Print this page

ምድላዋት ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ተጻፊፉ

2016-08-09 16:59:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2483 times
Rate this item
(0 votes)

እቲ ኣብ ትሕቲ"ዓወት ውጹዕ ህዝብና፣ ብሓባራዊ ቃልስና"ዝብል ጭርሖ፡ ብዲሞክራሲያዊ ማሕበር ኤርትራን ብምትሕብባር ጨናፍር  ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ኣውሮጳን  ዝዳሎ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ምድላዋቱ ኣጻፊፉ ከም ዘሎ ካብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይቲ በዓል ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። እዚ ካብ 12 - 14 ነሓሰ 2016 ዝካየድ ፈስቲቫል ሎሚ ዓመት እውን ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ክካየዶ ዝጸንሐ፡ ቀጽሪ ዩንቨርስቲ ቦከንሃይመር ቫርተ ከተማ ፍራንክፎርት ሃገረ ጀርመን እዩ ክግበር።

ኣቦ-መንበር  ኣሰናዳኢት ሽማግለ በዓል 2016፥ ኣቶ ንጉሰ ጸጋይ  ምስ ኩሎም መሳርሕቱ ናይዚ ዓመት መጸ ኣብ ግዜ ሓጋይ ዝካየድ ፈስቲቫል፣ ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዘወሰደ ምቅርራባት ብጽቡቕ ከምዝተዛዘመን እቲ ዝተርፍ ተግባራውነቱ ጥራሕ እዩ ክብል ንቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ። ከምቲ ኣቶ ንጉሰ ጸጋይ ዝሓበሮ፡ እዚ ሰፊሕ በዓል እዚ ኣብ ብዙሐነትናን ሓድነትና ኣወንታዊ ሕላገት ዘንብር፡ ንምቅርራብ ሃገራዊ ሓይልታት መሊሱ ዝሕይለሉን፥ ንምውራስ ባህልን ክብርታትናን ባይታ ዝምድምድ መድረኽ እዩ። ከምኡ እውን ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ በርገሳውያን ማሕበራትን ህዝባውያን ምንቅስቓሳትን ሓቢሮም ናይ ምስራሕን ድልውነት ዝሃንጽሉ ባይታ ዝፈጥር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኩሎም ሓይልታት ሓቢርካ ኣብ ምስራሕ ዘለዎ መትከላዊ እምንትኡ ጸኒዑ ክሰርሓሉ ምዃኑ ዘነጽረሉ ኣጋጣሚ እዩ ክብል እውን ጠቒሱ።

እዚ ንሰለስተ መዓልቲ ዝቕጽል በዓል እዚ፣ ፖለቲካዊ ኣስተምህሮታት ዝወሃበሉን፡ ባህላዊ ትልሂት ዝቐርበሉን መድረኽ ብምዃኑ ብሓፈሻ መላእ ተቓዋማይ ሓይልን ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶ ተረካቢ ሕድሪ ብምዃኑ ካብኡ ዝጥለብን እቲ ሰልፊ እንታይ ክገብር ከምዘለዎን ብዝምልከት ሓሳብ ንሓሳብ ዝወሃሃበሉ በዓል ብምዃኑ ክሳተፍዎ ኣገዳሲ እዩ።

ሓደን ቀንድን ካብ መደባት ፈስቲቫል ኤርትራ 2016 ሕድሕድ ምምሃርን ምስትምሃር ብምዃኑ፡  ዓርቢ ዕለት 12 ነሓሰ 2016 “መንገዲ ዓድና ብኸመይን መዓስን ኢና እንኸዶ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብፕሮፈሶር ግርማይ ነጋሽ ብዝቐርርብ ኣስተምህሮ ክኽፈት እዩ። ድሕሪኡ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ሓሳባቶም ዝለዋወትሉ መድረኽ ክኸፈት እዩ። እዚ ድሕሪ ምዝዛሙ ከኣ መደብ ባህላዊ ትልሂት ክምዘሎን ዝሰፍሐን ካልኦት ዓበይቲ ዛዕባታት ኣብ ዕለት  13.08.2016 ዝቐርቡን ዘቕርቡን ተዳልዮም ምህላዎም ኣቶ ንጉሰ ጸጋይ ሓቢሩ።

Last modified on Tuesday, 09 August 2016 19:04