Print this page

ህግደፍ ንዞባና’ውን ዘራጊ ሓይሊ እዩ

2023-01-08 11:05:07 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 2079 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጉጅለ ህግደፍ፡ ጸላኢ ህዝቢ ምዃኑ ብዘይካ እቶም ውሑዳት ኣገልገልቱ፡ ኤርትራውያን ዝተረዳድእሉ ሓቂ እዩ። ሓደገኛነት ህግደፍ ብዓብይኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጻዕነ ኮይኑ፡ ዞባዊ ታርኡ እውን ዘራጊ እዩ። ወጽዓን ጸረ ህዝቢ ተግባራትን  ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዝተደረተ ዘይኮነ፡ ናብ ወጻኢ ክግንፍል ዝጸንሐ ምዃኑ ናይ ቀረባን ርሑቕን ግዳያት ናይቲ ጉጅለ ደጋጊሞም ድከቶም ክሰትይሉ ዝጸንሑ እዩ። ነዚ ሓቂዚ ንምንጻር ጐረባብቲ ሃገራት ቅድሚት ዝስረዓር እየን።

ህግደፍ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ዘምልስ ባህርን ቅሩብነትን ስለ ዘየብሉ፡ እቲ ዝመርጾ ስልቲ ካብ ክውንነት ምህዳም እዩ። ከም መግለጺ ህድማኡ ድማ ኣቓልቦ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጡ ዝኸውን ናብ ደገደገ ከመዓዱ ዝድርኹ ተበለጽቲ ሸርሕታት ምእላም እዩ። ካብቲ ቀንዲ ጠምዛዚ ስልቱ ከኣ በብግዜኡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘሰክፍ፡ ንጐረባብቲ ሃገራት ከም “ጸረ ልኡላውነት ኤርትራ” ጌርካ ምስኣል እሞ ኣንጻረን ከከም ኩነታቱ ንሓንሳብ ግሁድ ንሓንሳብ ድማ ስዉር፡ ፕሮፖጋንዳውን ወተሃደራውን ወስታታት ምስዋር እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብፍላይ ኣብቲ ቅድም ምስቲ ንልኡላውነቱ ዘለዎ ክብርን ናይ ምዕቃቡ  ቅሩብነትን እቲ  ዝባሃሎ ሓቂ እንዳመሰሎ ምስ ናይ ህግደፍ መሕብኢ ምምሃዝ ክነጉድን ክቡር ዋጋ ክኸፍልን ጸኒሑ እዩ። እናሓደረ እናወዓለ ግና ናይ ህግደፍ ምህዞታት “ተፈታሕካዮስ ቁጻር ጥራይ” ምዃኑ ምስ ተረድአ “ስለምንታይን ክሳብ መዓስን ክተት?” ክብል ክኢሉ።

ብሰንክዚ ተኹታዂ ተግባራት ህግደፍ፡ ግዳይ ካብ ዝኾና ጐረባቲ ሃገራት ሓንቲ ሱዳን እያ። ብተደጋጋሚ ኣንጻራ ሓጸርትን ነዋሕትን ውግኣት ከፊቱ። ነቲ ኣብ ሱዳን ብዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጸ ወተሃደራዊ መንግስቲ ብምቅዋም፡ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምትካል ህዝቢ ሱዳንን ብዙሓት ሓለይቲ  ወገናትን ዝረባረብሉ ዘለዉ ጻዕሪ ክዕንቅፍ ፈቲኑ ኣይተዓወተን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዘይኣፍልጦ ማእከላይ መንግስቲ ሱዳን፡ ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን ናብ ኤርትራ ጸዊዑ ውዲት ክኣልም ዝወጠኖ’ውን ኣይተዓወተሉን። ዝምድናኡ ምስ ጅቡቲ ኣብ ደሓን ከምዘየለ ፍሉጥ እዩ። ጌና ክሳብ ሎሚ እውን ካብ ምስሕሓብን ህልኽን  ኢዱ ኣይኣከበን።  ካብ ሶማሊያ መቃድሾ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ንክስልጥኑ ናብ ኤርትራ ዝተወስዱ ኣስታት ሓሙሽተ ሺሕ መንእሰያት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣይፈቅድን ምስ በለ፡  ድሕሪ ናይ ዝተፈላለዩ ወገናት ተጽዕኖን መጠንቀቕታን ተገዲዱ ክመልሶም ጀሚሩ’ሎ። ገለ ካብኣቶም ኣብ ውግእ ትግራይ ኣእትይዎም ዝመቱ ምህላዎም ከኣ ኣዛራቢ ኮይኑ’ሎ። ኣብ ጉዳይ የመን ኢድ ብምእታዉ ብጽቡቕ ዓይኒ ዝረአ ኣይኮነን።  ምስ ግብጺ፡ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ዝኣመሰላ ናይዚ ዞባና ሃገራት ዘለዎ ዝምድና እውን ኣብ ዓመጽን ዘይምትእምማንን ዝተመስረተ እዩ።

ኣብ ውግእ ትግራይ ኢድ ከእቱ እንከሎ፡ እቲ ሓደጋ ካብ ትግራይ ዘይሓልፍ ዝመስሎም መራሕቲ ኢትዮጵያ ነይሮም እዮም። ህግደፍ  ግና ከምቲ መራሒኡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳይና ስለ ዝኾነ ስቕ ኢልና ንርእዮ ኣይኮነን” ዝበሎ፡ ኣብ ትግራይ ዝሕንክረሉን ዝዘርገሉን ዕድል ምስ ጸበቦ፡ እነሆ ሎሚ ክሳብ ክልል ኣምሓራ ልሒኹ ኣሎ። ሓደገኛነቱ ክሳብ ክልል ኦሮሞ በጺሑ ኢሎም ዝኸሱ ፖለቲካዊ ውድባት ኢትዮጵያ እውን ኣለዉ።  እዚ ዘርእየና፡ እቲ ካብ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ንክሕባእ፡  ብቐጥታ ኣብዘይምልከቶ ዋኒን ኣትዩ፡ ንኢትዮጵያ ካብ ኢትዮጵያውያን ዝያዳ ከም ዝሓልየላ ተመሲሉ ይሕንክራ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ። እቶም “ናይ ግዜ ጸገም መድሓኒና” ኢሎም ዝምርቕዎን ዝንእድዎን ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን፡ ሎሚ ንዓኣቶም’ውን ሓደገኛ ምዃኑ ተገንዚቦም፡ ብወግዒ ክረግምዎን ክኹንንዎን ኣብ ዝለዓለ ጫፍ በጺሖም ኣለዉ።

ምስቶም ጉዳይ ኢትዮጵያ ሰላማዊ መንገዲ ኣብ ምትሓዝ ዓብይ ግደ ዝተጻወቱ፡ ኢጋድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካለኦት ተዓዘብቲ እቲ መስርሕ ሰላም ዘለዎ ዝምድና ዳርጋ ዘየለ እዩ። መራሒ ህግደፍ በቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝፍጽሞ በደል ስለ ዝሓፍርን ዝሓንኽን ኣብ ርክብ መራሕቲ ናይዘን ዞባውን ኣህጉራውን ትካላት ዘይሳተፍ ምዃኑ፡ ክሳብ ክንደይ ጽሉእን ንጹልን ኮይኑ ከም ዘሎ ዘመላኽት እዩ። ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኸ ኮሚተ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ካለኦት ጸለውቲ ትካላትን፡ በብግዜኡ ንኤርትራ ዝምልከት ኣብ ዘውጽእዎ ጸብጻባት፡ ናይቲ ጉጅለ ሓደገኛነት ዘይጠቅስ  የለን። ህግደፍ  ኣካይድኡ መዚኑ  ኣብ ምእራም ዘይኮነ፡ ኣብ ዘይሓላፍነታዊ ህልኽን ሕነ ምፍዳይን ዝነብር ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ጉዳይ ዩክረይንን ሩስያን ዝወሰዶ መርገጽን ተመሳሳሊ ተግባራቱን ሓደገኛነቱ፡ ኪኖ ኤርትራ፡ ዞባውን  ኣህጉራውን ዘራጊ  ከምዝኾነ ኣመስኪሩ እዩ።

ህግደፍ ካብ ሓቀኛ ክውንነት ምርሓቕ ባህሪኡ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ናቱ ዘይህዝባውን ዘይሓላፍነታውን ምርጫ ዝጠንቁ ጸገማት ኤርትራ፡ ናብ ካልኦት ከላግብን “ኣጓንየሙኒ” ብዝብል ከስተማስልን እዩ ዝስማዕ። ዝተፈላለዩ ግዱሳት ወገናት “ኣብ ልዕሊ’ቲ ህዝበይ እትብሎ ግህሰታት ትፍጽም ኣለኻ’ሞ ዓገብ” ክብልዎ እንከለዉ፡ ናብ ውሽጡ ተመሊሱ ኣብ ክንዲ ምምዛንን  ብመርተዖ ምምካትን፡ ብዓይኒ ጽልእን ዝርያን እዩ ዝርእዮም። ንኣብነት ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምትግባር ንገዛእ ርእሱ ቅሩብ ዘይምዃኑ ሓቢኡ፡ ኣሜሪካን ካለኦት ሃገራት ምዕራብን  ከይትግበር ከም ዝዓንቀፋ ኣምሲሉ ክኸስስ እዩ ዝስማዕ። እዚ ኩሉ ዞባውን ኣህጉራውን ሓደገኛነቱ ንምሕባእ ዝምህዞ እዩ።

እቶም ቀዳሞት ግዳያት ኣተሓሳስባ ጉጅለ ህግደፍ ኤርትራውያን ኢና። ኣብቲ ኣንጻሩ ዝግበር ቃልሲ ቅድሚት ክንስለፍ ዝግበኣና እውን ባዕልና ኢና። እዚ ማለት ግና ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕን ምትሕግጋዝ  ኣየድልየናን  ማለት ኣይኮነን። “ህግደፍ ንዞባና’ውን ዘራጊ ሓይሊ እዩ”  ኣብ ትሕቲ ዝብል ሚዛን ፡  ናይቶም ብሰንኩ ሰላም ሓሪምዎም ዘለዉ ኣካላት ምትሕግጋዝ  ክንሓትት እንከለና፡ ናይቲ ጉጅለ ምውጋድ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ዞባዊ ረብሓ ‘ውን ኣለዎ ኢልና ስለ እንኣምን  ኢና። ስለዚ ህግደፍ ኣብ ኤርትራዊ ጥራይ ዘይኮነ ዞባዊ ሓደጋ’ውን ስለ ዝኾነ፡ ጐረባብትና ሃገራት ምስ ህግደፍ ዘለዎም ምትእምማን ዝጐደሎ ዝምድና ኣቋሪጾም፡ ምእንቲ ሰላም፡ ናይ ሕባር ረብሓን ሰናይ ጉርብትናን፡ ኣብ ምውጋድ እዚ ናይ ሓባርና ሓደጋ ከበርክቱ ንጽወዕ።

Last modified on Sunday, 08 January 2023 12:09