Print this page

መደብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እገዳ ንምውሳንን መገሻ ናብ ኣዲስ ኣበባን

2021-10-20 17:17:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1002 times
Rate this item
(0 votes)

ሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕብቲ ብ18 ጥቅምቲ 2021 ዘካየዶ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኣኼባኡ ብዝምልከት፡ ላዕለዋይ ወኪሉ ጆሰፍ ቦረል ንጽባሒቱ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ኣጀንዳታት ናይቲ ኣኼባ ሓደ ብዛዕባ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከም ዝነበረ ምጥቃሶም ማእከል ዜና ኤርትራ ሓቢሩ። ኣብቲ መግለጺኦም፡ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ኣጀንዳ፡ እቲ ኣኼባ “ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ውግእ ኣብታ ሃገር ብሓዘን ንዝክሮ ኣለና” ከም ዝበለ ኣስፊሮም።

እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ  ኣተሓሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ ውግእ ካብ ዝጅመር፡ ንገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከም ናይ ውግእ መሳርሒ ክጥቀሙ ብዝጸንሑ ዕጡቓት ኣካላት፡  ሜላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ከም ዝተዘውተረ ተጠቒሱ

ኣብቲ ኩነታት ሰብኣዊ ረዲአት ክኽልከል ጸኒሑ እዩ፡ ነዚ ብዝምልከት ባሕቲ ሕዳር 2021 ብመንገዲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ንዝቐርብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ዘድሊ ባይታ ነጣጥሕ ኣለለና  ዝብል ሓሳብ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝቐርብ ጸብጻብ እገዳ ብምውሳን ዝጅምር ነቲ ኩነታት ግቡእ መልሲ ዝህብ ክኸውን ከም ዝጽበዩ እውን ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ።

እቶም ላዕለዋይ ተወካሊ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ ጋዜጣዊ መግለጺኦም፡ ብመሰረት እቲ ንሰብኣዊ ግህሰት ብዝምልከት በጺሑና ዘሎ ጸብጻብ ነቲ መስርሕ ከነቐጽሎ ንሰርሕ ኣለና እውን ኢሎም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብዛዕባ ንኢትዮጵያ ዝወሃብ ናይ ልምዓት ሓገዝ ብኸመይ ኩነታት ከም ዝቕጽል  ከም ዝምርመር ከኣ ኣስፊሮም።

ብመሰረቲ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ናይቲ ሕብረት ኮሚሽነር ዓለም ለኻዊ ምሕዝነት ጁታ ኡርፒላይነን ምስ ፍሉይ ተወካሊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣነተ ወበር  ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝገሹ ሓቢሮም። ዕላማ መገሻኦም ናብ ኢትዮጵያ  ንጹር መልእኽቲ ኤውሮጳ ብዛዕባ ኣገዳስነት ምትግባር ተኹሲ ምቁራጽን ምጅማር ኩሎም ተዋሳእቲ ዝሳተፍሉ  ሃናጺ ፖለቲካዊ መስርሕን ምብጻሕ ምዃኑ ኣመልኪቶም።  ምስዚ ኣተሓሒዞም ድማ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ቅድም መራሒ ናጀርያ ኤለሰንጎ ኦባሳንጆ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ምሉእ ደገፍ ከም ዝህልዎም ገሊጾም

Last modified on Wednesday, 20 October 2021 19:22