Print this page

ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ

2021-07-08 07:18:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1221 times
Rate this item
(0 votes)

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት መንቀሊኡ ኣብታ ሃገር  ዘሎ ዘይተፈትሐ ፖለቲካዊ ጸገም ምዃኑ ገሊጾም። ዶ/ር ዳንኤል ኣብ ዝሓለፈ 3 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብዙሓት ላዕለዎት ፖለቲከኛታትን ስቪል ኣባላትን ኢትዮጵያውያን ከም ዝእሰሩ ጠቒሶም፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ግህሰት መሰላት ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብሓባር ኮይኖም የጽንዕዎ ከም ዘለዉ እውን ኣረዲኦም።

እቶም ኮሚሽነር ምስ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮም ርክብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዝጠንቁ፡ ናይ ብዙሓት ንጹሃት ሰባት ሞት፡ ምምዝባልን ምብራስ ንበረትን ከም ዘስዓበ ኣብሪሆም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ሕጂ እውን እቲ ፖለቲካዊ ጸገም ስለ ዘይተፈትሐ እቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እውን ቀጻሊ ከም ዘሎ ኣቃሊዖም። ብፍላይ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት እቲ ዝተፈጸመ  ግህሰት ዘለዎ ክብደትን ተሓታትነት ፈጸምቱን ብዝምልከት ኣብ ምጽናዕ፡ እቶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካይዱ ዘለዉ ኣካላት ኣብ ትግራይ ንዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ የዘራርቡ ከም ዘለዉ  ኣፍሊጦም። እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ መጽናዕቲ ኣብ 3 ኣዋርሕ ክወዳእ መደብ ከም ዝነበረ፡ እንተኾነ ብጸጣዊ ምኽንያት ሓደሓደ ቦታት ምብጻሕ ስለ ዘጸገመ ካብቲ ዝተባህሎ ከይድንጒ ስኽፍታ ከም ዘለዎም ኣፍሊጦም።

ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥሜት ብዝምልከት፡ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ብኣሃዛት ኣሰንዮም ዘቕረብዎ ኣሰካፊ ጸብጻባት ኩሎም ዝምልከቶ ኣካላት ክቕበልዎ ከም ዝግባእ ጠቒሶም። ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት ብዋሕዲ መግቢ ዝሳቐዩ ህጻናት ከም ዝተዓዘቡ ኣይሓብኡን።  ንክልል ኦሮምያ ኣብ ዝምልከት ከም ዝሓበርዎ ከኣ፡ ኣብቲ ክልል ሕማቕ ኣተሓሕዛ ኣብያተ-ማእሰርትን ኣብያተ-ፍርድን ከም ዘሎ ኣረጋጊጾም። ንጹሃት ስባት ብተኸታታሊ ብዝተዓጥቁ ሓይልታት ከም ዝቕተሉ’ውን ሓቢሮም።

ኩልና ከም እንዝክሮ’ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ክፍጸም ዝጸንሐን ጌና’ውን ዝፍጸም ዘሎን ዘስካሕክሕ ኩሉ ዓይነት ግህሰታት ብሰንኪ ኣብታ ሃገር  ግሉጽነትን ናጻ መራኸብታትን  ዘይምህላው ዝዛረቡ ኣካል ከምዘየለ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Thursday, 08 July 2021 09:20