Print this page

ሓሳባይ እንተሓለፈ፡ ኣተሓሳስባኡ ህያው’ዩ

2020-10-03 08:00:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2311 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራን ህዝባን፡ መሰልካ ኣሕሊፍካ  ብዘይምሃብ፡ ከፋፊሎም ከዳኽሙኻ ንዝህቅኑ ገዛእትን ወጻዕትን  ብዘይምንብርካኽ፡ ኣብ መስርሕ መሪር ቃልሲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ከጋጥሙ ብዝኽእሉ ውረድ ደይብን ብደሆታትን ንድሕሪት  ብዘይምምላስ እዮም ክሳብ ሕጂ ከም ናይ ጽንዓት ኣብነት ዝግለጹ። እዚ ሎሚ ኣብ ልኡላዊ ሃገርነትና ዝወላወልን ህዝባዊ ክብርና ከህስስ ዝህቅንን ዘሎ ስሱዕ ጉጅለ ህግዲፍ ግና፡ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ዘይጸውር፡ ንናይ ርኢቶ ፍልልይ ንምጽባብ ዘይኮነ፡ ንምርሕሓቕ ኣጋዲዱ ውልቃውነት ከዕቢ ዝሕልን እዩ።

ጉጅለ ህግዲፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ  ኣብ ኩሉ ዝወዓሎን ከም ኣጀንዳ ሒዙ ዝዓሞን ቅልውላው ክፈጥር እንተዘይኮይኑ: ካብ ናቱ ንዝተፈልየ ንሃገርን ህዝብን ዝጠቀም ኣተሓሳስባ ኣፍልጦ ዝህብ ባህሪ የብሉን። ኣፍልጦ ዘይምሃብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ገጽ ምድሪ ከጥፍኦ ከይደቀሰ ዝሓድር ብዛዕባ ምዃኑ፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ነቶም ከነወግዶ  ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘለና፡ ንኻለኦት ብማዕዶ ዝርእይዎ’ውን ከም ሓድሽ ተረኽቦ ተወሲዱ ዝዝረበሉ ኣይኮነን። ህግዲፍ ዘይክእሎ ክነሱ፡ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባን ሓሰብቱን ንምጥፋእ፡ ከንቱ ፈተነ ካብ ምክያድ ዓዲ ኣይውዕልን። እቲ ነዚ ከንቱ ህርፋኑ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝጥቀሞ ሜላታት ከኣ፡ ነቶም ነቲ ዘፍርሖ ኣተሓሳስባ የንቅዱን የስርጹን እዮም ንዝብሎም ወገናት፡ ብእኩብን ብውልቅን፡ ብጋህድን ብስዉርን ምእሳር፡ ምስዋርን ምቕታልን እዮም። ኩሎም እዞም ጨካናት ናይ ህግዲፍ ኣተሓሳስባ ናይ ምቕታል ስጉምትታት፡ ድሑራት፡ ግዜ ዝሓለፎምን ብዙሓት ዲክታቶራት ፈቲነምዎም ካብ ዘይተርፍ ውድቀት ዘየድሓንዎምን እዮም።

ጉጅለ ህግዲፍ “ኣለኹ” ንምባልን ናቱ ጸረ-ህዝቢ ኣተሓሳስባ ብዘይውድድር ንምስራጽን ዘካይዶ ምንቅስቓስ ኣብ ናይ ብዙሓት ፍሹላት ተመኩሮ ዝተራእየ እዩ።  ናይ ኣተሓሳስባ ልዕልና ንምድላብ ዝግበር ቃልሲ፡ ሃናጽን ናብ ዝለዓለ ብቕዓት ዝድይብን ንክኸውን፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓልዮት፡ ምጽውዋርን ምክእኣልን መስርሕ ዘጽልል፡ ሕጋውን ሰላማውን ውድድር ዝተሰረተ ክኸውን እንከሎ ጥራይ እዩ። ነዚ ኣብ ዝጸውር ናይ ውድድር  ሜዳ ክትጻወት ምኽኣልን ዘይምኽእል ከኣ ኣገዳሲ ናይ ፖለቲካዊ ብቕዓትን ህዝባዊ ተቐባልነትን መምዘኒ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሓላፍነታዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ምውሳእ ዘኽእል ብቕዓት ኮነ ባህሪ ከም ዘየብሉ ባዕሉ ብብዙሓት ግብራዊ ኣብነታት ኣመስኪሩ እዩ። እቲ ሎሚ ዝኸዶ ዘሎ ጸቢብን ኣግላልን ናይ ጥልመት ጉዕዞ ከኣ፡ ካብ ሓዲዳ ብዝወጸት ባብሩ ዝምሰል፡ ናይ ሓጐጽጐጽን “ዝወለደት ትውለድን” መንገዲ ኮይኑ፡ መንግዲ ጠፊእዎ ነቲ ሓደ እንዳልዓለ መሊሱ ዝሓዞ እንዳደርበየ  ብዘዕገርግር ውልቀሰብ ዝዝወር ዘሎ  እዩ።

እዚ ንዛረበሉ ዘለና ጉጅለ ግብሩ ስለ ዝፈልጥ እሞ ካብ ናቱ ብዝተፈልየ ዝሓስብ ኣብ ኤርትራ ክህሉ ኣዝዩ ስለ ዘስገኦን፡ “ጸቢብ ጉጅላወነትን ጸረ ህዝቢ ምምሕዳርን ይተኣረም፡ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ንቡር ሕገመንግስታዊ መልክዑ ይሓዝ፡ ብናይ ክሳብ ሕጂ ተሓሳሲብና ንቕድሚት ነማዕዱ” ንዝበሉ ኣባላት ጉጅለ 15ን ሕያሎ ደገፍቶምን ኣሲሩ። ካብቲ ኢሳያስ ዝደልዮ ኣተሓሳስባ ብዝተፈልየ ስለ ዝሓሰቡ ጥራይ ምእሳር ብዞም ናይ 18 መስከረም 2001 ግዳያት ከም ዘይተጀመረ ከኣ ኣብ ግምት ክኣትው ዝግበኦ እዩ።  

“ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ሃገሩ፡ መነባብሮኡ፡ መጻኢ ዕድሉ፡ ከባቢኡን ዓለምን ካብቲ ናይ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽን ዝተፈልየ መማረጺ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ክህልዎ ይግበእ” ካብ ዝብል ሓልዮት ሙያዊ ግቡኣቶም ክፍጽሙ ንዝተበገሱ መንእሰያት ናይ ብሕቲ ሚድያ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ኣሲሩ፡ ነተን ህዝቢ ክሃርፈን ጀሚሩ  ዘነበረ ዘይመንግስታዊ  ጋዜጣታት ከኣ ኣጊድወን። ናይዚ ኩሉ ስጉምትታት መንቀሊ ከኣ ፍርሒ ዝፈጠሮ  ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ናይ ንምድቋስ ሕማም እዩ።

መዓስ እዚ ጥራይ፡ ብናቶም ውሳነ፡ “እዚ እዩ እቲ ክንስዕቦ ዝግበኣና መንገዲ እምነት” ንዝበሉ ወገናት ሃይማኖታዊ ናጽነቶም ግሂሱ ኣሲርዎም። “ኣብዚአን ጥራይ እመኑ” ብዝብል ከኣ ውሱናት እምነታት ሰሊዑ። እቲ ኣዝዩ ዝገረም ከኣ መራሕቲ  ናይተን ዘፍቀደለን እምነታት እውን ግዳይ ማእስርትን ሞትን ካብ ምዃን ኣይደሓኑን። ኤርትራውያን ሰብ ጸጋ፡ ብሓባርን በብውልቅን “ኣብዚ መዳያትዚ እንተ ኣውፊርና ንዓና ተጠቒምና ህዝብናን ሃገርናን እውን ከነርብሕ ንኽእል ኢና” ካብ ዝብል ሃገር ናይ ምህናጽ ክቱር ፍቕርን ሓልዮትን “ብገንዘብና ከነልምዕ” ስለ ዝበሉ፡ ነታ ንህዝብና ካልእስ ይትረፍ ካብ ንሕብስቲ ኣብ መስርዕ ምሕዳር ዘየድሓነት፡ 09 እትበሃል ንግዳዊ ትካል ህግዲፍ ብዘይውድድር ንከህብትም  ዝእሰር ኣሲሩ ዝውረስ ወሪሱ በቲንዎም። ንሳቶም ከኣ ደም እንዳጠዓሞም ሎሚ ኣብ ናይሮቢ፡ ጁባ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ካምፕላ፡ ሉዋንዳን ካለኦት ጐረባብቲ ከትማታትን ገንዘቦም ኣፍሲሶም ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ቁጠባ ዓዲ ጓና የልምዑ ኣለዉ። እዚ ከኣ ካልእ ናይ ህግዲፍ ኣተሓሳስባ ናይ ምቕታል ቀናእ ወስታ እዩ።

እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ካብ ፖለቲካ ክሳብ ቁጠባ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ኤርትራና ካብ ናይዚ ጉጅለ ብዝተፈልየ ዝሓሰቡ ብዙሓት ኤርትራውያን  ኣብ ፈቐዶ ጐዳጉዲ ይሓቁ ኣለዉ። እንተኾነ ንሳቶም እምበር ኣተሓሳስባኦምስ ኣይተኣስረን።  ተመኩሮና ከም ዝምስክሮ፡ መስርሕ ቃልስና ካብ መግዛእቲ ናብ ናጽነትን ልኡላውነትን ዕንቅፋታት ተጻዊርካ፡ ንተጽዕኖ ልዕለ-ሓያላን ከይተረፈ በዲህካን ኣርሒቕካ ብምጥማትን እዩ ተዓዊቱ። ኣብቲ መስርሕ ጅግና ክሓልፍ እንከሎ፡ እቲ ጅግንነቱ ግና ሓቢሩ ዝመውት ዘይኮነ፡ በቲ “ቅሰን ኣነ ኣለኹ ተቐባሊ ሕድሪ” ዝብል ተካኢ ጅግና እዩ ዝውረስ ነይሩ።

እቲ ሰንሰለታዊ መስርሕ ምውርራስ ጽንዓትን ኣተሓሳስባን ሎሚ’ውን ቀጺሉ፡ ልኡላዊት ኤርትራ ምስ ኩሉ ጸገማታ “ኣለኹ” ትብለና ኣላ። እቲ በዚ ተጣላዒ ጉጅለ ሰባት ኣሲርካን ቀቲልካን ነቲ ህዝቢ ዝማእከሉ ኣተሓሳስባኦም ንምብራስ ዝህቀን ዘሎ ከኣ በቲ ኣብ ተመኩሮና ብግብሪ ዝተመስከረ ናይ ሕድሪ ምቅብባል ህያው እዩ። እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ንከታተሎ ዘለና ድምጺ ደቂቶም ግዳያት ማእሰትን ሞትን ከኣ ነዚ ዘረጋግጽ እዩ። እቲ “ኤርትራና ሕገመንግስታዊት፡ ብዙሕነታዊት፡ ዲሞክራስያዊት፡ ሰላማዊትን ልምዕትን ክትከውያን” ዝበል ንድሕሪት ዘይምለስ ኣተሓሳስባ፡ ሰባት ብምእሳር ዝቕህም ዘይኮነ፡ እቲ ሓደ እንተ ወደቐ እቲ ካልእ እንዳተንሰአ ክሳብ ዓወት ክቕጽል እዩ። ምኽንያቱ “ሓሳባይ እንተሓለፈ፡ ኣተሓሳስባኡ ግና  ህያው”  ስለ ዝኾነ።

Last modified on Saturday, 03 October 2020 10:04