Print this page

ዜናዊ ጸብጻብ ኣኼባ ኣባላት ሰዲህኤ

2021-03-29 10:33:31 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1952 times
Rate this item
(0 votes)

ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ28 መጋቢት 2021 ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዙም ተኻይዱ። ነዚ ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ዝተሳተፍዎን ልዕሊ ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደን ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት ዝዘተየ ኣኼባ፡ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) መሪሕዎ። ኣቦመንበር ተስፋይ ኣብ መእተዊኡ፡ ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ብዳሓን መጻእክንን መጻእኩምን” ዝብል ብምቕዳምዩ፡ ንተሳትፎ ተጋባእቲ ኣመስጊኑ።

ሓደ ናይዚ ብፈጻሚ ሽማግለ ዝተጸወዐ ሓፈሻዊ ኣኸባ ኣጀንዳ እዋናዊ  ሰልፋዊ፡ ኤርትራውን ከባብያውን ሓበሬታ ምቕራብ ነይሩ። እቲ ዝያዳ ቆላሕታ ዝተዋህቦ ካልእ ኣጀንዳ ከኣ፡ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ንርከበሉ ዘለና ከባብያዊ ምዕባለን ምሕያል መስርሕ ሓድነትን ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ብ23 ጥርን 14 ለካቲት 2021ን ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ ብዛዕባ ኣገባብ ቃልሲ ዝገበሮ ቅዋማዊ ዳህሳስን መብርህን  ሓበሬታ ምሃብ እዩ ነይሩ።

 ኣቦመንበር ኣብዚ እዋንዚ ኣካቢቡና ብዛዕባ ዘሎ ምዕባለታት ድሕሪ ምጥቃስ፡ ብዛዕባቲ ሰዲህኤ ካብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ንደሓር ሒዝዎ ዝጸንሐ ንኣገባብ ቀልሲ ዝምልከት መርገጽ ዳግመ-ዳህሳስን መብርህን ምግባር ዘድለየሉ ምኽንያታት ዝርዚሩ። ኣብ መብርሂኡ ካብቶም ነቲ ስጉምቲ ንምውሳድ ማእከላይ ባይቶ ኣብ ግምት ዘእተዎም ውሽጣዊ ሓድነት ሰልፊ ምዕቃብን፡ ቅዋማዊ መስርሕ ምሕላውን፡ ኣገዳስነት መስርሕ ሓድነትን ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኣዕዚዙ ጠቒሱ። ማእከላይ ባይቶ ነዚ ስጉምቲ ክወስድ እንከሎ ዝተኸተሎ መስርሕን ቅዋማዊ መንገድን ከኣ ጠቒሱ።

ናብቲ ማእከላይ ባይቶ “ህዝቢ ኤርትራ ዝቕበሎን ዝሳተፎን፣ ኣብ ወድዓውን በዓል ቤታውን ኩነታት ዝምርኰስ፣ በብእዋኑ ዝግምገምን ከከም ኩነታቱ ዝትግበርን፡ ምሉእ ስልታዊ ምትዕጽጻፍ ንምግባር ዘኽእል ኩሉ ኣገባባትን ስጉምትታትን ምውሳድ”  ብዝብል ዝወሰኖ ንምብጻሕ ኣቐዲማ ፍልይቲ ናይ መጽናዕቲ ሽማግለ ኣውጺኣ ንድፊ ምስ ኣቕሪበት ብድሕሪኡ ብደረጃ ፍሉይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ከም ዝተወሰነ ገሊጹ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ  እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ  ብፍላይ ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ኣብ ደንበ ተቓውሞን ኣሰላልፋኡን ኣሕዲርዎ ዝነበረ ጽልዋ ገሊጹ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ጉዳያት ይነጽርን ይበርህን ስለ ዘሎ ሚዛናት ናብ ንቡር ቦታኡ ተመሊሱ ኣብ መስርሕ ሓድነት ዕንቅፋት ከምዘይከውን ኣመልኪቱ። ብዘይካዚ ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘለዎ ሃለዋትን መስርሕ ምንዳፍን ምጽፋፍን እቲ ምጥርናፍ ኣብ መጻኢ ዝምረሓሎም ሰነዳትን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ብዝምልከት ኣብሪሁ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ብኣቦመንበር ዝቐረበ ኣዝዩ ጽጹይ ጸብጻብን መብርህን ምስ ተኸታተሉ፡ ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ኣቕሪቦም። ካብቲ ዝቐረበ ሕቶታት፡ “ማእከላይ ባይቶ ኣብ ኣገባብ ቃልሲ ከምዚ ዓይነት መብርሂ ምሃቡ ክሳብ ክንደይ ቅዋማዊ እዩ?፡ ማእከላይ ባይቶ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክወስድ ዝደረኽዎ ሰልፋውን ከባብያውን ምኽንያታት እንታይ እዮም?፡ ሰልፍና ነዚ ኣብ ከባብና ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ክከታተሎዶ ጸኒሑ?፡ እዚ ብማእከላይ ባይቶ ዳግመ-ዳህሳስ ዝተገብረሉ ምብራህ ኣገባብ ቃልሲ ኣብ መጻኢ መስርሕ ሓድነት ክሳብ ክንደይ ሓጋዚ ክኸውን እዩ?፡  ዝብሉ ዝርከብዎም ሕቶታት ብተሳተፍቲ ቀሪቦም ብኣቦመንበር ግቡእ መብርሂ ተዋሂብዎም።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ተሳተፍቲ ኣኼባ ነቲ ማእከላይ ባይቶ ምስ ህልዊ ምዕባለታት ተዓጻጺፉ ዝወሰዶ ውሳነ ኣመጒሶም። ኣብ ርእሲ እዚ ከኣ ብሰንኪ ህግደፍ ኣቲናዮ ዘለና ዘሻቕል መድረኽ፡ ሃገር ኣብ ምድሓን ሓጋዚ ባይታ ምዃኑ። ነዚ ዘለናዮ ሃለዋት እቲ መዋጸኦ ብሓድነትን ሓባራዊ ዕዮን ጥራይ ዝስገር ምዃኑን ንጉዳይ ሓድነት ቀዳምነት ምሃብ ከም ዘድልን፡ ኩሉ ሰልፋዊ ዓቕምና ከነሕይል ንኽእለሉ ኩነታት ዘንጸባርቑን ካልኦትን ርኢቶታት ኣቕሪቦም።

ኣብ መወዳእታ ኣቦመንበር ኣኼባ ክዓጽው እንከሎ፡ መሪሕነት ሰልፊ ነቲ ብተሳተፍቲ ኣኼባ ዝቐረበ ርኢቶታትን ለበዋታትን ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ኩሉ ዝከኣሎ ዘበል ክገብር ድልዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ናይ ኣባላት ሰልፊ ኩለ-መዳያዊ ተሳትፎ ወሳኒ ብምዃኑ ብምሕባር ከኣ፡ ኣባላት ከም ወትሩ ተሳትፎኦም ከሕይሉ ተላብዩ።

Last modified on Monday, 29 March 2021 12:35