Print this page

ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ሰዲህኤ

2020-11-23 10:40:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1894 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ሰዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝመረሖን ኣባላት መሪሕነት ዝተሳተፍዎን ሓፈሻዊ ኣኼባ መሰረታት ሰዲህኤ ብ22 ሕዳር 2020 ተኻይዱ። ናይዚ ኣኼባ ዕላማ፣ ብዛዕባዊ ህልዊ ምዕባለታት ሰዲህኤ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን፣ ዞባዊ ኩነታትን ዝምልከት መብርሂ ንምሃብን መድረኻዊ ዕማማት ንምኽዕባት ካብ ሰረታት ሰልፊ ዝቐርብ ርእይቶታትን ሓሳባትን ንምጥርናፍ ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ኣቦ-መንበር ሰልፊ፣ ተስፋይ ነዚ ኣኼባ ኣብ ምጅማር፡ ድሕሪ ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ቃል ምቕራቡ፡ ነቶም መንቀሊ ናይቲ ኣኼባ ዝኮኑ  እዋናዊ ዛዕባታት ዝምልከት፤ መበግሲ ሓሳብ  መብርሂ ኣቕሪቡ።

ኣብዚ ኣኼባ መብርሂ ዝተዋህበሎም ዛዕባታት፡ መስርሕ ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፡ ኣገዳስነት ምሉእ ሓድነት ናይቶ ኣዝዮም ዝቀራረቡ ሓይልታት፡ ብዛዕባ ብሓፈሻ ኣብዚ ዞባ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባቲ ኣብ ትግራይ ዝካየደ ዘሎ ውግእን ገለ ካብ  ሰልፋዊ ምሕዳራዊ ጉዳያትን እዮም። ነዞም ዝተጠቕሱ ዘዕባታት ብዝምልከት በቶም ኣብዝተፈላለያ መዳያት ናይቲ ዕማም  ክሰርሑ ዝጸንሑ ሽማግለታት ዝርዝር መብርህታት ተዋሂቡ።

ኣብቲ ዝተዋህበ መብርሂ ናይቲ ምጥርናፍ ላዕለዋይ ኣወሃሃዲ ኣካልን ሓይልታት ዕማምን ስረሓቶም ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዘሎ ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም። ብዘካይዚ እቲ ዝሰፍሐ ምጥርናፍ ከም ዘለዎ ኮይኑ ናይተን ፖለቲካዊ መደባተን ዝሰማመዓ ውድባት ምሉእ ሓድነት ንምግባር ዘለዎ ኣገዳስነትን ሰዲህኤ ኣብዚ መዳይዚ ከይተሓለለ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐን ንመጻኢ እውን ከም ዝቕጽሎ በቶም ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ክከታተልዎ ዝጸንሑ ኣባላት ሽማግለ ዝርዝር ሓበሬታ ቀሪቡ። ነቲ ኣብ ትግራይ ኣብ መንጐ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝካየድ ዘሎን ዞባዊ መልክዕ ከይሕዝ ዘስግእን ውግእ ኣብ ዝምልከት ከኣ ኣብቲ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብ15ን 22ን ሕዳር 2020 ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ ንወድዓዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ግደ ኣዕናዊ ጉጅለ ህግደፍን እዚ ውግእ ብኸመይ ክዓርፍ ከም ዝግባእን ዝእምቱ ኣገደስቲ ውሳነታት ወሲዱ ከም ዘሎን መገለጺ ተዋሂቡ። ንውሳነታት ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝምልከት መግለጺ  ኣብዚ ቀረባ ክስዕብ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።

ድሕሪዚ ዝያዳ ክልተ ሰዓታት ዝወሰደ መግለጽታት፣ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ መብርሂ ዝተዋህበሉ ዛዕባታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣገዳስነት ሓድነትን ምጥርናፋትን፡ ብዝያዳ ድማ ኣብዚ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንልኡላውነት ሃገርና ኤርትራ ዘስግእን ንዞባና ንብ ዓውደ ውግእ ከይቅይር ዓብይ ስኽፍታ ኣሕዲሩ ዘሎ ምዕባለታት ዘተኰሩ ሕቶታት ቀሪቦም። ኣኼባ ብኣቦ-መንበር እንዳተማእከለ፣ በቶም ነቲ ኩነታት ክከታተሉን ክዋስኡን ዝጸንሑ ኣባላት ሽማግለ ሰፋሕቲ መብርህታትን መልስታትን ተዋሂብዎም። ብዘይካዚ ኩሉ ኣሰራርሓና ምስዚ ንርከበሉ ዘለና ምዕባለታት ዝሰማማዕ ብፍላይ ድማ ነቲ ብመስዋእቲ ዝተረጋገጸ ልኡላውነት ሃገርና ንዳግማይ ጎበጣ ዝመጣጠር ዝመስል ሓደጋ ዝገጥም ኣገባብ ኣሰራርሓ ክንቅይስ ከም ዝግበና ዘገንዝቡ ሃነጽቲ ርኢቶታትን ለበዋታትን  ካብ ብዙሓት ተሳተፍቲ ብጾት ቀሪቦም። ብዘይካዚ መላእ ደምበ ተቓውሞ ቀጻልነቱ ምስ ምትዕርራይ ናይዚ ኲነታት ዝተኣሳሰር’ውን ስለዝኮነ፡ ኩሉ ፍልልያቱ ኣወንዚፉ ንቀጻልነት ሃገረ ኤርትራ ዝጠመተ ሓባራዊ ዕማማት ከካይድ ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣማሕጺኖም።

ኣቦ-መንበር ተስፋይ ድሕሪቲ ንዳርጋ 7 ሰዓታት ዝቐጸለ ኣኼባ ከጠቓልል እንከሎ፡ ኣባላት ሰልፊ ንዘቕረብዎም ኣዝዮም ጠቐምትን ኣገደስትን ሓሳባት፡ መሪሕነት ብግቡእ ገምጊሙ ኣድላይ ዝበሎም ውሳነታት ከም ዝወስደሎ ኣረጋጊጹ። ኣስዒቡ ከምዚ ዓይነት ኣኼባታት ቀጻሊ ከምዝኸውን ብምጥቃስ፡ መሪሕነት ብናይ ክሳብ ሕጂ ኩሉ መዳያዊ ኣበርክቶ ኣባላት ሰልፊ ሕጉሱን ሕቡንን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣባላት ኣብ መጻኢ እውን ሓድነት ሰልፎም እናዓቀቡ ኣበርክተኦም ከሕይሉ ሓደራ ኢሉ።

Last modified on Monday, 23 November 2020 11:44