Print this page

ኣሽካዕላል ኢሳያስን፡ ከባብያዊ ሳዕቤኑን

2022-01-10 21:55:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1110 times
Rate this item
(0 votes)

Logo

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ “ስምዑኒ ዝብሎ ኣለኒ” ቆጸራ ከስምዕ ቀንዩ፡ ብ8 ጥሪ 2022 ምስተን ኣብ ኤርትራ ብሒተን ዘለዋ ሚድያታቱ ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ። ቃለ መጠይቑ ካብቶም ክሓትዎ ዝተዳለዉ ጋዜጠኛታቱ ዘይምቕያሮም ጀሚርካ፡ ተባሂሉ ዝኣረገ እምበር ሓድሽ ኣይነበሮን። ካብቲ ንኣስታት 2 ሰዓታትን 50 ደቓይቕን ዝወሰደ  ኮለሉ፡ እቲ ዝነውሐ ኣብቲ  ኣህጉራውን ዞባውን ዝበሎ ክፋል እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብዚ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደሉ ዛዕባ ብዘይካ ንክትርደኦ ዘጸግም፡ ክስን ጸርፍን ኣንጻር መንግስቲ ኣሜሪካን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ካልእ እዚ ኢልካ ዝጭበጥ መልእኽቲ ኣይነበሮን። እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ፍጊዕ ክሳብ ዝብሎ ቅድሚ ሕጂ ዝሰምዖን ዝፈልጦን እዩ።

ካብቲ ኢሳያስ ዝደጋገሞ ዛዕባታት፡ ዘይምኽኑይ እገዳታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ምክልኻል ኤርትራ ናብ ውግእ ትግራይ ዝኣተወሉ ንድሕነት ኤርትራ ምንባሩ፡ ኣብ ምጅማር ውግእ ፖለቲካዊ ሕሳብ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ግጉይ ምንባሩ፡  ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መቐለ ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ምንባሩ፡ ዝብሉን ዝኣመሰሉን ይርከብዎ። ካብኡ ሓሊፉ ኣብቲ ንኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳይ ይምልከት ዝበሎ፡ ነቲ ልሙድ ኤርትራ መንገዲ፡ ኤለክትሪክ፡ መጐዓዝያ ትምህርቲ፡ ሕክምና….. ወዘተ የብልናን ዓይነቱ “ኣይትብከ እድዩ’ሞ ዘብክየኒ” ዝብል ጸገማት ምጽብጻብ ይርከቦ። ንዕርክነቱ ምስ ቻይና ከኣ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎን ዝነኣድን ኣምሲሉ ኣወቂቡ ኣቕሪብዎ። እቲ ኣዝዩ ዘገርምን ዝያዳ  “ኣሽካዕላል”  ዘብልን ከኣ ንሰራዊት ሱዳን ክምዕድ እንከሎ፡ ኣብ ጐኒ ህዝቡ ንክስለፍ ዝሃቦ “ምኽሪ” እዩ መንቀሊ ምዕዶኡ ንህዝቢ ሱዳን ካብ ምሕላይ ዝነቅል ዘይኮነ፡ ኣብቲ ወተሃደራዊ ክፍሊ ናይታ ሃገር ዘለዎ ጽልኢ ዘንጸባርቕ እዩ። እምበር ምእንቲ ህዝቢ ሓላይ ነይሩ እንተዝኸውን ደኣ፡ ንሱንዶ ምስ ህዝቢ ኤርትራ  መወገነ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጐረቤትና ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካ እሱራት ምፍታሕ፡ ብደረጃ ምድጋፍ ኮነ ምቅዋም ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ። ብፍላይ ኣቦይ ስብሓት ነጋ ዝርከብዎም ፍሩያት ተጋሩ ፖለቲከኛታት ካብቶም ዝተፈትሑ ምዃኖም፡ ነቲ ኣዛራብነት ዝያዳ ኣንሂርዎ ኣሎ። ኢሳያስ  ካብተን ዘይፈትወን፡ ንፍልልያት ብዘተ ምውጋንን እሱራት ምፍታሕን ዝብላ ኣምራት ናብኡ ምእንቲ ከይመጸኦ፡ ንምፍታሕ እሱራት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘይፈትዋ ርዱእ እዩ። ምናልባት’ውን እዚ ስጉምቲ ነቲ ዝቀላቐል ዘሎ ፍልልይ ኣብ መንጎ ህግደፍን ብልጽግናን ዘራጉድ ግደ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ከምቲ ዝግመት ኣብ ኢትዮጵያ በዚ ምፍታሕ እሱራት ኣቢልካ ናብ ነቲ ውግእ ብሰላም ምፍታሕ ዘሰጋግር እንተኾይኑ፡ ክሳራ ኢሳያስ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ብብሩህ ክረአ እዩ። እንተ እቶም “ኢሳያስሲ ካብዚ ናይ ኢትዮጵያ ስጉምቲ ቅዱስ ቅንኢ ሓዲርዎደኾን ብዘይፍርዲ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ዳጒኑ ከምዘሎ ተረዲኡ ብዛዕባኡ ይሓስብ?  ዝብሉ ወገናት እንተሊዮም፡ ልቢ ኢሳያስ ምሕረትን ይቕረታን ከየብቁል ሓንሳብን ንሓዋሩን  ዝደረቐ ምድረ-በዳ ምዃኑ ከይርስዑ ኢና ነዘኻኽሮም። ኣብ ምምሕዳር ኢሳያስ ዝተኣስሩ ክፈትሕ ምጽባይ ዘይኮነስ፡ ዘይትኣስሩ ክእሰሩ'ዮም ኢልካ ምግማትን ምጽባይን እዩ እቲ ዝቐልል።

እቲ ከም ኤርትራውያን  ብኣሉታ ከይጸልወና ንሰግኦ ዝነበርና ጥራይ ዘይኮነ፡ ድሮ ብግብሪ ዝጸልወና ዘሎ፡  ግጉይ ፖለቲካዊ ኣተሓሕዛ ዘኸተሎ፡ ውግእ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ኣሎ። ነዚ ውግእ ኣቋሪጽካ ፍታሕ ንምርካብ፡ ብሓፈሻ ብብዙሓት ግዱሳት ሃገራትን ትካላትን ብፍላይ ከኣ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ይጸዓረሉ ኣሎ። በቲ ሓደ ወገን ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባዚ ጉዳይ ኣስታት 10 ግዜ ምእካቡ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣሜሪካ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምምዛዛ ነቲ ጉዳይ ዕዝዙ ኣቓልቦ ከም ዝተዋህቦ ዘመልክት እዩ። ነቲ ዕዙዝነቱ ዝምጥን መፈትሒ ብዓንተቦ ዘይምምዝጋቡ ግና ናይ ብዙሓት ሻቕሎት እዩ። እቲ ብሰንክዚ ውግእ ዝወርድ ዘሎ ማሕበራዊ ቅልውላውን ዘኸተሎ ህልቂት ንጹሃትን ከኣ ነቲ ሻቕሎት ዝያዳ የንህሮ። ኣሚሪካውያን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ሓድነታ ዝሓለወት ሃገር ከቐጽሉ ከም ዝጽዕቱ ብዙሕ ምልክታት ከርእዩን ክጽውዑን ጸኒሖም እዮም። ናይዚ ቀንዲ መግለጺ ከኣ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይና እትቕጽለሉ ኩነታት ንምፍጣር ብዝግበር ጻዕሪ ዝግለጽ እዩ። ርኢቶ ኣሜሪካ ህልውና ህወሓት ስለ ዘውሕስ እሞ ንኢሳያስ ሕማም ርእሲ ስለ ዝኾኖ ኣንጻሩ ይሰርሕ ከም ዝህሉ ርዱእ እዩ።

መንግስቲ ቻይና ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ካብ ናይ ኣሜሪካ ዝተፈልየ ርኢቶ እዩ ዘለዋ። እዚ በቲ ኣብ ኣኼባታት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክትወስዶ ዝጸንሐት መርገጻታ ኣረጋጊጻቶ እያ። ኣብ ርእስቲ ምስ ኤርትራ ጉጅም ክትብል ምጅማራ፡ ከም ኣሜሪካ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም እትመዝዝ ምሕባራ ከኣ ኢስያስ ብቐረባ ጸግዒ ይረክብ ምህላዉ ዘመልክት እዩ። ቻይና ኢሳያስ ናብ ሃገራ ክበጽሕ ምዕዳማ እውን ነዚ መሊሱ ዝድርዕ እዩ። እቲ ምልክታት ከም ዝሕብሮ ኣሜሪካ ኣብ ጐኒ ኢትዮጵያ፡ ቻይና ከኣ ኣብ ጐኒ ኤርትራ ተሰሊፈን እቲ ናይ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብጐቦ ዓይንኻ ምርእኣየን ናብ ዞባና ክመጽእ ከምዝኽእል ዝግመት እዩ። እዚ ወጽዓ ህዝብና ኮነ ዕድመ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ዘንውሕ፡  ከይከውን ኣጸቢቑ ዘስግእ ተርእዮ እዩ።

ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ሃንደበታዊ ዝምድና ምስተፈጥረ፡ ብዙሓት ሕቶታት ይለዓሉ ነይሮም። ካብቲ ሕቶታት እቲ “እዚ ብወግዒ ብኢሳያስ ዝተኣወጀ ሕወሓት ናይ ምጥፋእ ምሕዝነት ብኸመይ ብዘየገድስ፡ ምስ ተሰግረ ድሕሪኡኸ ኣብ ምንታይ ናይ ሓባር ባይታ ረጊጾም እዮም ክቕጽሉ?”  ዝብል ሕቶ መሪሕ እዩ ነይሩ። እነሆ ከኣ ምናልባት ኢሳያስ ወሲኽካ ኩላቶም ብዘይ ተጸበይዎ ብዝመስልን ሰዓራይን ተሰዓራይን ዘይነበሮን ውግእ ምንባሩ ብዘርእን ክውዳእ ዝኽእል ይመስል። ኢሳያስ ኣብ ርእሲ’ቲ ህንዱድ ዶብ-ሰገር ኢድ ኣእታውነቱ፡ ካብ ገጽ ምድሪ ክጠፍኣሉ ዝተመነዮ ሓይሊ ትግራይ ስለ ዘይሰመረሉ ቀንዲ ከሳሪ እዩ። በሰላን ስንብራትን ናይዚ ውግእ ኣብ መጻኢ ግና ቀሊል ኣይኮነን። በብግዜኡ ናይ ምርካስ ሓደጋ ከይህልዎ ድማ ዘስግእ እዩ።

እዚ  ንህዝብታት ዘይውክል፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ ክኸውን ዘይነበሮ ብዓይኒ ጽልኢ ምርእኣይ ንድሕሪት ተመሊስካ ዝቕየር ኣይኮነን። ንመጻኢ እዚ ሕማቕ ምስሊ ሒዙ ከምዘይቅጽል ምግባሩ ግና ይከኣል እዩ። ንሕና መጻኢ ህዝብናን ሃገርናን ዘገድሰና፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ካለኦት ኤርትራዊ ሓይልታን እንርከበሉ ደምበ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከኣ፡ ናይ ምውሳን ናጽነትና ዓቂብና፡ ኣብዚ ናይ ሕውየትን ሰላማዊ ዝምድናን ተግባር ክንሰርሕ ይግበኣና። ኣብዚ እንተደኣ ኣድሚዕና ንኢሳያስ እንስዕረሉ ፖለቲካዊ ሜዳ ክኸውን እዩ።

Last modified on Monday, 10 January 2022 23:02