Print this page

ስሞም ዝጽዋዕ፡ ሕድሮምንከ፡ ዝተጠልመ  ሰማእታት

2022-06-19 07:50:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1282 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራ ሃገርና ብመስዋእቲ ጀጋኑኣን መስተንክራዊ ጽንዓት ህዝባን እያ ናጻ ኮይና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ምእንታኻ ንዝኸፈለ፡ ካብኡ ዝተሓተ ጽቡቕ ንዝገበረልካ እውን ምምስጋንን ኣመስጊንካ ንኣመስገንቲ ምሃብን ግቡእ ስለ ዝኾነ “ብሳላኹም ሃገር ኮይንና፡ ክብርን መጎስን ንዘልኣለም ይኹንኩም፡ ኣብ ዘለኹምዎ ቅሰኑ፡ ሕድርኹም ከኣ ከነዐውቶ ኢና”፡  ክንብሎም ግድን እዩ። እቲ ምእንቲ ክብርኻ ዝሐለፈ ወትሩኳ ኣብ ልብኻ እንተሃለወ፡ ፡ ኣበይን መዓስን ብወግዒ ክትዝክሮ ከም ዝግበኣካ ምውሳን እውን ቅቡል እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራውያን ሰማእታት ዝዝከሩላን ዝምስገኑላን ዕለት ክህልዎም መን?፡ መዓስ?ን ስለምንታይ?ን ወሲንዎ ብዘየድስ፡ ዝቃወሞ የለን። ቅድሚ ሕጂ እውን ብፍላይ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ  ባሕቲ ታሕሳስ መዓልቲ ሰማእታት ኮይና ክትዝከር ጸኒሓ እያ። ምኽንያት መንቀሊኣ ድማ ድሕሪ ኢትዮጵያዊ ጀነራል ተሾመ እርገቱ ብ1970 ኣብ ከባቢ ሃብረንቃቓ ብደብያ ተበዓት ተጋዳልቲ ተሓአ ብምቕንጻሉ፡ ኣማኢት ሲቪል ኤርትራውያን ኣብ በሲግድራን  ዖናን ከባቢ ከረን ብሰራዊት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዓዶም ነዲዱ ዝሃለቑላ ዕለት ስለ ዝኾነት። እዚ ከኣ ናይ ህዝቢ መስዋእነትነት ናይ ምኽፋል ዕዝዙ ብጽሒት ዘመልክት’ዩ።  

መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ልቦና ኩሉ እትሓድርን ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ንዝተሰውኡ ዕጡቓትን ሲቪልን ኤርትራውያን እተማእክልን ንከትከውን፡  ኩሎም ኤርትራውያን ዝሰማምዕላ ምኽንያታዊት መዓልቲ ምግባራ ኣገዳስነቱ ዕዝዙ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቀዳምነት ክወሃቦም ካብ ዝነበሩ  ዛዕባታት ሓንቲ ክትከውን ምተገበኣ። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይግሉጽን ዘይሓላፍነታውን ስሱዕ ኣካይዳ ህግደፍ ከምቲ ካልእ መድረኽ  እሂንምሂን  ዘይተፈጥረሉ ዛዕባታት፡  ሰማእታት ዝዝከሩላ ዕለት’ውን ብሃንደበት እምበር ብወግዒ ዝመጸት ኣይነበረትን።

20 ሰነ ጓይላ፡ ጃህራን ዳንኬራን ህግዲፍ ንምድማቕን ንሸፈጥን ዘይኮነ፡ ንክብሪቲ ዘይሃስስ ሕድሪ ሰማእታት ብንጹህ ሕልና ምዝካራ ኣገዳሲ ነይሩ። ዝያዳ ንምዕዛዙ፡ ኤርትራዊ ሰማእትነት ነቶም ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝተሰውኡ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ እንተላይ እቶም ኣበይን መዓስን ብዘየገድስ ምእንቲ ኤርትራን ናጽነታን ዝወደቑ ኩሎም ኤርትራውያን ጀጋኑ ዘጠቓልል እዩ። ብመንጽርዚ እቲ ልዕሊ 60 ሺሕ እንዳተባህለ ዝጥቀስ ቁጽሪ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝተሰዉኡ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ፡ ብዙሓት ነዚ ዛዕባ ቆላሕታ ሂቦም ዘጽንዑ ዝሰማምዕሉን ኣብ ሓደ ውድብ ናይ ዝተሰውኡ ብዝሒ ዘተኮረን እዩ።

ሰማእታት ኣብዛ ብስሞም እትጽዋዕ ዕለት ክዝከሩ ርዱእ እዩ። እቲ ቀንዲ ዕላማኣ ግና “ሕድሮም ክሳብ ክንደይ ተኸቢሩ?” ዝምዘነላን ኣብ መጻኢኸ እቲ ዝተረፈ ብኸመይ ይትግበር ዝትለመላን ክትከውን ምተገበአ። መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ግና ብኣንጻሩ ኣብዛ ንክብሮም ዝተወሰነት ዕለት እዩ ብኣዋጅ ዝጠለሞም። ብ1991 ኣብዛ ዕለት ድሕሪ 25 መዓልታት ናጽነት ኣብ በኹሪ መግለጺኡ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ኣስመራ ብወግዒ “ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን። ንህዝቢ ብቕሉዕ ይኹን ብጉልባብ ናይ ምክፍፋል ስልትታት ከቢድ ገበን ከም ዝቑጸር ክዝንጋዕ ኣይግባእን” ኢሉ ኣውጁ። እዚ ኣዋጅ ነቲ ኤርትራውያን ሰማእታት መላእ ህዝቦም ድሕሪ ናጽነት ናይ ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽን መሰል ንክህልዎ ዝኸፈልዎ ዋጋን ሕድሮም ከይዝንጋዕ ዝገደፍዎ ቃልን ዝጠለመ እዩ። ብሰንኪቲ ጥልመት ከኣ እነሆ ናጽነት ኤርትራ ናይ ውሑዳት መዕንደሪ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግና 31 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ኣብ ገዛእ ብሰማእትነት ደቁ ናጻ ዝኾነ ሃገሩ፡ የዋጽእ  ዝበሎ ሓሳብ ከየቕርብ ኣፉ ተለጒሙን እግሩ መሊኡ ምርጋጽ ሓሪምዎን ይነብር ኣሎ።

እቲ ጥልመት ብተደጋጋሚ እዩ ዝፍጸም። ኣብ ናይ 2018 መዓልቲ ሰማእታት፡ ጉጅለ ህግደፍ ድምጹ ኣጥፊኡ ውዲታት ክኣልም ምስ ጸንሐ፡ “ደጊም ጸወታ ወያነ ተወዲኡ/ weyane Game over” ዝብል ኣቃሊሑ  ውግእ ምስ ጐረቤት ምእዋጁ ካልእ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ናይ ምጥላሙ መርኣያ እዩ። እዚ ብቐጥታ ነቲ ሰማእታትና ድሕሪ ናጽነት ውግእን ወረ ውግእን ኣብቂዑ ኤርትራ ምስ ጐረባብታ ኣሳንያ፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ሰላምን ዘትከለ ሰናይ ጉርብትና  ክህልዋ ዝኸፈልዎ ዋጋን ቃሎም ከይከሓድ ዝገደፍዎ ሕድርን ዝጠለመ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። ብሰንክዚ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ዝተኣወጀ ውግእ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፍሎ ዘሎ ዋጋን ሓዲርዎ ዘሎ ስግኣትን ባዕሉ ስለ ዝፈልጦ ኣይንዝርዝረሉን ኢና።

ሕድሪ ሰማእታት ብጉጅለ ህግደፍ ተጠሊሙ ኢዩ። ካብ ባህሪያቱ ካልእ ክንጽበ’ውን ኣይንኽእልን። እቲ ቀንዲ ተረካቢ ሕድሪ ሰማእታት ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ተካኢ ተረካቢ ሕድሪ  ዝኾነ  መንእሰይ ወለዶ እዮም። ስለዚ እዞም ኣካላት እዚኣቶም ኣጻብዕትኻ ናብቲ ሓንሳብ ኣንጻር ሰማእታት ጨኪኑ ናብ ልቡ ናይ ምምላስ ዕድሉ ዝዓጸወ ጉጅለ ምምልካት ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ይግበኦም። እዚ ድማ ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ክሓስብሉ ዝግባእ ዓብይ ዛዕባ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ሕድሪ ሰማእታት ኣኽቢሩ ሃገርን ህዝብን ዝምርሕሉ ሕግን ህዝባዊ ስርዓትን ክተክል ዘይበቐዐ ጉጅለ፡ ግበር ስለ ዝበለካ ፈልሲ ብምትካልን ሽምዓታት ምብራህን ወይ በል ስለ ዝተበሃልካ “ስዉኣትና ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና” ብምጭራሕ፡ ጥራይ ሕድሪ ሰማእታት ምኽባር ኣይኮነን።  ወለድን ስድራቤትን ሰማእታት ፍቕሪ ሰማእታቶም ዝገልጽሉ ኣገባብ፡ ኣብ ገዛ ተዓጺኻ ኣሳእሎም እናረኣኻ ብምንባዕ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣደባባያት “ሕድሪ ደቅና ይከበረልና” ብዝብል ስሙር ደራኺ ድምጺ ክኸውን ይግበኦ።

ብዝተፈላለየ መልከዓት ተወዲቦም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት  ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት መግለጽታትን ኣዋጃትን ብምውጻእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተጠልመ ህዝባዊ ሕድሮም  ዘኽብር ናይ ሓባር ዓቕሚ ንምፍጣር ብዛዕባ ዝኽእልሉ ክሓስቡ ይግበኦም። ዘለካ ፍልልያት ኣመሓዲርካ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ተቢዕካ ንህግደፍ ክትስዕር ምብቃዕ ክሳብ ክንደይ ንሰማእታት ከም ዘቕስኖም ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ኮይኖም ክሓስብሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ሰማእታት ስሞም ደጋጊምካ ብምጽዋዕ ዘይኮነ፡ ሕድሮም ብተግባር ብምኽባር እዮም ዝቐስኑ። ዘቕስኖም ከይሰራሕካ “ቅሰኑልና” ምባሎም ግና ዋጋ የብሉን።  ኣብ ድሮ እዚ ንዝክሮ ዘለና መዓልቲ፡ ፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ኣስመራ ኮይኖም ብስፖዝዮም ኤሪሳት 2022 ኣቢሎም ዘመሓላለፍዎ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምዃን መልእኽቲ ክሳብ ክንደይ ነቶም ሰብ ጉዳይ ሓላፍነት ከም ዘሰክመና ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይና ከነስተውዕሎ ይግበኣና።

እቲ ትማሊ ብጾቱ ኣብ ሜዳ ቀቢሩ ዕጥቆምን ሕድሮምን ተቐቢሉ ዝመጸን፡ “ናይ ናጽነት ሓርበኛ” ዝተባህለን ተጋዳላይ፡ ሎሚ ኣካል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ፡  ክልተሻብ’ዩ ተራእዩ። ሓርበኛዊ  ታሪኹ ተደዊኑ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም “ወራሪ፡ ሰራቕን መሰል ንጹሃት ዝግህስን”  እናተባህለ መዛረቢ ኮይኑ’ሎ። ሕድሪ ሰማእታት ከኽብርስ ይትረፍ ክብሩ እውን ክዕቅብ ኣይከኣለን። ናይዚ ኩሉ ውርደቱ ጠንቂ ሕድሪ ብጾቱ ምጥላሙ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ መዓልቲ ሰማእታት ክበራበርን፡ በታ ዘላቶ ዕድል፡ ቅድም ነብሱ ከድሕን ደሓር ከኣ ሕድሪ ሰማእታቱ ከኽብር  ሎሚ’ውን ንጽወዖ ኣለና።

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

ውድቐትን ስዕረትን ንምልኪ!

 

Last modified on Sunday, 19 June 2022 09:56