Print this page

ማሕበራዊ ሚድያ ንእወንታ

2022-02-20 08:03:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1100 times
Rate this item
(0 votes)

ንርከበሉ ዘለና መበል 21 ክፍለ-ዘመን ሓደ ካብ መለለይታቱ፡ ምዕባለ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝበረኸ ደረጃ ምብጽሑ እዩ። ማሕበራዊ መድያ ኣብ ኩሉ ህይወትን መነባብሮን ደቂ ሰባት ሓያል ተጽዕኖ ክፈጥር ዝኽእል ብዝተፈላለዩ መልከዓት ናይ መራኸብታት ዝግለጽ እዩ። ኣብ ቁጠባን ዕዳጋን፡ ኣብ ትምህርትን ሕክምናን፡ ኣብ ርክብን ምቅርራብን ብፍላይ ከኣ ኣብ ስሉጥ ምዝርጋሕ ሓበሬታ ግደ ዕቤት  ማሕበራዊ ሚድያ ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ሳላዚ ምዕባለ'ዚ ብዙሓት ወገናት ናይ ስራሕ ዕድል ምርካቦም እውን ካልእ ጠቕሙ እዩ። በዚ ምሰረት ኢና ከኣ ሎሚ ዓለምና ሳላዚ ስሉጥ ምልውዋጥ ሓበሬታ ናብ ንእሽቶ ቁሸት ኣብ ዝተቐየረትሉ ደረጃ ምቅርራብ  በጺሓ ኣላ እንብል።

ክፍለጥ ዝግብኦ ግን፡ ማሕበራዊ ሚድያ ክልተ ብልሒ ዘለዎ ወሳኒ መሳርሒ ምዃኑ እዩ። እቲ ሓደ ብልሒ፡ ብግቡእን ብሓላፍነትን ክንጥቀመሉ እንከለና ዝህበና ኣውንታዊ ኣገልግሎት እዩ። እቲ ካልእ ብልሒ ከኣ ብዘይሓላፍነታዊ ኣገባብ ክንጥቀመሉ እንከለና ኣብ ብዙሕ መዳያት ዘስዕበልና ኣሉታ እዩ። በቲ ኣውንታኡ ሓድነት፡ ፍቕሪ፡ ናይ ሓባር ረብሓ ምውሓስ ዝከኣል ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ብዘይሓላፍነታዊ መንገዲ ክንጥቀመሉ እንከለና ዘኸትሎ ምብትታን፡ ምጽልላምን ንጸላኢኻ ዕድል  ምኽፋትን ዘኸትል እዩ። ሎሚ እዚ ክልቲኡ ሳዕቤናት ናብ ካልእ ከይከድና ኣብ ደንበ ቃልስናኳ ብግብሪ ንርእዮ ዘለና ሓቂ እዩ።

እቲ ኣውንታዊ ጠቕሚ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ፡ ኩሉ-መዳያት ህይወት ሰባት ዝጸልው ኮይኑ፡ ቀንዲ መግለጺኡ ብኣካል ምርኻብ ኣብ ዘይተኻእለሉ፡ ሓበሬታ ብቕልጡፍ ምትሕልላፍ ዘኽእል ምዃኑ እዩ። ብግብሪ ከምዝረኣናዮ ድማ፡ ረብሓ ማሕበራዊ ሚድያ ዓለምና ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ስግኣትን ጨንቅን ኣብ ዝኣተወሉ ግዜ ኣበርክቶኡ ዕዙዝ እዩ ነይሩ። ኣገዳስነት ሓበሬታ ብቕልጡፍ ምዝርጋሕ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ኣብ ኤርትራ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ ርኡይ እዩ። ሎሚ እቲ ብኣካል ተራኺብካ ሓበሬታ ንምልውዋጥን ኣብኡ ተመስሪትካ ውሳነታት ንምውሳንን ዝሓቶ ዝነበረ ናይ ገንዘብን ግዜን ወጻኢ ምውጋድ ተኻኢሉ እዩ። ብኣካል ንምርኻብ ከይተገደድካ ብሳላ ምዕባለ ማሕበራዊ ሚድያ  ኣኼባታት፡ ሰሚናራትን ጉባአታት ምክያድ ምኽኣሉ ናይ ንዋትን ግዜን ወጻኢታት ምድሓን ናይቲ ኣውንታዊ ብልሒ ማሕበራዊ ሚድያ  መርኣያ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ዝቃለስ ዘሎ ሓይሊ ሕጽረታት ተባሂሎም ካብ ዝምዝገቡ ሓደ ምስቲ ናይቲ ቃልሲ ዋናን ወሳንን ዝኾነ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ህዝቢ ክራኸብ ዘይምኽኣሉ እዩ። ኣብ ኤርትራ ብማሕበራዊ ሚድያ ምስ ህዝቢ ንምርኻብ ጸገም ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። ናይቲ ጸገም መሰረታዊ ምኽንያት ከኣ ህግደፍ ህዝቢ ካብ ናቱ ሓሳብ ዝተፈልየ መማረጺ ርኢቶ ከይከታተል ዝኽልክል ምዃኑ ሓደ እዩ። ብዓብዩ ከኣ ከምቲ ናይ ህግደፍ መራሒ እውን ደጋጊሙ ባዕሉ ተጠሊዑ ዝተኣመነሉ እቲ ነዚ ዘኽእል ኢንተርኔት ከምቲ ካልእ ትሕተ-ቅርጻታት ዘይምህላዉ ሓደ እዩ። ኣብ ኤርትራ እቲ ጸገም ኢንተርነት ዘይምህላዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ መንግስቲ ኮነ ኢሉ ናብ ህዝቢ ክባጻሕ ስለይዘደሊ ኢዩ። ኢንተርነት ጥራይ ዘይኮነ ታራ ተለፎን ዝዕጸወሉ ኣጋጣምታት እውን ኣሎ። ኣብ ርእሲዚ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሔ ገንዘብ ንመስመር ኢንተርነት እትኸፍል ሃገር ምዃኑ እዩ ዝንገር።  በቲ ክርከብ ዝኽእል ኣዝዩ  ጸቢብ ዕድል ናይ ኢንተርነትከ ብማሕበራዊ ሚድያ ናብ ህዝብና እነመሓላልፎ መልእኽቲ፡ ነቲ ነካይዶ ዘለና ለውጢ ናይ ምምጻእ ቃልሲ ዝሕግዝ ድዩ ዝጐድእ? ዝብል ሕቶ ምርኣዩ ኣገዳሲ እዩ። እነመሓላልፎ መልእኽቲ ተስፋ ዝህብ ድዩ ተስፋ ዘቑርጽ፡ ብዛዕባ ዘሳንየናን ዘሰማምዓናን መልእክቲ ዲና ንዝርግሕ ወይ ብዛዕባ ዝፈላልየናን ዘረሓሕቐናን ኢና ንሕብሮ? ዝብሉ ጉዳያት እውን ብተገዳስነት ክሕሰበሎም ዝግብኡ እዮም። ማሕበራዊ ሚድያ ተረኽበ ኢልካ እትትኩሰሉ ዕጥቂ ዘይኮነ፡ ኣቐዲምካ ሓሲብካን መሚኻን ክትግልገለሉ ዝግባእ ተሃዋሲ መሳርሒ ምዃኑ ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ።

ኣብዚ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ቀጻሊ ቃልሲ ነካይደሉ ዘለና እዋን ማሕበራዊ ሚድያ ብደረጃ ውድብ ይኹን ማሕበር ወይ ብውልቂ ውሽጣዊ ዓቕምና ነማዕብለሉ፡ ንህዝብና ብዛዕባ ጸረ  ህዝባውነት ህግደፍ እነስተምህረሉ፡ ህይወቱ ንምምራሕን ጥዕናኡ ንምሕላውን ዝሕግዞ ትምህርቲ እንህበሉን ናይ ተቓሊሶም ዝተዓወቱ ህዝብታት ተመኩሮታት እነቕስመሉን ክኸውን ይግበኦ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ወሳኒ ናይ ሓቢርካ ምቅላስ መድረኽ ስለ ዘለና፡ ዋላ ይንኣስን ይውሓድን ዘራኽበና ኣተሓሳስባ እነሕይለሉ፡ በቲ ካልእ ገጽ ድማ ንዝፈላልየና ርኢቶታት ንቕድሚት ከነምጸኦ ኣብ ዘይግበኣሉ ግዜ ምህላውና ብግብርን ብቃልን እነመስክረሉ ግዜ ምህላውና ምንጻር የድሊ። ዘለና ዓቕሚ ማሕበራዊ ሚድያ ከኣ በዚ ክቃነ  ይግበኦ።

ብኣንጻርዚ ንፍልልይና እነተዓባብየሉ ንዘሰማመዓና ትርጉም እነስእነሉ ኣካይዳ እንተኾይኑ፡ በቲ ኣሉታዊ ብልሒ ማሕበራዊ ሚድያ ንጥቃዕ ኣለና ማለት እዩ። ካብቲ ኣሉታ ወጺእና እቲ እወንታዊ መንገዲ ንምሓዝ እምበኣር ቅድሚ ማሕበራዊ ሚድያ ተረኽበ ኢልና ምትኳስ፡ “እንታይ ኢና ክንብል ዝግበኣና እንታይከ ክንብል ኣይግበኣናን” ኢልና ብጽሞና ክንሓትትን ክንምልስን ናይ ግድን እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ንማሕበራዊ ሚዲያ ኮነ ኢልካ ንሓድነት ኣብ ዝሃሲ፡ ምቅንጽጻል፡ ምጽልላምን ምዝራግ ውልቃዊ ማሕበራዊ ህይወት ሰባትን ክትዝርገሖ ምፍታን ኣዝዩ ኣሉታዊ እዩ። እቲ ካልእ ዝዓበየ ኣሉታዊ መግለጺ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ኣጠቓቕማ ከኣ መዘርግሒ ናይ ሓሶት ጌርካ ምጥቃሙ እዩ። ምናልባት ሳላዚ ዕቤት ማሕበራዊ ሚድያ ገንዘባዊ ረብሓ ዝረኽቡ ይህልዉ ይኾኑ። ኣብዚ እውን ንዓኻ ክትጥቀም ክትብል ንኻልእ ካብ ምጉዳእ ምዕቃብ፡ ሓደ ካብ ንማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ኣውታዊ ረብሓ ምውዓሉ እዩ።

Last modified on Sunday, 20 February 2022 09:10