Print this page

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንኣባልነት ሱዳን ብሰንኪ ዕልዋ ኣደስኪልዎ

2021-10-28 07:58:11 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 960 times
Rate this item
(0 votes)

ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝተመርሐ ኣብ ሱዳን  ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ተኸቲሉ ኣባልነት ናይታ ሃገር  ኣብቲ ሕብረት ኣደስኪልዎ። እቲ ምድስካል ኣባልነት ተኣጊዱ ዘሎ ብሲቭል ዝምራሕ ናብ ብምርጭ ዝቖመ መንግስቲ ከሰጋገር ትጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ  መሰጋገሪ ምምሕዳር ናብ ንቡር ቦታኡ ክሳብ ዝምለስ ከም ዝቕጽልዩ እዩ ተገሊጹ።

ናይቲ ሕብረት ናይ ሰላም፡ ፖለቲካን ድሕነትን ክፍሊ ብ27 ጥቅምቲ ኣብ ዝገለጾ እቲ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ዕልዋ ክፍጸም እዩ ኢሉ ዘይተጸበዮ ምዃኑ ምግላጹ፡ ንምንጭታት ናይቲ ሕብረት ብምጥቃስ ኣልጀዚራ ዝዘርገሖ ዜና ሓቢሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባቲ ኩነታት ዝዛተ ልኡኽ ናብ ሱዳን  ከም ዝሰደደ ካብ ዜና ቢቢሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ንመግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃ ተኸቲሉ ባንክ ዓለም ብወገኑ፡ ብሰንክቲ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ንሱዳን ዝህቦ ሓገዝ ከም ዘደስክሎ ገሊጹ። ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብወገና ንሱዳን ክትህቦ መዲባ ዝነበረት ናይ 700 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ጠጠው ከምእተብሎን ኩንታት ሱዳን ናብ ንቡር ንክምለስ ተወሳኺ ጸቕጥታት ከም እትገብርን ኣፍሊጣ።

ናይቲ ዕልዋ ዜና ምስተሰምዐ፡ ኣሸሓት ሱዳናውያን ኣብ ከተማታት ካርቱምን እምዱርማንን ንተኸታታሊ መዓልታት ኣብ ኣደባባያት ከም ዝተቓወሙን መንገድታት ክዓጽዉ  ምስ ፈተኑ  ምስ ወተሃደራት ብዝተፈጥረ ግጭት ክሳብ 27 ጥቅምቲ 2021 ብውሕዱ 7 ሰባት ከም ዝሞቱን ብዙሓት ከም ዝቖሰሉን ብማዕከናት ዜና ተገሊጹ።  እቲ ተቓውሞ ኣብ ከተማ ካርቱም ከይተደረተ ኣብ ካልእ ከባቢታት እውን ክቕጽል ግምት ኣሎ። ምስዚ ብዝተሓሓዘ ናይ ሱዳን ሰራሕተኛታ ኩባንያ ነዳዲን ሓካይምን ኣካል ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ሲቪላዊ ተቓውሞ ከም ዝኾኑ ኣፍሊጦም።

ነቲ ናይ 25 ጥቅምቲ 2021 ዕልዋ ዝመርሑ ጀነራል ኣልቡርሃን ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ወተሃደራት’ውን ኣንጻሮም ከይለዓሉ ስግኣት ስለ ዘለዎም፡ ነቲ ዕልዋ ካብ ሕድሕዳዊ ውግእ ሱዳናውያን ንምድሓን ኢሎም ከም ዝወሰድዎ ምግላጾም ኣብቲ ዜና ተገሊጹ። እቶም ጀነራል ኣተሓሒዞም ከኣ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 ምርጫ ከም ዝካየድ ቃል ኣትዮም። እንተኾነ እዚ ዕልዋ ጀነራል ኣልቡርሃን ስልጣኖም ዘረክበሉ ዝነበሮም ግዜ ኣብ ዝተቓራረበሉ ስለ ዘጋጠመ እቲ ወተሃደር ንመብጸዓ መጻኢ መርጫ ናይቶም ጀነራል ኣይኣመኖን ዝብል ግምት ኣሎ።

ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብቲ ዕልዋ ዝተኻየደሉ ግዜ፡  ንቀዳማይ ሚኒስተር  ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ መንበሪ ገዛ ናይቶም ጀነራል ኣሲረምዎም ከምዝነበሩን፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ከኣ ናብ ገዝኦም ከም ዝመለስዎምን እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብስልኪ ከም ዝተዘራረቡን ካብታ ሃገር ዝወጹ ዜናታት ሓቢሮም።

 

Last modified on Thursday, 28 October 2021 10:12