Print this page

 ክንመሃረሉ ዝግበኣና ከባብያዊ ምዕባለ

2021-04-25 20:20:54 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1788 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ወዮ ካብ ቀደሙ እውን ዘየቕስን ዝነበረ ከባቢና ሎሚ ከኣ እነሆ ብዝለዓለ ደረጃ ይሕቆን ኣሎ። እቲ ሻቕሎት ካባና ሓሊፉ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሓይልታት ስክፍታ ኮይኑ ሰማይ ዓሪጉ ኣሎ። ምስ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብሰሜን ናብ ባሕሪ መዲተራንያን ዘእቱ መትረብ ስዌጽ፡ ብደቡብ ድማ ምስ  ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘራኽብ መጻብቦ ባበኤልመንደብ ቀንዲ ናይ ዓለም ንግዲ ዝመሓላለፈሉ መስመር እዩ። ከምኡ ብምዃኑ ከኣ ነቲ ዝሕቆን ዘሎ ማዕበል ነናብ ረብሓኦም ከውዕልዎ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ሓያላት ብዙሓት እዮም። ነዚ ሕሳባቶም ኣብ ግብሪ ንምውዓል መርገጽ እግሪ ክረኽቡ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ ከኣ በብናቶም መዕቀኒ  “ፈተውትና ወይ ጸላእትና” ዝብልወን ሃገራት እንዳመረጹ፡ ንገሊአን ኣጆኺ ንገሌአን ከኣ ወይለኺ ዝብሉ ዘለዉ ሓያላት ብዙሓት እዮም።

እቲ ማዕበል ዝሽፍኖ ከባቢ’ኳ ሰፊሕ እንተኾነ ካብኡ ናቡኡ ግና ኣብዚ እዋንዚ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሶማልያ ቀንዲ እዋናዊ ኣጀንዳ ኮይነን ዘለዋ እየን። ኤርትራ እሞኸኣ ወዮ ደኣ ድምጺ ህዝባ ክንድቲ ክብርኾ ዝግበኦ ሰማዒ እዚኒ ከይረኸበ ጸኒሑ እምበር፡ ሎሚ ዘይኮነስ ቅድም እያ ኣጀንዳ ክትከውን ዝነበራ። ስለዚ ኣካልዚ ሓደገኛ ከባብያዊ ማዕበል ከም ዘላስ ርኡይ እዩ። ናይ ከባቢና ጸገም ገለጽቲ ተርእዮታት፡ ንውግእ ከም መፍትሒ ምቕዳም፡ ብሄራዊ ምትፍናን፡ ዘይተጸንዑን ናይ ውሑዳት ረብሓ ዝማእከሎምን ምርጫታትን ምግባት ስልጣንን ዶባዊ ምስሕሓባት ካብቶም ብዙሓት ጠንቅታት ዝጥቀሱ ኮይኖም ኣለዉ።

 ኣብዚ ዞናና እናሓደረ ዝብእስ  ዘሎ ኣሉታዊ ምዕባለታት፡ ዋናታቱ ዘይምብቅዖም እንተዘይኮይኑ፡ ብዘይ ሓድሕድ ደም ምፍሳስን  ናይ ግዳም ኢድ ኣእታውነትን ክውገዱ ዘይክእሉ ኣይነበሩን። ዋናታቱ ቅሩብነትን ሓላፍነትን ሃልይዎም፡ ኣብ ቀዳምነታትካ ብግቡእ ምስራዕ፡ ህዝባዊ ረብሓ ምዕዛዝን ምቕዳምን፡ ናይ ዜጋታት መሰል ምኽባር፡ ህዝቢ ምንጪ ኩሉ ስልጣን ምዃኑ ኣብ ምእማን እንተዝተብዑ፡ እዚ ንዕዘቦ ዘለና ጸገማት እንተኾነ ኣይመተፈጥረን፡ እንተተፈጥረ እውን ዘይፍተሓሉ ዕድል ኣይምነበረን። እቲ ጸገማት ብዋናታቱ እንተዝፍታሕ ከኣ ናይ ግዳም ሓይልታት፡ ኳሕኲሖም ኣትዮም ኣብ ዘይጉዳዮም ከኹዱዱ ክንድዚ ሕጂ ንዕዘቦ ዘለና ቀሊል ኣይመኾነሎም።

እዚ ኣብ ከባብና ተፈጢሩ ዘሎ ማዕበል፡ ንሓንቲ ሃገር ዝግደፍን ብናይ ሓንቲ ሃገር ጸገም ምፍታሕ ዝውገድን ኣይኮነን። ምናልባት ካብኡ ናቡኡ ግና ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ናይ ሓንቲ ሃገር ጉዳይ ቁሩብ በሪኹን መሪሩን ክረአ ይኽእል። ከምዚ ኣብዚ እዋንዚ ኰነታት ኢትዮጵያ ዝያዳ ተወጢርዎ ዘሎ ማለትና እዩ። እዚ ከምቲ “ጭሕሚ ዓርክኻ ክላጸስ፡ ጭሕምኻ ማይ ልኸ” ዝበሃል፡ ንጐረባብቲ ኢትዮጵያ ናይ ተጠንቀቓ ደወል እምበር፡ ናይ ስቕ ኢልክን ተዓዘባ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ዘሎ ኣይኮነን። ናይ ኤርትራና ጉዳይ  እቲ ጽዕነትን ተሓታትነትን ካብ ናይ ኢትዮጵያ ዝያዳ ዝኸበደ እንተዘይኮይኑ ዝፈኾሰ ኣይኮነን። ብደረጃ “ናይ እንዳማታ ዶብ ጥሒሳ ኣትያ ትዋጋእ ዘላ ሃገር” እያ ትኽሰስ ዘላ። ስለዚ እዩ ከኣ እቲ  ሳዕቤን ዝኸብድ። ሓቀኛ ምልክታቱ ከኣ ይረአ ኣሎ። እቲ ቅድም ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ጥራይ ዘድህብ ዝነበረ ዓለምለኻዊ ክስን ውግዘትን ሎሚ ኩለመዳያዊ ኮይኑ ኣሎ።  ኣብ ሱዳንን ሶማልያን ገሊኡ ናይ ውሽጠን ገሊኡ ከኣ ምስ ጐረባብተን ብዘለወን ጸገማት ተንጠልጢልወን ዘሎ ጸሊም ደበና እንታይ ከም ዝዘንብ ፍሉጥ ኣይኮነን። ማና ከዝንብ እዩ ኢልካ ትጽበዮ ግና ኣይኮነን።

ጉዳይ ናይ ቀረባ ጎረቤትና ኢትዮጵያ ሎሚ ውዕዉዕ ናይ ዓለም መዛረቢ ኮይኑ ኣሎ። ብዙሓት ወገናት ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮነ ህዝቢ ትግራይ ጉዳይ ዓዚዝዎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ኣካል ናይ ግሎባላዊ ውድድሮም ወሲዶም ይንቀሳቐስሉ ኣለዉ። ብዘይካቲ ሃገራት በብውልቀን ዝገብረኦ ዘለዋ ሸበድበድ ናይ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ብጉዳይ ኢትዮጵያ ኣኼባታትን መገሻታትን የዛይዳ ኣለዋ። ንሓንሳብ ዝመደበኦ ሓገዝ ይስርዛ ንሓንሳብ ከኣ ዝሰረዘኦ ደገፍ የሕድሳ ኣለዋ። ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ልኡኻተን መዲበን ንጉዳይ ኢትዮጵያ ይከታተለኦ ኣለዋ። ጉዳይና ጉዳይ ኤርትራ ንሓያሎ ዓመታት  ቀልቢ ሓያላት ዘይሰሓበ፡ ቀሊል ጸገም ስለ ዝኾነ ድዩ? ዕድመ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ በደል ሓጺር ስለ ዝኾነ ድዩ? እስትራተጅካዊ ተደላይነትና ካብ ናይዘን ሎሚ ኣጀንዳ ኮይነን ዘለዋ ሃገራት ንታሕቲ ስለ ዝኾነ ድዩ? እንዳበልካ ብዙሓት ሕቶታት ምድርዳር ይከኣል።

ውሑዳት ህዝብን ሓዳስ ሃገርን ምዃና ጉዳይና ክንድቲ ዝድለ ንከይወዓዋዕ ግደ ይነብሮ። ዕጽዊ ዲፕሎማሲን፡ ኩሉ መራኸቢ ኣገባባት ዘየፍቅድን  ፈራሕን ጸዋግን ፖሊሲ ጉጅለ ህግደፍ ጉዳይና ቀልቢ ንከይረክብ ብጽሒት ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ግና እቶም ሰብ ጉዳይ ንጉዳይና ኣብቲ ብብዙሓት ክስማዕን ክረአን ዝኽእለሉ በሪኽ ቦታ ከነብጸሖ ዘይምኽኣልና እዩ። ኣብዚ ብራኸዚ ከይንበጽሕ፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ኣይኮነን። እቲ ጠንቂ ነቲ ዝርካቡ ዓቕምና፡ በቲ ምእንቲ ሃገር ዝኸፈልናዮ ክቡር ዋጋን ሓርበኝነትን ቀሚርና፡ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ቅድሚት ብዝሰርዐ ኣገባብ ኣመሓዲርና ከነዋፍሮ ዘይምብቃዕና እዩ። ከምዚ ብሰንኪ ምዃና፡ መፈቶ ወጻዒ ጉጅለ ኮይንና ጸኒሕና። ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተ ኣማዕዲና፡ ተመኩሮና ካባና ሓሊፉ ንካለኦት እውን መምህር ክኸውን ዝኽእል ሃብቲ እዩ። ኣብ ኢድካ ብዘሎ ተመኩሮ ክትመሃር ዘይምኽኣል ከኣ  እንዳሓደረ ዘጣዕስ ድኽመት እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ  ዝረአ ዘሎ ክብ-ለጠቕ “ክንመሃረሉ ዝግበኣና ከባብያዊ ምዕባለ” ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ። ድሕሪዚ ሓድሽ ዝኸውን ክንመሃረሉ ዝግብኣና ከባብያዊ ምዕባለ ምርካብ ኣይኮነን። እቲ ሓድሽ ዝኸውን ካብቲ ዝርእዮን ዝሰምዖን ዝመሃር ሓላፍነታዊ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ኣጥሪና እንተሊና እዩ። ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ “ውሕጅ እንዳወሰደካ” ስቕ ኢልካ ናይ ምዕዛብ ክድገም ዘይግበኦ ተመኩሮ  እንተዘይወጺና ግና፡ ነዚ  “ነዓይ ርኢኹም ተቐጽዑ” ዝብል ዘሎ ተመኩሮ ከባቢና እውን ከነባኽኖ ኢና። ኣብ ክንዲ በቲ ንኹልና ኣብ ዘሰማምዓና ብምጽማድ፡ እንዳሓደረ ዘሕብን ኣገባብ ንኽተል፡  በቲ ዝፈላልየናን እሞ ንዓኡ ብምምራጽና ጽባሕ ዘጣዕሰና መንገዲ ካብ ምጅማር ዘውጽኣና መንገዲ ንምረጽ። ትርጉም ምምሃር ካብ ምዕባለ ከባቢኻ ከኣ ካብዚ ወጻኢ ኣይኮነን።

Last modified on Sunday, 25 April 2021 22:24