Print this page

ኤርትራ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሳ

2021-06-24 20:21:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1417 times
Rate this item
(0 votes)

ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ተመዚዙ ጉዳይ ኤርትራ ዝከታተል ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ሱዳናዊ ዓብደልሰላም ባበክር፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ዝኾነ ይኽን ምሕያሽ ከምዘይገበረ ጠቒሱ ከም ዘቃለዐ ቢቢሲ ትግርኛን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜናን ገሊጸ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ነዚ ዘፍለጠ፡ ኣብዚ ቀርባ መዓልታት ኣብ ጀነቫ ናብ ዝተኻየደ፡ ናይቲ ዝመዘዞ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት መበል 47 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ እዩ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ዕለት 21 ሰነ 2021 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ  ዘቕረቦ  ጸብጻብ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ዝሕግዙን፡ ሰብኣዊ መሰል ዝሕለወሉን፡ ትካላት ኮነ ሕገ-መንግስቲ ከምኡ እውን ካለኦት ሓገግትን ፈጸምትን ትካላት  ዘየብላ ሃገር ምዃና እውን ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብ1997 ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ ኣምኪኑ፡ ካልእ ሕገ-መንግስቲ ክነድፍ ዝኣተዎ ቃል ከም ዘየኽበረ ጠቒሱ። ምስዚ ከኣ ኣብ ስልጣን ልዕሊ 30 ዓመታት ጸኒሑ ክነሱ ዝኾነ ይኹን ምርጫ ከምዘየካየደ ኣብቲ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

እቲ መንእሰያት ኤርትራ ን18 ኣዋርሕ ጥራይ ከገልግሉ ብ1994 ዝወጸ ኣዋጅ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ደረት ኣልቦ ባርነት ከም ዝተቐየረ እቲ ጸብጻብ ሎሚውን ደጊሙ ጠቒሱ። እዚ ግዱድ ውትህድርና ቀንዲ መርኣያ ናይቲ ስርዓት ምግሃስ ኩሉ ዓይነት መሰላት ምዃኑ ከኣ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ፡ ብሰንክዚ ግህሰትዚ መንእሰያት ኤርትራ ትምህርቶም ናይ ምክትታል ዕድሎም ከም ዝጸልመተን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ክስደዱ ከም ዝተገደዱን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ከምቲ ልሙድ፡ ነዚ ርኡይ ገበኑ ከም ዝኸሓዶን ብህዝቢ ዘይሳተፎን ዘይፈልጦን “ዞባዊ ምርጫታትን ገበናዊ ሕግታትን”  ክሽፋፍኖ ከም ዝፈተነን እውን ኣብዚ ጸብጻብ ሰፊሩ።

ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዝምልከት ጸብጻባትን መፍትሒ ለበዋታትን ክቐርብ እዚ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን። እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ዓለም ለኻውን ዞባውን ኣካላት ስጉምቲ ዘይምውሳዶም ክሳብ ሎሚ ክመሓየሽ ከምዘይከኣለ ዝዝክረ እዩ።

Last modified on Thursday, 24 June 2021 23:11