ኣኼባ ኢህወዴግ Image copyright EPRDFofficial/FB

ብቐዳም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኢህወዴግ፡ ውህደት ንምፍጻም ብዓብላሊ ድምጺ ውሳነ ክሓልፍ እንከሎ ህወሓት ግን ኣይተቐበሎን። ንጽባሒቱ ግን ወከልቲ ህወሓት ብፍሉይ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ተራኾቦም።

ሽዑ እቲ ውሳነ ምስ ሓለፈን ህወሓት ውህደት ምስተቓወን፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ንላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት ረኺቡ ከዘራርቦም ከምዝደለየ፡ ኣባል ኮሚቴ ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት ኣይተ ኣስመላሽ ወልደስላሴ፡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ሎሚ መዓልቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ድማ፡ እቲ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ዝተገበረ ዘተ ውጽኢታዊ ኣይነበረን።

ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ: ብድሕር'ቲ ብቐዳም ዝተገበረ ኣኼባ'ዩ ምስ ኣባላት ፈፀምቲ ስራሕ ህወሓት ተራኺቡ።

ኣብቲ ዝነበሮም ሓፂር ፃንሒት ድማ ብዘይካ ሓደ ንስራሕ ናብ መቐለ ዝኸደ ምስቶም ዝተረፉ ሸውዓተ ፈፀምቲ ስራሕ ከምዝተዘራረበ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እንታይ ተባህለ?

ኣብቲ ዘተ ብቐዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ንህወሓት ዝቐረበ 'ምሕጽንታ'፡ ሕዚ'ውን ዳግም ክሓስቡሉን ብሓባር ክሰርሑን ዝጽውዕ ነይሩ።

ኮይኑ ግና ኣባላት ፈፀምቲ ስራሕ ህወሓት ዝልወጥ ቅዋም ከምዘይብሎም ስለዝገለጽሉ እቲ ርክብ ፍረ ኣይተረኽቦን።

እቲ መስርሕ ገና ስለዘይተዛዘመ ግን ኣብ ዝቕጽል መድረኻት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ክራኸቡ ከምዝኽእሉ ትጽቢት ይግበር።

ኣብቲ ንነዊሕ እዋን ብኢህወደግ ክዝተየሉን ክጽናዕን ዝጸንሐ ጉዳይ ውህደት፡ ህወሓት በቲ ዝጸንሐ ኣብዮታዊ ዴሞክራሲፕሮግራም ክንቅጽል ኣሎና ስለዝብል እዩ እቲ ፍልልይ ተፈጢሩ።

ህወሓት፡ እቲ ውህደት ኣሃዳዊ ስርዓት ንምፍጣርን ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝግበርን ምዃኑ ክዛረቡ እንከለው፡ ነቲ ውህደት ዘሰላስል ዘሎ ወገን ግን ምስ ለውጢ ዝኸይድ ሓዲሽ ፕሮግራም ኣገዳሲ እዩ ይብሉ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪን ካልኦት ነቲ ውህደት ዝደገፉ ላዕለዎት መሪሕነት ኢህወዴግ ብወገኖም፡ ዋላ እውን ኣሃዳዊ ስርዓት እንተተመስረተ ሕብረብሄራዊ ፌደራሊዝም ከምዝቕጽል የረድኡ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-50470408

ኤርትራ ናይ ጽባሕ

Sunday, 17 November 2019 11:24 Written by

 ህዝቢ ኤርትራ ነታ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ መኪቱ፥ ስዒሩ ፥ ዝረኸባ ናጽነት ናይ ሃገር ብዙሕ ከየስተማቐራ ናብ ውግእን ወረ-ውግእን እዩ ኣትዩ።ዝፈትዎም ደቑ ድማ ከፊሉላ።

 እቲ ኣብ ግዜ ነጻነት ዝነበረ ተመሊስና እንተጥሚትናዮ እቲ ህዝቢ ኣብ ዝለዓለ ናይ ታሕጓስ ደረጃ እዩ በጺሑ ነይሩ። እቲ ሰውራ ኤርትራ መሪሑ ዝመጸ ህ.ግ  እውን ነቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባአኡ  ዘቐመጦ ናይ ኣብዝሐ ሰልፍታትን፡ ቕዋማዊት ኤርትራ ዝብል መትከል ጥሒሱ እናኸደ ዝድግፍዎ ዝነበሩ ኣካላትን፥ ምሁራትን ከይሓፈሩ ክጽበዩዎን ክከላኸሉሉን እዮም ዝረኣዩ ዝነበሩ።ነቶም ግሁድ ብርሰትን ንህዝቢ ኣብ ኩናት ምእታውን ምስ ተዓዘቡ ምብርባራት ኣርእዮም ሓላፍነት ተሰኪሞም ዓገብ ዝበሉዎ፥ ሕሳብና ንግበር ዝበሉዎ ጉጅለ 15 ኣበይ ከምዘእተዎም ርኢና።እቲ ህዝቢ እውን ተገሪሁ ነቲ ጸዋዒትን ነቲ ጥፍኣት ክርእዮ ኣይከኣለን ናብ'ቲ እቲ ስርዓት ዝደርበየሎም ከዳዓት፥ ወያነ፥ ኣመሪካ፥ ሲ ኣይ ኤይ  ዝብል ኣድሂቡ ኣብ ቕድሚኦም ደቖም ክእሰሩን፥ ክግፈፉ ኣውያት ዘየስምዕ ህዝቢ እዩ ኮይኑ፡ ሓደ ሓደስ ወረ እንበርዶ እዚ እቲ ንፈልጦ ህዝቢ ድዩ ዘብል ይኸውን ምስ ስኽፍታ።

   እቲ ነጻነት ከም ሕጽኖት ንኹሉ ደፊኑዎ ሃገር ኣብ ዓቢ ሓደጋ ወዲቓን። ህዝባ ብፍላይ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ፍቐዶ ዓለም ፋሕ ኢሉ ክትርኢ እንከላኻ፥ ኣብ ኩሉ እኳ እንተዘይኮነ  ሽማግለታት ዝኾኑ ኣብ መብዛሕትኤን ከተማታት ዓለም እንቕመጠለን ዘለና ክትርኢ ከለኻ ብዛዕባ ኤርትራ ትሻቐል።

  ብዙሕ ተሓቲቱ መልሲ ዝሰኣነ ድማ ብኸምኡ፥  ቕዋም ይሃሉ፡ ሰናይ ምምሕዳር ይሃልወና እሱራት ይፈትሑ ወዘተ ቕቡል እዩ።እንተኾነ ን 28 ዓመትን ዝቕጽል ዘሎ ሕቶ ምሕታት፡ብፍላይ እቲ ስርዓት ክገብረልካ ምጽባይ  እቲ ስርዓት ከም ስርዓት ዘይምፍላጥ ጥራሕ ኢልካ ምሕላፍ ይሓይሽ።

  ደሓን ይእቶ ኢሰያስ ድኽመትኩም ርእዩ ቅዋም ሞይታ ኢያ ኢሉኩም፥ ገለ እውን ምናልባት እንተ ተማዒዱስ ክእረም ዝብሉ ኣይሰእኑን፡ ክልተ ሸውዓተ እንተ ተሓጽበ ድማ ጽቡቕ ምኾነ እትብሉ ኣይትሰኣኑን።

  ኤርትራ ከም ሃገር ዲኹም ትፈትውዋ? ንህዝቢ ኤርትራ ድኺም ተኽብርዎ?  እዘን ክልተ ዘይቕየራ ነገራት እየን ኩላትና ድማ ንሰማማዕ ኢና ኣብዘን ነጥብታት።እታ ቕድሚ እዘን ክልተ ነገራት ነቲ ስርዓት እትኣምኑን እትፈትውዎን፡ እትድግፍዎን ግን እዚ እንተኾይኑ ምሕረት የውርደልኩም።

 እዛ ዝሓለፈት ዓመት 2018 እንኳዕ ርኤና፡ ደሓን ይእቶ ኣብይ ኣሐመድ ነታ ንልዕሊ 17 ዓመታ ወያነ ከይመጸካ፥ ዘራይ ኣመሪካ ረኺባ እንበር.....ዓለም ዘርያትና ዶብና ከይተሓንጸጸ ኣይንላዘብን  ኢሉ ነዚ ገርሂ ህዝቢ ሒዝዎ ዝጸንሐ  ነታ ዝፈትዋ ዝነበረ EriTv ጸሊኡዋ ግዲ ኾይኑ ዓዲ ሃሎ ኮፍ ኢሉ ካብ ህዝቢ ተሓቢኡ ይርከብ።

 እሞ እዚ መድረኽ ነቲ ሓይሊ ሚዛን ፖለቲካ ኤርትራ ክፍት ኣቢሉ  ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ደቒሱዎ ዝነበረን ገለ ምሁራት ኣገለገልቲ እቲ ስርዓት ዝነበሩ ሎሚ ኤርትራ ወዲቓቶ ዘላ ብምስትውዓል ይኣክል፥ ተኣለ ዲክታቶር  ክብል እንከሎ  መብዛሕትኡ ወዲ ሃገር ለውጢ ይደሊ ከምዘሎ'ዩ ዝሕብረና።

   እቲ ለውጢ  ወይ  ኤርትራ ናይ ጽባሕ ህልውና ኢሰያስን ህግደፍን ዝእለየሉን ኣብ ቦታኡ ጸጥታን ርግኣትን ዘውሕስ ፖሊሲታት ሓንጺጽና እቶም ኩላትና ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ዝኾና ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዘለና ብእንሰማምዓሉ ኣገባብ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ መስሪትና ነቶም ኣብ ምቕያር ስርዓት ብቐጥታ ዓቢ ግደ ዝጻወቱ ወይ ዘበርክቱ ምስ'ቲ ሰፊሕ ድሌት ናይ ኩሉ ህዝቢ ንዲሞክራስያውነትን ቅዋምውነትን ኤርትራ ብዘይጋጮ  ክንቕበሎን ከነተባዖምን፡ ሓልፍነትና ምዃኑ ኣብ ግምት ከነእትዎ ይግባእ።

  ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ዝኸይድ ቓልሲ እቶም መለኽቲ  ዝልወጡን ሓሳቦም ክቕይሩን ምጽባይ ወይ የዋህነት ኢዩ ወይ ድማ ዕሽነት እዩ ኢልካ እዩ ዝሕለፍ። እቲ ዕዮ ዓብን ቐጻሊ እውን እዩ። ንምንታይ ሕቶ ዲሞክራሲ ብሓደ ዓመት ዝዕመም ስራሕ ኣይኮነን። ነቲ ክንበጽሖ እንደሊ በታ ዘለናያ እዋን  መንጸፍ ዝኸውን ከነቐምጥ እሞ ስዓቢ ወለዶ ድማ ዓቒቡን ኣመሓይሹን ንቐጻሊ ዝደፍኣሉ እዩ። ናብኡ ንምብጻሕ ግን መጀመርታ ናትና ስራሕ ነቲ ዕንቕፋት ዝኾነ ስርዓተ ምልኪ ከነልግሶ ቐንዲ ስራሕና ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ።

ኤርትራውያን ሃገርና ኣብ ዓቢ ጸገም እያ ዘላ። ሎሚ ዝመጸ መራሒ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ማዕረ ክንደይ ኣብ ልኡላውት ኤርትራ ከም ዘለዎ ንሰምዖን ንርእዮን ኣለና። ኢሰያስ እውን ብወገኑ ክሳብ ክንደይ ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ሻቕሎት ደርብይዎ ከምዘሎ ንፍለጥ።

  ሎሚ ካባና ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብ'ቲ ቐንዲ ዕላማና ጉዕዞ ከይሰሓትና በብዘመስለና ዘይኮነስ፥ብንቕሓት ኣብ መብዛሕትና እንሰማምዓሎምን፥ ከምቲ “ከይተወደብካ ኣይትዕወትን” ዝበሃል፡ ሓቒ ስለ ዝኾነ ንወደብ። እንተዘይከኣልና ብመርገጽ  ንእገለ ውድብ / ሰልፊ እድግፍ ምባል እውን ንልመድ። ንሱ እውን ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ።

ኣብ'ቲ ናይ ይኣክል ጻውዒት እውን ኩላትና፡ እቶም ዘይተወደቡ ይኹኑ ዝተወደቡ፡ ኣብ በርገሳዊ ምሕበራት፡ ምንቕስቓሳትን ዘለናዮ ስለዝኾነ፡  እቲ ብሓባር ምርኻብ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። እቲ ብኣካል ዝፋለጥ ኣብ ፖለቲካን ሚዛንን ብዙሕ ተረሓሒቑ ዝጸንሐን ዘይተኣማመንን ስለ ዝጸንሐ ከም'ቲ ዝተቓለስናዮ ኣይኮነን ዝዕቐን። በቲ ክንገብሮ ዝድለ እዩ ዝግለጽ።

ኣብ ምጥቕላል እቲ ዝዓበየ መሰረታዊ ዝኾነ ፍልልይ ኣብ መንጎ ምልክን ፍትሕን ዘሎ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ካልኦት ፍልልያት ብካልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ስለዝኾኑ፡ እቶም ዘፈላልዩና ኢልና ካብ ምጅማር እቶም ዘራኽቡና ኢልና እንተ ንጅምር ብዙሕ ምኸሰብና። እቶም ዘቐራርቡና ኩሎም ክኾኑ ናይ ግድን ኣይኮነን። ኣብ መብዛሕትኦም እንተ ተሰማሚዕና እቶም ዝተረፉ ኣብ ጉዕዞ ክረኣዩ ዝኽእሉ ስለዝኾኑ፡ እታ ኤርትራ ናይ ጽባሕ ድማ ቐልጢፍና ምረኣናያ።

 

ኣኼባ ኢህወዴግ ኣብ ጉዳይ ውህደት Image copyright Ebc

 

ኣብቲ ትማል ዝተኻየደ ዘተ ውህደት ኢህወዴግ፡ ኣባላት ፈፀምቲ ስራሕ ህወሓት: ብዘይካ ጌታቸው ኣሰፋ ኩሎም ከምዝነበሩን ኣብ ሓደ ውድባዊ ኣቕዋም ፀኒዖም ከምዝወጽኡን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓት ኣይተ ኣስመላሽ ወልደስላሴ ገሊፁ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ኣኼባ "ኢህወዴግ ብሽዱሽተ ድምጺ ተቓውሞ ጥራይ ንውህደት ኣጽዲቑ!" ብዝብል ካብቲ ግንባርን መራኸብቲ ሓፋሽን ንዝወጽአ ዜና ብዝምልከት ኣቶ ኣስመላሽ መብርሂ ሂቡ።

ንሱ፡ ናይ ቁጽርን ኣሃዝን ጉዳይ ዘይኮነ ህወሓት ኣብዚ ጉዳይ እዚ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ውድባዊ ኣቕዋም ሒዙ ምጽንሑን፡ ኣብቲ ድምጺ ዝወሃበሉ ዝነበረ እዋን ከኣ ምውጻእ ምእታው ተሳተፍቲ ስለዝነበረ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብቲ ኣዳራሽ ዝጸንሑ ኩሎም ተወከልቲ ህወሓት ንውህደት ከምዝተቓወሙን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ሎምዓልቲ ዝቕፅል ኣኼባ ኢህወዴግ ድማ ከምዘይሳተፉ ኣፍሊጡ።

ይኹን እምበር ሎሚ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ: ንኣባላት ፈፀምቲ ስራሕ ህወሓት ጥራይ ክረክብ ስለዝደለየ ክራኸቡ እዮም።

እቲ መስርሕ ገና መዓልቦ ስለዘይረኸበ ክሳብ ጉባኤ ከምዝቕጽልን ካብ ሕዚ ንደሓር ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ውድባዊ መትከልን ዕላማን ኣድሂቡ ከምዝሰርሕ እቲ ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ መፃኢ ዕድል ህወሓት "ካብቲ ውድብ ወፃኢ ካልእ ሓይሊ ኣይውስንን'ዩ ኢሉ" ኣይተ ኣስመላሽ ወልደስላሰ።

"ቅድሚ ውህደት: ኣብ ሓበራዊ ዕላማን መትከልን ምርድዳእ ክግበር ነይርዎ፡ ዕላምኡ ኣብ ዘይተነፀረ ውድብ ውህደት ኣይተቐበልናን" ኢሉ።

ውድብ ህወሓት ኣብ ውህደት ኢህወዴግ ኣመልኪቱ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ "ሓውን ሓሰርን ሓደ ክኾኑ ኣይኽእሉን" ከምዝበለ ይዝከር።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-50449903

እዚ ሎሚ እውን ብዛዕባ ሕማቕ ተግባራትን ምኽሓድ መሰል ህዝብን ክለዓል እንከሎ፡ ስሙ ብቐጻሊ ዝለዓል ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ እቲ ዝመጾ ነዊሕን ኣዕናውን መንገዲ ክድህሰስ እንከሎ፡ ብዘይተኣደነ ክሕደትን ጥልመትን ዝተነድቀ እዩ። ኣብዚ ሎሚ እዋን እዚ ሰብኣይ ሓንሳብ ካብቲ ንቡር መራሕቲ ክኽተልዎ ዝግበኦም መንገዲ ወጺኡ ስለ ዝኾነ፡ “ጽቡቕ ገይሩ” ዝብል ወረ እንተዝስማዕ ኣዝዩ ፍሉይን ህጹጽን ዜና መኾነ። እንተ’ቲ ጠሊሙ፡ ክሒዱ፡ ኣሲሩ፡ ቀቲሉ ዝብል ብኻለኦት ክፍጸም እንከሎ ፍሉይ ሓበሬታ ዝበሃል፡ በዚ ንዛረበሉ ዘለና ዲክታቶር ክፍጸም እንከሎ ከም ንቡር ካብ ዝውሰድ ነዊሕ ኮይኑ እዩ።

ክሳብዚ ቀረባ ግዜ ቀቢጾም ዘይቀበጹ ውሑዳት ወገናት ድሕረትን ጥልመትን ናይዚ ዲክታቶር ክለዓል እንከሎ፡ “እዋእ ሎምስ ግዲ ናብ ልቡ ተመሊሱ ገለ ይገብር ይኸውን” ዝብል ዘይትግበር ተስፋ የሕድሩ ነይሮም። ሎሚ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ገይሹ ብዙሕ ሃተፍተፍ ምስ በለ ግና፡ ኢሳይያስ ሓንሳብ ካብቲ ብሓፈሻ ጥዑያት ሰባት ብፍላይ ከኣ መራሕቲ ክኸድዎ ዝግበኦም ሓዲድ ከም ዝወጸ ስለ ዝተረድኡ፡ ካብኡ ጽቡቕ ዝጽበ ዳርጋ የለን ምባል ይከኣል። ውሽጦም ነቲ ሓቂ እንዳፈለጦ፡ ንኢሳይያስ ምንቃፍ ክብሪ ኤርትራ ከም ምርኻስ ዝመስሎም ስኩፋት ወገናት ግና ነቲ ጽላለኡ ከመላኽዕሉ ክፍትኑ ትዕዘብ ኢኻ። እዚኣቶም ወዮ ኤርትራዊ ክብሪ ብሰንኩ ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳጋይ ስኢኑ ከምዘሎ ዘስተብሃሉ ኣይመስሉን።

ዲክታቶር ኢሳይያስ ብህዝቢ ኤርትራ ብረፈረንደም ብ1997 ጸዲቑ ንዝተባህለ ሕገ-መንንግስቲ ጌና ኣብ ስራሕ ከይተፈተነ ሞይቱ ከም ዝበለ፡ መሰሎም ዝሓተቱ ናይ ናጽነት ስንኩላን ብጥይት ክጥቑለቡ ከም ዝኣዘዘ፡ ዕድመ ልከዖም ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ ዝተቓለሱ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ነበር ናይ ባይቶ ኣባልነት መሰሎም ስለ ዝሓተቱ ጥራይ ብዘይፍትሓዊ መስርሕ ዝሰወረ፡ ኣብቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ዶብ ኤርትራ ኢትዮጵያን ብወግዒ ዝጠለመ፡ ብዓብይኡ ከኣ ንወያ ክሳብ ፍጊዕ ዝብሎ ዝገዘኣ ሃገርን ደሙን ረሃጹን ዝመጸዮ ህዝብን ከም ናይ ውልቁ ጽልሚ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ንክመርሓ ከማሰሐ ካብ ሃቀነ ድሕሪ ሕጂ ካብዚ ሰብኣይ ንቡር ምጽባይ ንገዛእ ርእሱ ናይቶም ተጸበይቲ ጥዕና እዩ ኣብ ምልክት ሕቶ  ዘውድቕ እምበር ንሱስ ናይ ዕቡዳት ስርሑ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።

ሃዋህው ሃገርና ከምዚ ዝጠቐስናዮ ኣብ ዝሃለወሉ ውዑይን ተኣፋፍን ኩነታት፡ ሓንቲ ደጋጊማ ውልዕ-ጥፍእ እትብል ወረ ኣላ። “ኢሳይያስ ዓራቱ ንወዱ ኣብርሃም ከውርሶ ይሓስብ ኣሎ” እትብል። ነዛ ብሂል ንምርጉጓዳ ዝቐርቡ፡ ኣብርሃም ከምዚ ተማሂሩ፡ ከምዚ ደረጃ ወተሃደራዊ ጽሩራ ኣለዎ፡ ናብ ከምዚ ሃገር ምስ ኣብኡ ገይሹ፡ ካብ ኣቦኡ ከይሓሸ ኣይተርፍን፡ ዝብሉ ቀመማትን መሰነይታን ኣለዉ። ኢሳይያስ ከምዚ እንተደኣ ገይሩ ቅድም ቀዳድም እቲ ተግባር ግጉይ፡ ዘይህዝባዊ፡ ዘይሕጋውን ትምክሕታውን ምውርራስ ብዛዕባ ምዃኑ ርዱእ ጌርና ንውሰዶ። እዚ ምስቲ ክሳብ ሕጂ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊቶም ብዘይትካላዊ ኣገባብን ሕጋዊ መንገድን ተመዚዞም “ስልጣን ኣለና” ኢሎም ደድሕሪኡ ዘኹዞኽ ዝብሉ ዘለዉ ባእታታት ዘለዎ ንዕቀት ሓቢሩ ዝረአ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ንኢትዮጵያዊ መራሒ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ “ደሪብካ ምርሓና” ክብል ዘይሓፈረ ሰብ፡ “ስልጣነይ ንወደይ ኣረኪበዮ ኣለኹ” እንተበለ ንመንዩ’ሞ ክሕደሶ። ኢሳይያስ ከምዚ ዝሓስብ እንተልዩ፡ ከምቲ “ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ” ዝበሃል እቲ ወዱ እውን ኣብ ንቡር ኩነታት ከምዘየሎን ብሕማም ኣብኡ ከም ዝተለኽፈን ዘመልክት እዩ። እቲ ወዱ ጥዑይ እንተኾይኑ ግና ኣይኮነንዶ ንሱ ክደግሞ ኣብኡ ካብ እንግደዓ ኤርትራዊ ክወርድ እውን ግደኡ ክጻወት መተገብኦ።

ሓደሓደ ሰባት ብዛዕባ ሓደ ዘይንቡር ዛዕባ ጠቒስካ፡ “ኢሳይያስ ከምዚ ክገብር ይኽእል እዩ” ክትብሎም እንከለኻ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ክኸዶ ዝጸንሐ ዘይጥዑይ መንገዲ ዘየስተብሃልሉ ግዲ ኮይኖም “ከምዝስ ኣይገብርን እዩ” ኢሎም ይከራኸሩኻ። ከም መርተዖ ዘቕርብዎ ከኣ “ነዚ እሞ እቶም መሳርሕቱ እውን ኣይቅበልዎን እዮም” ዝብል መጐት እዩ። ወዮ ዝኹሉ ክሰርሖ ዝጸንሐን ዝሰርሖ ዘሎን ጸይቅታት እዞም ክምክቱ ዝጽበይዎም ሰባት እንዳረኣዩን እንዳሰምዑን ብጩቕ ክብሉ እንከለዉ እንዳተገንሑን ምዃኖም ይዝንግዑ ምህላዎም ዘመልክት እዩ። እዞም ስማዊ መዝነቶም ብምርኣይ ጥራይ ብገለ ግሩሃት ልዕሊ ዓቕሞም እምነት ዝንበረሎም ዘለዉ ወገናት ሓንሳብ “ህዝቢ ድላዩ ይኹን ንዓና ጥራይ ይጥዓመና” ኢሎም ሕድሪ ስዉኣት ብጾቶም ጠሊሞም፡ ኩሉ ከም ዘዋደቕዎ ብዘይምስትብሃል እዮም። እዞም ንዛርበሎም ዘለና ሽሞኛታት ማለት ሚኒስተራትን በብደረጃኡ ዘለዉ ሓለፍትን ክሽየሙን ክሰዓሩንኳ ንህዝቢ ዘይንገረሎም ናይቲ ሰብኣይ ንብረትን ተለኣኣኽትን ምዃኖም ብዘይምስትብሃል እዮም  እቶም ደቂ ልቢ ገርሃ ኣብኣቶም እምነት ዘንብሩ።

በዚ ኣጋጣሚ ከምቲ “ብልዒ ሓላፊ፡ ስም ተራፊ” ዝበሃል እዞም ኢሳይያስ ሓይኹ ምስ ደርበዮም፡ ኣብ ስልጣን እንከለዉ እንተዘይሰሪቖም፡ ዝጥወርሉ ሕጋዊ ጡረታኳ ዘየብሎም ሚኒስተራትን ካለኦት ሲቪላውን ወተሃደራውን ሓለፍትን ህዝቦም ዘድሕንሉ ዕድል፡ ደንጉዮም እምበር ሎሚ’ውን ፈጺሙ ከምዘይተዓጽወ ክርድኡ ይገቦኦም። ክሳብ ሎሚ ርእዮም ከም ዘይረኣዩ ብምዃንን ህዝቢ ናይ ምምዝማዝ መርበብ ሰሪዖም፡ ምስቲ ካብ ስዉኣት ዝተረከብዎ ሕድሪ ዘየሳኒ፡ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ባዕሉ ዝዛረብ ሓቂ ዘይቃዶ፡ ንኣውያትን ስምዕታን ህዝቦም ጸማም እዝኒ ዝህብ፡ ምስ ደረጃ ትምህርቶም፡ ናይ ስራሕ ሓላፍነቶምን ናይ ቃልሲ ተመኩሮኦምን ዘይቃዶ መንገዲ ሒዞም ተዓዚሞም ደድሕሪ ዲክታቶር ኢሳይያስ ዞኽዞኽ ምባል ኣቚሞም ንብዓት ህዝቦም ክሕብሱ ይገበኦም። ተባዕ ስጉምቲ ወሲድካ ኣብ ጐኒ ህዝብኻ ኣብ ምስላፍ ከም ዝደንጐዩ’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ ከምቲ “ካብ ክሒዱስ ውሒዱ” ዝበሃል፡ ሕጂ እውን ምስ ነብሶም ክላዘቡን ክውስኑን ግዜኡ እዩ። ከምቲ “ውሕጅ እንዳስሓሓቐ እዩ ዝወስድ” ዝበሃል፡ ደይመደይ ኢሎም ዝመረጽዎ እንተኮይኖም ግና መንገዶም መንገዲ ደሓን ኣይኮነን። እንተ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣይውዕሎን’ዩ፡ ዝበሃል ጸይቂ ከቶ የለን።

ዝኾነ ይኹን መላኺ ስርዓት ነቲ ህዝቢ ይኹን ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ኣገልጋሊኡ ከይተረፈ ብዓይኒ ጥርጠራ እዩ ዝጥምቶ። ብዓይኒ ጥርጠራ ጥራይ ዘይኮነስ ንሓደ ኣቕሪቡ ይጸንሕ እሞ ጽንሕ ኢሉ ድማ ነቲ ዘቕረቦ ደርብዩ ንካልእ የቕርብ። ከምዚ እናበለ ናብቲ በትረ ስልጣኑ ዝደልድለሉ ኣገባብ ጥራይ ኢዩ ሃሙን ቀልቡን።

ካብቲ ዝሓለፈ ተመኩሮ፡ ማለት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ንደቂ ከበሳ ጥራይ ዝሓሊ ይመስል ከምዝነበረ እዩ ዝቐርብ ዝነበረ። ህዝቢ ከበሳ ግን ብዓንተቡኡ እውን ባህ ኢልዎ ኣይነበረን። ስለምንታይ ደኣ እዚ ኩሉ እናተጨቘነን መሰሉ እናተዳህከን ኣጽቂጡ ዝብል ኣይሰኣንን ኢዩ። ህዝቢ ዘስቅጠሉ ብዙሕ ምኽንያታት ክህሉ ይኽእል ኢዩ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ጽባሕዶኾን ትወግሓለይ ወይ ትሓልፈለይ እናበለ ነቲ ክጽወር ዘይከኣል ጸይርዎ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ናቱ ሕመቕ ከምዘይኮነ ኩልና ክንርድኦን ክንቅበሎን ዘሎና ሓቂ እዩ። እቲ ሕመቕ ኣባና ኣብ ደምበ ተቓውሞ ከምዘሎ ሓደን ክልተን ዘይበሃሎ ኢዩ።

ኢሰያስ እምበኣር ነዚ ህዝቢን ነታ ኤርትራን፡ ካብ መግዛእቲ እንግሊዝ ብዝገደደ መልክዑ ከብርሶም እምበር ከማዕብሎም ድሌት የብሉን። ትማሊ ምእንቲ ስልጣኑ ክብል፡  መመኽነይታ መልዓሊ ውግእ ክትኮኖ ኣቐዲሙ ዝሓሰበላ ባድመ ንወያኔ ኣረኪቡዋ። ንዝኾነ ይኹን ዝጻረሮ ፖለቲካዊ ሓይሊ ቅድሚ ናጽነት ንምጽራጉን ንምድምሳሱን ዝዓለመ ድማ ምስ ወያኔ ተመሓዘወ። ኣብዝን ኣብቲ ብምስምስ ዶብ ንህዝቢ ኤርትራ ከጽንት ዝተኻየደ ውግእ ብዙሓት ዕሸላት ደቂ-ኤረይ ኣጥፊኡ።   

እንሆ ድማ ነቲ ዶብ ንኸይሕንጸጽ ብዛዕባ ዶብ ብዙሕ ከምዘይግድሶ ድሮ ኣተንቢሁልና ኣሎ። ልክዕ ኢዩ ንኤርትራ ኣሕሊፉ ኣይህባን ይኸውን። እንተኾነ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መሬትን ዝገብሮ ዘሎ፡ ነቲ ህዝቢ ኣደንቊርካን ብቁጠባ ከምዘይምዕብልን ብድኽነት መሬት ንኽዘብጥን ዝፍሕሶ ዘሎ ፍሕሶታት እዩ። ሓደ እቲ ጉዳይ ዶብ በቲ ዝተበየኖ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ነናተን ዶባት ፈሊጠን በቲ ዓለምለኻዊ ሕጊ ስምምዕ ንኸይከይዳ እሞ ስልጣ ከይትግፎ ኮነ ኢሉ ዝገብሮ ዘሎ ሜላ ኢዩ።  

ኢሰያስ ኤርትራ ንኸይትምዕብል ብዝገብሮ ዘሎ ሕንገዳ እንሆ ንሰሜን ኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘራኽብ ጽርጋያ ብምልዮናት ዶላራት ዝግመት ብኩዌት ዝተመወለ ናይ 112 ኪሎሜትር ጽርግያ  ከምዝተሰርሐ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ኣቃሊሓቶ። እዚ ንኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘራኽብ ጽርግያ ምስታ ኣብ ጂቡቲ እትረክበ ወደብ ታጁራ ዝራኸብ ኢዩ። እዚ ምስተን ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገረ ኤርትራ ዘለዋ ክልተ ወደባት ዝወዳደር እዩ። እዚ ከኣ ከምቲ  ነፍሰሄር “መለስ ዜናዊ ክልቲኤን ወደባትና  መስተይ ኣግማል ክኽዕና እየ” ዝበሎ ዘረጋግጽ እዩ።  ኣብዚ ንምንታይ ኢትይጵያ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘራኽብ ጽርግያ ሰሪሓ ኢልና ስኒ ንምሕርቃም ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቲ ስርዓት ኢሰያስ ዝኸዶ ዘሎ ኣገባብ፥ ንጉዳይ ዶብ ሓንጺጹ በቲ ንክልቲኤን ሃገራት ሰላም ዘውሕስ ናይ ንግድ፡ ጸጥታን ካልእን ብዓለምለኻዊ ሕጊ ንኸይቅየድ፡ ህዝብን ሃገረ ኤርትራን ንኸይረብሕ ዝምህዞ ዘሎ ተንኮል ንምቅዋም ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ንሃገረ ኤርትራ ብሓደ ዘይተፈልጠ ሽርሒ ናይ ሓያላን መንግስታት ዝዋደድ ዘሎ ዘተባብዕ ይመስል። ወረ ኣብ መወዳእቱስ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ምንታይ ዓዘቕቲ ኢዩ ክጥሕል።? ኢሰያስ እምበኣር ንፍቶ ንጽላእ ንህዝብን መሬትን ኤርትራ ዋጋ ከምዘይብሉ ገይሩ፥ ኤርትራ ነፍሳ ክኢላ ከተመሓድር ኣይትኽእልን ኢያ ዝብል መዘዝ ዝስዕብ ከይከውን ውን የስግእ እዩ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝጻወቶ ጭርጭር ዓበደ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት እውን ብኸምኡ ደረጃ እዩ ዝዋሳእ ዘሎ። ንኣብነት ቅድም ክብል ምስ ወያነ ተመሓዝዩ ነቲ ካልእ ብሄራት ኢትዮጵያ ብምንጻግ፥ ምልስ ኢሉ ሎሚ ድማ ምስ ብሄረ ኣምሓራን ኦሮሞን ክጸጋጋዕ ንርእዮ ኣሎና። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ምስ ህዝቢ ምብራቕ ሱዳን ብፍላይ ንሸኽ ዓሊ ቢታይ ብሕማም ምኽንያት ንክፍወስ ብወጻኢ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ንኢማራት ከምዝተላእከ ጋዜጣታት ሱዳን ገሊጸንኦ ኢየን። እንታይ ኮን ይኽውን ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ንሸኽ ዓሊ ቢታይ ክግደስ ዝደረኾ። ብርግጽከ ከምቲ ኢሰያስ ንሕናን ሱዳንን ሓደ ስለዝኾና ዝበሎኸ ናይ ብሓቂ ዲዩ ወይ ዝኣልሞ ጉዳይ ኣለዎ።? ብዙሕ ምኽንያታት ክኸውን ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር ምናልባት ነቲ ህዝቢ ምብራቕ ሱዳን ብመገዲ ሸኽ ዓሊ ቢታይ ኣቢሉ ብምሓዝ ነቲ ኣብ ሱዳን ጀሚሩ ዘሎ ለውጢ ዝጻረር ሓይሊ ንምፍጣር ዲዩ ወይ ካልእ ፍሕሶታት ሃልይዎ ዝመጽእ ምዕባሌ ሓቢርና ንርኣዮ።

ኤርትራውያን ብዙሓትን ውሁዳትን ኢና። እቲ ክሳብ ሕጂ ቅያ ክሰርሕ ዝጸንሐ ዓቕምና ከኣ ካብዚ ውሁድነትና ዝቕዳሕ እዩ። እቲ ናይ ብዙሕነት ኣቀዋውማ ኣባና ጥራይ ዝርአ ዘይኮነ ኣብ ክውንነት ህዝቢ ብዙሓት ሃገራት ዝርአ እዩ። ንኣብነት ንሕና ብዛዕባ ትሻዕተ ብሄራት ኢና እንዛረብ፡ ኣብዚ ድርኩዂትና ኢትዮጵያ ከኣ ካብ 80 ንላዕሊ ብሄራትን ቋንቋታትን ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። ናብ ኣፍሪቃ እንተተቛሚትና ከኣ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ብሄራት ዘለወን ሃገራት ንረክብ። ንብዙሕነትን ውሁድነትን ኣመዛዚንካን ኣከኣኢልካን ከተመሓድር ምኽኣል ኣብ ናይ ሓደ ህዝብን ሃገርን፡ ልኡላውነት፡ ሰላም፡ ዕቤትን ቀጻልነትን ወሳኒ ብጽሒት ኣለዎ።

እዞም ኣብ ኤርትራ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ንለውጢ ንቃለስ ዘለና፡ መጻኢ ህድኣት፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን እንብህግ ወገናት ረብሓና፡ ኣብ ሚዛናዊ ዝምድና ብዙሓነትን ውህደትን ዝምርኮስ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ምእንታኡ እንቃለስ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ውሁድ ዝገብረና ኤርትራዊ ናይ ሓባር ጸጋታትት ክብርታትን ክብርኽ ኢና እንቃለስ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ነቲ ካልእ ዝፈላልየና ናይ ብዙሕነትና መንነታዊ መምዘንታት ክብሪ ኣይንህብን ማለት ኣይኮነን። ቀንዲ መኽሰብና ኣብ ምብራኽ ኤርትራዊ ሓድነትና ዝምስረት ምዃኑ ግና ክሰሓት ዘይግባእ እዩ። እዚ ነቲ “ሓድነት ሓይሊ እዩ” ዝብል ኣብ ተመኩሮና ብተግባር ዝተፈተነ መባእታዊ ግንዛበ ዘዘኻኽረና እዩ።

ብኣንጻሩ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይጥዑይ ሜላ “ከፋፊልካ ግዛእ”፡ ኮለል ከብልዎ ዝደልዩ ወገናት፡ ኤርትራዊ ውህደት ዘዕኩኹዎ ዘይኮነ፡ ክህሉ እውን ኣይደልይዎን እዮም። ከምዚ ዝገብርሉ ቀንዲ ምኹንያት ከኣ ካብቲ ካብ ውሁድነትና ዝጥረ “ሓድነት ሓይሊ እዩ” ዝብል ኣምር ስለ ዝፈርሑ እዮም። ካብዚ ፍርሖም ነቒሎም ከኣ ኩሉ መፈላለይና ኣእማን ይፍንቅሉ። እዚ ነዚ ሎሚ ንህዝብና ብሓይሊ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ህግዲፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሎም ዝተሳዕሩ ሰንሰለታዊ ገዛእቲ ኤርትራ እውን ፈቲነምዎ ዘይተዓወተ ሃቐነ እዩ። ናይ ኢጣልያ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሃይለስላሴን ደርግን መግዛእታዊ ፋይላት ክግንጸል እንከሎ፡ ነዚ እዩ ዘርእየና። እቲ ካልእ ኣብቲ ዝሓለፈ ፋይላት ተሰኒዱ ዝርከብ ናይ ህዝቢ ኤርትራ “እምቢ ምውጋይ ኣብ ውህደትናን ሓድነትናን” ዝብል ሕራነን ጽንዓትን እዩ።

ኤርትራዊ ብዙሕነት ክንብል እንከለና፡ ኤርትራውያን ከባቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኢና ማለትና ጥራይ ኣይኮነን። ኤርትራውያን ነቲ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ዘይምልከቶ እንዳኣተወ ንህዝብና ዝሕምሶ ዘሎ ገዲፍካ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ኢና እንኣምን። ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣውራጃታትን መልከኣ-ምድራዊ ኣቀማምጣን ኢና እንነብር፡ ኣባላት ዝተፈላለያ ብሄራት ኢና፡ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ንዛረብ፡  “ዲሞክራስያዊ ሕቶ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ከመይ ይፍታሕ?” ኣብ  ዝብል እውን ነናትና ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ኣለና። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ካለኦት ንብዙሕነትና ዘመልክቱ ንኡሳን ዝርዝራት እውን ምስፋር ይከኣል። እምባአር ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ እዞም ናይ ብዙሕነትና መግለጽታት፡ ብሓላፍነት፡ ብልቦናን ብቕንዕናን ክመሓደሩ እንከለዉ፡ ከምቲ ብውሕሉል ኣገባብ ዝተቓነየ ሙዚቃዊ መሳርሕታት መሳጢ ድምጺ ዝህብ፡ ናይ ህዝቢ ሓያልነትን ጽንዓትን መግለጺ እዮም ዝኾኑ። እቲ ኤርትራውያን ሳላ ብዙሕነታዊ ውህደትና ክሳብ ሕጂ ዝሰገርናዮ ናይ ውሽጢ ይኹን ናይ ግዳም ፈተነታት ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ። ልኡላዊት ኤርትራ ንገዛእ ርእሳ ውጽኢት ናይቲ ብዙሕነትካ ዓቂብካ ኣብ መድረኽ ውህደት ዝተዓመ ብደሆ እዩ።

ኣብ መንጐ እዞም ንዛረበሎም ዘለና ብዙሕነትን ውህደትን ሚዛን ክመዛበል እንከሎ፡ እቲ ውጽኢት ኣድማዒ ኣይከውንን። ውህደት ክዕብልል እንከሎ ብዙሕነት ይጉዕጸጽ፡ ሚዛን ተሳሒቱ ብዙሕነት ክዕብልል እንከሎ ከኣ ውህደት ይዘልቕ። ኣብ ዘይተመጣጠነ ኩነታት፡ እዞም ክልተ ጫፋት ናብ ስኒት ዝመርሑ ኣይኮኑን። ስለዚ ኢና ከኣ ሚዛኖም ክሕለው ይግባእ እንብል። ሚዛን ዘይምሕላው ጥራይ ዘይኮነ ጸላኢ ኣብዚ ዘይምምጥጣን ሃጓፍ እዩ ዕድል ረኺቡ ኣትዩ ዝዘርግ።  በቲ ኮነ በቲ እምበኣር ነቲ ውህደት ዝያዳ ምድማቕን ምጉላሕን ተመራጺ እዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ ናይ ሓባር ረብሓና በሪኹ ስለ ዝረአ። ውህደትና እንተደኣ ዛሕቲሉ  ከም ኤርትራውያን ንዝኾነ መጥቃዕቲ ከም እንቃላዕ ርዱእ እዩ። እዚ ናይ ብዙሕነትን ውህደትን ቅኒት፡ ካብ ታሕቲ ክልተ ሰለስተ ባእታታት ኮይና እንዋሰሉ ጀምርና፡ ክሳብቲ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ከምኡ እውን ፖለቲካዊ ትካላትን ማሕበራትን እንምስርቶ ዝምድና ከነንጸባርቖ ዝግበኣና እዩ።

ኤርትራዊ ውህደትና ክዳኸም እንከሎ፡ ሕድሕድ ምትእምማና ይጐድል እዩ። ኣንጻር ናይሓባር ጸላኢና ናይ ምምካት ዓቕምና ይንኪ። ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣይኮነንዶ ብናትና ድኽመት ውህደትና ተሃስዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምግዛእ፡ ከም ቅድመ-ኩነት ዝሰርዕዎ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምድኻም እዩ። ካብቲ መግለጺ ብዙሕነትና ሃይማኖት ድዩ ብሄር፡ ምናልባት እውን ኣውራጃ ይሰልጠና ዝበልዎ፡ መዚዞም ከባልሑ  ንዋታውን ገንዘባውን ዓቕሞም የፍስሱ። ነቲ ሎሚ ህግዲፍ ዝጥቀመሉ ዘሎ ፖሊሲ “ነቲ ሓደ ኣይዞኻ ነቲ ካልእ ከኣ ወይለኻ” ገዲፍካ፡ እዚ ውህደት ህዝቢ ኤርትራ ኣህሲስካ ኣብ መግዛእታዊ ዳንኬራ ዕድሜኻ ከተናውሕ ምፍታን ኣብ መግዛታዊ ስርዓታት፡ ኢጣልያ፡ እንግሊዝ፡ ሃይለስላሴን ደርግን፡ ከከም ነቲ ግዜ ይሰማማዕ ተባሂሉ ዝተሃንደሰ ኣገባብ ተፈቲኑ፡ ብሳላ ጽንዓትን ምስትውዓልን ህዝቢ ኤርትራ መኺኑ እዩ። እዚ ምምካን ኣብ መዋእል ህግዲፍ እውን ከም ዝድገም ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ  ህዝቢ ኤርትራ፡ ሸኽን ፓትርያርክን ወይ ቤተ-ክርስትያንን መስጊድን ብህግዲፍ ክገሃሱ እንከለዉ ሓቢሩ ዝለዓለሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ ናይ ምክፍፋል ፈተነ ህግዲፍ እውን ከም ተመኩሮ ናይቶም ቅድሚኡ ንኤርትራ ዝገዝእዋ ሓይልታት ይንጸግ ምህላዉ ዘመልክት እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ኤርትራዊ ወገናት ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት፡ ሱዳን፡ የመን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን ክጽሕፉ፡ ክምድሩን ክካትዑን ንዕዘብ ኢና። ርግጽ እዩ ከምቲ ወለድና “እንተ ክትድቅስ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝብልዎ ናይ ቀረብካን ጐረቤትካን ኩነታት ይጸልወካ ስለ ዝኾነ፡ ብዛዕባኡ ክትሻቐልን ክትሓስብን ኣገዳሲ እዩ። ከምቲ “ዓርክን ፈታውን እምበር፡ ጐረቤት ኣይምረጽን እዩ” ዝበሃል ጉዳይ ጐረቤትካ ትገጥሞ እምበር ትሃድመሉ ኣይኮነን። ብፍላይ ምስ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ምስ ትግራይ ዘለና ምትእስስሳር ከኣ ሱር ዝሰደደ ስለ ዝኾነ ብኽንድኡ ደረጃ ከገድሰናን ከሻቕለናን ናይ ግድን እዩ።

ቅድሚዚ ጉዳይ ጐረቤትን ከባብን ግና ናትና ኤርትራዊ ዋኒን ኣለና። ጉዳይ ከባብናን ጐረባብትናን ክንዲ ዝደለዮ እንተሃደአን እንተተዓረየን፡ ናትና ኤርትራዊ ዘቤታዊ  ዋኒን ክሳብ ዘየዕረና ዋጋ የብሉን። ናትና ጉዳይ ብጋሕማጡ ኩነታት ጐረባብትናን ቀረብናን እንተዓረየ፡ እቲ ዝምድና ኣብ ሑጻ ከም ዝተሰረተ ህንጻ እዩ ዝኸውን። እቲ ቀንዲ ቁምነገር ከኣ ጉዳይ ሃገርና ካብ ጉዳይ እዘን ዝጠቐስናየን ሃገራት ኣዝዩ ዝለዓለ ኣዛራቢ ኣብ ዝኾነሉ መድረኽ ንርከብ ምህላውና እዩ። ገሊአን ሃገራት ብዛዕባ ምምሕያሽን ምቕያርን ሕገ-መንግስቲ ክዛረባ እንከለዋ ንሕና ግና ሕገ-መንግስቲ የብልናን። ገሊአን ብዛዕባ ምስፋሕን ምጽባብን ዲሞክራስያዊ መወዳደሪ ሜዳ ክዛረበ እንከለዋ፡ ንሕና ግና ፈጺሙ ፖለቲካዊ ውድድር ዝበሃል የብልናን። ገሊአን ብዛዕባ ፍትሓውነትን ናጽነትን ምርጫ ክዛረባ እንከለዋ፡ ኣብ ዓድና ግና እታ  “ምርጫ” ከም ቃል እውን ኣብ መዝገብ ኣይሰፈረትን። ገሊአን ሃገራት ብዛዕባ ፍትሓውነት ፍርዲ ክዛረባ እንከለዋ፡ ኣባና ግና እሱራት ኣይኮነንዶ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ፡ ኣበይ ከም ዝተኣስሩ’ውን ኣይሕበርን እዩ። ኣብዘን ጐረባብትና ብዛዕባ ዝምድና መንግስትን ሃይማኖት መዛረቢ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ሃገርና ግና “ምስ ኣምላኽ የራኽበኒ’ዩ” ዝበልካዮ እምነት ክትስዕብ ኣይፍቀደን። ኣብተን ዝርካበን ዝፍቀደለን ሃይማኖታት ዘሎ መንግስታዊ ኢድ-ኣእታውነት ከኣ ከምዚ እዩ ኢልካ ምግላጹ ዘጸግም እዩ። በዚ ኣገባብ ምውድዳር እንተቐጺልና እቲ ዝርዝር ኣዝዩ ነዊሕ እዩ።

ክብደት ጸገምና ክሳብ ክንድዚ ካብ ኮነ፡ ነዚ ጸገማት ስዒርና ናብ ራህዋ ክንበጽሕ፡ ብዙሕ መዛረቢ ኣጀንዳታት ክህልወና ውሁብ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ክሳብ ሕጂ ንኹሎም ኣብ ቃልስና እጃም ዘለዎም ወገናት፡ ኣይጸዋዕናን ኣይተማሕጸናን ማለት ኣይኮነን። ግደ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ውድባት ኣብዚ መዳይዚ ምስ ኩሉ ናይ ዓቕሚ ውሱንነት ዕዙዝ እዩ። ብፍላይ ድሕሪ ናይ “ይኣክል” ምንቅስቓስ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዝግበር ዘሎ፡ ኣኼባታትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ከኣ ጉዳይና ጉዳይ ኤርትራ በሪኹ ንክስማዕ ዕዙዝ ግደ ይጻወት ኣሎ። ህልዊ ጉዳይና ኣብ ቅድሚ ኩሉ ብሓፈሻ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብፍላይ፡ ብሩህ ንክኸውን ዝግበር ጻዕሪ ምእንቲ ከድምዕ ውሁድ ከም ዝኸውን ምጽዓር መሰረታዊ እዩ። ወትሩ ካብ ምትህልላኽን ምጥልላፍ ወጺእና ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ንቃለስ፡  እንብለሉ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ። ዝተበተነ ድምጺ እንተዘይተጠርኒፉ ጸዊዑ ከምስምዕ ከምዘይክእል ተመኩሮና ብግብሪ ዘርእየና ዘሎ እዩ። ትካላዊ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ኩነታት ምፍጣር ሓደ ካብቲ ዓወትና ዘውሕስ ቅድመ-ተደላይነታት እዩ እንብለሉ ምኽንያት’ውን እዚ እዩ።

ብዛዕባ ኤርትራና ክንዛረብ እንከለና ኣብ ግምት ከነእትዎም ካብ ዝገባና ጉዳያት ሓደ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሎሚ ኮይና ንድሕሪት ንጥምት፡ ኣብ ሎሚ ኮይና ብዛዕባ ጽባሕን ድሕሪኡን ክንሓስብ ይግበኣና። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲ ተመኩሮና ብዙሓት ክንፈትሖም ዝገበኣና ዝነበሩ ጸገማት ስለ ዘይፈታሕናዮም፡ ናብ ዘይተደላይ ኣቕጣጫ ዝመርሑናን ስንብራት ዝገደፉልናን ኣለዉ። ሎሚ ነዚኣቶም ዳግማይ ከይንጋገ ከም መምሃሪ ካብ ምውሳድ ሓሊፍና፡ ናይ ሕሉፍ እሱራት ኮይና ከም ቀንዲ ኣጀንዳ ክንዛረበሎም ኣይገበኣናን። እንተተዛረብናሎም እውን ቁስሊ እምበር፡ ስንብራት ስለ ዘይሓዊ ግዜን ጉልባትን ካብ ምብኻን ሓሊፉ ፋይዳ ኣይህልዎን። ካብዚ ሓሊፉ ግዳይ ናይቲ ህግዲፍ ዝጻውዶ ኣብ ሕሉፍ ናይ ምንባር መፈንጠርያ ከይንኸውን ምጥንቃቕ የድልየና።

ጉጅለ ህግዲፍ፡ ኤርትራዊ ጉዳይ ኣጀንዳኡ ክኸውን ኣይደልን እዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ኤርትራ ዕለታዊ ተኹሲ ስለ ዘይስማዕ ጥራይ ሰላም እዩ ኢሉ ክሓልፎ ይደሊ። እቲ ህዝብና ብደምጸ-ኣልቦ ተዂሲ ዝሳቐዮ ዘሎ ንዓኡ ኣይንታዩን እዩ። ከም መርኣያ ህድማኡ ካብ ኤርትራዊ ኣጀንዳ እዩ ከኣ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣይሰለጦን እምበር ሓደ እዋን፡ ብዛዕባ 5 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ብዛዕባ ኣስታት 480 ሚልዮን ህዝቢ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኢና ክንሓስብ ዘለና  ኢሉ ክግደረልና ሰሚዕናዮ ኢና። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ተጠሊዑ “ቀዳምነትና ጉዳይ ኢትዮጵያ ምትህድዳእ እዩ” ክብል እውን ሰሚዕናዮ ኢና።  ብግብሪ ግና ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘየድመዐ ኣብቲ መህደሚ ክጥቀመሉ ዝደሊ ሰፊሕ መድረኽ ከምዘየድምዕ ተረዲኡ ድሮ ጸግዑ ሒዙ ዘሎ። ብኣንጻሩ ንሕና ጉዳይና በይኑ ተነጺሉ ዝረአ ከምዘይኮነ’ኳ ዘይንስሕቶ እንተኾና፡ ከም ቀንድስ ብዛዕባና ኢና እንዛረብ። ናትና ኣቐሚጥና ምስቲ ብቐጥታ ዘይምልከትና ኣጀንዳ ምልሓግ ግና ምናልባት እውን ህድማ ክኸውን ይኽእል። ጉዳይና ዋላ ኣዚና ኣርሒቕና እንተኸድና፡ ኣብ ዘለናዮ መጺኡ “ኣለኹ” ኢሉ  ከርክበና ናይ ግድን እዩ።

ሓደ ኣብዚ ክንግንዘቦ ዝግበና ጉዳይና ንኹሉ ኤርትራዊ በብደረጃኡ ዝምልከቶ ምዃኑ እዩ። ሓደ ገዛ ዝሰርሕ ሓደ ድማ ኣብቲ ስሩሕ ገዛ ዝኣቱ ዘይኮነ፡ ኩልና ኢና ነቲ ንኹልና ዘጽልል ገዛ ክንሰርሖ ዝግበኦ። ኩሉ በብጽሒቱ ኣለዎ እምበር፡ ቃልሲ ኣንጻር ህግዲፍ ኤርትራዊ  ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ማሕበራት፡ ምንቅስቓሳት፡ ምሁራትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተ-ሰብን በብጽሒቶም ዘበርክትሉ ዓብይ ዕማም’ዩ። እቲ ቃልሲ ንውድባት ማሕበራትን ጥራይ ከምዝምልከት ወሲድካ ወሰን ሒዝካ “ከምዚ ዘይትገብሩ፡ ከምዚ እንተትገብሩ መተሳተፍና” ዝብል ኣገላልጻ ቅቡል ኣይኮነን። እቲ ብኻለኦት ክግበር እትደልዮ ባዕልኻ ክትገብሮ ምስታፍ እዩ እቲ ግቡእ መዋጸኦ።

ጉጅለ ህግዲፍ ቀጻልነቱ ኣብ ስልጣን ቅድሚ ኩሉ ሰሪዑ ዝንቀሳቐስ ብዛዕባ ምዃኑ ኣይኮነንዶ ንኤርትራዊ ንማንም ከም ሓድሽ ዝንገር ኣይኮነን። ናይቲ ኩሉ እዚ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዝቕጽሎ ዘሎን በደላት ዕላማ ከኣ፡ ንሱ እቲ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ዘይረዊ ህርፋን እዩ። ኣብ ተመኩሮ ብዙሓት ኣብ ስልጣን ክቕጽሉ ወሲኖም፡ ዝተላዕሉ እቲ ዝመረጽዎ መንገዲ ኣንጻር ዕቤት ሃገርን ህዝብን ምዃኑ ምስ ኣረጋገጹ፡ ምእንቲ ህዝብን ሃገር ናብ ልቦም ተመሊሶም መንገዲ ደሓን ይሕዙ እዮም። እዚ ንኤርትራን ህዝባን ዝሕምሶም ዘሎ ጉጅለ ግና፡ ገበናቱ ኣዝዩ ስለ ዝሳዕረረን ኣእዳዉ ብደም ኣእላፍ ንጹሃት ስለ ዝጠልቀየን፡ ንድሕሪት ክምለስ ከምዘይክእል ብተግባሩ ካብ ዝነገረና ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። ስለዚ ካብኡ ለውጢ ምጽባይ፡ ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ካብ ምምህላል ወይ ምሕቋን ማይ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን።

ብዙሓት ወገናት ኣብ ምረት ናይቲ ህግዲፍ ኣብ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ በደልን ጭቆናን ፍልልይ የብሎምን። ምኽንያቱ፡ እቲ እኩይ ተግባራቱ፡ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ ዝኳሕኰሐን ኣብ መሬት ዝረአ ዝሎን ስለ ዝኾነ። መራሒ ህግዲፍ እውን ኣብቲ “ናይዚ ኩሉ ጠንቂ መንን እንታይን እዩ?” ዝብል ሕቶ ምምላስ እዩ ዘይተብዕ እምበር፡ ወትሩ እዩ፡ ኣብ ኤርትራ ማይ፡ ሓይሊ መብራህቲ፡ ትሕተ-ቅርጻ፡ ፋብሪካ…..ወዘተ የለን ክብል እንከሎ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ንሰምዕ ኢና። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ እቲ ናይቲ ሕቶታት መላሲ ክኸውን ዝግበኦ፡ ሓታቲ ኮይኑ ክቐርብ ክፍትን እንከሎ ከኣ የተዓዛዝብ። ኣብዚ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ህግዲፍ ኣካይዳ ወትሩ ዝተደዋወሰን ዘገርምን እዩ።  ጉጅለ ህግዲፍን መራሒኡ ዲክታቶር ኢሳይያስን ግና፡ ሓንሳብ “ኣብዛ ሃገር ነጸብቕ ንሕና ነኽፍእ ንሕና፡ መን ኣሎ ኣብ ቅድሜና” ካብ ዝብል ትዕቢትን ንዕቀት ህዝብን ስለ ዝነቕሉ፡ ኣብ ሕድሕዱ ዝጓነጽ ሓሳብ እንተቃልሑ እውን ዘሕምሞም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ከምቲ “ሓንሳብ ዝጠልቀየ፡ ዝናብ ኣይፈርሕን’ዩ” ዝበሃል ነቲ ጸረ-ህዝብነት ናትና ኢሎም ሒዘምዎ እዮም።

ስለምንታይ እዩ ህግዲፍ ነዚ ብኹሉ መለክዒ መወዳድርቲ ዘይብሉ ናይ ጭካነ መንገዲ መሪጹ ኣብ ዝብል ብፍላይ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ፍልልያት ነይሩ እዩ። ገለ ወገናት ብዘይካቲ እቲ ጉጅለ ዝመረጾ መንገዲ ካልእ ንኤርትራ ከም ሃገር ዘቐጽላን ዘልመዓን መንገዲ የለን ዝብል እምነት ዝሓደሮም ነይሮም። እዚኣቶም ገሊኦም ካብዚ ወጻኢ ምእንቲ ከይሓስቡ ብሓሳዊ ስብከት ናይቲ ጉጅለ ዝደንዘዙ እዮም። ገሊኦም ግና፡ እቲ መንገዲ ንኤርትራን ህዝባን መንገዲ ጥፍኣቶም ምዃኑኳ እንተዘይሰሓትዎ ብዘይነባሪ ረብሓ ዓዊሮም፡ ምስቲ ዘይነባሪ ህግዲፍ ክስለፉ ዝወሰኑ እዮም። ገለ ወገናት እውን ህግዲፍ ደላይ ራህዋኳ እንተኾነ፡ ንኤርትራን ህዝባን ካብዚ ዘለዉዎ ናይ ጸልማት ዘበን ናብ ዝሓሸ መንገዲ ክወስድ ዝኽእል ዓቕሚ ስለ ዘየብሉ እዩ ክብሉ ዝደናደኑ ነይሮም። ሕገመንግስቲ ምትግባር፡ ምርጫ ምክያድ፡ እሱራት ወይ ምፍታሕ ወይ ድማ ናብ ፍትሒ ምቕራብ፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናብቲ ብኣዋጅ ዝተገልጸ ንቡር ግዜ ምምላሱ፡ ዜጋታት ዝመረጽዎ እምነት ከም ዝስዕቡ ምፍቃድ፡….. ወዘተ እንታይ ጸገም ኣለዎ? ክትብሎም እንከለኻ፡ መልሲ ክደልዩ’ኳ ኣእማን ዝፍንቅሉ እንተኾኑ ማይ ዝሕዝ ሓቂ ኣይነበሮም። ናይ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ መልሲ ግና ህግዲፍ ኮነ ኢሉ ሃገርን ህዝብን ንምድዋት ዘዓጥቀን ናቱ ገበን ንካለኦት ምልጋብ ዝቐሎን ምዃኑ እዮም ዝኣምኑ።

ሎሚ ምስቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣቢሉ ዝነበረ ኩነታት ኣዛሚድካ፡ እቲ ህግዲፍ ንኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ደረጃ ኣውዲቕሉ ዘሎ ምኽንያት ናይ ዓቕምን ክእለትን ጉዳይ ዘይኮነ፡ ናይ ጸረ-ህዝብን ሃገርን ባህሪ ጉዳይ ምዃኑ ዳርጋ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝረዓሞ መደምደምታ ኮይኑ ኣሎ። እቶም ንጉጅለ ህግዲፍ ዘየሎ ክነሱ ደጋጊፎም “እነሆ እምበር” ክብሉ ዝጸንሑ ኣካላት ንጣር ኮይኖም እዮም። ኣብ ከምዚ ዓይነት ተረድኦ ምብጻሖም ኣብቲ ኣንጻር ህግዲፍ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣበርክቶኡ ዕዙዝ እዩ። እቲ ቀንዲ ግና ኣብቲ ባይታ ብመሰረት ተረደኦኻ ብኸመይ ትቃለስን ትዋሳእን ምውሳን እዩ። ኣብ መንጎ “ህግዲፍ ጸረ-ሃገርን ህዝብን እዩ” ኢልካ ምእማንን በዚ እምነትካ መሰረት ኣብ ግብራዊ ቃልሲ ምውሳእን ሰፊሕ ፍልልይ ምህላዉ ምርዳእ ኣገዳሲ። ምርዳእ ጥራይ ዘይኮነ፡ እዚ ሃጓፍ  ተዓጽዩ፡ እቶም “ጉጅለ ህግዲፍ ግናይ እዩ” ኢልና እንኣምን፡ ኣብ ምልጋስ እቲ ግናይ ክንነጥፍ ናይ ግድን እዩ። ብክለሳ ሓሳብ ምእማን ብግብሪ እንተዘይተሰንዩ ዋጋ ስለ ዘየብሉ።

ህላወ ናይቶም ውሑዳት ህግዲፍ ኣብ ንቡር መስርሕ ዘሎ መሲልዎም፡ ኣብ ቅነ ሃገራዊ በዓላትን ምጅማር ሓድሽ ዓመትን፡ በቲ ኣብዛ ትመጽእ ዘላ በዓል ወይ ሓዳስ ዓመትስ ህግዲፍ “ሎምስ ገለ ክገብር እዩ” ዝብል ወረ እዩ ዝንዛሕ። እዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ሓሶትን ሕልምን፡ እቲ ጉጅለ እውን ከም ኣካል ናይቲ ህዝቢ ናይ ምትላል ፖሊሲኡ ብናይ ጸጥታ ትካላቱ ተቓሚሙ ኮነ ኢልካ ይንዛሕ እዩ። ህዝቢ ከኣ ከምቲ “ነዳይስ ናይ ልቡ ይሓልም” ዝበሃል፡ እቲ ዝውረ ሓቂ እንዳመሰሎ በዓል መጸ ሓድሽ ነገር ሃረር ይብል። ንኣፍልጦ ኩልና ግና “ለውጢ ካብ ህግደፍ ምጽባይ፡ ማይ ከም ምሕቋን’ዩ።”

ሓንሳብ ምዕሻው ንቡር እዩ። በቲ ቅድም ዘዕሸወካ ኣካል ዳግማይ ምዕሻው ግና፡ እቲ ተዓሻዋይ ንገዛእ ርእሱ ዓሻ ምዃኑ እዩ ዘመልክት። ከምቲ “ክትከይድ እንከለኻ ዘዕንቀፈትካ እምኒ፡ ክትምለስ እንከለኻ እንተ ደጊማትካ ንስኻ ኢኻ እምኒ” ዝበሃል። ህግዲፍ ንህዝብና ሓንሳብ ክልተሳብ ዘይኮነ፡ ብዙሕ ግዜ እዩ ኣዕሽይዎ። ስለዚ ናይ ህግዲፍ ምትላል ርዱእ ኮይኑ፡ “እቲ ዝታለል ህዝቢኸ ወትሩ ድዩ ዝታለል?” ዝብል ሕቶ ዘልዕል ምዃኑ  ምስትውዓል ዘድልዮ እዩ። ህግዲፍ ዘዕሽወሉ ባይታን ዝዕሸወሉ ህዝብን እንተዘይረክብ፡ ብምዕሻው ዕድሜኡ ከናውሕ ዕድል ከምዘይነበሮ ነስተብህ’ሞ ሕሳብና ንግበር።

 

ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ነበርቲ ክፍለ ግዝኣት መዳኒ ሱዳን ኣብ እዋን መሪሕነት ፕረዚደንት ኣል በሽር ኣብ መዝነት ዝጸንሑን ሕጂ’ውን ኣብ መዝነት ዘለው ሰበ ስልጣን ክወርዱ ብምጥላብ ትማሊ ሰንበት ሰልፊ አካይዶም።

እቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ዋድ መዳኒ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምስ ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳናዊያን ምትእስሳር ብዘለዎ ናይቲ ከባቢ ጉጅለ ዝተጸወዓ ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳናዊያን ነቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ንመሪሕነት ፕረ. ኣል በሽር ዘውደቐን ኣብ መንጎ ወታሃደራዊን ሲቪላዊ መሪሕነት’ታ ሃገር ስምምዕ ምምቕራሕ መዝነት ክህልው ዘፍቐደ ተቓውሞ ዝመርሓ ምዃኑ ይዝከር።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝተዘግሓ ምስሊ ናይቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ዋዲ መዳኒ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተሳተፍቲ መንእሰያት ምዃኖምን ናይ ሱዳን ባንደራ ብምሓዝ ኣመሓዳሪ’ቲ ዞባ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ጸዊዖም ኣለው።

ማሕበር ሰብሞያ ሱዳናዊያን ሲቪል ዞባዊ ኣመሓደርቲ ክምዘዙን ኣብ እዋን መሪሕነት ፕረዚደንት ኣል በሽር ዝተመስረተ ሃገራዊ ፓርቲ ክፈርስ ክጽውዑ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ይኹን ደአ እምበር ብመሰረት ዝተበጽሓ ስምምዕ ምስ ተቓወምቲ’ታ ሃገር ሰላም ክሳብ ዝፍጠር ሲቪል ኣመሓደርቲ ናብ ምምሕዳራትን ክፍለ ግዝኣትን ኣይምዘዙን’ዮም።

ጉዳይ ኤርትራ ጉዳይ ህዝባ እዩ። ብዛዕባቲ ሎሚ ዘላቶ ሓደገኛ ኩነታት ምሉእ ብምሉእ ዝፈልጥ ከኣ ንሱ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኤርትራ ካብዚ ዘላቶ “ከምዚ እዩ” ኢልካ ምግላጹ ዘጸግም ጋሕማጥን ኣጨናቕን ኩነታት ከድሕና ዝኽእል’ውን ህዝባ ባዕሉ እዩ። እዚ ማለት ግና ኣብ ርእሲ እቲ ወሳኒ ጸዓቱን ቃልሱን ናይ ግዳም ፍትሓውያን ኣካላት ሓገዝን ምድግጋፍን ኣየድልዮን ማለት ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ወትሩ ይምልከቶም ናብ እንብሎም ኣካላት ምሕጽንታ እነቕርብ።

ዝተፈላለዩ ወገናት ብዘለዎም ዝለዓለ ጽልዋ ተመኪሖም፡ ከባብያውን ዞናውን ረብሓኦም ንምሕላው፡ ነቲ ባዕልና እንፈልጦ ኩነታት ሃገርና ንዓኣቶም ብዝጥዕሞም ኣቐይንኖም ከቕርቡልና ክፍትኑ እንከለዉ፡ ንሳቶም ደኣ ኣብ ትዕዝብቲ ይወድቁ እምበር ፍጹም ተቐባልነት የብሉን። እዞም ወገናት ብዛዕባ ሃገርናን ህዝባን ክሓስቡ እንከለዉ፡ ሃገራዊ ድዩ ዞባዊ ረብሓኦም ኣብ ግምት ከእትዉ ንቡር እዩ። እዚ ብጋህዲ ብዋጋ ህዝብናን ሃገርናን ከኸውን እንከሎ ግና ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ምክትል ዋና ጸሓፊት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ወ/ሮ፡ ኣሚና መሓመድ ዝመርሐኦ ካብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝኣባላቱ ጉጅለ ኣብ ኤርትራ በጺሑ ነይሩ። እተን ነቲ ጉጅለ ዝመረሓ ምክትል ዋና ጸሓፊት ቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ ኣብ መወዳእታ መገሸአን ብቐበጥበጥ ዝተዓብለለ  ልምዓት ኣብ ኤርትራ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ኣምሲሉ ዘቕርብ ምስክርነት ሂበን።

እዘን ወይዘሮ ነዚ መሻረዊ ምስክርነት ከም መወከሲ ረኺበን ዘዘራረበኦም ኣካላት ህግዲፍ፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ የማነ ገብረመስቀል፡ ልኡል ገብረኣብ፡ ሓጐስ ክሻ፡ ፎዝያ ሓሽም ተኽኣን ዝኣመሰሉ ምዃኖም ከኣ ነቲ ጉዳይ ዝያዳ ዘገርም ይገብሮ። እዚ ነቲ ወለድና “ወጠጦ ንወጠጦ ፍረዱ እንተበልዎምስ ከይንሕረድ በቃ”  ዝብልዎ ምስላ  የዘኻኽረካ። እዘን ምክትል ዋና ጸሓፊ፡ ኩሉ ገዲፍና ምስቲ ንዝያዳ ወርሒ፡ ርህይዎ እንተተባህለ ንሓደ ስድራቤት 2 በርሚል ማይ ጥራይ መቑነን ዝወሃቦ፡ ነባሪ ከተማ ኣስመራ እንተዝራኸባ ህልዊ ሓቀኛ ኩነታት ህዝብና ኣበየናይ ደረጃ ከም ዘሎ መተረደኣ። እንተኾነ ከምቲ “ዒራ ዘይኩርምትኻስ ሑጻ ቆርጥመሉ” ዝበሃል፡ እቲ ዘገድሰን ወዲስካ ወዳዲስካ እቲ ዲክታቶር ዝመርሖ ኣብዚ ዞባ ከዳምን ተላኣኣኽን ጉጅለ ምፍጣር እምበር፡ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ተረዲእካ መፍትሒ ንምርካብ ስለ ዘይኮነ እቲ ዝኸዳሉ መንገዲ መሪጸን።

ኣብ ኤርትራ ወይ ንመግቢ ናብ ዝኸውን ኣሕምልት ፍረታትን ወይ ንመብራህትን መብሰልን ናብ ዝኸውን ሓይሊ ዘይተቐየሩ፡ ብናጻ ጉልበት መንእሰያት ኤርትራ ዝተሃንጹ፡ ገርገራን ዓዲ ሃሎን ዝኣመሰሉ ዲጋታት ኣለዉ። እዚኣቶም ከም መግለጺ ባህታ ኢሳይያስን ንከም በዓል ወ/ሮ ኣሚና መሓመድ ዝኣመሰሉ ኣጋይሽ ካብ ምዕሻውን ሓሊፎም ምስ ጸገማት ህዝብና ዝዛመድ ኣበርክቶ የብሎምን። ስለዚ ማይ ምዕቋር ብጥሪኡ መርኣያ ልምዓታዊ ገስጋስ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እቶም ዝዓቖረ ማይ ርእዮም ዝንእዱ እውን ኪኖቲ ምዕቋር ማይ ክጥምቱ መተገበኦም።

ቀደም ኣብ ግዜ መግዛእቲ፡ ገዛእቲ “ኤርትራ መሬታ እምበር፡ ህዝባ ኣየድልየናን እዩ” ይብሉ ከኣም ዝነበሩ ይዝንተወልና እዩ። ብግብሪ እውን ኣብ ግዜ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ነዚ ኣበሃህላኦም ዘግህድ ግፍዕን ብርሰትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክፍጸም ተዓዚብና ኢና። ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ እውን ብዙሓት ንኤርትራ ኣብ ዞባናን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ዘለዋ ተበሃግነት ዘህርፎም ወገናት፡ ዋላ ኣፍ ኣውጺኦም ኣይዛረቡ “ኤርትራ፡ እቲ ከም ድላዩ ዘኳድዳ ዘሎ፡ ንዓና እውን ክለኣኸና ዝኽእል ጉጅለ እምበር፡ ህዝባ ኣየድልየናን እዩ” ዝብሉ ዘለዉ እዮም ዝመስሉ። ከምኡ እንተዘይከውን፡ ነዚ ብኢደወነኑ ኣብ ስልጣን ዝተኾደጨ ጉጅለ፡ ኣብራሲ ክነሱ ዳርጋ ናይ ልምዓትን ሓድነትን ጀግና ገይሮም ክገልጽዎ ኣይመሃቀኑን። ካብዚ ሓሊፉ፡ እዚ ምእንቲ ክለኣኾም ዘጸባብቕዎ ዘለዉ ዲክታቶር ኣብታ ናይ ቀደሙ ጸረ-ህዝቢ ትዕቢትን ብደዐን ኮይኑ፡ ብዘይ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ፡ ንኤርትራ ብዘይሕገመንግስቲ፡ ብዘይተመርጸ መሪሕነት፡ ብዘይልዕልና ሕጊ፡ ብዘይምኽባር ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ይድህካ ከም ዘሎስ ኣይፈልጡን ማለት ኣይኮነን።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሕጂ ንኢሳይያስ ክሳብ ብማዕቀብ ዝቐጽዖ፡ ንዓቶም ስለ ዘይተኣዘዞም ጥራይ ምንባሩ ኣብቲ እዋኑ ብዙሕ ተዛሪብናሉ ኢና። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ዝነበረ ሓላው ሰላም ሰራዊቶም ዘይምትሕብባሩ፡ ኣብ ጉዳይ ሶማልያ ንዞናዊ ረብሓኦም ኣንጻር ኣልሸባብ ዘይምውግኡ፡ ምናልባት እውን ምስ ኣልሸባብ ብምትሕብባሩ ክብሮም ከም ዝተንከፈ ስለ ዝቖጸርዎ እዮም ዝገሰጥዎን ዝቐጽዕዎን። ሎሚ ከኣ ብመንጽር ኤርትራን ህዝባን ክረአ እንከሎ እኳደኣ መሊሱ ናብ ዝኸፈአ ጫፍ እንዳኸደ፡ እንተኾነ ብርኮም ስዒሙ ክለኣኾም ስለ ዝረዓመ እዮም እገዳ ኣልዒሎም ከመላኽዕዎ ዝፍትኑ ዘለዉ። ናይተን ምክትል ዋና ጸሓፊት ርዝነት ዘየብሉ ዲፕሎማስያዊ ዘይኮነ ፕሮፓጋንዳዊ መልእኽቲ፡ ንኢሳያስ እውን ዘየደቅስ “ኣበ መጻኢ ንርእዮ ኣሎ” ዝብል መንፈስኳ እንተለዎ፡ ንህልዊ ኰነታት ህዝብና ኣብ ግምት ዘእተወ ዘይምዃኑ ግና ብሩህ እዩ። እዚ ዘረድኦ ከኣ ኣብ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት እውን ንኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ግቡእ ምንባብ ዘየለ ምዃኑ እዩ። ሓደ ኣካል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ስልታዊ ህዝቢ ናይ ምጽናት ገበን ከም ዘሎን፡ በዚ  ሰብኣዊ ግህሰት ዝጥርጠሩ ኣካላት መንግስቲ ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ክቐርቡን ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ። ካልእ ኣካል ናይዚ ዓለም ለኻዊ ትካል ከኣ እነሆ ዳርጋ ናይ ውዳሰ መዝሙር የስምዓና። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ እምበኣር፡ ጉዳይና፡ ናትና እምበር ጉዳይ ካለኦት ከምዘይኮነ እዩ።

እዚ ኩነታት ናብ ህግዲፍ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣለዎ። እቲ መልእኽቲ ኤርትራዊ ጉዳያት ዓብዒቡ ደገደገ ጥራይ ብምርኣይ ምስሉ ከዕሪ ከም ዝኽእል ኮይኑ ክስመዖ ዝገብር እዩ። ናባናን ናብ ህዝብናን ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ከኣ፡ ካብ ኣበርክቶናን ቃልስናን እምበር ካብ ናይ ዝኾነ ናይ ግዳም ሓይሊ ዝመጽእ ለውጢ ከምዘየለ ዘዘኻኽር እዩ። ስለዚ ሃየ ሎሚ’ውን  ሓላፍነትና ንረከብ ።