Print this page

ኣደስ ትሓብእ’ሞ: ሓበላ ዓይንስ ኣይትሓብእን

2022-10-06 08:42:05 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 1183 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ምምሕዳር ህግደፍ ንምድንጋር ካብ ዝጥቀመሎም ሜላታት ሓደ፡ ምሕባእ ሓቂ  እዩ። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘቕርብ ርትዓዊ ምኽንያት ስለ ዘየብሉ ምርጫኡ ኣብ ኩሉ ኣጋጣምታት ኣተሓሳስባኡ ምሕባእ እዩ። ብመሰረቱ ካብ ህዝቢ ዘሳትፍ ግሉጽ ሕገመንግስታውን ዲሞክራስያውን ኣሰራርሓ ዝሃድመሉ ምኽንያት እውን ምሕባእ ስለ ዝለመደ እዩ። ብመንጽር’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነንዶ ከም ዶባት ሰጊርካ ኣብ እንዳማትካ ሃገር ውግኣት ምእታው ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ጉዳያት፡ ሚኒስተራት ኮነ ኣንበሳድራት  ሃገሩ ክሽየሙን ክወርዱን እውን ሓበሬታ ኣይረክብን እዩ። እዚ ዘመልክቶ ድማ እታ ሃገር ናይ ህዝባ ክነሳ፣ ናይ ውሱን ብሕቡእ ዝውስን ኣካል ንብረት ኮይና ምህላዋ  እዩ።  ህግደፍ ነዚ ዘይግሉጽ ተንኮላቱ ክቕጽል ዝገብርዎ ድማ፡ እቶም   ነዚ ንህዝቢ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ዘለዎ ናይ ምፍላጥን ምውሳንን መሰል ዝግህስ ኣካይዳ ከም ናይ ብልሑ መግለጺ ገይሮም ዝርድእሉ፡ ዕዉራት ደገፍቲ ወገናት ስለ ዘጣቕዕሉ እዩ።

ህግደፍ ምስ ኢትዮጵያዊ ሰልፊ ብልጽግና ዘለዎ ዝምድና ናይዚ እዋንዚ ሓባኢ ባህሪኡ ዘርኢ ኣብነት እዩ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ የዳኽር ከም ዘሎን ሰራዊት ህግደፍ ከኣ ኣብ ዘይጉዳዩ ኣትዩ ኣብ ትግራይ  መዝሓሊ ጥይት ይኸውን ምህላዉን ኣብ ባይታ ዘሎ ዘይሕባእ ሓቂ እዩ። ነቲ ጉጅለ ከጸባብቕሉ ክብሉ ነቲ ርኡይ፡ ከምዘይርአ ንምግባሩ ዝጽዕቱ ሕልናኦም ዝተደፈነ ውሑዳት ኤርትራውያን ጌና ኣለዉ። ነቲ ኣብ ማእከል ትግራይ ኮይኖም ብዛዕባ ውግእን ዝምታን ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ሕድሕዶም ክዘራረቡ እንከለዉ ዝተሰምዐ ድምጺ ዋናታቱ ዘይሓፈርሉስ፡ ኣብ ክንድኦም ክሓፍርሎምን ክኽውልሎምን “ሰራዊት ኤርትራ  ኣብ ዶባት ኮይኑ እዩ መሬቱ ኣምሊሱ ዝሕልው ዘሎ” ክብሉ ጸኒሖም እዮም። ጉጅለ ህግደፍ ግና ነዞም ዘየብሉ ኣውንታዊ ምስሊ እናሃቡ ከጸባብቕዎ ዝፍትኑ ወገናት ዘውርይዎ ከይተገደሰሉ  ክሳብ ጎንደርን ሑመራን በጺሑ እዩ።

ዘለናዮ ዘመን ስልጡን ስለ ዝኾነ፡ እቶም ዘመኻንይሉን ዝሓብእሉን ድኸሙ ኢልዎም እምበር፡ ዓለም እውን ካበይ ናበይ ምንቅስቓስ ሰራዊት ህግደፍ ብቐጻሊ ትከታተሎ ዘላ እዩ። ድሮኳ ብዙሓት መንግስታት ሰራዊት ህግደፍ  ኣብ ኢትዮጵያ ምእታዉ ምርድአን  ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ኣዕናውን ደማውን ውግእ ቀላሳይ ግደ ከም ዘለዎ ተረዲአን “ካብ መሬት ኢትዮጵያ ጠቕሊልኩም ውጹ” ክብላ ደጋጊመን የጠንቅቐኦ ኣለዋ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ዘይኮነ፡ ናብ ከተማ መቐለ ንምእታው ብወገን ዓፋርን ምዕራብ ትግራይን እናተዋግኡ ዝተማረኹ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ናይ“ንዓና ርኢኹም ተቐጽዑ” መልእኽቲ የመሓላልፉ ኣለዉ። እቶም ኤርትራውያን ምሩኻት ኣብ ግዜ ምምራኾም ዘጋጠሞም ጸገማት፡ ናብ ውትህድርና ዝተመልስሉ ኣጨናቒ መስርሕ፡ እቲ ናብ ውግእ ክኣትዉ እንከለዉ ዝተነግሮምን ኣብቲ ውግእ ዝጸንሖም ኩነታትን ፍልልዩ፡ ናይ ሰማይን ምድርን ምዃኑ ይዛረቡ ኣለዉ። እቲ ዝያዳ ዘሕዝን ድማ ኣብተን ዝነበርወን ኣሃዱታት ዕሸላትን ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታትን ኤርትራውያን ከም ቆጽሊ ከም ዝረገፉ ምሕባሮም እዩ።

ስድራቤት ናይዞም ግዳያት ክሳብ ክንደይ ኣብ ሻቕሎት ከም ዝህልዉ ርዱእ እዩ። እቲ  ስርዓት ኣገዲዱ  ናብ ውግእ ምስ ኣእተዎም፣ ዝማረኹን ዝሞቱን ዘለዉ ኤርትራውያን ብዘይኣላይን ዓንጋልን ዝተረፋ ስድራቤታት ኣብ ከመይ ዝኣመሰል ቅልውላው ከም ዝህልዋ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እቶም ምሩኻት ዝገልጽዎ ዘለዉ ሻቕሎት እውን ንሱ እዩ። ናይቶም ክተቱ ምስ ተባህሉ ዘይተረኽቡ  ስድራቤታት ከኣ፡ ብዝገደደ ኣባይቶም ተዓጽዩ፡ ንብረቶም ተወሪሱ ገሊኦም ኣብ በዓትታት ክሰፍሩ፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ክዳጐኑ ተገዲዶም ከም ዘለዉ፡ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮኑ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም እውን ዘእውያሉ ዘለዋ ናይ ሕማቕ ዘበን መርኣያ እዩ።

እቶም ሓባእቲ ግና ሕጂ እውን ነዚ ዝድህሰስ ሓቂ ምቕባል ስለ ዝተጸገሙ፡ ነቶም ድምጾም እናተሰምዐ፡ ምስሎም እናተራእየ፡ ካብ ቁሸቶም ጀሚሮም ክሳብ ኣውርጃኦምን ዝነበርወን ኣሃዱታትን እናጠቐሱ ዘጋጠሞም ዝገልጹ ዘለዉ ምሩኻት ይኽሕድዎም ኣለዉ። “ወያነ ብናታ ተጋደልቲ እያ ድራማ ትሰርሕ ዘላ፡” ኢሎም ንከእምኑ ደቂ ዓድዋ፡ ኣኽሱም፡ ሽረን ዓዲ ግራትን ኣምሲሎም ከቕርብዎም  ህርድግ ይብሉ ኣለዉ። ሓንቲ በዚ ርኡይ ናይ ምሕባእ ሃቐነ ዝተገረመት ኤርትራዊት፡ ኣብ ማሕበራዊ መድያ፡ “ሕራይ ነቶም ትግርኛ ዝዛረቡስ ናብተን ትግርኛ ዝዝረበለን ኣውራጃታታት ትግራይ ከጸጋግዕዎም ፈተኑ፡ ነቶም ትግረ ዝዛረቡኸ ናበይኮን ከእትዉዎም ይኾኑ?” ዝበለቶ ዘገርም ኣብነታዊ ኣበሃህላ እዩ።

ብዙሓት ወገናት ኣብ ትግራይ ዝእጐድ ውግእ ሳዕቤኑ መሊኡ ናብ ኤርትራ ከም ዝፈስስ ከጠንቕቑ ጸኒሖም እዮም። ብኣንጻሩ ህግደፍ ብግጉይ ሓበሬታ  ዘስከሮም፡ እቲ ውግእ ናብ ኤርትራ ከምዘይልሕም ክገልጹ ስለ ዝጸንሑ ምምራኽ ሰራዊት ህግደፍ ጸላዕላዕ ክብሎም ናይ ግድን እዩ። ገለ እውን ከምቲ “ኣብ ኲናት ዘይወዓለ በሊሕ” ዝበሃል፡ “ኤርትራዊ ኣይማረኽን እዩ” እናበሉ ክምክሑ ስለ ዝጸንሑ፡ ነቶም ምሩኻት ዓዲ ክቕይርሎም ዘይዕወት ፈተነ የካይዱ ዘለዉ። “ቆልዓ ምፍታው ምስ ንፋጡ”  ከም ዝበሃል፡ እቶም ህግደፍ ኣብ ዘይምልከቶ ናይ ውግእ ነጋሪት ክወቅዕ እንከሎ ”ምሳኻ ኣለና” ዝበልዎ፡ ካብቲ ስኽራን ወጺኦም ከም ሳዕቤን ውግእ፡ ሞት፡ ኣካል ምጉዳልን ምምራኽን ከም ዘጋጥም ክርድኡ ቅሩባት ክኾኑ ምተገበኦም። ጉጅለ ህግደፍ ግና በቲ ኣቐዲሙ “ኣይከሰርናን” ዝበሎ እዩ ዝሰግሮ።

ኣብ ሃገሩ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ዝኸውን ብዓይኑ ዝርኢ ዘሎን ናይቲ ብሰንኪ ሓባኢ ፖሊሲ ህግደፍ ዝወርድ መከራ ቀጥታዊ ተሰካምን ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ሳዕቤን ብስግኣትን ሽቁርርታን ክጽበዮ ዝጸንሐ  እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ ንሃላሊ ኣካይዳ ህግደፍ ክመልሶ ከምዘይክእል ምስተረደአ፡ ንገዛእ ርእሱን ደቁን ካብዚ ውግእ ንምግላል ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ዝጸንሐን ዘሎን። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ደገፍቲ ህግደፍ ግና ነብሶምን ደቆምን ኣብ ውሑስ ሃገራት እንዳነበሩ ነቲ ኣብ ዓዲ ካብ ዘለዉ ስድራቤቶም ዝሰምዕዎ ጨንቂ ጸማም እዝኒ ሂቦም፡ “ቀጽል ጥራይ” ኣብ ክንዲ ዝብሉ፡ ምስቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ወገኖም ክናበቡ መምሓረሎም። ስለዚ ሎሚ እውን “ካብ ተሪፉስ ደንጉዩ ይሓሽ” እዩ ዝበሃል እሞ፡ ኣንጻር ሓቂ ካብ ምስላፍ ክወጹ ንጽውዖም። ሰራዊት ኤርትራ ከኣ ሓዊ ሒዙ ክኸዶም እንከሎ ማይ ዝዓመኹ ከም ዘይጽበይዎ ኣስተብሂሉ “ወራር ምምካት ሓላል’ዩ፡ ወራሪ ምዃን ግና ሓራም’ዩ” ክብል ነዘኻኽሮ።

Last modified on Thursday, 06 October 2022 10:45