Print this page

ሎሚ እውን ኩነታት ከይገድፈና

2021-06-05 12:45:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና፡ ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1589 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዝነበረ ኩነታት ናይ ጸልማት ግዜ ነይሩ ሎሚ’ውን ኣሎ። እንተኾነ ብዘይካቲ ብላዕለዋይ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ክካየድ ዝጸንሐ ፈተነታት፡ ፖለቲካዊ ኰነታት ሃገርና  ብኽንድቲ ክብደቱ ዓለምለኻዊ  ኮነ ዞባዊ ኣቓልቦ ክወሃቦ ኣይጸንሐን። ድምጺ ንዘይነበሮን ጌና ክሳብ ሎሚ እውን ንዘየብሉን ህዝብና “ድምጺ ክንኮኖ ኢና” ንብል ዘለና ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ውሱንነትና ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ማዕረቲ ጻዕርናን ቅሩብነትናን ኣቓልቦ ክንረክብ ከምዘይጸናሕና እንዕዘቦ ዘለና እዩ። እንተኾነ እቲ ጸገም ናይቶም ክሰምዑና ዝግበኦም ግና ዘይሰምዑና ወገናት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናትና ናይቶም ክንስማዕ ዝግበኣና ድኽመት  ዝለዓለ ግደ ከም ዘጸንሖን ከም ዘለዎን ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ። ናይ ድኽመትና ቀንዲ መርኣያ ከኣ ብሓባር ክንስጉም ዘይምብቃዕና እዩ።

እቶም ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ኣወጊድና፡ ኣብ ክንድኡ፡ ኣብ ሃገርና፡ ሕገመንግስታዊ፡ ትካላዊ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ፡ ኮታ ብዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ክንትከኦ ንቃለስ ዘለና ዓቕምና ውሱን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እቲ ቀንዲ ጸገምና ግና ዓቕምና ውሱን ምዃኑ ዘይኮነ፡ ነቲ ዝርካቡ ብሓላፍነት፡ ብህዝባዊ ሓልዮት፡ ብምክእኣልን ምጽውዋርን ከነዋፍሮ ዘይምጽናሕና እዩ። ደድሕሪ ጉጅለ ህግደፍ ዝኸፍቶ ኣጀንዳታት ምኻድ ዘይኮነ ናትና ኣንፈት ኣበጊስና ክንስጉም ዘይምጽናሕና እውን ካልእ ናይ ድኽመትና መርኣያ እዩ። ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድኽመትን ሰዓብነትን ካብ ዘውደቑና ከኣ፡ ጉዳይና ብዘይካና ካልእ ዋና ዘይብሉ ምዃኑ ኣሚና ብምሉእ ልብናን ዓቕምናን ዘይምንቅስቓስና ሓደ እዩ።  ርግጽ እዩ ናይ ቀረባን ርሑቕን ጸላእቲ ጉጅለ ህግደፍ ብዙሓት እዮም። እዞም ብዙሓት ጸላእቱ ከወግድዎ ከም ዝደልዩ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ንሳቶም ካብ ናቶም ናይ ቀረባን ርሑቕን ረብሓኦም እምበር ከማና ካብ ኤርትራዊ ረብሓን ህልውናን ስለ ዘይነቕሉ፡ ናታቶም ዓቕምን ተበግሶን ንዓና መመላእታ እምበር መተካእታ ከምዘይኮነ ክንስሕቶ ኣይግበኣናን። እቲ ኣብዚ እዋንዚ መንግስታት ኣሜሪካን ካለኦትን ስኖም ነኺሰምሉ ዘለዉ ከኣ ብመንጽርዚ ኢና ክንርእዮ ዝግበና።

ኣብ ኤርትራ እቲ ህዝብና ዝጽበዮ ንሕና እውን ንቃለሰሉ ዘለና ለውጢ ምእንቲ ክረጋገጽ፡ ኤርትራዊ ዓቕምና ከይበኾረ ካልእ ሓይሊ እውን ኣብ ርእሲቲ ናትና እጃም; ኢዱ ክሕውስን ተጽዕኖኡ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ከሕይልን ንጽውዓሉ ዘለና እዋን እዩ። እዚ ማለት እቲ ዕማም ኩልና ንወፍረሉ እምበር ንውሱን ኤርትራዊ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ህዝባዊ ምዕዓላትን ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። ብቀንዱ ከኣ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ውዳበታቱን ብዘይኣፈላላይ  ክንናበብ ናይ ግድን እዩ። ከምቲ ኣብ ዓወትና ኩልና ክንሕበን ዝግበኣና፡ ኣብ ድኽመትን ተሓታትነትን እውን በብጽሒትና ክንወስድ ከም ዝግበኣና ኣይንስሓት።

ብሰንኪ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘይተነግረ እምበር፡ ዘይወረደ ገበንን በደልን የለን። ህግደፍ ንሃገርናን ህዝብናን ሕድሩ ጠሊሙ ከም ናቱ ጉጅላዊ ንብረት ስለ ዝወሰዶ፡ ክብድሎ እንከሎ ዓገብ እንተተባህለ ኣይሰምዕን።   ሕሉፍ ሓሊፉ ነቶም ንሕሱም ኣካይድኡ ዝነቕፉ ወገናት፡ ከም ጸላእቱ ይወስዶም። ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ “ኮር ተገልበጥ”  ዝበሃል፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳዩ ከም ዝኣተዉዎ ቆጺሩ የጉባዕብዕ።

ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝለመዶ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እውን ይደግሞ ከም ዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ እዩ። ንሕና እቶም ንተግባራት እቲ ጉጅለ ካብ ቀደም እንፈልጥ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ ምኽታቱ ምስተረዳእና ሳዕቤኑ እንታይ ከም ዝኸውን ምግማቱ ዘጸገመና ኣይነበረን። ብኡ ንብኡ ድማ ሓደገኛነት ናይቲ ገዚፍ ኢድ ምትእትታዉ ብምስትውዓል ኮንኒናዮ ኢና። እቶም “እዚ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ ገበናት ይፍጽም ኣሎ” ኢልና ከነድምጽ  እንከለና፡ ብምሉእ ልቦም ዘይቅበልዎ ዝነበሩ ወገናት፡ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ፡ ሎሚ ግና በዚ ኣብ ትግራይ ዝኽሰሶ ዘሎ ዶብ ዝሰገረ ገበናት ክሰናበዱ ናይ ግድን ኮይኑ ኣሎ። ምስንባድ ጥራይ ዘይኮነ፡ ይቕጽልዎዶ ኣይቅጽልዎን ሓቢርና ንርእዮ ኮይኑ፡ ሴፋቶም ክስሕልሉ እውን ንዕዘብ ኣሎና። እዚ ተበግሶ ንኤርትራዊ ሓላፍነትና ዝትክእ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ቃልስና ንምውዕዓይ ሓጋዚ እዩ። ሓጋዚ ዝኸውን ግና ንኣካይዳና ምስዚ ዝወዓዋዕ ዘሎ ተረኽቦታት ከነበራብሮ እንተበቒዕና ጥራይ እዩ። ህልዊ ኤርትራውን ዞባውን ዛዕባ ውዑይ ኣጀንዳ ኣብ ዝኾነሉ ማዕሪኡ እንተዘይሰጒምና ግና “ሓጋዚታ ተረኣየትስ፡ መዲዳ ትሓብእ” ኮይኑ ግዜ ማዕሪኡ እንተዘይሰጒምና፡  ኣይክጽበየናን እዩ።

ህግደፍ “ህዝባዊ ሓልዮትን ተገዳስነትን” ዝበሃል ካብ መዝገቡ ዝሓኸኸ ብብደዐ ዝሰኸረ  ትዕቢተኛ ጉጅለ እዩ። ዝኾነ ስጉምቲ እንተወሰደ ኣብቲ ዝርዝር ሕሳቡ ጉዳይ ህዝቢ የለን። ኩሉ ሃሙን ቀልቡን ሸማጢጥካ ኣብ ስልጣን ምቕጻል እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኢድ ምእታዉ እውን በዚ ጸማም ኣካይድኡ ዝተቓነየ እምበር፡ ናይ ኤርትራ ኮነ ናይ  ህዝባ ጥዑይ መጻኢ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን። በዚ ዝኸዶ ዘሎ ንኤርትራዊ ጉዳይና መሊሱ ዘጋድድ ናይ ምዃኑ ዕድል ሰፊሕ እዩ።

በዚ ኮነ በቲ “ከባቢና ናብ ሓድሽ ምዕራፍን ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን ይኣቱ ኣሎ” ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። እዚ ሓድሽ ምዕራፍ ካብቲ ዝጸንሐ ዝተፈልየ፡ ነብሱ ዝኸኣለ ባህርን መንቀልን ኣለዎ።  ገለ ወገናት ሓድሽ ኣሰላልፋ ሓይልታት ይፈጥር ኣሎ ክብልዎ እንከለዉ፡ ገለ ድማ እቲ ዝነበረ ኣሰላልፋ እዩ ዝምዕብል ዘሎ እምበር ሓድሽ ኣይመጸን ዝብሉ ኣለዉ። ሓደ ካብ ምኽንያታቶም ከኣ ጉጅለ ህግደፍ መልክዕ ክቕይር’ዩ  ፈቲኑ እምበር፡ ኣብቲ ናይ ቅድም ንኤርትራን ከባቢኣን ናይ ምዝራግን ምሕማስን ተግባሩ እዩ ዘሎ ዝብል እዩ። እዚ ሚዛንዚ ናብቲ ሓቂ ዝቐረበ እዩ። እቲ ቀንዲ ቁምነገር ንህግደፍ እውን ዝህውጾ ዘሎ ሓድሽ ምውዕዋዕ ይፍጠር ምህላዉ እዩ። ስለዚ ንሕና፡ ሎሚ እውን ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ “ኩነታት ከይገድፈና” ብዘይብቑዕ ምኽንያት ግዜና ከየባኸና ብሓባር ክንስጉም፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዘይስገር ብደሆ እዩ።

Last modified on Saturday, 05 June 2021 14:48