Print this page

መበል 31 ዓመት፡ ብሓርነት ዘይተሰነየ፡ ዝኽሪ ናጽነት

2022-05-23 21:54:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1318 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ዝኽሪ 24 ጉንበት 1991 ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ዝወጸትላ ዕለት ስለ ዝኾነት፡  ዮሃና ንመላእ ህዝብና።

መሰረታዊ ዕላማ ቃልስና ናጽነት፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣልጊስካ ጨቋንን ተጨቋንን ዘይብላ፡ ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈና፡ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት እትመሓደር ሃገር ምርግጋጽ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነት፡ ህዝብና ነቲ  ሓቢርካ ሃገር  ንምህናጽ  ተቐሪብሉ ዝነበረ ምዕራፍ ቃልሲ፡ ከም ውሁብ ወሲድዎ ስለ ዝነበረ ከም ዝዕወት ትስፉው ነይሩ። ኣብ ተመኩሮ ህዝቢ ኤርትራ፡ ባሕቲ መስከረም 1961ን 24 ጉንበት 1991ን ክልቲአን ታሪኻውያን ዕለታት እየን። እታ ቀዳመይቲ ብምብሳር ሰውራ፡ እታ ካለኣይቲ ከኣ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ብግሃድ። እቲ ኣብ መንጎ እዘን ታሪኻውያን ኣጋጣምታት ዝነበረ፡ ናይ 30 ዓመታት ጉዕዞ ብኣዝዩ ብዙሕን ረቀቕትን ውረድ ደይብ ዝተመልአ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። ኩሉቲ ኣብ መንጎ እዘን ዕለታት፡ ዝሓለፈ ግዜ፡ ዝተኸፍለ ዋጋ፡ ዝተወፈየ መስዋእትነት፡ ዘጋጠመ ዕንወት፡ ብርሰትን ዝሰዓበ ስደትን ምምዝባልን፡ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነትን ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምውጋድን  ስለ ዝነበረ፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ሃገርን ቅሩብነት ንቃልስን ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከም እትበጽሕ ልዑል ተስፋ ነይሩ።

ቃልሲ ንምህናጽ ሃገረ-መንግስቲ ድሕሪ ናጽነት፡ ካብቲ ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝተፈልየን ዝተሓተ ዋጋ ዝሓትትን ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ህዝብና እዩ ነይሩ።  ካብቲ ተስፋ ዘሕደረ ምኽንያታት፡ እቲ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ ሓይሊ ዘይምዃኑን ከም ውጽኢት ናይቲ ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት ኩሎም ኤርትራውያን ማዕረ ተጠቀምቲ እዮም ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮ ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ ምህናጽ ሃገር፡ ዓቕሚ እንተዘይጐዲሉና፡ ንመሰል ኤርትራውያን ኣዋሲኑ ስልጣኑ ቅድሚት ዝሰርዕ ስሱዕ ምምሕዳር ክህሉ  ኢዩ ዝብል ግምት ኣይነበረን። ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ንኹሉ ብሒቱ “ኢርትራ ነዓይ ጥራይ” ዝብል ግጉይ ኣሰላልፋ ክህሉ ትጽቢት ኤርትራውያን ኣይነበረን። እዚ ዘመልክቶ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኣብ ምምጻእ ናጽነት ግደ ዝነበሮም ተጋደልቲ ደቁ፡ ኩነታት ከምቲ ዝኾኖን ዝኾኖ ዘሎን ከጋጥም እዩ ዝብል ስግኣት ዘይነበሮ ምዃኑ እዩ።  እንተኾነ ካብ ቅድም እቲ ብግብሪ ዝተራእየ ኩነታት ከየጋጥም ስግኣት ዝሓደሮም፡ ብዓንተቦ ንምግትኡ ዝተቓለሱ ፖለቲካዊ ውድባትን ግዱሳት ባእታታትን ነይሮም ኢዮም።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ወርሒ ኣብዘይመልአ ግዜ፡  ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ሓቢኡ ዝጸንሐ፡ ደሓር ግና ብጋህዲ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመ፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ዝሰርዐን ንህዝቢ ሕማቕ ክፈዲ ዝተዓጥቀን ጉጅለ ካብ ትጽቢት ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ተጋሂዱ። እነሆ ከኣ እቲ ብህዱእ ኩነታት ክካየድን ብውጽኢቱ ኩሎም ኤርትራውያን ብማዕረ ዝጥቀምሉን ክኸውን ትጽቢት ዝተገብረሉ ቃልሲ ምትካል ሃገረ-መንግስትን ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ምምሕዳርን “ዘይበልናዮ ኮነ” ከም ዝበሃል፡ መልክዑ ቀይሩ ብኣንጻሩ ኮይኑ። እምበርከ ከምቲ ብረታዊ ቃልሲ  ኣብ 30 ዓመታትከ ክውዳእ ድዩ ኣይፋሉን? ንዝብል ከኣ እነሆ መበል 31 ዓመቱ ሒዙ። ብመንጽር ዝተኸፍለ ዋጋ ክምዘን እንከሎ እውን፡ ኣብ ኩሉቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኣጉደ፡ ግና ከምኡ ክኸውን ዘይነበሮ ውግኣት፡ ካብቲ ኣብቲ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ጉዕዞ ቃልስና  ዝተኸፍለ ዋጋ ዝበዝሐን ዝኸበረን  እዩ። ጌና ኣንጠልጢሉ ዘሎ ሓደገኛ ናይ ጥፍኣት ደበና ከኣ ውጻኢቱ ከም ዘጋድዶ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ምእታው ዘድልዮ እዩ።

ርሑቕ ከይከድና፡ ኣብዚ ንዝክሮ ዘለና መበል 31 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኮይና፡ ብዛዕባ እዚ ዝሓለፈ ናይ 61 ዓመታት በሊሕ ቃልሲ ከነስተንትን ናይ ግድን እዩ። ምስትንታን ብድፍኑ ዘይኮነ፡ “በየን መጺእና?፡ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለና?፡ እንታይከ ይጽበየና ኣሎ?” ኢልና ክንሓትትን ክንምልስን ግቡእ እዩ። ቀንዲ ጠመተና ከኣ እተን፡ “ኣበይ ኣለና? እንታይከ ይጽበየናሎ?” ዝብላ ሕቶታት ክኾና ይግበአን። ምስ ቃልሲና ምንውሑን ብሰንኩ ሃገርናን ህዝብናን ንቑልቁል ይንቆቱ ምህላዎምን ሻቕሎት ኩልና፡ ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ዝያዳ ኣብ ዝዓረገሉ ደረጃ ኢና ዘለና። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ህግደፍ ኣብ ምውጋድ ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት፡ “ካብዚ ዘለናዮ ናብ ዝሓሸ የሰጋግረና” ብዝብል፡  መዋጽኦ ዝብልዎ ክእምሙ ባህርያዊ እዩ። ህግደፍን ደገፍቱን ግና በዚ ሒዘምዎ ዘለዉ ኣገባብ ክዕዘሩ እምበር ከመዛዝኑ ኣይንጽበዮምን ኢና።

ኣቐድም ኣቢሉ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ተመኩሮና ዝተራእየ፡ ብሓባር ከቃልስ ዝኽእል ሰፊሕ ጽላል ናይ ምርካብ ጻዕሪ፡ ሎሚ እውን ዕማም ኤርትራውያን ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ግንባራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኮይኑ ዘሎ እዩ። ተበግሶ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ኣብ ሕድሕድ ዝነበረ ምጽልላም፡ ምጥቕቓዕን ምንጽጻግን ዘህደአ ምዃኑ ዘይከሓድ እዩ። ምስዚ ግና ትሕቲ ትጽቢት ናይ ለውጢ ኣጀንዳና ምህላዉ ተረዲኡ ተገዳስነቱ ኮነ ቅልጣፈኡ ናይ ምዕራይ ሓላፍነቱ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ ዘሎ ምዃኑ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ።  በዚ ኣጋጣሚ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከም ወትሩ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዝቃለስሉ መድረኽ ንምምስራት ኣብ ዝግበር ቃልሲ ከይሰልከየ ኩሉ ካብኡ ዝድለ ከበርክት ቅሩብ እዩ።

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ክረኣዩ ካብ ዝጸንሑ ድኽመታት ሓደ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ዝሓዝካዮ መስርሕ ስንኻ ነኺስካ፡ ፍልልያትካ ኣጻቢብካን ኩሉ ዓቅምኻ ጸንቂቕካን ኩሉ ዕድላት ተጠቒምካ ኣብ ዝብጻሕ ምብጽሑ፡ ናይ “ንበይነይ” ኣገባብ ምኽታል እዩ።  ካብ ከምዚ ዓይነት ደውታን ምትፍናንን ንምውጻእ፡ ተደኲኑ ዝጸንሐ ብምፍራስ ዘይኮነ፡ ንጉዳያት ቅደም ተኸተል ኣትሒዝካ፡ ኣብቲ ዝጀምርካዮ ምድማዕን ነቲ ዝመጽእ ምዕባለ ነቲ ቅድም ዘመዝገብካዮ ብዘይሃስን ሓቢርካ ብምግጣሙ ክኸውን ይግበኦ። ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንኹሉ ተበግሶታት፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዝተነጽፈ ኣውንታዊ ባይታ ብዘይጻረር ኣገባብ  ከመሓድሮ ናይ ግድን እዩ።

እቲ ካልእ ንመበል 31 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ክንዝክር እንከለና ጓሲናዮ ዘይንሓልፍ፡ ሎሚ እውን ብሓፈሻ ኣብ ዞባና ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ እዩ። እዚ ንኤርትራ ብቐንዱ ጉዳይ ጐረቤት እዩ። ጽልዋኡ ኣብ ጉዳይና ግና ምስቲ ንሃገርና ዝሕምስ ዘሎ ጉጅለ ተሳታፊኡ ምህላዉ ከም ታራ ናይ ጐረቤት ዋኒን ንወስዶ ዘይኮነ፡ ግቡእ ግምት እንህቦ እዩ። ብሰንኪ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ትግራይ  ዘይምስምማዕ፡ ኣብቲ ቀንዲ ኤርትራዊ ዛዕባና ተረሓሒቕና መፍቶ ህግደፍ ከይንኸውን ውሕልነትን ምስትውዓልን ዝሓተና ዘሎ እዩ።

ብናጽነትና ንሕበን፡

24 ጉንበት 2022

Last modified on Tuesday, 24 May 2022 07:45