Print this page

ኣስተምህሮ ጥምረት ኣብያተ-ጽሕፈት ሰዲህኤ

2021-03-15 09:39:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2296 times
Rate this item
(0 votes)

ጥምረት  ኣብያተ-ጽሕፈት ጉዳያት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ  (ሰዲህኤ)፡ ብ14 መጋቢት 2021 ንኣባላት ሰልፊ ኣስተምህሮ ሂቡ። ነቲ ኣስተምህሮ ዝሃበ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ ሰዲህኤ እዩ። እቲ ኣስተምህሮ ዝሃበሉ ኣርእስቲ ከኣ ሃገርን ሃገረ-መንግስትን ዝብል እዩ።

ብጻይ መንግስተኣብ ኣብቲ ዘቕረቦ ሰፊሕ መበገሲ ሓሳብ፡ ነቲ ኣብ ኣረዳድኣ ሃገርን ሃገረ-መንግስትን ዘጋጥም ምድንጋራት ዝተፈላለዩ ኣብነታት ኣሰንዩ ብዝርዝር ኣብሪሁ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ኣመጻጽኣን ባህርያትን ዝተፈላለዩ ዓይነት መንግስታትን መራሕቶም ኣብ ዝምልከት ገሊጹ።፡ ድሕረ-ባይታ ኤርትራን ህዝባን፡ ናብዚ ሕጂ ዘላትሉ ደረጃ ልኡላውነት ንምብጻሕ ዝነበረ ጉዕዞን ዘርዚሩ ኣቕሪቡ። ኣብ መግለጺኡ ኤርትራ እዚ ሒዛቶ ዘላ ደረጃ ዝሓዘት ብመግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ 1890 ምዃኑ ብሰፊሑ ኣረዲኡ። ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ምግሃድ ኤርትራ ከም ሃገር እውን ምስ ብዙሕነቱ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ከም ዝነበረን  ኣነጺሩ።

እቲ ሓቂ ከምዚ ኮይኑ እቲ ብጉልባብ ኣግኣዝያንን ካለኦት ተበግሶታትን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምህሳይ ዝግበር ፈተነ ታሪኻዊ መሰረት ከም ዘየብሉ ገሊጹ። እቲ ሓደ ቋንቋ ዝዛረብን ብዙሕ ዘመሳስልዎ ነጥብታት ዘለዉዎን ህዝቢ ናይ ዝተፈላለዩ ዜጋታ ምዃኑ ኣብ ብዙሓት ኣከባቢ ዘሎ ምዃኑ ኣስፊሑ ኣመልኪቱ። ከም ኣብነት ከኣ ኣባናን ኣብ ትግራይ ጥራይ ዝረአ ዘይኮነ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ዘሎ ምዃኑ ከኣ ገሊጹ።  ርሑቕ ከይከደ፡ ከኣ ትግርኛ፡ ኩናማን ዓፋርን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምህላዎም ጠቒሱ። መንቀሊ ኣግኣዝያን ቋንቋ ግእዝ እንተኮይኑ ካብ ንትግርኛን ኣምሓርኛን ናብ ትግረ ከም ዝቐርብ ብዝርዝር ኣብሪሁ።

ድሕርቲ መብርሂ ብተሳተፍቲ ዝተፈላለዩ ተወሰኽቲ መህብተሚ ሓሳባት  ሕቶታት ቀሪቦም። ነቲ ዝቐረበ ሕቶታት ምስ ህልዊ ኰታት ሃገርናን ከባብናን ብምዝማድ ሰፋሕቲ መልስታት ተዋሂቡ። ካብቲ ዝቐረበ ሕቶታት፡ “ሓደ ሰብ ካብ ሓደ ንላዕሊ መንነትዶ ክህልዎ ይኽእል?፡ ኣብ መንጎ ሃገርን ብሄርን ዘሎ ዝምድና እንታይ እዩ?፡  ምንቅስቓስ ኣግኣዝያን ንሓድነት ኤርትራ ክሳብ ክንደይ የስግእ?፡” ዝብሉ ይርከብዎም። ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ከምዚ ዓይነት ኣስተምህሮ ቀጻሊ ክኸውን ተላብዮም።  እቶም ኣብዚ ኣኼባ ናይ ምስታፍ ዕድል ዘይረኸቡ ኣባላት ምእንቲ ክረኽብዎ ቀጻሊ መወከሲ ንክኸውንን፡ እቲ ኣስተምህሮ ብጽሑፍ ክዝርጋሕን ኣብ መርበብ ሓርነት ክስቀልን ብምትሕስሳብ ኣኼባ ተደምዲሙ።

Last modified on Monday, 15 March 2021 10:42