Print this page

ኣዋጅ ተኹሲ  ጠጠው ምባል ኣብ ትግራይ

2021-07-05 08:19:11 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1223 times
Rate this item
(0 votes)

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ነቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ27 ሰነ 2021 ዝኣወጆ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል መልሲ ሂብሉ። እቲ ድሕሪ ናይ 8 ኣዋርሕ ቀጻሊ ውግኣት ናብ ቦታኡ ከም ዝተመልሰ ብዕሊ ኣፍሊጡ ዘሎ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ብ3 ሓምለ 2021 መልሲ ከም ዝሃበሉ፡ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣፍሊጡ። ቢቢሲ ከም ዝበሎ ሓለፍቲ ትግራይ ነቲ ኣዋጅ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡  መንግስቲ ትግራይ ንመሰረተ-ሓሳብ ጠጠው ምባል ተጻብኦታት ደጊፉ፡ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኣወጀ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ኣብ ዝምልከት 7 ነጥብታት ዝሓዘ ቅደመ-ኩነት ኣቕሪቡ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ካብቶም  ቅድመ-ኩነታት፡ ኣንጻር ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ክዋግኡ ዝጸንሑ፡ ሰራዊት ኤርትራ ጠቕሊሉ ካብ ትግራይ ክወጽእን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ሒዝዎ ዘሎ ቦታታት ኣረኪቡ፡ ናብቲ  ቅድሚ ውግእ ዝነበሮ  ክምለስ፡።

ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተዋፊሮም ዘለዉ ኣባላት ጸጥታ ኤርትራ ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ክምለሱ።

ኣብ ትግራይ ብሰንክቲ ውግእ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ንብረቶምን ወሪዱ ዘሎ በደላትን ዕንወትን ሻራ ብዘየብሉ ኣካል ክጻረን ክምርመርን። ተሓተቲ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡ።

ኩሉ ኣብ ትግራይ ተቛሪጹ ዘሎ ከም  ሓይሊ ኤለክትሪክ፣ መጐዕዝያ፣ ቴለፎን ባንክን ትካላት ጥዕና ዝኣመሰለን ኣገልግሎታት ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ንቡር ክምለስ።

ሰብኣዊ ረዲአት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ገደብ፡  ናብቲ ክልል ዝኣትወሉ መንገዲ ክጣጥሕን  ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋትት ናብ ቦታኦም ክምለሱን።

ስሩዕ በጀት ክልል ትግራይ ከምቲ ናይ ቅድም፡ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍቀድን ትካላት ጸጥታ  ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ክወጹን ዝብሉ ይርከብዎም።

በቲ ካልእ ወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ስለምንታይን ብኸመይ ኣገባን በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ኣዊጁ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ዝሰሓበሉ ምኽንያትን ኣገባብን ኣዛራቢ ኮይኑ ኣብ  ዘለወሉ፡ ብዛዕባቲ ብክልል ትግራይ ቀሪቡ ዘሎ ቅድመ ኩነት ብቐጥታ ዝሃቦ መልሲ የለን። ምስዚ ግና ምክትል ቀዳማይ ቀዳማይ ሚኒስተርን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተርን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዘለዎ ኣምበሳድራት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ክዘራረቡ ጸገም ከም ዘየብሎም ገሊጾም።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊተይ ካብ ትግራይ ዝሰሓብኩሉ ምኽንያታት ዝብሎ ዘርዚሩ ፖለቲካዊ ውሳነ እዩ ክብል እዩ ገሊጽዎ።  ናይ ብዙሓት ትዕዝብትን እምንቶ መንግስቲ ክልል ትግራይ ግና እቲ ናይ ምስሓብ ምኽንያት ፖለቲካዊ ውሳነ ዘይኮነ፡ ወታደራዊ ወፍሪ ኣሉላ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘስዓቦ ስዕረት  ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

ኣብዚ እዋንዚ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዳርጋ ንብምልእታ ትግራይ ክቆጻጸር እንከሎ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብወገን ሑመራ ኣንጻር ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፡ ብወገን ሰሜን ከባቢ ራማ ከኣ ኣንጻር ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ውግእ ቀጻሊ ከም ዘሎ ይንገር።

ዶ/ር ደብረጼን ገብረሚካኤል ፕረሲደንት ክልል ትግራይ፡ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገበረ እግዘኣብሄር ምክትል ኣቦ-መንበር ህወሓትን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ወሃብ ቃልን ኣማኻርን መንግስቲ ትግራይን ዝኣመሰሉ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ናብ መቐለ ተመሊሶም፡ ዝተፈላለዩ ንህዝቢ ዘረጋግኡ መግለጽታት ይህቡ ኣለዉ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ መንግስቲ ትግራይ ንዕምቆት ናይቲ ኣብ ግዜ ውግእ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወሪዱ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን በደል ዘርኢ መግለጺ ብ4 ሓምለ 2021 ኣውጺኡ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለ ዝተቐበሎ፡ ትካል መግቢ ዓለም ካብ 5 ሓምለ 2021 ጀሚሩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለን ሽረን ብነፈርቲ መግቢ የቕርብ።

Last modified on Monday, 05 July 2021 10:22