Print this page

“ዒራ ዘይስንኻስ ሑጻ ቆርጥመሉ”

2022-08-19 09:06:00 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 1009 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ምቅዋምን ምድጋፍን መኻይዲ እዮም። ስለዚ ሓደ ኣካል፡ ንሓደ ተርእዮ ክቃወም እንከሎ፡ ነቶም ደገፍቲ ክሕድሶም ዘለዎ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ ምርኣዮም መግለጺ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት እምበር፡ ከም ነውርን ካብዘየሎ፡ ብሰማይ ዝነጠበን ጌርካ ኣይውሰድን። እቶም ዝቃወሙ ኮነ እቶም ዝድግፉ ብዓይኒ ጽልኢ ክረኣኣዩን እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ህላወኡ ክሒዱ፡ ካብ ገጽ ምድሪ ከጥፈኦ ዝሕንሕነሉ ክኾኑ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ካልእ ኩሉ ገዲፍካ ኤርትራ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ስለ ዝኾነት።

ምቅዋም ኮነ ምድጋፍ መሰል ዝኸውን ምኽንያታውን ርትዓውን ክኸውን እንከሎ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። ብመሰል ተጐልቢብካ ብናይ “ዋላ ትንፈር እምበር ጤል እያ”  ዝብል ዕዉር ድርቅና፡ ምድጋፍን ንህላወ እቲ ካልእ ወገን ምኽሓድን ግና፡ ቅኑዕ ናይ ምቅዋም መሰል ኣብ ልዕሊ ዘይምዃኑ፡ ናብ ጥፍኣት እምበር ናብ ፍታሕ ዝወስድ ኣይኮነን። ንኣብነት ነቲ ቀትሪ ለይቲ ወይ ነቲ ለይቲ ቀትሪ እንተዘይበልኩሞ ምባል፡ ብመሰል ኣመኽኒኻ እተኸዶ መንገዲ ናይ ጥዕና ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ብዘይካ ኣዝዮም ውሑዳት፡ ኣብዘሓ ህዝቢ ኤርትራ ንምምሕዳር ህግደፍ ዝቃወም እዩ። እቲ ምቅዋሙ ብደረጃታት ክፈላለ ይኽእል። ዘግሃደን ዘየግሃደን፡ ብቃልዕን ብምስጢርን፡ ዝተወደበን ዘይተወደበን፡ ኣብ ኤርትራን ኣብ ወጻእን፡ ዝፈርሕን ዝደፍርን፡ ……..ወዘተ ኢልካ ምጽብጻቡ ይከኣል። ብዙሕ ናይ ተቓዉሞ ድምጺ ዘስምዕ ይሃሉ’ምበር እቲ ዝያዳ ኣድማዒ እቲ ዝተወደበ ምዃኑ ንጹር እዩ። ብኣተሓሳስባ ንህግደፍ ካብ ልቡ ዘውጸአ ግና ክውደብ ኩነታት ዘየፍቀደሉ ኣካል ኣበርክቶ የብሉን ማለት ግና ኣይኮነን።

ንህግደፍ ዝቃወሙ ኤርትራውያን ናይ ምቅዋሞም ምኽንያት ብመሰሎም ምጥቃሞም ጥራይ ኣይኮነን። ናይቲ ጉጅለ ወጻዒ፡ ጠላም፡ ብናጽነትን ልኡላውነትን ሃገር ዝጣላዕን ገሃሲ ኩሉ መሰላትን ምዃን ንናይ ምቅዋሞም ርትዓውነትን ምኽንያታውነትን ብቑዕ መረጋገጺ እዩ። ነፍሲ ወከፍ እዞም  ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ ዝቃወመሎም ናይ ወጽዓ ኣዕኑድ፡ ኣዝዩ ሰፊሕን ኣስካሕካሕን ዝርዝር ኣለዎም። ስንብራቶም ድማ ኣብ ውሱን ክፋል ኤርትራዊ  ዝረአ ዘይኮነ፡ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ ማዕጾ ዝኳሕኩሑ ምዃኖም ዝያዳ ምኽንያታዊ ይኾኑ። ንከምዚ ዓይነት ጸረ ህዝብን ጸረ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን ዝኾነ ጉጅለ ምቅዋምን ተቓሊስካ ክትስዕሮ ምስላፍን እምበኣር፡  ናይቲ ብመሰልካ ምጥቃም ቅኑዕ መግለጺ እዩ።

ሰዓብቱ ይውሓዱ  እምበር፡ ንህግደፍ ዝድግፍ ኣተሓሳስባ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሜዳ ምህላዉ ዝከሓድ ኣይኮነን። ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ኣተሓሕዛና ከምቲ “ኣሚንካ ምምጓት” ዝበሃል፡ ህላወ ናይቶም ነቲ ጉጅለ ዝድግፍዎን ዘመጉስዎን ብምኽሓድ ኣይኮነን። እዞም ደገፍቲ ህግደፍ ናይ ምድጋፍ መሰሎም ኣብ ባዶ ምኽንያት ዝምርኮስ እዩ። ህግደፍ ወጻዒ፡ ጠላምን ገሃሲ ኩሉ መሰላትን ምዃኑ፡ ሎሚ ኣይኮነንዶ  ንኤርትራውያን ንዘይኤርትራውያን እውን ብሩህ እዩ። መብዛሕትኦም ካብቶም ዝድግፍዎ ብሓለንጊ ወጽዓኡ ዝተገርፉ ምዃኖም ከኣ ንደገፎም ዝያዳ ትርጉም የስእኖ።

ንኣብነት ሓደ ብሰንኪ ግዱድን መወዳእትኡ ዘይፍለጥን ውትህድርና፡ ኣብ ኤርትራ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወቱ ምምራሕ ስኢኑ፡ ክሃድም ዝተፈነ ኤርትራዊ፡ ኣብ ዶብ ተታሒዙ ንዓመታት ተኣሲሩ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ፡ እንዳጋና ሃዲሙ ኣብ ሓንቲ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት እትምራሕ ሃገር ኣትዩ ዝተጣየሰ ኤርትራ ከም ኣብነት ንውሰድ። ኣብታ ሃገር  ህግደፍ ኣብ ልዕሊኡ ዝፈጸሞ በደላት ከም ምኽንያት ኣቕሪቡ ዑቕባ ናይ ምርካብ ሕቶኡ ተቐባልነት ረኺቡ። ተገልቢጡ ንህግደፍ ዝድግፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓደ ካብ ተኸልቲ ዳስ ፈስቲቫል ህግደፍ ክኸውን እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ካብ ምኽንያታውነት ርሒቑ ከም ዘሎ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ኣካይዳ ጥልመት እውን እዩ። ከምቲ “ዒራ ዘይስንኻስ ሑጻ ትቑርጥመሉ” ዝበሃል፡ “እንኳዕ ደኣ ኣነ ነብሰይ ኣድሓንኩ እምበር እቲ ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝደሃኽ ዘሎ ህዝብስ ባዕሉ ይፈልጥ” በሃልነቱ ዘንጸባርቕ እዩ። ስለዚ ኣብዚ እዋንዚ ምስ ህግድፍ ምስላፍ ታራ ምርጫ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ገበን ምፍጻም ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

እቶም ኣብ ፈስቲቫል ህግደፍ ዝኹነኑ፡ እቶም ህግደፍ ባዕሉ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣምሲሉ ዝሰኣሎም፡ ወያነ፡ ዩክረይን፡ ታይዋንን ዝተወሰኑ ምዕራባውያን መንግስታትን ምዃኖም ተዓዚብና። እዚ ኣቀማምጣ ምስ ህልኽን ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ህግደፍን እምበር፡ ምስ ህልዊ ክውንነት ህዝቢ ኤርትራ ዝተሓሓዝ ኣይኮነን። እቲ ምድጋፍን ምቅዋምን ንህልዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ቀዳምነት ዝሰርዐ እንተዝነብር፡ እቲ ቅድሚ ኩሉ ክኹነን ዝነበሮ ጨካን ተግባራት ህግደፍ እዩ። እቶም ደድሕሪ ህግደፍ ንዝተፈላለዩ ኣካላት ከውግዙ ዝሰማዕናዮም ደገፍቱ  ከኣ “ከምቲ ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባ ብእግራ ትሓክኽ” ዝበሃል ኮይንዎም እንተዘይኮይኑ፡  ቅድሚ ናብ ኣስመራን ዓዲ ሃሎን፡ ናብ መቐለ፡ ኪየቭ፡ ታይፐይ፡ ዋሽንገተንን ካለኦትን ኣይመተመጣጠሩን። ምናልባት ነዞም ክረግምዎም ዝሰማዕናዮም መንግስታት ናይ ምቅዋም ወልፊ እንተልይዎም እውን፡ እቲ ቀዳምነት ክሰርዕዎ ዝነበሮም እቲ ንኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ሃገሮም መርገጽ እግሪ ነፊጉ ደም ዘንበዖም ዘሎ ኣብ ኣስመራ ዝዓረደ ጉጅለ ክኸውን ምተገበኦ። ንምዃኑ እቲ ህበይሲ “ቅድም እቲ ኣብ ኮፍ መበልያይ ዘሎ እሾኽ ኣውጽኡለይ’ሞ፡ እቲ ዝተረፈ ኮፍ ምስ በልኩ ባዕለይ የርክበሉ” በለት ዝበሃል ምስላስ ኣየስተብሃልሉን ማለት ድዩ።

ብሓፈሻ ደገፍቲ ህግደፍ፡ ብፍላይ ከኣ እዞም ኣብ ፈስቲቫላቱ “እምባሕ በል”፡ ኣብቲ ዘሕፍር ተግባሮም ከኣ፡“ኩራዕ ኤርትራዊ”  ክብሉ ዝሰማዕናዮም፡ ኣብተን ዝነብሩለን ሃገራት  ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ክጐድሎም እንከሎ “ሸንዳሕዳሕ” ከም ዝብሉ ፍሉጥ እዩ። እዚ ኣብ ሃገርከ፡ ብደምን ኣዕጽምትን ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ዝመጸ መሰል ብኣጻብዕ ንዝቑጸሩ ኣሕሊፍካ ምስ ሃብካ ምዃኑ፡ ዘሕፍርን ዘተክዝን እምበር ዘሳዕስዕ ክኸውን ኣይምተገብኦን።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ይገዝእ ንዘሎ ጉጅለ፡ እትቃለሶ እምበር እትከላኽለሉን እንትድግፎን ከም ዘይኮነ ዝተገንዘቡ ብዙሓት፡ ምእንቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል ሰባት ዝተሰለፉ ዘይኤርትራውያን  ወገናት ከይተረፉ ድምጾም የስምዑ ኣለዉ። ጸረ ህዝብነት መልእኽቲ ፈስቲቫላት ህግደፍ ብምግንዛብ፡ ኣብ ሽወደን፡ ዳላስን ሆላንድን ዝተሰምዑ ድምጽታት ኣተባባዕቲ እዮም። ንሕና ኤርትራውያን ከኣ ከምዚ ዓይነት ተስፋን ደገፍን ዝህቡ ተበግሶታት ክንርኢ እንከለና፡ ኣብ ክንድ ከምቲ “ጠሓኒትሲ ሓጋዚታ እንተረኣየት መዲዳ ትሓብእ” ዝብሃል ኣብ ክንዲ እግርና እነድሕር፡ ነቲ ጻሕታሪ ጽልእን ኣጸላምን ፖለቲካ ህግድፍ ብትብዓት ንመክቶዮ።

Last modified on Friday, 19 August 2022 11:10