ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ30 ጥቅምቲ 2021፡ 5ይ ጉባአኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ጉበአ ብጻይ ሃይለ ወልዱ ኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንተሳተፍቲ ጉባአን ዕዱማት ኣጋይሽን ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩምን ምስጋናን መልእኽቲ ዽሕሪ ምቕራብ  መስርሕ ምድላው ናይቲ ጉባአ ከመይ ከም ዝነበረ ዝምልከት  ሓጺር መብርሂ ሂቡ። ኣብቲ መብርሂኡ፡ እቲ ጉባኤ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ካብቲ ክግበረሉ ዝግበኦ ደንጉዩ ከም  ዝተኻየደ፡ ኣብቲ መስርሕ ዘጋጠሙ ብደሆታትን መኸቲኦምን፡ ከምኡ እውን ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለን ዝምልከቶም ኣካላት እቲ ዞባን ናብዚ ጉባአ ንምብጻሕ ዘካየድዎ ኣበርክቶን ምትሕብባርን ጠቒሱ።

ኣብዚ ብማሕበራዊ መራኸቢ ዙም ዝተኻየደ ጉባአ ዞባ ኤውሮጳ፡ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ቃል ሰልፊ ኣስሚዑ። ኣብ ዘስመዖ ቃል ንኣሰናዳእቲ ጉባአን ተሳተፍትን ኣመስጊኑ። ኣተሓሒዙ ከኣ  ንሃለዋት ሰልፍን ግደ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ኩሉ መዳያት ዕቤት ሰልፊን ዕዙዝ ምዃኑ ጠቒሱ። ብዘይካዚ ኣብዚ እዋንዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብሓባር ዝሰርሕሉ ኩነታት ንምፍጣር ዝካየድ ዘሎ ጻዕርን ቅሩብነት ሰዲህኤ ነዚ ናይ ሓባር ዕማም ኣብ ምዕዋትን ዝምልከት ሰፊሕ መርሂ ሂቡ። ብጻይ ተስፋይ ኣብ ከባቢና ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ኣሻቓሊ ኩነታትን፡ ጉጅለ ህግደፍ ዘካይዶ ኢድ ኣእታውነትን ኣብ ኤርትራ ዘስዕቦ ዘሎ ሳዕቤንን ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ነዚ ኩነታት ኣብ ምህዳእ ብፍላይ ኣብ ኩነታት ኢትዮጵያ ትግራይ እቲ ፍታሕ ሕጋውን ፖለቲካውን ክኸውን ከም ዝግበኦ ሰዲህኤ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታትን ብዝተፈላለዩ ጽፍሕታቱን ክወስዶም ዝጸንሐ መርገጻት ኣስፊሑ ኣብሪሁ። ብዘይካዚ፣ ዓብዪ ህዳሰ ዲጋ ዝፈጠሮ ምስሕሓብ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ተወሲኽዎ ዞናን ኣሁራዊ መሰሓሓቢ ጃንዳታትን ምፍጣሩ ገሊጹ። ኣብ ምወዳእታ ከኣ ጉባአ ዞባ ኤውሮጳ ዕዉት ንክኸውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊጹ።

ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ሰዲህኤ ብውገኑ፡ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣባላት ዞባ ኤውሮጳ ናብቲ ጉባአ ብምብጸሖም ሓጐሱ ገሊጹ። ናብኡ ንምብጻሕ ንዝጸዓቱ ኣካላት ድማ ንኢዱ። ንሃለዋት ዞባናን ተሃዋስነቱን ብዝምልከት እውን ጠቒሱ፡ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ከኣ እቲ እንቃለሰሉ ዘለና ለውጢ ብህዝቢ ዝመጽእን ናይ ህዝብን ምዃኑ ብምጥቃስ ኣብቲ መስርሕ  ግደ መንእሰይ ኤርትራ ዕዙዝ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ  ብዛዕባ ዝጥለብ እዋናዊ ኣበርክቶ ጠቒሱ።

ብጻይ ደስበለ ካሕሳይ ኣቦመንበር ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ ከኣ፡ ንዞባ ወኪሉ ናይ ደገፍ ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ዘቕረቦ  ናይ ደገፍን ምትሕብባርን ቃሉ፡ ንዞባ ኤውሮጳ ኣብነትን ሓጋዝን ክኸውን ዝኽእል፡ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ መንእሰያትን ኣብ ዜናዊ መዳይን ዝካየዱ ዘለዉ ምንቅስቓሳት መብርሂ ሂቡ። ንዓወት ጉባአ ዞባ ኤውሮጳ ከኣ ሰናይ ትምኒቱ ገሊጹ።

ድሕሪ እዚ ንዞባ ኤውሮጳ ንሸውዓተ ዓመታት ብተኸታታሊ ክመርሕ ዝጸንሐ ብጻይ ኢስቅ ወልደማርያም ኣብቲ ዞባ ንዝጸንሐ ናይ 3 ዓመታት ምንቅስቓስ ዝተጠርነፈ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ኣብዚ ጸብጻቡ መሪሕነት ዞባ ክኸደሉ ዝጸንሐ ኣገባብ ምምሕዳር፡ ጉባአ ካብቲ ክካየደሉ ዝግበኦ ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ምድንጓዩ፡ ናብዚ ጉባአዚ ንምብጻሕ ዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ኣዘረጋግሓን ኣተሃላልዋን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኢውሮጳ፡ ኣብ ሕድሕድ ኣባላት መሪሕነት እቲ ዞባ ዝጸንሐ ሓድነትን ምድግጋፍን እቲ ዞባ ካብ ምስላጥ ሰልፋዊ ሓላፍነቱ በተወሳኺ ብደረጃ ውድባት ኮነ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ከርእዮ ዝጸንሐ ተሳትፎ ዘርዚሩ። ብጸይቲ ኣልጋነሽ ያቆብ ኣባል መሪሕነት ናይቲ ዞባ ብወገና፡ ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ጸብጻብ ኣቕሪባ። ኣብቲ ጸብጻባ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ብደረጃ ሰዲህኤ ኮነ ብደረጃ  ዞባ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብን ናብኡ ንምብጻሕ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ቃልስን ገሊጻ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ከም ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ዝኣመሰሉ ትካላት ዘጋጥሙ ጸገማት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምቅላል፡ ኣባላት ሰዲህኤ የበርክተኦ ንዘለዋ ሓገዛት ጠቒሳ።

ድሕሪዚ ተሳተፍቲ ጉባአ ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻባትን ዝቐረበሉ ኣገባብን፡ ክኸውን ነይርዎ ዝብልዎን ንመጻኢ ካብኡ ክውሰድ ብዛዕባ ዝግበኦ ትምህርትን ተመኩሮን ሰፊሕ ምይይጣ ኣካይዶም።

ጉባኤ ዞባ ኣብ መወዳእታ 7 ቀወምትን 2 ተጠባበቕትን ዘለዉዋ ሓዱሽ መሪሕነት ዞባ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ። እቲ ናይ ምስጢር ኣመራርጻ በቲ ኣኼባ ዝተኻየደሉ ኣገባብ ብዙም ብምንባሩን እቲ ኣገባብ ሓድሽ ስለ ዝነበረን፡ ምስጢራውነት ድምጺ መረጽቲ ምዕቃብን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቅድሚ ምድማጽ  ብኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባቲ ኣገባብ ኣፍልጦ ብዘለዎ ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብጻይ ኪዳነ በርሀ ኣገዳሲ መብርሂ ተዋሂቡ።

ኣብ መጠረስታ፣ ተሳተፍቲ ንመሪሕነት ሰልፍን ሓዳስ መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳን ኣገዳሲ ለበዋታትን ርእይቶታትን ኣቕሪቦም፡  ጉባአ ተዛዚሙ። 

Last modified on Sunday, 31 October 2021 13:16