Print this page

ህዝቢ ኤርትራ፡ ንህግደፍ ኣገናዕ ዘይኮነ፡ ዓገብ በሎ!

2022-01-19 17:44:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1025 times
Rate this item
(0 votes)

Logo

ርእሰ-ዓንቀጽ

ኩሉ ህግደፍ ዝወስዶ ስጉምትታት ካብ ድሌትን ፈቓድን ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ዝካየድ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ተግባራት ህግደፍ ብዘይኣፍልጦኡን ድሌቱን ብስዲ ዝውሰድ ምዃኑ ስለ ዝርዳእ ሓንጐፋይ ኢሉ ከም ዘይቅበሎ ርዱእ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብዘይኣፍልጦኡ ግና ድማ ብስሙን ብስም ሃገሩን ዝውሰድ ግጉይ ተግባራት ህግደፍ ዘይድግፎ፡ ስለ ዘየርበሖ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣሉታዊ ሳዕቤንን ጽልእን ዝዕድመሉ ስለ ዝኾነ እውን እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ህዝቢ ኤርትራ ጋና ንጸረ ህዝብን ዘይሓላፍነታውን ተግባራት ህግደፍ ዝዓግት ደራኺ “ናይ ዓገብ ድምጺ”  ከጥሪ ኣይከኣለን።

ኣብ ኩሉቲ ህግደፍ ዝወስዶ ዓንዳሪ ዘይሓላፍነታዊ ወፍርታት፡ እቲ ዋጋ ዝኸፍል ህዝቢ ኤርትራ እምበር እቲ ጉጅለ ኣይኮነን። ህግደፍ ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ምስ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ዝኣጐዶ ውግኣት ዝጠፍአ ህይወት፡ ዝባኸነ ገንዘብን ዝዓነወ ትካላትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጸጋ እዩ። እዚ ህዝቢ ኣብ ዘይርበሓሉ ዓንዳሪ ወስታታት ዝጠፈአ ጉልበትን ንብረትን ኣብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ህንጸት ውዒሉ እንተዝኸውን ክሳብ እንደይ ሃገርና ካብዚ ሎሚ ዘላቶ ናይ “ኩሉ የለን” ሃለዋት ምወጸት ነይራ፡ ኢልካ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ኣሉታዊ ውጽኢት ዓንዳርነት ህግደፍ ኣብ ቁጠባዊ ድሕረትን ድኽነትን ዝድረት ዘይኮነ፡ ገዘፍቲ ሞራላዊ፡ ሰብኣዊ፡ ማሕበራውን ዲፕሎማስያውን ማህሰይቲ’ውን ከም ዘኸትል ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እዩ።

በቲ ሓደ ወገን “ጉጅለ ህግደፍ ካብቲ ዝሓለፈ ኣብ ዘይጉዳይካ ኢድ ናይ ምእታው ክሳራኡ ተማሂሩ ክዕረ ይኸውን”፡  በቲ ካልእ ወገን ከኣ “ኣይፋሉ ጉጅለ ህግደፍ ከምቲ ኣመል ምስ መግነዝ፡ ዝበሃል ድሕሪ ሕጂ መንገዲ ደሓን ክሕዝ እትጽበዮ ኣይኮነን” ዝብሉ ሓሳባት ይገማድሑ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ኣብ ናይ ወርሒ ሕዳር 2020 ውግእ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘሊሉ ኣትዩ። እዚ ተግባሩ ንገሌና ካብቲ “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ” ዝብል ጭረሖኡ ነቒልና እንጽበዮ ስለ ዝነበርና ኣይደንጸወናን።  ንካለኦት ከይቀብጽዎ ዝጸንሑ ግና  ተሓዲስዎምን ኣስደሚምዎምን። ቅሉዕ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ምስተጋህደ፡ ነቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይ ህግደፍ ናብቲ ውግእ ምእታው ምስተጋህደ ብውዕዩ፡ “…….ስርዓት ህግደፍ ንባዕዳውያን ሓይልታት ናብ መሬትና ከምዝኣትዉ ምግባሩ ከይኣኽሎ፣ ንሰራዊት ኤርትራ’ውን ብዘይድልየቱን እምነቱን ናብ ትግራይ ልኢኹ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣእትዩ ንኸቢድ ሓደጋ ኣቃሊዕዎ ይርከብ።” ዝበሎ ወሲኽካ፡ ካለኦት ዝተፈላለዩ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሓይልታት ንተግባር ናይቲ ጉጅለ ተቓዊመምዎ እዮም። ሕጂ እውን እቲ ናይ “ሓልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይውጻእ” ዝብል ተሪር ስምዕታታት ቀጻሊ ኣሎ።

ምስዚ ኩሉ እቲ ቀንዲ ናይ ዓገብ ምሕጽንታ ክመጽእ ዝግበኦ  ካብ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ምስትብሃል የድሊ። እቲ ዝያዳ  ዘድምዕን ዝቕይርን ድማ ንሱ እዩ። ሰደህኤ ወትሩ  ኣብ ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኣምን ኣብቲ ነዚ ጉዳይዚ ዝምልከት በኹሪ  ሚዛኑን መግለጺኡን ናብ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ  “ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ብሓደ ወገን እቲ ሰራዊት ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር፡ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ።” ኢሉ ነይሩ። እዚ መርገጹ ክሳብ ሕጂ’ውን ህያው እዩ። እንተኾነ እቲ ወሳኒ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክመጽእ ዝግበኦ ዓገብ በሃልነት ኣብቲ ክበጽሖ ዝግበኦ ብራኸ ስለ ዘይበጸሐን ህግደፍ ካብ ስኽራኑ ስለ ዘይተመልሰን፡ “ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ’ውን ብሓደ ድምጺ፡ ዓገብ በል” ንብል ኣለና።

ድምጽኻ ክብ ኣቢልካ ኣንጻር ተግባራት ህግደፍ ናይ ዓገብ ድምጽኻ ዘይምቅላሕ ዘተሓሳስብ ኮይኑ፡ ብኣንጻሩ “ሕራይ ገበርካ” ዝብልዎን ኢሳያስ ንዘዝበሎ ከይመመዩ ዝደግሙን መነሃሃርቲ ኤርትራውያን ከምዘለዉ፡ ክትዕዘብ እንከለኻ፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቃልሲ ክሳብ ክንደይ በዳሂ ምዃኑ  ዘረድእ እዩ። እዚ ዘለናዮ ኩነታት፡ ንሓቂ ብሓቅነቱ እሞ ብፍትሓዊ ሚዛን ኣብ ክንዲ ምርዳእ፡ ግዳይ ሸፋጢ ፖሊሲ  ህግደፍን ኣደናጋሪ መደረታት ኢሳያስን ምዃን እዩ። ውጽኢቱ ናበይ ከም ዝወስድ ከኣ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እስኪ ካልእ ኩሉ ይጽነሓልና። እቲ ክዉን ሓቂ “ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ምስ ኣተወ፡ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልታት ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ከቢድ ብረት ከም ዝተተኮሰ” ኮይኑ፡ ኢሳያስ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ፡ “ናብ ትግራይ ዝኣተና ከቢድ ብረት ምስ ተተኮሰና ኢና”  ንዝበሎ ምህዞ ከም ሓቂ ምውሳድ ክሳብ ክንደይ፡ ምስ ሓቅን ክውንነትን ምርጻም ምዃኑ ምርዳእ ይከኣል። እስኪ ኣብ ሓደ ጉዳይ  ነስተብህል፡ ዕጥሩን ዝበሃል ኣዛዚ ሰራዊት ኢርትራኮ፡ “ኣብ ሸራሮ እየ ዘለኹ” እንዳበለ እዩ፡ ናብ ኣብ ኤርትራ ዝበሩ ኣዕርኽቱ ስልኪ ደዊሉ፡ ብዛዕባ  ከቢድ ብረት ናብ ኣስመራ ምትኳሱ ዝሓቶም  ዝነበረ።  ካልእ ከምዚ ዓይነት ሓቅን ክውንነትን ዝኸሓዱ ኣበሃህላታትት ብዙሓት እዮም። ኮታ ሓሶታትን ዘይትግበሩ መብጸዓታትን ንህዝቢ ኤርትራ ኣእሪገምዎ እዮም።

ከምቲ ፖለቲካዊ ምፍጣጥ ክልል ትግራይን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናብዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ውግእ ከይዓርግ ዝሰግኡ ወገናት፡ “ውግእ እንተተባሪዑ፡  ኣበይን መዓስን ከም ዝጅመር እምበር፡ ኣበይን መዓስን ከም ዝዓርፍ ኣይፍለጥን እዩ” ዝበልዎ፡ እቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዝዘነበ፡ ኣብ ኤርትራ የድበንብን ከም ዘሎ ክንክውሎ ዘይንኽእል ተርእዮ እዩ። እቲ ደበና ክዘንቦ ዝኽእል ተፈትወ ተጸልአ ማና ከምዘይከውን ርዱእ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ትግራይ ዝሓልፎ ዘሎ ዘስካክሕ ህይወት፡ “ጽባሕ ናባይ” ዘየብል ኣይኮነን። ስለዚ ፍልልያትና ብዘየገድስ ኩልና ኤርትራውያን፡ ብዓብይኡ ከኣ ህዝብና፡ ነቲ ደበና ጥፍኣት  ንምንፋስ፡ ንህግደፍ ኣብ ክንዲ ኣገናዕ፡ ዓገብ ክንብሎ ግድን እዩ። እቶም “ሕራይ ገበሮም” እትብሉ፡ ግጉይ መንገዲ ህግደፍ፡ ከም ውሕጅ እንዳሰሓሓቐ ይወስደኩም ከም ዘሎ፡ ናይ ጽሞና ግዜ ወሲድኩም ሕሰብሉ’ሞ ናብ ልብኹም ተመለሱ።

Last modified on Wednesday, 19 January 2022 19:00