Print this page

ደምዳሚ መግለጺ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ

2021-01-23 03:08:32 Written by  EPDP NA Information Office Published in EPDP News Read 2516 times
Rate this item
(0 votes)

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፤ “ንኹሉ ጽንኩር መድረኻት ብውሽጣዊ ሓድነትን ተወፋይነትን ክንስዕሮ ኢና፡ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፣ ብ16 ጥሪ 2021 ዘካየዶ ጉባኤኡ ብዓወት ዛዚሙ። ዞባዊ ጉባኤ ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ንዝተሰርዑ፡ ንሰልፍና፣ ንሃገርናን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝምልከቱ እዋናውያን ኣጀንዳታት፡ ብዕቱብ ድሕሪ ምምይያጥ እዞም ዝስዕቡ ውሳኔታትን ለበዋታትን መዝጊቡ።

  • ኣባልነት ሰልፍና ከነስፍሕ ምጽዓር፤ ብፍላይ መንእሰያት ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ንጡፍ ጎስጓስ ምክያድ። ብዘይውደባ ዓወት ስለዘይርከብ፣ ህዝብና ተወዲቡ ቃልሱ ብምሕናን፣ ዕምሪ ምልካዊ ስርዓት ከሕጽርን ናብ ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ክሰጋገርን ጸዊዑ።
  • ቁጠባዊ ዓቕሚ ሰልፊ ንምዕዛዝ፡ ካብ ህዝብናን ኣዕሩኽ ፈተውቲ ሃገርናን ሓገዝ ንምርካብ ብዕቱብ ክንነጥፍ፡ ከምኡ’ውን ዝተጸንዐ ወፍሪ ርእሰማል ንምክያድ ኣፍልጦን ክእለትን ዘለዎም ኣባላት ክድህስሱን ከበግሱን ምምዳብ።
  • ዜናውን ፕሮፖጋንዳውን መደባት ሰልፍና ዘመናዊ መራኸቢ ብዙሃን ተጠቒሙ ዕዙዝ ምንቕቓሕን ሓበሬታን ከካይድ ከምዘለዎ ድሕሪ ምንጻር፤ ኵሎም ኣባላት ሰልፊ ክነጥፉሉ ዘለዎም ዕማም ምዃኑ’ ኣስሚሩሉ። ነዚ መሰረት ብምግባር ብደረጃ ጨናፍርን ኣባላትን ክሳለጡ ዘለዎም መዳባት ሰሪዑ።
  • ኣብ ኵሉ ዓንኬላት ኣህጉራዊ ትካላት፡ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታትና ንምብራኽን፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብጽሑፍን ብቃለ መሓትትን ዕላማ ቃልስና ንምቅላሕን መሪሕነትናን መሰረታትናን ብዕቱብ ክንሰርሓሉ ዘኽእል ሓጋዚ መደባት ሰሪዑ። ሰልፍና ምስ ኣብ ከባቢ ሃገርና ዝርከቡ ደሞክራስያውያንን ፍትሓውያንን ሓይልታት ንዞናዊ ሰላምን ርግኣትን፤ ንሓባራዊ ረብሓን ዝምድናታቱ ከደልድል ለበዋታቱ ኣመሓሊልፉ። ብደረጃ ሰሜን ኣመሪካ ድማ ምስ መንግስታዊ ኣካላትን መኽሰብ-ኣልቦ ማሕበራትን ዝምድናና ከነደልድል ጻዕርታቱ ከዛይድ ወሲኑ።
  • ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ተኸሲቱ ዘሎ ዘይርጉእ ኵነታት፣ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ከቢድ ሓደጋ ዘንጸላሉ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ጉባኤ ብማእከላይ ባይቶ ንዝጸደቐ ፖሊሲ ሰልፊ ብምኽታል፡ ነቲ ብሽርክነት ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር. ኣብዪን፡ ዝተባርዐ ወግእን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝሰዓበ ህልቀትን ምዝንባልን ንዅንን። ዝካየድ ዘሎ ወራር ዘስዕቦ ዕንወትን ክሳራን ስለዝዀነ ደው ክብል ይጠልብ። ጉዳያት ድማ ኣብ ጣውላ ብልዝብ ክፍታሕ ይጽውዕ።
  • ውልቀ- መላኺ ኢሳያስ ንህዝብና ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣእትዩ ግዳይ ስቓይን ሞትን ጌሩዎ ስለ ዘሎ፤ ብዘይ ውዓል ሕደር ደው ከብሎን ካብ ኣትዩዎ ዘሎ ስግረ-ዶብ ቦታታት ክወጽእን ምስ ደለይቲ ፍትሒ ብምትሕብባር ተቓውሞና ከነሐይል ጸዊዑ።
  • ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ትካል ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ደው ክብልን ድሕነቶምን ሰብኣዊ ናይ ስደተኛ ሕጋዊ መሰሎምን ክሕሎን፣ ብዝምልከቶም ኣህጉራዊ ሰብኣዊን መንግስታውን ትካላት ክኽበር ጸዊዑ።
  • ብደረጃ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፡ ምስ ኣብ ድያስፖራ ዝንቀሳቐሱ ኤርትራውያን ፖሊቲካዊ ሓይልታትን ሲቪካዊ ምንቅስቓሳትን፣ ብቐንዱ ምስ ምንቅስቓስ ይኣክል ምሕዝነትን ጥቡቕ ምትሕግጋዝን ብምዝውታር፣ ዕምሪ ምልካዊ ስርዓት ንምሕጻር፣ ሓባራዊ ኣድማዒ ቃልሲ ከነዛይድ ጉባኤ ኣስሚሩሉ።
  • ጸዋዒት ዞባዊ ጉባኤ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፤

ምእንቲ ናጽነትን ምውሓስ ልዑላውነትን በብእዋኑ ዘካየድካዮ ውግኣት ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልካሉን ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦን ታሪኽ ዝሰነዶን ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኢሳያስ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ብሰንኪ ዝኣጐዶ ውግኣት ዝኸፈልካዮ ዋጋን ህዝቢ ኤርትራ ዕሸላት ደቁ ኣብዘይርድኦምን ዘይረብሕሉን ውግኣት ተጠቢሶም ዝሃለቑሉን ዝሰንከልሉን፣ ዘስዓቦ ሓዘንን ክሳራን ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ሎሚ’ውን  ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ኣትዩ ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ኣዋፊሩ ዘካይዶ ዘሎ ዕንወትን ክሳራን፤ “ኣይኣተኹን” እናበለ ክኽሕድ’ኳ እንተፈተነ፡ “ንጉዳይ ኢትዮጵያ ኣእዳውና ኣጣሚርና ንርእዮ ኣይኮነን” ብምባል ዝኣንፈቶ ቅድመ-ኵነት፣ ብጋህዲ ዝፍጽሞ ዘሎ እዩ። ህዝቢ ዓለምን መንግስታቱን ዘረጋገጽዎ፣ ካብኡ ክወጽእ ዝጠልብዎ ዘለዉን ሓቂ እዩ። ኣብቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተወልዐ ውግእ’ውን ኢዱ ከእቱ ይወጣወጥ ምህላዉ ምስጢር ኣይኰነን። ስለዚ ክቡር ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፤ እትኣትዎ ዘለኻ ቀጻሊ ኵናት፤ ሳዕቤኑ ንዓኻ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንህዝብና ስቓይ ንመጻኢ ወለዶ እውን ሕማቕ ውርሻ ስለ ዝኸውን ናብ ሓድሽ ዘይምልከተካ ኲናት ከይትጥበስ ዞባ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘካየዶ ጉባኤኡ ይምሕጸነካ። ኣብ ዘይምልከተና ጉዳይ ጣልቃ እንተ ኣቲኻ፤ ኤርትራ እውን ዓውዲ ውግእ ናይ ምዃና ዕድል ክፉት ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።

ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና ንዘልኣለም ይንበር!!

ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣት ሃገርና!!

ዞባዊ ጉባኤ ሰ.ደ.ህ.ኤ. ሰሜን ኣመሪካ

16 ጥሪ 2021

Last modified on Saturday, 23 January 2021 04:19