Print this page

ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዕዉት ጉባኤኡ ኣካይዱ - 16 ጥሪ 2021

2021-01-21 03:15:22 Written by  EPDP NA Information Office Published in EPDP News Read 2809 times
Rate this item
(0 votes)

ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ቀዳም 16 ጥሪ 2021 ዕዉት ጉባኤ ኣሰላሲሉ። እቲ ኣብ ሚያዝያ 2020 ኣብ ኣትላንታ ጆርጂያ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ፡ ብሰንኪ ንዓለምና ኣሻቒሉ ዘሎ ሕማም ለበዳ ኮሮና ቫይሩስ ብዙም እዩ ተኻይዱ።

ጉባኤ ዞባ ኩለን ጨናፍር ዘሳተፈን ምልኣት ዘረጋገጸን ኮይኑ ቀዳም ሰዓት 7 ናይ ንግሆ ብምዕራብ ሰዓት 10 ድማ ብምብራቕ ኣብ ትሕቲ “ንኹሉ ጽንኩር መድረኻት ብዉሽጣዊ ሓድነትን ተወፋይነትን ክንሰግሮ ኢና” ዝብል ጭርሖ እዩ ጀሚሩ። ኣቦ መንበር ዞባ ሓው ደስበለ ካሕሳይ ብዝኽሪ ስዉኣት ድሕሪ ምኽፋቱ ናይ እንቃዕ ደሓን መጻእኹም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ብድሕሪ’ዚ ጉባኤ እትመርሕ ብኣርባዕተ ብጽት ማለት ያሲን ዑስማን, ግደይ መሓሪ ወልዱ, ግርማይ ኣብርሃን ፍስሃየ ሓጎስን ዝቖመት ሰክረታሪያ መድረኽ ተረኪባ ሓው ያሲን ዑስማን ነባራይ ጉባኤ መሪሑ። ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው ተስፋይ ደጊጋ ቃል ሰልፊ ከቕርብ ዕድል ተዋሂቡ መስርሕ ቀጺሉ።

       

ኣቦ መንበር ሰልፊ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም እንቋዕ ድማ ኣብ’ዚ ዓለምና ብሕማም ለበዳ ትሳቐየሉ ዘላ እዋን ጉባኤ ዞባ ክተካይዱ በቓዕኩም ድሕሪ ምባል ዕዉት ጉባኤ ዞባ ክኸውን ዘለዎ ትምኒት ገሊጹ። ቀጺሉ ድሕሪ’ቲ ኣብ ነሓሰ 2019 እተሰላሰለ ዕዉት ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፍና፡ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ብዘይ ገለ ሓጎጽጎጽ ልሙጽ መስርሕ ምትሕንፋጽ ሓሊፉ ኣብ ጉባኤ ምብጽሑ ዘኹርዕ እዩ ኢሉ። ብዘይካ’ዚ ካብ ሓድነታዊ ጉባኤና ክሳብ ሕጂ ብመሰረት እቲ ዝጸደቐ ሰልፋዊ ፕሮግራምን ፖሊሲታትን ሰልፍና ዓበይቲ ዓወታት ኣብ ኩሉ መዳያት ኣመዝጊቡ እዩ። ኣብ ኩሎም እተመዝገቡ ዓወታት ድማ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ዓቢ ተራ ነይሩዎ ክብል ገሊጹ። ገለ ካብ ዓወታትና ንምጥቃስ ኣቦ መንበር ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣልዒሉ፡

  1. ድልዱል ውሽጣዊ ሓድነቱ ዘዕቆበ፣ ህዝባዊ ተሰማዕነት ዘለዎ፣ ውድባዊ ሕግታቱን ስነ ስርዓቱን ዝሓለወ፡ ንቑሕ ኣባል ዝውንንን፡ ድሕሪ ህልዋት ኣባላቱ ንውሉድ ወለዶ ዝቕጽልን ሰልፊ ምህናጽ፡
  2. ሓባራዊ ዕዮ ደምበ ተቓውሞ ንምሕያል ብዘይምቁራጽ ምስራሕ፤
  3. ምስቶም ብፕሮግራምን፡ ስልቲ ኣሰራርሓን ዝመሳሰሉና ኣብ ምሉእ ምጽንባራዊ ሓድነት ምእታዉ፤
  4. ኣብ ዲፕሎማስያዊ፡ ዜናዊ፡ ፊናንሳውን፡ ማሕበራውን መዳያት ሰልፋዊ ዕዮ በቲ ኣብያተ ጽሕፈታቱ ተወኪሉ ዕዉት ዕማም ከነሰላስል ጸኒሕናን ኣሎናን። ከም ሰልፊ ዕቤት ከነርኢ በቂዕና ኢና።
  5. ኣብ ውደባዊ ጉዳያት፡ መዳያት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ስርርዓት ሰልፍና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ይጐዓዝ ምህላዉ፡ ብመዳይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ጉባኤ ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ክካየድ ዝበቕዐ ምዃኑ፣ ብወገን መንእሰያት እውን ኣብ ዘተፈላለየ መዳያት ኣውራ ድማ፡ ኣብ ምትርጓም ሰነዳት ሰልፍን፡ ተሳትፎ ኣብ ማሕበራዊ መድያን ምርኡይ ተራ ምህላዉ ዘሕብን እዩ ድሕሪ ምባሉ ዘቕረቦም ነጥብታት ሓፈሻዊ ሚዛን ንምሃብ እምበር ዝርዝር ጸብጻብ ከምዘይኮነ ኣዘኻኺሩ። ቀጺሉ ኣብ ፖሊቲካዊ መዳይ፡ ብደረጃ ኤርትራን ከባቢናን፡ ኣብ ምዝዛም ዓመት 2020 ብፍላይ ሓያሎ ምዕባሌታት ከም ዝተራእየ ገሊጽ። ነዚ ንርእዮ ዘሎና ሓድሽ ምዕብልና ድማ ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊጹዎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ክልል ትግራይን ዝተባርዐ ወግእ፡ ነቲ ዞና ብምሉኡ ኰነ ንመላእ ዓለም ዘሻቐለ ምንባሩ ኩልና እንርድኦ እዩ። እዚ ውግእ’ዚ ዕንወት፡ ስደት ህልቂትን ምፍሳስ ደምን ከምኡን ከቢድ መበቆላዊ ጽልእታት ዘከተል ኣሰራት ከም ዝነበሮን ከም ዘልውዎን እውን ካብ ኩልና ስዉር ኣይኰነን። ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሓቲ ሓላፍነት ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ምስቲ ብዶር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ስርዓት ኢትዮጵያ ወጊና ናብቲ ኲናት ከም ዝኣተወት ንሕናን ዓለምን ዘረጋገጾ እዩ። እቲ ውግእ ዞባዊ ርሕቀት ይወስድ ምህላዉ ዘርኢ ድማ፡ ብወሰናስን ዶባት ኣሳቢቡ ዝተላዕለ ናይ ሱዳንን ኢትዮጵያን ወግእን ናይ ከባቢ ሃገራት መርገጻትን ምድግጋፍን ኣሎ። ንሕና ከም ሰልፊ፡ በቲ ማእከላይ ባይቶ ዝወሰኖ መሰረት፡ ብንጹር ክንጓዓዝ ጸኒሕና ኣሎና። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ኩነታት ኢደ ጣልቃነት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣይንቕበልን ኣይንፈቅድን ። ነቲ ብምሕዝነት ኢሳያስን ኣብይን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈነወ ናይ ህልቂት ወራር እናኰነንና፡ እቲ ውግእ ብዘይካ ዕንወት ሞትን ስደትን ካልእ ረብሓ ሰለ ዘይብሉ፡ ንዘተን ሰላምን ዕድል ከወሃብ እዩ ጸዋዒትና። ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ከኣ ኣብ መንጎ ተጓንጸቲ ሓይልታት ዘተ ክካየድ ኣብ ልዕሊ ምጽዓር፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ምሉእ ምክልኻል ክገብረሎም ጸዋዒትና ምቕራብ እዩ ክብል ኣብሪሁ። ቃል ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው ተስፋይ ደጊጋ ብምሉኡ ከንብቡ ንዝደልዩ ግዱሳት ኣብ’ዚ ዝስዕብ ብምጥዋቕ ክረኽብዎ ይኽእሉ። ቃል ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ናብ ዞባዊ ጉባኤ ሰሜን ኣመሪካ 16 ጥሪ 2021 (harnnet.org)

ስዒቡ ኣቦ መንበር ዞባ ሓው ደስበለ ጸብጻብ ምንቅስቓስ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፊ ማለት ነሕሰ 2019 ክሳብ ሕጂ ኣቕሪቡ። ሓው ደስበለ ኣብ መደብዕዮ ሰልፊ ሰፊሩ ዝርከብ ተልእኾ ሰልፊ ብምቃስ፡ ዓላማና “ሓርነት ህዝብና ዘውሓሰት፡ ልዑላውነታ ዘረጋገጸት፡ ሓድነት ህዝባ ዝዓቀበት ንድኽነት፡ ንሕማምን ድንቁርናን ዝሰዓረት፡ ብልጽግቲ፡ ቅዋማዊትን ዲሞክራስያዊትን ሃገርምህናጽ እዩ።ብምባል እዩ ጀሚሩ። ጉባኤና ኣብ ድሮ በዓል ሲቪካው መራሒ ዶክተር ማርቲን ሉተር ኪንግ ይካየድ ምህላዉ ብምዝካር፣ እነኽብሮን ካብኡ ንመሃሮጽንዓት ከምዘሎ’ውን ዘኪሩ። ኣብ ጸብጻቡ ዞባ ዘመዝገቦ ዓወታትን ዘጋጠሞ ብድሆታትን ዘርዚሩ። ሓድነታዊ ምጽንባር ብደረጃ ዞባ ንምትግባር ክሳብ ዞባዊ ጉባኤ ዝካየድ ክልቲኡ ናይ ዞባ ሽማግለታት ተጸንቢሩ ክሰርሕ ምስ ጀመረ፡ ስኒት ዝዓሰሎ ልሙጽ መስርሕ ምኻዱ ኣብሪሁ። ብኹሉ ኣባል ዞባ ንዝተለገሰ ሰፍ ዘይብል እምነትን ምትሕብባርን ኣምስጊኑ።

ቀጺሉ ንጹርን ጽፉፍን ናይ ገንዘባዊ ጉዳያት ጸብጻብ ሓው ፍስሃየ ፍትዊ ተወሳኺ ዝሃበሉ ብሓው ቦኽረጽዮን ጉብሳ ቀሪቡ። ኣታዊ ሰልፊ ካብ ወርሓዊ ዉጽኢት ጥራሕ ዘይኮነ ስልፊ ንምሕያል ዝተኻየደ ወፈያ ዕዉት ምንባሩን ብኹሎም ኣባላት ሰልፊ ዝተራእየ ተወፋይነት ዕዙዝ ምንባሩን ኣብሪሁ። ብዘይካ’ዚ ካብ ብዙሓት ዘይኣባላት ፈተውቲ ሰልፊ ዝተወፈየ ሓገዝ ዓቢ ምንባሩ ምግላጹ ናይ ጉባኤኛ ሞራል ሓፍ ዘበለ ዘኹርዕ ሓብሬታ እዩ ኔሩ። ኣስዒቡ ብዞባ ሽማግለ ዝተዳለወት ላፕ ቶፕ ኮምፑዩተር ንዕጫ ወዲቓ ዝነኣድ ኣታዊ ከምዝገበረትን ኣብ ምዝዛም ጉባኤ ከምእትወድቕን ሓቢሩ።

ስዒባ ሓፍቲ ኣስገደት ምሕረትኣብ ጸብጻብ ምንቅስቓሳት ደቂ-ኣንስትዮ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ኣቕሪባ። ሓደስቲ ኣባላት ከምእተጸንበራን ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባታተን ብግቡእ ከምዝካየድን ኣብሪሃ። ኹሉ ግዜ ቐዳማይ መደብ መሰረታትና ምስፋሕ እዩ። ነዚ መደብ’ዚ ንምዕዋት ደቂ-ተባዕትዮ ኣባላት ሓላፍነት ከምዘለዎም ድሕሪ ምግላጽ፡ እንተወሓደ ሰብ ሓዳሮም ክውደባ ክተሓባበሩ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲባ። ኣብ ኩሉ ዝለዓል ክትዓት ናይ ኣረኣእያ ሓድነት ምርግጋጽ ቀዳምነት ሂበን ኣብ ስሩዕ ኣኼባታት ከምዝመያየጣ ገሊጻ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ንዘለዋ ተመሃሮ ንምሕጋዝ ኣብ ህዝቢ ዝተኻየደ ወፈራ ብጣዕሚ ዘሕጉስ ዉጽኢት ከም እተረኽቦን ገና ድማ ይቕጽል ከምዘሎን ሓቢራ። እዚ ቅዱስ መደብ እዚ ከም ናይ ግብረሰናይ ተግባር መጠን፡ ኣብ ኣባላት ሰልፊ ጥራሕ ከይተሓጽረ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝሳተፍዎ ዘለዉ ምዃኑ ዘሓጉስ እዩ ኢላ። ኣብ’ቲ ናጻ ማሕበር ደቅ-ኣንስትዮ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ EWANA (Eritrean Women’s Association in North America) ወይ እዋና ብዝብል ስም ንኽቐዉም ዝኸይድ ዘሎ ቓልሲ ኣባላት ሰልፊ ይነጥፋ ምህላወን ገሊጻ።

ድሕሪ’ዚ ብዞባ ሽማግለ ዝቐረበ ጸብጻባት ብጉባኤ ጸዲቑ። ግባኤኛታት ኣብ ኣገደስትን እዋናውያንን ኣርእስትታት ምክብባር ዝመልኦ ክትዓት ኣካይዶም። ርእይቶታትን ለበዋታትን ቀሪቡ። ጉባኤ ካብ ዝዘተየሎም ነጥብታት ገለ ንምጥቃስ፡

  • ሚዛና ኣብ’ቲ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ዝተራእየ ምዕብልናታትን ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ዉግእን
  • ከም ሰልፊ ኣብ እነካይዶ ዘሎና ሓድነታዊ ቓልሲ ከም ዞባ ኣወንታዊ ግደና ከመይ ይረጋገጽ
  • ዝምድናና ምስ ኣብ ዞባና ዘለዉ ሓይልታት ተቓዉሞ ከመይ ነደልድል
  • ምስ ሰበስልጣን ሰሜን ኣሜሪካን ትካላት ግብረሰናይን ዝምድና ከመይ ንፈጥርን ዘሎ ነመሓይሽን
  • መሰረታት ስልፍና ከመይ ነስፍሕ
  • መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ብዝያዳ ከመይ ነሳትፍ
  • ቁጠባዊ ዓቕሚ ሰልፍና ከመይ ነዕቢ ዝብሉ ኔሮም።

ንሕና ኤርትራውያን ቐንዲ ጸገምና ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልኪ ምዃኑን ኩሉ ዓቅምታትና ኣወሃሂድና ምልኪ ኣፍሪስና ፍትሓዊ ስርዓት ክንተክል ቀዳምይ ዋኒንና ምዃኑ መሰረት ዝገበረ ኣብ ነፍስወከፍ ኣርእስቲ እኹል ምይይጥ ተኻይዱ። ሃናጺ ርእይቶታትን ለበዋታትን’ውን ተመዝጊቡ።

ቀጺሉ ኣምራጺት ሽማግለ ስርሓ ክሳብ ትድምድም፡ እታ ተዳልያ ዝነበረት ኮምፑተር ኣብ ዕጫ ወዲቓ። ኣርባዕተ ዕጽፊ ናይ ዋጋኣ ኣታዊ ዝገበረት ኮምፑተር ናብ ውፉይ ተቓላሳይ ብጻይና እስቲፋኖስ በራኺ በጺሓ። ሓውና እስቲፋኖስ ብወገኑ ነታ ኮምፕዩተር ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ዘለዉ ተመሃሮ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻሙናይ ቀዳማይ ወይ ቀዳመይቲ ብልጫ ዝወጹ ተመሃሮ ኣብ ዕጫ ወዲቃ ንሓደ ወይ ሓንቲ ክትወሃብ ኣወፍዩዋ። ብዘይካ’ዚ ነቲ ዝሰዓረ ወይ ዝሰዓረት ናይ ማዕዶ ወላዲ ክረኽበሎም ተመባጺዑ። ጉባኤኛ ብምሉኡ ሓው እስቲፋኖስ ንዝገበሮ ሰናይ ተግባር ኣድናቖቱን ምስጋንኡን ገሊጹ።

ጉባኤ እናተኻየደ ናይ ምምራጽ ዕድል ተኸፊቱ ስለዝነበረ ኣምራጺት ሽማግለ ዘመናዊ ተክኖሎጂ ብምጥቃም ዉጺኢት ምርጫ ንጉባኤኛታት ሓቢራ። ተወዳደርቲ ብሓጻዪት ሽማግለ ቐሪቡሎም ንዝነበረ ሕቶታት ስእሎም ኣሰንዮም ሰዲዶሞ ዝነበሩ ጉባኤኛታት ከምዝርእይዎ ተገይሩ። እቲ ሕቶታት፡ ሕጹያት መን ምዃኖም ድሕሪ ምልላዮም መሪሕነት ማለት ንዓዓቶም እንታይ ማለት ምዃኑን እንተተመሪጾም ከ ንዞባ እንታይ ክገብሩሉ መደብ ከምዘለዎምን ሓጺር መግላጺ ከቕርቡ እዩ ኔሩ። እዚ ሓድሽ ዝተእታተወ ባህሊ እዩ። ኣምራጺት ሽማግለ ዉጽኢት ምርጫ ማለት 7 ኣባላት ዞባ ሽማግለን 2 ተጠባበቕትን መን ምዃኖም ኣዊጃ።

ኣብ መደምደምታ ጉባኤኛታት በብተራ በቲ ዝወዓለ ጽፉፍ ኣገባብ ሓጎሶም ገሊጾም፡ በቲ ኹሉ ዕዉት ጉባኤ ንክኸዉን ብኣሰናዳዊት ሽማግለ ዝተገብረ ጻዕርታት ኣመስጊኖም። ሞራልን ፍናንን ኣባላት ዞባ ሓፍ ዘበለ ጉባኤ ኮይኑ ድሕሪ 13 ሰዓታት፡ ሰዓት ሾሞንተ ናይ ምሸት ብምዕራብ ጉባኤ ተደምዲሙ።

ክንዕወት ኢና!

ልዑላዊት ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር!

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና!

ቤት-ጽሕፈት ዜና ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

19 ጥሪ 2021

Last modified on Thursday, 21 January 2021 04:54