Print this page

መግለጺ ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

2020-11-24 08:42:12 Written by  ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2796 times
Rate this item
(1 Vote)

መግለጺ ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ብዕቱብ ንምምዛን ብዕለት 21 ሕዳር 2020 ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ።

ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ እቲ ብ2019 ዓ.ም ዝተኻየደ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ሰዲህኤ፡ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኢድ ብምእታው፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልላትን ብሄራትን ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ግርጭታት ንምብላሕ ዝኽተሎ ዘሎ ሻራዊ ፖሊሲ ኰኒኑ ምንባሩ ተመልከተ። ከምኡ’ውን፡ መንግስቲ  ኢትዮጵያ ምስ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዝገብሮ ዝነበረ ስዉር ውዕላትን ስምምዓትን ንዝሓለፍናዮ መሪር ተመኵሮ ዝደግም ከይከውን ጕባኤ ስግኣት ከምዘለዎን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጐድኒ ልዑላውነቱ ደው ክብል ጸዊዑ ምንባሩን ዘኪሩ።

እንሆ እምበኣር ስግኣት 3ይን ሓድነታውን ጕባኤና ጋህዲ ኰይኑ ህዝቢ ትግራይ ኣደዳ ህልቀትን ስደትን፣ ሃገርና መናሃርያ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ህዝብና ድማ ግዳይ ናይ ዘይምልከቶ ውግእ ኰይኑ ኣብ ዲቕ ዝበለ ስቓይን ሓዘንን ይርከብ ኣሎ። ካብ’ዚ ሓቅታት’ዚ ብምንቃል ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ነዚ ዝስዕብ ውሳኔታት ኣሕለፈ።

  1. ናይ ዶር. ኣቢዪን ኢሳያስን ሽርክነት ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንዅንን። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ስለዝዀነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ።
  2. ብዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት፡ መንግስታት፡ ሃይማኖታዊ ትካላትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ዝዀና ማሕበራትን፡ ነዚ ውግእ ጠጠው ንምባል ዘቕርብዎ ዘለዉ ጻውዒት ሰላም እናደገፍና፣ ብፍላይ ድማ፡ እዚ ሕጂ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ወሲዱዎ ዘሎ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ኩሎም ወገናት ክቕበሉዎ ነማሕጽን። ኣብ ክሊ’ዚ ምዕባሌታት ውግእ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ስደትን ምዝንባልን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዕቱብ ኣቓልቦ ክህበሉ፡ ንኹሎም ስደተኛታት ዝምልከት ሓልዮትን ሰብኣዊ ረድኤትን ድማ ከበርክት ማእከላይ ባይቶ ምሕጽንታኡ የቕርብ።
  3. እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ሓደ ካብ ዕላማታቱ ነቲ ኣሽሓት ህይወት ከፊልና ዘረጋገጽናዮ ልዑላውነት ሃገር ኣሕሊፉ ዝህብ ስለዝዀነን ድሮ እውን ተጋሂሱ ስለ ዘሎን፡ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ንምልኪ ስርዓት ኢሳያስ ብዘየዳግም ንምምሓዉ ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ሎሚ እዋኑ ስለዝዀነ ክልዓል ንጽውዕ።
  4. ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብስርዓት ኢሳያስ ተፈቒዱሉ ብኣየር፡ ብምድርን ብባሕርን ናብ ሃገርና ኣትዩ ንልዑላውነትና ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎ ይርከብ። ስለዝዀነ ድማ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስርዓት ህግደፍ ንሃገርና ናብ ባዕዳውያን ኣሕሊፉ ብምሃቡ ክኹንኖን ኣብ መሬትና ዝርከብ ዝዀነ ይኹን ባዕዳዊ ሓይሊ ብቕልጡፍ ንኽወጽእ ጸቕጥታቱ ከሐይልን ንጽውዕ።
  5. ስርዓት ህግደፍ ንባዕዳውያን ሓይልታት ናብ መሬትና ከምዝኣትዉ ምግባሩ ከይኣኽሎ፣ ንሰራዊት ኤርትራ’ውን ብዘይድልየቱን እምነቱን ናብ ትግራይ ልኢኹ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣእትዩ ንኸቢድ ሓደጋ ኣቃሊዕዎ ይርከብ። እዚ ሰራዊት እዚ ነቲ ዝተሰለፈሉ ድሕነት ህዝቡን ልዑላውነት ሃገሩን ኣብ ክንዲ ዝከላኸል፣ ካብ ሃገሩ ወጻኢ መዝሓል ጥይት ኰይኑ ይመውትን ይቘስልን ኣሎ። ስለ’ዚ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ብሓደ ወገን እቲ ሰራዊት ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር፣ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ።
  6. ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵሉ ዓይነት ዓሌታዊ ምቅትታል ደው ክብል ንጽውዕ። ብማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብጅምላ ዝፍጸም ዘሎ ጭፍጨፋ ድማ ብትሪ ንዅንን።
  7. ሰልፍና ንዝዀነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝግበር ዝምታን ሲቪላዊ ዓመጽን ኣይቅበልን። ስለዝዀነ ከኣ፡ ነዚ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ ጉልባብ ጌርካ ዝዝመት ንብረት ህዝቢ ምስዝህሉ ብገበን ዘሕትትን ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ንብረት ናብ ዋንኡ ክምለስ ስለዝግባእን፤ ኣየናይ ሸነኽ ይገብሮ ብዘየገድስ ዝዀነ ሰብ ካብ ናይ ዝምታን ዓመጽን ተግባራት ክቑጠብ ኣጥቢቕና ነተሓሳስብ።
  8. ቅድም ክብል ብመግዛእቲ፡ ድሒሩ’ውን ብሰንኪ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ብዝወረዶ ጭቆናን ኣደራዕን ተማሪሩ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝብና ኣብ ፈቐዶ ዓለም ፋሕ ኢሉ ኣብ ስደት ክነብር ተገዲዱ እዩ። ነዚ ህዝብና ወሪዱዎ ዘሎ ሕሰም ተረዲኦም ዓቕሞም ዝፈቕዶ ሓገዝ ካብ ዝገብሩ ገበርቲ ሰናይ ጐረባብቲ መንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝጥቀሳ እየን። ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብዝሒ ዘለዎም ዜጋታትና ኣብ ዝተፈለየ ከተማታትን ዞባታትን ተበቲኖም ምህላዎም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቶም ዝበዝሑ ድማ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ መዓስከራት ኢዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ሎሚ ምስ’ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ናይ ውግእ ኩነታት ሃለዋት ዜጋታትና ኣብ ከቢድ ፈተና ከምዝወደቐ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ኵነት’ዚ ኣብ ኣእሙሮ ኣባላትናን ህዝብናን ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ባይቶ መዚኑ።

ኣብ’ዛ ፈታኒት እዋን እዚኣ ነዞም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ስደተኛታት ዜጋታትና ኣድላዪ ሓገዝን ሓለዋን ክግበረሎም ንኹሎም ብቐረባ ዝምልከቶምን ንኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ብሓፈሻን ኣጥቢቕና ንሓትት። ነቶም ካብ ናይ ውግእ ዞባ ወጻኢ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ኢትዮጵያ ዘለዉ ድማ ንድሕነቶም ህጹጽ ኣቓልቦን ደገፍን ክግበረሎም ምሕጽንታና ነቕርብ።

  1. ኣብ መወዳእታ፡ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ’ዛ ሒዝናያ ዘለና ዓመተ 2020 ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ተቐራሪቦም ክሰርሑ ይርኣዩ ብምህላዎም ሓደ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ጽምዶ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ምቅርራብ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳትን ሲቪክ ማሕበራትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ። ይኹን እምበር ምስ’ቲ ሕጂ ገጢሙና ዘሎ ብድሆታት ዝመጣጠን ኣይኮነን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኩሎም እቶም ዛጊት ዝተፈላለየ ናይ ሓድነት ጻውዒት ዝገበሩ ይኹን ዘይገበሩ ደለይቲ ፍትሒ ሓይልታት ተቐራሪቡ ክሰርሕ ድልው ምዃኑ እናኣረጋገጸ፥ እቲ መስርሕ ሓባራዊ ስራሕ ብዝለዓለ ናህሪ ክቀላጠፍ ጻውዒቱ የቕርብ።

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህ

21 ሕዳር 2020

Last modified on Tuesday, 24 November 2020 23:43