Print this page

ብኣና ዲና ብጐረባብትና እንሰግእ

2021-07-27 21:18:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2329 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ኤርትራ፡ ብህዝባ፡ ካብ ህዝባን ንህዝባን” ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ሓባር ጭረሖና እዩ። ነዚ ከነተግብር ብዙሕነትና ዓቂብና ሓድነትና ከነሕይልን ዘይኤርትራዊ ኣብ ጉዳይና ክኣትወሉ ዝኽእል ሃጓፋት ክንመልእን ናይ ግድን እዩ። እዚ እቲ ክኸውን ዝነበሮን ዘለዎን ክነሱ ብግብሪ ግና ከም ዘይበቓዕናዮ ታሪኽና ኮነ ህልዊ ኩነታትና ዝምስክሮ እዩ። ኣብ 50ታትን 80ታትን ዝተራእየ ኣተሓሳስባታትን ዝተወስደ ኣገባብ ኣፈታትሓ ሃገራዊ ጉዳይናን ዝጥቀሱ ኣብነታት ኢዮም። እዞም ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ብቀጻሊ ኣብ መስርሕ ህንጸት ሃገርና ሓንኮልቲ ኮይኖምና ከምዘለዉ ምግንዛቡ ዝከኣል እዩ።

ኤርትራ ናብቲ ክውገድ ዝግብኦ ዝነበረ ዓዘቕቲ መሊሳ ክትሽመም ዝገበረ ህልዊ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ እዩ። ኣብ እዋን ገድሊ ምስ ጓና ሓይሊ ተሻሪኹ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይልና ከም ዝደምሰሰ፡ ሎሚ’ውን ጸረ ሃገራውን ህዝባውን ኣጀንድኡ ንምትግባር፡ ምስ ክሳብ ሎሚ ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሓጠሎም ሓይልታት ኢትዮጵያ ተላፊኑ፡ ንሓደጋ የቃልዓና’ሎ። ነዚ ኢስያስ ዘምጸኦ ዘሎ ሓደጋታት ንምዕጻፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኢድ ካለኦት ከይተጸበየ ኣብ ገዛእ ርእሱ ተኣማሚኑ ክቃለሶ ግድን’ዩ። ሎሚ’ውን  መርሆ ሓድነት ዘይክተል ምስቲ ናይ ቀደም ብዝመሳሰል ምክፍፋል፡ ኣብ ናትካ ሓይሊ ምትእምማን ገዲፍካ  ኣብ ናይ ግዳም ሓይሊ ምምርኳስ ውሕስነት ዓወት ዘረጋግጽ ኣይኮነን።

እቲ ምክፍፋልናን ዘይምትእምማናን ዓቕምና በታቲኑ ዘዳኽመና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሃገርና ረብሓ ሃገሮም ንከቀድሙ ዝደልዩ ናይ ግዳም ሓይልታት ኢዶም ከእትዉ ኣፍደገ ዝኸፍት ምንባሩን ምዃኑን ካብ ተመኩሮና እንዝክሮ ዝዓበየ ሰግኣት እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ናትና ብሓባር ናይ ዘይምቅላስ ድኽመት ኣቐሚጥና ምስቶም ኣብ ሕድሕድና ብዝፈጠርናዮ ዘይምትእምማን ኣብ ጉዳይና ዝኣትዉ ምርጋምን ምስጋእን ከምቲ “ወደን ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን” ዝበሃል’ዩ ዝኸውን። ኣብ ናይ 50ታት ተመኩሮና እቲ ዘይምስማርና ከይኣክል ከከም ዝንባለና ኣብ ጉዳይ ሃገርና ምስ ናይ ርሑቕን ጐረባብትን ሓይልታት ምጽጋዕ ከም ሓደ ኣሉታውን ክድገም ዘየብሉን ተመኩሮ ክንወስዶ ዝግበኣና እዩ።

ናይ ርሑቕ ይኹኑ ናይ ቀረባ ሓይልታት ኣብ ሃገርና ድሌት ክሓድሮም እንከሎ፡ ድሌቶም ንምዕዋት ካብ ዝጥቀምሉ ቀንዲ መንገዲ ኣብ ሕድሕድና ከምዘይንተኣማመን ምግባር እዩ። ነቲ ባልዕና ዝጀመርናዮ ምርሕሓቕ መሰረቱ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ከጋድድዎን፡ ብዝተፈላለዩ መተዓሻሸዊ መብጸዓታት ከሰንይዎ ድማ ናይ ግድን ነይሩ። እዚ ምትዕሽሻው ሎሚ እውን ብረቂቕ ሜላ ኣይክህሉን ምባል የጸግም።  እቲ ቀንዲ ስግኣት ግና ናታቶም ኢድ ኣእታውነት ዘይኮነ፡ ናትና ኣብ ገዛእ ርእስ ብዘይምትእምማን ነቲ  “ኤርትራ፡ ብህዝባ፡ ካብ ህዝባን ንህዝባን” ዝብል መሰረታዊ ጭረሖና ስለ ዘይበቓዕናዮን ባዕልና ነቓዓት ምፍጣርናን እዩ። ስለዚ እቲ ስግኣት ንሕና እቶም ናይ ምክፍፋል ኣፍደገ እንኸፍት እምበር እቶም በቲ ንሕና ዝኸፈትናዮ ዝኣተዉ ዘረግቲ ኣይኮኑን። ጎረቤት ሃገር ኣብ ጎረቤቱ ብዛዕባ ክኾነሉ ዝደልዮ ክሓስብ የብሉን ዝበሃል ኣይኮነን። ንሕና ውን ጎረባብትና ከምቲ እንደልዮ ክኾነልና ኢና እንሓስብን እንምነን። እዚ ግን ብዋጋ ናይቲ ካልእ ኣካል ረብሓ ዝረጋገጽ ኣይኮነን።

ኣብቲ ዝሓለፈ ተመኩሮና ከም ዝረኣናዮ ኣብ ጉዳይና ብሓባር ናይ ምስላፍ ብቕዓትና እንዳተዳኸመ፡  ምትእምማና  ምስ ነከየ፡ ናይ ጐረቤትና ድሌት ግብራዊ  ናይ ምዃን ዕድል ረኺቡ፡ ብፖለቲካውን ሕጋውን ኣገባብ ናጽናትና ናይ ምጭባጥ ዕድልና መኺኑ። እንተኾነ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ናይ ምውናን መሰልና ሸለል ኢልካ ዘይሕለፍ ስለ ዝነበረ ኤርትራውያን በቲ  ዝበልሐ ኣገባብ ሃገርና ናጻ ከነውጽእ ቅድሚ 60 ዓመታት ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣተና። እዚ ምዕራፍ ቃልሲዚ እውን ነቲ “ኤርትራ፡ ብህዝባ፡ ካብ ህዝባን ንህዝባን” ዝብል ጭረሖ ዓቲሩ ዝተንሰአ ነይሩ። ብዝምድናዊ ኣረዳድኣ ብዝሓሸ ሓድነትን ምትእምማንን ምስ ብዙሕ ሓጐጽጐጽን ላዕልን ታሕትን ነዚ መሰረታዊ ጭረሖ ደሓን ግምት ስለ ዝሃብናዮ ኤርትራ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኮይና።

ሎሚ ድማ ንናጻ ኤርትራ ካብ ጸልማት ኣውጺእና ዲሞክራስያዊ ግምጃ ንምልባሳ ኣብ መስመር ቃልሲ ኣለና። እቶም ብሰንኪ ፍልልያትና ኣከኣኢልና ብዓንተቡኡ ብሓባር “ንናጽነት መተካእታ የብሉን”   ብዘይምባልና ነዊሕ ግዜ ኣብ ቃልሲ ክንጸንሕን ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ክንከፍልን ዝተገደድና ኤርትራውያን ሎሚ’ውን ኣብቲ ናይ ቀደም ዘለና ንመስል። እቶም ካብ ሽዑ ኣብ ጉዳይና ዓይኖም ዝተኸሉ ሎሚ እውን ትሕዝቶ ዘይኮነ፡ ኣገባብ ቀይሮም ኣብ ቦታኦም ኣለዉ። እዚ እዩ ከኣ “ታሪኽሲ ንገዛእ ርእሱ ይደግም ኣሎ ማለት ድዩ?” ዘብለና።

ጉዳይና ከነልዕል እንከለና ተነጺልካ ስለ ዘይንበር ጉዳይ ጐረባብትና ከነልዕል ንቡር እዩ። እዚ ብመንጽርቲ “እንተ ክትድቅስ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝብሃል ክረአ እንከሎ ሰላሞም ንሰላምና ስለ ዝጸልዎ ንጐረባብትና ሕማቕ ኣይንምነየሎምን። ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ንትግራይን ኣጋጢምዋ ዘሎ ጸገማትን ከየልዓልና ዘይንውዕል፡ ብህግደፍ ዝምራሕ ኤርትራዊ ኣብቲ ጉዳይ ኣትዩ ብምህላዉ እዩ። ምኽንያቱ በቲ ሓደ ወገን ንሕና ጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝኣተዎ ኣቲና፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ግፍዓዊ ተግባራቱ እናተኸታተልና ከነውግዞ ስለ ዝግበኣና እዩ። ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ንከነውግዝ እንብሎ ከም ንትግራይ ምደጋፍና ጥራይ ገይሮም ዝወስድዎ ይህልዉ። በዚ መልክዕ እንተሒዝናዮ እውን ንትግራይ ብርትዓዊ መንገዲ ምድጋፍ ነውሪ ኣይኮነን። እቲ ካልእ ብዛዕባ ጉዳይ ትግራይ ክንዛረብ እንግደደሉ ምኽንያት እቲ ሎሚ ህግደፍ ዝፍጽሞ ዘሎ በደል ኣብ ዝምድና ናይቲ ስርዓታት እንተሓለፉ እውን ዘይሓልፍ   ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ከሕድሮ ዝኽእል ኣሉታ ስለ ዘተሓሳስበና ኢና። ምናልባት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኢዱ እንተዘየእቱ ከምቲ ብዛዕባ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ ግብጺ………ወዘተ ብዙሕ ዘይንዛረብ ብዛዕባ ትግራይ’ውን ኣይምተዛረብናን።

ኣብዚ እዋንዚ ብመስረት እቲ “ኤርትራ፡ ብህዝባ፡ ካብ ህዝባን ንህዝባን” ዝብል ሓሳብ፡ ጉዳይና ባዕልና እምበር ካልእ ኣይእተወና ዝብል የሰማምዓና እዩ። እዚ ኣበሃህላ ንምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ዝዕንቅጽ ከምዘይኮነ እንርዱኦ እዩ። እቲ ከምቲ “ዝሃበሲ ይልእኽ”  ዝበሃል፡ ሎሚ ንጉጅለ ህግደፍ ከዋድቐኩም ዝብሉ ኣካላት “ናይ ጽባሕ ስግኣት ከይኮኑ” ዝብል ፍርሒ ከም ዘለዎ ንሓዞ። እቲ ቀንዲ ጠንቂ  ስግኣት ግና ንሕና ብሓባር ክንቃለስ ዘይምኽኣልና ምዃኑ ኣይንረስዕ። ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮና እውን ነዚ ዘመልክት እዩ። ኩልና ከም እንዝክሮ ኣብ 50ታት ኣብ ኤርትራ “ኢትዮጵያ ወይ ሞት” ዝጭርሑ ኤርትራውያን ነይሮም’ዮም። እቲ ናይ ብሓቂ ስግኣት ዝኾነ ከኣ እዚኣቶም እምበር፡ እቲ ንሳቶም ብዝኸፈትዎ ኣፍደገ ዝኣተወ ናይ ደገ ሓይሊ ኣይነበረን። ስለዚ ሎሚ እውን ሕራይ በቲ  ብጉርሒ ድዩ ብስምዒት በብኩርናዑ ዝቀላቐል ዘይቅዱስ ንኤርትራ ናይ ምዕምጣር ጭረሖታትሲ ንስጋእ። እቲ ዝያዳ ክንሰግኦ ዝግበና ግና እቲ ናትና ብሓባር ዘይምስጓም ምዃኑ ከይዘንጋዕና፡ ከነእርሞ ክንለዓል ደጊምና ነዘኻኽር።

Last modified on Wednesday, 28 July 2021 10:08