ገለ ካብቶም ሎሚ ወጋሕታ ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ ስደተኛታት Image copyright UNHCR/LIBYA ናይ ምስሊ መግለጺ ገለ ካብቶም ሎሚ ወጋሕታ ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ ስደተኛታት

ኣብ ሊብያ ካብ ዘለዉ ስደተኛታት፡ እቶም ሳልሳይ ገጽ ናብ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ናብ ርዋንዳ ኣትዮም።

እዞም ሎሚ ወጋሕታ ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ ቁጽሮም 117 ምዃኑ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

እዞም 117 ስደተኛታት ምስቶም ኣብ ወርሒ መስከረምን ጥቅምትን ካብ መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ 189 ስደተኛታት ንምጥርናፍ ካብ ከተማ ኪጋሊ ንሸነኽ ምብራቕ ናብ ዝርከብ ጎሾራ ዝብሃል ቦታ ኣትዮም ኣለዉ።

መንግስቲ ርዋንዳ ኣብ ወርሒ መስከረም ካብቶም ኣብ ሊብያ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት፡ 500 ኣብ ሃገሩ ክቕበል ከምዝተሰማመዐ ዝዝከር እዩ።

ካብዞም ሎሚ ንጉሆ ናብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኪጋሊ ዝኣተዉ ስደተኛታት እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ሶማልያውያንን ምዃኖም ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ ኣሎ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ብወገኑ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ንኸይኣትዉ ንሃገረ ኒጀር ካብዞም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ልዕሊ 4000 ስደተኛታት ንገሊኦም ክትቅበል ሚልዮናት ዶላራት ከምዝኸፈላ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሰብ መዚ ርዋንዳ ግን ምስ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝኣተዉዋ ስምምዕን ነዞም ስደተኛታት ንምቕባል ዝተለገሰሎም ፋይናንሳያዊ ሓገዝ ከምዘየለ እዮም ዝሕብሩ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-50548273

  • ምርጫታት ወከልቲ ናይ ምንቅስቃስ ይኣክል ንምንታይ ኣድለየ፡ ኣበይ ሃገርከ ከምኡ ተኻይዱ ይፈልጥ፡ ኣብነት ናይ ሱዳንን ቱኒዝያን ኣንተ ወሲድና ወከልቲ ናይ ዝተፈላለያ ህዝባውያን ማሕበራት ኢዮም ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዶካትር ሕጊ ዝተማህሩ ማሕበር ሰራሕተኛታት ወዘተ……….ናይ ቱኒዝያ እቶም ኣርባዕተ ማሕበራት Quartet ዝተባህሉ ወከልቲ
  • The Tunisian General Labour Union(UGTT, Union Générale Tunisienne du Travail)
  • The Tunisian Confederation of Industry, Trade and Handicrafts(UTICA, Union Tunisienne de l'Industrie, du Commerce et de l'Artisanat)
  • The Tunisian Human Rights League(LTDH, La Ligue Tunisienne pour la Défense des Droits de l'Homme)
  • The Tunisian Order of Lawyers(Ordre National des Avocats de Tunisie)

ናይ ሱዳን ከኣ ናይ ህዝባውያን ማሕበራት ወከልቲ

 Sudanese Professionals AssociationNo to Oppression against Women InitiativeMANSAM, the Sudan Revolutionary Front, the National Consensus Forces, Sudan Call, the Unionist Gathering, and the Sudanese resistance committees, created in January 2019 during the 2018–19 Sudanese protests

ነፍሲ ወከፍ ማሕበር ናይ ኩሉ ዓይነት ምሁራት ስለ ዘለዎም ንመን ኣብ ስራሕ የዋፍሩ ሽግር የብሎምን። ስልጣኖም ከኣ ቅዋም ምስ ቆመ የብቅዕ።

ንዓ ተለዓል ሰራሕተኛ ንዓ ተለዓል መንእሰይ ንዒ ተለዓሊ ጓል ኣንስተይቲ ንዓ ተለዓል  ተመሃራይ  ንዓ ተለዓል  ምሁር ንዓ ተለዓል ሓረስታይ  ወዘተ……  ክጽውዑ ዝኽእሉ ህዝባያን ማሕበራት ኢዮም፡ እቲ ጽቡቅ ከኣ ኣብዘን ማሕበራት ናይ ኣውርጃ ዓሌት ሃይማኖት ወዘተ…… ፍልልይ የለን፡ ኣብቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ምጥርናፍ እውን ንኹለን ደቂ ኣንስትዮ ዝሓቍፍ ምዃኑ ኣመስኪሩ ኢዩ። ስለዚ ሓንቲ ማሕበር ናይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓንቲ ማሕበር ናይ መንእስያት፡ ዝተፈላለያ ናይ ሞያ ማሕበራት፡ ሓንቲ ማሕበር ናይ  ዜና ክህልዋ እቲ ምዕቡል ኣካይዳ ህዝባዊ ናዕቢ ኢዩ።

ነፍስ ወከፍ ሰብ ቅድም ንመሰሉ ኢዩ ዝሓስብ፡ ኣባል ፓርቲ ኮይኑ እውን እታ ፓርቲ ዋላ ትመረጽ መሰሉ ክትሕልወሉ ኣይትኽእልን ኢያ፡ ከም  ኣብነት ሰራሕተኛ ኮይኑ ንመሰሉ ብማሕበር ሰራሕተኛ ጥራሕ ኢዩ ዝወሓሰሉ። ስለዚ ህዝባውያን ማሕበራት ጽላል ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ኢየን። ኣባል ውድብ ሰልፊ ኩን ኣይትኹን እቲ መኣዲ ንኹሉ ኢዩ። ክእለት ኣሎካ ክእለትካ ኣበርክት፡ ኣቶም ክእለት ዘይብሎምን ሓገዝ ዘድልዮም ምምሃርን ምሕጋዝን ከኣ ጥዑይ ሕብረተሰብ ንምድላው ኢዩ እቲ ቁምነገሩ።

ካልእ ኣገባብ ናይ ምቅላስ ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ሓይሊ ዕማማት ቆይሙ ካብ ውሽጦም ወከልቲ ይምረጹ፡ ገለ ኣብነታት ንምሃብ ክእለትካ እንታይ ኢዩ ክትሰርሕ ክትምህርዶ ክትመሃር  ክትለኣኽ ፡

  1. ኣብ ናይ መንእሰያት ምንቅስቃስ ፥ 2. ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ምንቅስቃስ ፥ 3. ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ሽማግለ ፥  4. ንስደተኛታት ብምምሃርን ምንቅቃሕን ምትርጓምን ይኹን ምትሕግጋዝ ፥   5. ኣብ ናይ ቤተ መንግስቲ  ወኪሎም ክዛረቡ ዝኽእሉ (lobbyisten)፥  6. ምስ ካብ ዘሎኻዮ ከተማ ወጻኢ ዘለዋ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ፠፠፠፠  ናይ ኣካያዲት ሽማግለ   ዕማም፥   7. ሰሚናራትን ህዝባዊ ኣኼባታት ዘዳልዉን ሓሳብ ዝህቡን ፥ 8. ፋይናንሲያዊ ትሕዝቶ ጥርናፈ ንምምዕባል፥  9. ዓራቂት ሽማግለ ግርጭታት ዝፈትሑን ኣስተምህሮ ዝህቡን  (Conflict resolution)፥  10. ኣብ ናይ ዜና ስርሓት ክተሓጋገዙ ዝደልዩ፥  11. ባህልናን ቋንቋናን (ትግርኛን ዓረብኛን) ዘማዕብሉ፥  12. ንዘይሕጋዊ ተግባራት ህግድፍ ዘቀልዑን ዝኸሱን።

ህግደፍ ካብ ቆልዑ ጀሚሮም ክሳብ ሽማግለታት ብማእለያ ዘይብሉ ሓሶት ወይ ከኣ ብምፍርራሕ  ኢዮም ዝቃለሱ ነዚ ህዝብና ኣረዲእና እንተኣሕዲግናዮም ውግእ ኢዩ ንርእሱ፡ ግን ማዕሪኦም በቲ ናይታ ዘለኻዮ ሃገር ቋንቋ እውን  ንመንእሰያት ከተረድእ ኣሎካ።

ተስፋይ ባይረ

ሕዳር 2019

ክንዕወት ኢና

እቲ  መሰጋገሪ

Monday, 25 November 2019 11:41 Written by

እቲ ኤርትራዊ ኣብ ግዜ ገድሊ ንሜዳ ወጺኡ እታ ኤርትራ እትብል ጥልያን ዝመስረታ ንሕና ድማ ሃገራውነትናን መንነትናን ዝፈጠርናላ፡ በቲ ሕማቕ ዕድል ዘጋጥመ ተመሊስና ካባና ብምዕብልና ካባና ዘይሓይሽ  ህዝቢ ኢትዮጵያ ዳግማይ መግዛእቲ ብምቕጻል፡ ኤርትራ ነጻ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ክትከውን፡ኣብ'ታ ነጻ ኤርትራ እውን ህዝባ ሓራ ክኸውን፡  ናቱ ህዝባዊ መንግስቲ ክምስርት፡ ብቕዋም እትመሓደር ክትከውን ኢሉ እዪ እዚ ኩሉ ዝተቓለሰን ዝተሰዋኣላን ዝሰንከለላን።

 ብመጀመርያ ዝስራዕ እቲ ነቲ ስርዓት ደርግ እኳ እንተነበረ ፡እቲ ብድሕሪኡ ዝስዕብ ዕማም ብሓደ ክንርእዮ ስለዘይከኣልና ወይ ድማ ነቶም ሰውራ መሪሖም ዝመጹ ኩሉ  ሓልፍነትና ዘንጊዕና ጽቡቕ ክገብሩ እዮም ኢልና ተዓዘብቲ ክንከውን ስለመረጽና ኣብ'ዚ በጺሕናዮ ዘለና ኣቲና ንርከብ። እዚ ከይድገም እንታይ ተገበርና ይሓይሽ ምባል ጽቡቕ እንድዩ፡ ካብ ዝተፈላለየ ሓሳባት ድማ ክንመሃር ስለ እንኽእል ዝጽላእ ኣይኮነን።

እቲ ናይ ርሑቕ ዕላማና ሓንቲ ቕዋማዊ  ምሕደር  ዘለዋ ሃገር ምፍጣር፡  ፍትሕን ዲሞክራስን ዝነግሰላ፡ ህዝቢ ኩሉ እቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ሃልዩዎ ኣብ ምዕባለ ሃገሩ ተሳታፊ ንኽኸውን፡ብዝያዳ ድማ ህዝቢ ስልጣኑ ተሰኪሙ ንዝደለዮ ከደይቦ ከውርዶ መንግስቲ ክመርጽ እየን።

 ኣብ ጉዕዞ ደንበ ተቐዋሙ ብዝሑት ናይ ኣረዳድኣ ፍልልያት እናጸበቡን፡ እናተቐራረቡ  ክኸዱ ንዕዘብ ስለዘለና፡ ዝነኣድ እዩ።  እቲ ነቐፈታ ግን ነዊሕ ግዜ ይወስደልና ብምዃኑ ጥራሕ'ዩ።ሓደ ክልተ ከም ነጥብታት ምልስ ኢልና እንተሪኢና እተን ጎነጻዊ ቓልሲ ዝብላ እቲ ውድባተን  ወይ ጽላላት ከም  መተካእታ  ህግደፍ  ማቕማጥን  እየን፡ እዚ ናይ ሎሚ ናይ ይኣክል ተበግሶ ነቲ ህዝባዊ ናዕቢ፡ እንቢ ንምልኪ ኣቢልካ ሰዓብቲ ህግደፍ ኣብ ጎድንኻ ኣሰሊፍካ እዩ ስርዓት ዝወድቕ ብዘይጎነጻዊ ዝብል ኣምር ዝነበረ ውሑዳት ውድባት/ ሰልፍታት ሎሚ ኩሉ ርዒምዎ ክትርኢ ብዙሕ ከም ዝሶጎምና እዩ ዘመልክት። እቲ ብፍላይ ድሕሪ ምምስራት ምሕዝነት፡ኪዳን ውዘተ ዝርኤ ዝነበረ ኣረኣእያታት ንነብሱ ከም መተካእታ ህግደፍ ምጥማቱ ሓደ ካብ'ቲ ድኽመታት ዝነበረ እዩ።

  ኣብ'ዚ መድረኽዚ  እንበኣር ዝጽበየና ዘሎ ስራሕ  ነቲ ዕላማና ንኸይንበጽሕ ዝዕንቕፈና ጉጅለ ህግደፍ ምእላይ  እታ ቀዳመይቲ  ልክዕ ከምታ ሰውራ ኤርትራ ንደርጊ ከም ዕንቕፋት ዝኣለዮ ትኹን። ኣብ ረብሓ ናይ ቕዋማዊ ምሕደራ ዘለዋ ሃገር ምፍጣር ናይ ኩሉ ለውጢ ዝደሊ ህዝብና ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዘሎ፥ እቶም ነቲ ስርዓት እንቓወሞ ዘለና ዝተወደብናን ዘይተወደብና፥ በርጌሳዊ ማሕበራትን ኣብ ግዳም ምስቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ብሓልፍነቶምን ብቐረባ ኣብ ምቕያርን ምልዋጥን ዓቢ ግደ ክጻወቱ ዝኽእሉ፡ ናይ እዞም ክልተ ሓይልታት ድሌት ንሰላምን ርግእትን ዝፈጠር  መሰጋገሪ መድረኽ ክንፈጥር ናይ ግድን ክኸውን እዩ።

 መሰጋገሪ መድረኽ ብዝብል ይጸሓፍን ይግለጽን ብምህላዉ ኣብ'ዚ እዋን ምስኡ ኣሰንዮም እቲ ክህልወና ዝግብኦ ስርዓተ ምሕደራ ዝብል እውን ብዙሕ ኣበርክቶ ብምህላዉ ተስፋ ዝህብ ስለዝኾነ ምስጋናይ ነቶም ነዚ ዘበርክቱ ዘለዉ ባእታትን ውድባትን ይኹን።ኣብ'ዚ ክፍለጥ ዘለዎ ነገራት ንሕና ኣብ ቓልሲ ተሰሪዕና ነዚ ስርዓት ክንቓወም እንከለና ምስቲ ምሳና ዘለዎም ኣረዳድኣ ዝቐራረብ  ውልቀ-ሰባት ኣብ'ቲ ሎሚ ነዚ ስርዓት ምምዛንን ኣብ ድሕሪ  ውድቀቱ ዘለና ናይ ሓባር ኣረኣእያ ደኣንበር  ወዲ ገዛውተይ፥ ኣብ ገድሊ ነይሩ ምሳይ፥ ወይ ኣንጻር እገለ ውድብ/ ሰልፊ ስለዝኾነ ምሳይ/ ምሳና ኢልካ ክኸውን ኢልካ ናይ ህልኽ ፖለቲካ ኣይኮነን፥ ስለዚ ንሕና ብጽባሕ ደኣንበር ንድሕሪት እንዳጠመትና፡ ክንፈላለን ካብ ቃልሲ ክንበኩርን ኣይግበኣናን።

ናብ'ቲ መሰጋገሪ ክምለስ፡ እታ ምስ ውድቐት ስርዓት ኢሰያስን ምትካል ህዝቢ ዝሳተፎ ናብ ዲሞክራሲን ፍትሕን ዝብገሰሉ ዘሎ እዋን ወይ ግዜ እዩ።እዚ መድረኽ ግን ብእንረደዳኣሉ ነጥብታት ልሙጽ ወይ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል። እቲ መበገሲ ክኾነና ዘለዎ እዚ ዘለናዮ  ሚዛን ክህበና ይኽእል ኢለ ይግምት። እስከ ነቶም ምናልባታት ንፈትሾም፡

1 ወዲ- ሰብ  እንድሕሪ ተወሊዱ ኣብ ሓደ ግዜ ህላዌኡ የብቕዕ ኣላህ ድዩ ዝጽዋዖ ወይ እግዛብሄር

2 ሓደ ይኣክል ኢሉ ኣብ ሂወት ስጉምቲ ይወስድ

3 ገለ ኣባላት ህግደፍ ዕልዋ ይፍጽሙ

4 ዝለዓለ ተሳትፎ ዘለዎ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ መንግስቲ ይግልብጡ

5 ናይ ግዳም ሓይልታት ኢድ ዘለዎ ምቕያር ይፍጠር

ዝብላ ክኾና እንከለዋ ነናተን ኩነታትን ሳዕቤናትን ኣለወን። ኣብ'ዚ እቲ ደንበ ተቓውሞ ዋላ ሓንቲ ኣስተዋጽኦ የብሉን ከም ማንም ሃገራዊ ተጸባያይ ናይ'ቲ ምዕብልናታት ተዓዛባይ ኮይኑ ወይ ክነቕፍ ወይ ክድግፍ ኢዩ ዝኸውን።

  ነብስና ከይነዕሹ ኣብ ግዳምን ውሽጥን ዋላ ሓንቲ ምትእስሳር የለን። ኣብ ሰናይ ድሌት ናይቶም ኣብ ቁጽሪ 3 ን 4ን ዘለዉ ኢና ንወድቕ። ነዚ ምናልባታት ክንሰግር እንተኾይና ግን ከሎ ጌና ሎሚ ጽባሕ ዘይኮነ፡ ደንበ ተቓውሞ ብፍላይ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታን ኣብ ሓደ ስምምዓት ክብጽሓ ይግባእ፡ፖለቲካዊ ውድባት እየን ነቲ ፖለቲካ ሃገር ዝፈትሓ ንሕና ከም ተራ ኣባላት ህዝቢ ነቲ ስምምዓት ርኢና ደገፍናን ነቐፌታን ክንህብ  ህዝባዊ ሕላፍነትና ኢዩ  እንበር ኣብ መሰጋገሪ ውድባት ክህልዋ የብሉን ዝብል ሓሳባት ዓዲ ዘእቱ ኣይኮነን። ሃናጺ እውን ኣይኮነን። እተን ውድባትን ሰልፍታትን እኮ ኤርትራውያን እቶም ኣባላተን እውን ሰባት ኮይኖም ከይተወደብካ ኣይትዕወትን ኢኻ ኢሎም ኣሚኖም ነቲ ውድብ/ ሰልፊ ከም መሳርሒ ነቲ ንምውዳቕ እቲ ስርዓት እንበር ንዘይተታሕዘ  ስልጣን  ኢልካ ዘየድሊ ሓሳባት ምስራጽ ጽቡቕ ስራሕ ኣይኮነን።

 እቲ መሰጋገሪ  መድረኽ እንበኣር ከም'ቲ እንትምነዮ ክኸውን ስለዘይክእል ካብ ሎሚ ተዳሊና ነተን ምናልባታት ብልክዕ ኣንቢብናን ተዳሊናን ምጽናሕ ከድልየና እዩ፡ እዚ ክንገብር እንተዘይበቒዕና ግና ነቲ ለውጢ ናይ ግድን ድማ ክመጽእ ተጸበይትን ኣብ ሰናይ ድሌት ናይቶም ዝልውጡ ሓይልታት ክንከውን ምዃና ካብ ሕጂ ክርድኣና ይግብእ።  እት ደንበ ተቓውሞ ሓላፍነቱ ክስከም ይግብኦ ብፍላይ እተን ሰልፍታትን ውድባትን። እቲ  ለውጢ ዝደሊ ህዝቢ እውን ኣወንታዊ ግደ ይጻወት ምኽንያቱ ናይቲ ስርዓት ምውዳቕ  ቀሊል እዩ ። እቲ ዝኸበደ እቲ ዝጽበየና ኣብ  ክንድኡ ንእንተኽሎ ን ንምስርቶን ስርዓተ ምሕደራ እዩ።

ኤርትራውያን ኣብ ስራሕቲ ዕንጸይቲ

ናይ ምስሊ መግለጺ ኤርትራውያን ኣብ ስራሓት ዕንጸይቲ

ኣብ ጥሪ 2019 ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ክሰርሑ፡ ክምሃሩ፡ ካብ መዓስክር ወጺኦም ኣብ ድላዮም ክነብሩ፡ ዘፍቅድ ሕጊ ምጽዳቑ ዝዝከር እዩ።

እንተኾነ ዝሓለፈ ረቡዕ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም '21 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ሕጋዊ ናይ ስደተኛታት ወርቐት እንከለዎም ብፖሊስ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ፡ ክልል ትግራይ፡ ተኣሲሮም' ዝብል ሓበሬታ ስለዝበጽሓና ንምጽራይ ፈቲንና።

ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኢንስፔክተር ትኩእ ንጉሰ ግን "ብሽም ኤርትራዊ ተባሂሉ ዝተኣሰረ ሰብ የለን፡ እንተኾነ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ብዘይፍቓድ ዝመጽኡ 21 ኤርራውያን ረኺብና፡ ወረቐት ስለዘይነበሮም ኸኣ ናብ እንዳ ኣራ መሊስናዮም፡ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ዝብሃል ግን ኣየእተውናዮምን" ኢሉ።

ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኢንስፔክተር ትኩእ ንጉሰ ብተወሳኺ፡ "ታሴራ ንዘይብሉ ዋላ ኢትዮጵያዊ ይኹን'ውን ንሓትት ኢና" ድሕሪ ምባል "ዝኾነ ስደተኛ ካብ መዓስከር ወጺኡ ኣብ ዝኾነ ከተማ ንክሓድር እንድሕር መደብ ሃልይዎ፡ ካብቲ መዓስከር ትውሃቦ ወረቐት ኣላቶ።

"ካብ መዓስከር ወጺኡ ኣብ ዝኾነ ክፋል ኢትዮጵያ ናይ ምንባር መደብ ምስ ዝህልዎ ኸኣ ናቱ ኣገባባት ኣለዎ። ካብ ኤርትራ ብቀጥታ መጺኡ ኣብ መዓስከር ከይኣተወ ኣብ ከተማታት ዝነብር ዘሎ ኸኣ፡ ካብቲ ዝነብሮ ዘሎ ምምሕዳር ወረቐት ኣውጺኡ ዝነብረሉ ኣገባብ እዩ ዘሎ" ኢሉ።

ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኢንስፔክተር ትኩእ ንጉሰ፡ "ሰትዮም ክርብሹ ንሕዞም ኣለዉ፡ ኤርትራውያን ብምዃኖም ግን ኣይኮነን" ኢሉ።

ካብ ትካል ምምሕዳር ጉዳይ ስደተኛታት (ARRA) ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ብኽልተ ኣገባባት ካብ ማዓስከር ወጺኡ ኣብ ኢትዮጵያ ክንቀሳቐስን ክሰርሕን ከምዝኽእል ይሕብር።

እቲ ቀዳማይ፡ ካብ መዓስከር ወጻኢ ኢትዮጵያዊ ኮነ ግዝያዊ ፍቓድ መንበሪ ዘለዎ ዜጋ ካልእ ሃገር፡ ንሓደ ኤርትራዊ ሓላፍነት ወሲዱ ከንብሮ ዝኽእል እንተኾይኑ፡ ተዋሒሱ ከውጽኦ ይኽእል እዩ።

ሰባት ናብ ኤውሮጳ ካብ ምኻድ ክቑጠቡ ዘዘኻኽር ፖስተር ኣብ ኢትዮጵያ

ኣብዚ እቲ ኤርትራዊ ቅድሚ ምውጽኡ፡ ን45 መዓልታት ኣብቲ መዓስከር ዝጸነሐ ክኸውን ኣለዎ፡ ዝብል ክኸውን እንከሎ።

እቲ ካልኣይ ዋሕስ ዝኾኖ ዘይረክብ ግን ድማ፡ ካብቲ መዓስከር ወጺኡ ክንቀሳቐስ ዝደሊ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ናብቲ ዝደለዮ ክኸይድ ንክልተ ኣዋርሕ ፍቓድ ይወሃቦ። ፍቓድ ከምዝተወሃቦ መረጋገጺ ሕጋዊ ወረቐት ክሕዝ ኸኣ ይግበኦ ይብል።

ነታ ዝተወሃበቶ ወረቐት እናሕደሰ ክንቀሳቐስን ክሰርሕን ይኽእል፡ ካብ ትግራይ ወጻኢ ዘሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዘሕድስን፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ድማ ኣብ ሽረ ከይዱ ከሐድስ ከምዝኽእልን ከኣ እቲ ሓበሬታ የብርህ።

ካብዘን ዝተሓበራ ክልተ መምርሒታት ወጻኢ ግን፡ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ወጺኻ ምንቅስቓስ ኣይከኣልን። ብዘይፍቓድ ክንቀሳቐስ ዝተረኸበ ናብቲ መዓስከር ክምለስን ሕጋዊ ኣገባብ ክኽተል ይግበር ድሕሪ ምባል፡

"እቶም ኣብ ሽረ ክንቀሳቐሱ ፖሊስ ዝረኸቦም 21 ኤርትራውያን ሕጋዊ ፍቓድ ኣይነበሮምን። ፍቓድ እንተዝህልዎም እሞ፡ ፖሊስ እንተሒዝዎም ሕጋዊ ኣይኸውንን። ሕጋዊ ፍቓድ ስለዘይነበሮም ናብ ቤት-ጽሕፈት መተሓባበሪ ስደተኛ ኣምጺኡዎም፤ ንሕና ድማ ናብቲ መዓስከር ተመሊሶም ሕጋዊ ኣገባብ ክኽተሉ ምዒድና ልኢኽናዮም ኣለና" ዝብል ሓበሬታ ረኺብና።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-50528170

ኤርትራውያን ኣብ ስራሕቲ ዕንጸይቲ

ናይ ምስሊ መግለጺ ኤርትራውያን ኣብ ስራሓት ዕንጸይቲ

ኣብ ጥሪ 2019 ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ክሰርሑ፡ ክምሃሩ፡ ካብ መዓስክር ወጺኦም ኣብ ድላዮም ክነብሩ፡ ዘፍቅድ ሕጊ ምጽዳቑ ዝዝከር እዩ።

እንተኾነ ዝሓለፈ ረቡዕ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም '21 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ሕጋዊ ናይ ስደተኛታት ወርቐት እንከለዎም ብፖሊስ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ፡ ክልል ትግራይ፡ ተኣሲሮም' ዝብል ሓበሬታ ስለዝበጽሓና ንምጽራይ ፈቲንና።

ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኢንስፔክተር ትኩእ ንጉሰ ግን "ብሽም ኤርትራዊ ተባሂሉ ዝተኣሰረ ሰብ የለን፡ እንተኾነ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ብዘይፍቓድ ዝመጽኡ 21 ኤርራውያን ረኺብና፡ ወረቐት ስለዘይነበሮም ኸኣ ናብ እንዳ ኣራ መሊስናዮም፡ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ዝብሃል ግን ኣየእተውናዮምን" ኢሉ።

ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኢንስፔክተር ትኩእ ንጉሰ ብተወሳኺ፡ "ታሴራ ንዘይብሉ ዋላ ኢትዮጵያዊ ይኹን'ውን ንሓትት ኢና" ድሕሪ ምባል "ዝኾነ ስደተኛ ካብ መዓስከር ወጺኡ ኣብ ዝኾነ ከተማ ንክሓድር እንድሕር መደብ ሃልይዎ፡ ካብቲ መዓስከር ትውሃቦ ወረቐት ኣላቶ።

"ካብ መዓስከር ወጺኡ ኣብ ዝኾነ ክፋል ኢትዮጵያ ናይ ምንባር መደብ ምስ ዝህልዎ ኸኣ ናቱ ኣገባባት ኣለዎ። ካብ ኤርትራ ብቀጥታ መጺኡ ኣብ መዓስከር ከይኣተወ ኣብ ከተማታት ዝነብር ዘሎ ኸኣ፡ ካብቲ ዝነብሮ ዘሎ ምምሕዳር ወረቐት ኣውጺኡ ዝነብረሉ ኣገባብ እዩ ዘሎ" ኢሉ።

ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኢንስፔክተር ትኩእ ንጉሰ፡ "ሰትዮም ክርብሹ ንሕዞም ኣለዉ፡ ኤርትራውያን ብምዃኖም ግን ኣይኮነን" ኢሉ።

ካብ ትካል ምምሕዳር ጉዳይ ስደተኛታት (ARRA) ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ብኽልተ ኣገባባት ካብ ማዓስከር ወጺኡ ኣብ ኢትዮጵያ ክንቀሳቐስን ክሰርሕን ከምዝኽእል ይሕብር።

እቲ ቀዳማይ፡ ካብ መዓስከር ወጻኢ ኢትዮጵያዊ ኮነ ግዝያዊ ፍቓድ መንበሪ ዘለዎ ዜጋ ካልእ ሃገር፡ ንሓደ ኤርትራዊ ሓላፍነት ወሲዱ ከንብሮ ዝኽእል እንተኾይኑ፡ ተዋሒሱ ከውጽኦ ይኽእል እዩ።

ሰባት ናብ ኤውሮጳ ካብ ምኻድ ክቑጠቡ ዘዘኻኽር ፖስተር ኣብ ኢትዮጵያ

ኣብዚ እቲ ኤርትራዊ ቅድሚ ምውጽኡ፡ ን45 መዓልታት ኣብቲ መዓስከር ዝጸነሐ ክኸውን ኣለዎ፡ ዝብል ክኸውን እንከሎ።

እቲ ካልኣይ ዋሕስ ዝኾኖ ዘይረክብ ግን ድማ፡ ካብቲ መዓስከር ወጺኡ ክንቀሳቐስ ዝደሊ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ናብቲ ዝደለዮ ክኸይድ ንክልተ ኣዋርሕ ፍቓድ ይወሃቦ። ፍቓድ ከምዝተወሃቦ መረጋገጺ ሕጋዊ ወረቐት ክሕዝ ኸኣ ይግበኦ ይብል።

ነታ ዝተወሃበቶ ወረቐት እናሕደሰ ክንቀሳቐስን ክሰርሕን ይኽእል፡ ካብ ትግራይ ወጻኢ ዘሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዘሕድስን፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ድማ ኣብ ሽረ ከይዱ ከሐድስ ከምዝኽእልን ከኣ እቲ ሓበሬታ የብርህ።

ካብዘን ዝተሓበራ ክልተ መምርሒታት ወጻኢ ግን፡ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ወጺኻ ምንቅስቓስ ኣይከኣልን። ብዘይፍቓድ ክንቀሳቐስ ዝተረኸበ ናብቲ መዓስከር ክምለስን ሕጋዊ ኣገባብ ክኽተል ይግበር ድሕሪ ምባል፡

"እቶም ኣብ ሽረ ክንቀሳቐሱ ፖሊስ ዝረኸቦም 21 ኤርትራውያን ሕጋዊ ፍቓድ ኣይነበሮምን። ፍቓድ እንተዝህልዎም እሞ፡ ፖሊስ እንተሒዝዎም ሕጋዊ ኣይኸውንን። ሕጋዊ ፍቓድ ስለዘይነበሮም ናብ ቤት-ጽሕፈት መተሓባበሪ ስደተኛ ኣምጺኡዎም፤ ንሕና ድማ ናብቲ መዓስከር ተመሊሶም ሕጋዊ ኣገባብ ክኽተሉ ምዒድና ልኢኽናዮም ኣለና" ዝብል ሓበሬታ ረኺብና።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-50528170

እዛ ምስላ እዚኣ ንልቦና ወለድና እተንጸባርቕ ፍትሓዊ ብቕዓት እትገልጽ ሓረግ‘ያ።

ዳኛ ማለት ሕጊ ተኸቲሉ ኣብ መንጎ ዓማጽን ተዓማጽን ሰሚዑን መርሚሩን ግቡእ መልሲ ወይ ውሳኔ ብምሃብ ንሰላምን ፍቕርን ዘውሕስ ብህዝቢ ዝተሾመ  ኣመሓዳሪ ዓዲ‘ዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ድማ‘ዩ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዓልታዊ ሂወቱ ብዘጋጥም ዓመጽ ዝባን ሕጊ እናበሎ ብምግዛትን፡ ተገዛቲ‘ውን ብዘይዕጻይ-ምጻጻይ ይዕበ ይንኣስ ስርሑ ገዲፉ ስርዓት እናመልአ ብሰላም ዝነብር ዝነበረ።

እቲ ዘገርም እቲ ብሕጊ እንዳተመሓደረ ብሰላም ናይ ምንባር ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ባዕዳውያን እንከሎ‘ዩ ብዘይጸገም ዝጥቀመሉ ዝነበረ። በዚ ዓይነት ኣገባብ መነባብሮ ሂወቱ ብምምራሕ፡ ርሓቕ ቅረብ ዝብል ብረት ዝዓጠቐ ይትረፍ ዓይኑ ኣፍጢጡ ዝጥምቶ ዘየብሉ፡ ብብርሃን ቀትሪ ብጸልማት ለይቲ ብሰላም ወፊሩ ብሰላም እናኣተወ ቅሳነት ዝሰፈኖ ሂወት ዘሕልፍ ዝነበረ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰላምን ቅሳነትን ዝፈጠሮ ፍቕሪ ድማ‘ዩ ኩሉ ግዜ እናተበራረዩ ንዝመጹ ባዕዳውያን መግዛእቲ ኣብቂዑ፡ ባዕሉ ሃገሩ ንክመርሕ ዝዕላምኡ ናይ ነጻነት መሰል ግቡእ መልሲ ንምርካብ ብሰላም ሓቲቱ ስለ ዘይተመለሰሉ ብረት ከልዕል ዝተገደደ።

ኣብዚ ብንጹር ክቕመጥ ዘለዎ ሓቂ እምበኣር፡ ህዝቢ ኤርትራ ምሕደራ ባዕዳውያን ጸራሪጉ፡ ሃገሩ በቲ ፍቱን ፍትሓዊ ስርዓተ-ሕጊ እናተመሓደረ ተጠቃሚ ጸጋ ሃገሩ ክኸውን እምበር፡ መደበር ውሑዳት ሸፋቱ ንምዃን ሕልሚ ኣይነበሮን። ምእንትዚዩ‘ውን ካብ ውላዱን ሂወቱን ሓለፋ ኩሉ ዝከኣሎ ምእንቲ ነጻነት ዝኸፈለን፡ ነታ ኣብ ኣእምሮኡ ቀሪጹዋ ዝነበረ ድሕሪ ነጻነት እትገሃድ  ወይ እትበርቕ ብርሃን ጸሓይ እናኣማዕደወ ክሳብ ነጻነት ዝተቓለሰ። ይኹን‘ምበር እታ ዝተጸበያ ምልእቲ ነጻነት ብሰንኪ ሓሳዳት መኣዝና ስሒታ፡ ጻማ ዝግብኦ ህዝባ ኣብ ክንዲ ዝርህዎን ዝቐስንን ኣብ ዘይውዳእ ስቓይ መከራን ሓዘንን ስደትን ምሕርቃም ኣስናንን ወዲቑ ዝርከብ ዘሎ።

እዚ ዘሎናዮ ሃለዋት ግን ንፍሉያት ወገናት ኣጸጊዕካ ጥራሕ ዝሕለፍ ከም ዘይኮነ፡ ንምስላ ኣቦታት ብምጥቃስ ከብርሆ ክፍትን እየ። ንሱ ከኣ ‘‘ተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቝሎኣ ከላ እፈልጣ ዝብል ብሂል ንኩሉ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ቅድሚ ዓይኑን ዝፍጸም ገበናት ንጠቕሙ ከም ዘይኮነ እናረኣዮ ንክሳቐ ዝፈቐደ ባዕሉ ህዝቢ ምዃኑ ኣሉ ዘይበሃል ሓቂ‘ዩ።

ገለ ካብቲ ክርእዮ ዝነበሮ በደላት ንምጥቃስ፡-

1 - ብዘይህዝባዊ ምርጫ ኣብ ስልጣን ምድያብ፥

2 - ብዘይሃገራዊ ቅዋም ምምራሕ፥

3 - ዝኾነ ናይ መሰል ሕቶ ብሓይሊ ምፍትሑ፥

4 - መሰረት እንታይነትና ዝኾነ ሃይማኖታዊ እምነትና ምድፋር፥ መሰረት ምዕብልና ሃገር ዝኾነ ዩኒቨርሲቲ  ምዕሳው፥

5 - ኩሉ ዓይነት ክብርን መሰልን ዜጋታት ምርጋጽን ምዕፋንን።

እዚ ኩሉ ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ሃገር ምንባር ማለት ርእሱ ኣብ ዝተቖርጸ ሰብ ጥዕና ኣለዎ ኢልካ ካብ ምሕሳብ ዝፍለ ኣይኮነን።

እዚ 28 ዓመታት ነጻነት እምበኣር ናብዚ መገዲ‘ዚ ገጹ ይጐዓዝ ምንባሩ ዘመልክት፡ ንማንም ዘየደናግር መደብ ኣዕናዊ ፖሊሲ መንግስቲ ሳሕል እዩ። እዚ ብደም ንጹሃት ምሁራት እናተመገበ ዝዓበየ ሳጥናኤል ዓራርብ ብዝፈጸሞ ናይ 30 ዓመታት ሕቡእ ገበን፡ ኣብ ሰላም ዝሰፈና ቅስንቲ ኤርትራ ከንብሮ ከም ዘይክእል ስለ ዝተረድአ፡ ኣብ ንሱ ዝመርሓ ሃገር ፍትሒ ዝማእከሉ ስርዓተ-ምሕደራ ከፍቅድ ዘይሕሰብ‘ዩ። ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብ ኣስመራ ኣብታ ዓዲ ፍትሕን ርትዕን ዝኾነት ርእሰ-ከተማ ሃገርና ተቐሚጡ ክመርሕ፡ ሰብኣዊ ሞራልን ሕጋዊ ብቕዓትን ዘይተዓደለ ሓሳድ ፍጡር‘ዩ።

ኢሳያስ ንቅዋም ከም መልኣከሞት ስለ ዝፈርሃ፡ ምእንቲ ክነብር ንሕጊ ክቐትላ ነቶም ኣቐዲሞም ዝፈለጥዎ ዘገርም ኣይኮነን። ኣቲ ዘገርምስ ናይቶም ቅዋም ሞይታ‘ያ እናበሎም ኣዒንቶም ዓሚቶም ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና እናዘመሩ ኣብ ዕንወት ህዝቢ ኤርትራ ዝሳተፉ ዘለዉ ደገፍቱ‘ዮም። በቲ ይኹን በዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድሕሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ሓድሽ ምዕብልናን ምምጻእ ዶክቶር ኣቢ ኣብ ስልጣንን ዝተጋህደ ንኤርትራ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ምስጢር ስለ ዝተረድአ፡ ‘‘ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ‘‘  ከም ዝበሃል ክንዮ‘ዚኸ እንታይ ክንጽበ ብማለት ይኣክል ክብል በቒዑ‘ሎ። ይኣክል ማለት ከኣ ይኣክል ንዝሓለፈ ስቓይ፡ ይኣክል ንዘይቅዋማዊ ምሕደራን ግዱድ ዕስክርናን ኢሰብኣዊ ማእሰርትን መጭወይትን፡ ይኣክል ንብርሰትን ስደትን ውርደትን ስቓይን፡ ይኣክል ንፍርሕን ስቕታን ንነብሰይ ይጥዓመንን ዘጠቓልል ዓሚቝ መልእኽቲ ዘለዎ ኃይለቃል እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ኩሉ ኣብ ፍትሓዊ ምሕደራ ረብሓ ዘለዎ ኤርትራዊ ብዘይኣፈላላይ ሃይማኖ ዓሌት ጾታ ዕድመ፡ ሓቢሩ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ምክያድ ተጸሚዱ ምህላዉ ተስፋ ዝህብ ተበግሶ‘ዩ። እዚ ተበግሶ‘ዚ ውጽኢት ዝህልዎ ግን፡ ኣቦታትና መራሕቲ ሃይማኖትን ናይ ፖለቲካ እሱራትን ይፈትሑልና፡ ቅዋም ይተግበር ኢልካ ምሕታትን ምምሕጻንን ዘይኮነስ፡ ነቲ ጸረ‘ዞም ዝሕተቱ ዘለዉ ኣምራት ዝኾነ ገፋዒ ስርዓተ-ሸፋቱ ንምእላይ ተባዕን ሓባራውን ስጉምቲ ምውሳድ‘ዩ ዝግባእ። ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብሰላማዊ ሰልፊ ዝካየድ ዝድገፍኳ እንተኾነ፡ ንኩሉ ዘማእክልን ንውሽጥን ንደገን ዘተኣሳስር ኣብ ኩሉ ዓለም ንህዝቢ ኤርትራ ወኪሉ ዝዛረብ ኣካል ክሳብ ዘየቖምና፡ ንእንደልዮ ዕላማ ንምውቃዕ ኣኻሊ ኣይኮነን።

ጕሒላ ኢሳያስ ስልጣኑ ንምንዋሕ ጫማ ዶክቶር ኣቢ ስዒሙ እገዳ‘ኳ እንተኣፍትሐ፡ ብጠቕሚ ዝዓሰቦም ከም ኣቡነ ሉቃስ ዝኣመሰሉ ኣዋፊሩ ክሰብኽ እንተፈተነ፡ ነቲ ተሓቢኡ ዝገብሮ ዝነበረ ኣብ ቃልዕ ኣውጺኡ ዘጋልጾ እምበር ንምንዋሕ ስልጣኑ ዝሕግዝ ኣይኮነን። ንቀጻልነት ስልጣኑ ዘናውሕስ ዘይጥርኑፍ ኣሰራርሓናን ቀባጽ ስጉምቲ ዘይምውሳድናን ምዃኑ ተረዲእና፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቅባጹ ብሓደ ክንሰርሕ እዋናዊ ሕቶና ይኹን። ኣብዚ ሃገርና ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ትርከበሉ ዘላ እዋን፡ ከምቲ ጥዑም ሙዚቃ ሰሚዑ ዘይንቀሳቐስ ሰብ ፍጹም ተንኮለኛ  ወይ ድማ ጸማም ጥራሕ‘ዩ ክኸውን ዝኽእል ዝበሃል፡ ኣብዚ የለኹ ኣብቲ የለኹ ዝብል ኤርትራዊ ዜጋ፡ ኣካላዊ ህልውና ጥራሕ ዘለዎ ስለ ዝኾነ ምስ ምዉታት ምቝጻሩ ገበን ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ንምድጋፍ ንዘይሕባእ ገበኑን ክሽፍኑ ዓለም ዝኸዓቦ ፍንፉን ኣሰራርሓ ኢሳያስ ከጸባብቑ ናይ ሓሶት ምስክር ዝህቡ ከም ኣባ ሉቃስን መሰነይትኦምን፡ ንእኦም ቃለ መሓትት ዝገበረ ናይ ጋዜጠኛ ሓላፍነት ብዝግባእ ዘይተጠቕመ ጋዜጠኛ ተወልደ ወልደገብርኤል ዝመስሎምን ዝኣመኑሉን ክዛረቡ መሰሎም እኳ እንተኾነ፡ ንከምዚ ዝኣመሰለ ዓለም ብዓለማ ዝፈለጠቶን ዝተዛረበትሉን ግሁድ ሓቂ ከም ዘየሎ ምግላጾም፡ ንሓዝነሎም እምበር ካልእ ኣይንብልን። እንተንስርዓት ህግደፍ ግን ካብ ውድቀት ከድሕንዎ ከም ዘይክእሉ ክርድኡ ንመኽሮም።

በዚ ኣጋጣሚ ንኩሉ ምንቅስቓስ ይኣክል ብሓፈሻ፡ ነቲ ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ብኣዝዮም ብዙሓት ስእሊ ብጹእ ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ተሰኪሞም ኣፍ ልቦም ገቲሮም ንሕና ምስ ኣቦና ዝብል ብመራሕቲ ሃይማኖት ተመሪሑ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ዋሺንግቶን ድማ ብፍላይ፡ ክብርን ኣድናቖትን ከይሃብኩ ክሓልፍ ኣይደልን።

ቃልሲ ውጹዓት ክዕወት ናይ ግድን‘ዩ!

ርእሲ ዓማጽን መሰልቱን ክደንን‘ዩ!

ዓወትን ነባሪ ሰላምን ንህዝብና!

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን 

ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ (EMM) ብዕለት 17 ሕዳር 2019 ብኣማእት ዝቑጸሩ ደለይቲ ፍትሒ ተቐማጦ ሎንዶን ዝተሳትፍዎ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ኣሰላሲሉ። እዚ ብኣካያዲት ሽማግለ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዝተጸውዐ ቀዳማይ ሓፈሻዊ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ንክልተ ምኽኒያታት ኢዩ ኔሩ። እቲ ቀዳማይ ኣካያዲት ሽማግለ ናይ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጸብጻብ ስራሓ ናብ ህዝቢ ከተቕርብ ስለዝደለየትን እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ህዝቢ ምኽርን ሓሳብን ክትወስድ ስለ ዝሓሰበትን ኢዩ። ስለዚ ድማ፡ ፕሮግራም ኣኼባ ኣብዘን ክልተ ነጥቢታት ዝጸመደ ኮይኑ  ቀጺሉ።

ኣብ መጀመርታ ከይዲ'ቲ ኣኼባ፡ ካብ ህዝቢ ርእይቶታት ዝእክበሉ፡ ንኹሉ ተሳታፋይ ኣኼባ ናብ 8  ናይ ክትዕ ጉጅለታት ብምምቃል፡ ኩለን ጉጅለታት ተኻቲዐን ብሱል ሓሳባት ንኸቕርባሉ ኣርእስተ-ጉዳያት ተዋሂብወን። ካብ ውሽጠን ብዝመረጽኦ ሰብ ኣቢለን ድማ ዝተጸምቈ ሓሳብ ኣቕሪበን። በዚ ኣቢላ፡ ኣካያዲት ሽማግለ ካብ ተሳታፋይ ህዝቢ ኣብ ስራሓ ዝጠቕማ ኣገደስቲ ሓሳባት ክትምዝግብ ኪኢላ። በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ፡ ህዝቢ ናይ ዋንነት ስምዒት ኣብ ዝኸይድ ዘሎ ቃልሲ ከምዝሓድሮ ክገብር ዘኽኣለ ኣስራርሓ ኢዩ ነይሩ።

ጸብጻብ ስራሕ ኣካያዲት ሽማግለ፡ ብመራሒኣ ሓው ዳኒኤል ቦኽረ ቀሪቡ።

ምስቲ ዘሎ ክቱር ድሊታትን ትጽቢታትን ኣብ ለውጢ ዝተሰርሐ ስራሓት ንኡስ ዝመስል’ኳ እንተኾነ፡ ብመንጽር ዝነበረ ኣበጋግሳን ዝገጠሞ ብድሆታትን ክረአ እንከሎ ግና፡ ዝተሰርሐ ስራሓት ኣዚዩ ተስፋ ዝህብ ከምዝኾነ ዝከሓድ ኣይኮነን። ሓያለይ ብዘይ ብኦም ንቅድሚት ክትከይድ ዘይትኽእል ስረሓት እዮም ተዓሚሞም።

መራሒ ኣካያዲት ሽማግለ ሓው ዳንኤል ቦኽረ ኣብቲ ነዊሕ ጸብጻቡ ንኣምር ህዝባዊ ናዕቢ ኣብሪሁ፡  ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተሰርሑ ጉዳያት ገሊጹ፡ ኣብ ስራሖም እናተሞርኮስሎም ዝመጹ ኣካላትን ንመጻኢ ትኹረት ዝህብዎም ጉዳያትን ኣብሪሁ።

ህዝባዊ ናዕቢ፡ ንኹሎም "ይኣክል" ኢሎም ብቁጥዐ ዝተበገሱ፡ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊን ማሕበራውን ዝምባሊታት ክህልዎም ዝኽእል ዜጋታት ዘካተተ፡ ንምልካዊ ስርዓት ኣልጊስካ ሃገርና ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ዝነገሳ ንምግባር ዝኸይድ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ከም ዝኾነ ኣብሪሁ።

ብደረጃ ዓዲ እንግሊዝ ባይቶ ይኣክል ቆይሙ፡ ኣብ ስራሕ ተጸሚዱ ከምዘሎን፡ ብደረጃ ኤውሮጳ ሓቢርካ ክስርሕ ዝኽእል ጅማሮ’ውን ተበጋጊሱ ከምዘሎ ተሓቢሩ። እቲ ቀንዲ ክትኮረሉ ዘለዎ ግን፡ ኩሉ እንነብረሉ ከባቢ ከም ናይ ቃልሲ ቦታ ቆጺርና ኣብኡ ከም እነድምዕ ምግባር ኢዩ። ሽዑ ጥራይ ኢዩ እቲ ዝፍጠር መላግቦታት ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል ኢሉ።

ባይቶ ይኣክል ሎንዶን ኣብ ስራሑ ትኹረት ሂብዎም ካብ ዝጸንሑ ክፍልታት፡ ናይ ዕድመ ጸጋ ዘለዎም ምኩራት፡ ምሁራት፡ ክኢላታት፡ ደቀ-ኣንስትዮን መንእሰያትን ነይሮም። ምስኣቶም እንካን-ሃባን ብምብህሃል ስራሑ ከቃልልን ክሳልጥን በቒዑ ኢዩ። በቲ ካልእ መዳዩ ድማ እዚ ሕጂ መንእሰይ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ መቐጸልታ ናይቲ ኣያታቱን ወለዱን ዘካይድዎ ዝነበሩን ዘለዉን ከምዝኾነ ኣሚኖም፡ ኣብ መጻኢ’ውን ምስ ሰብ ጸጋ ዕድመን ምኩራትን ሓቢሮም ምስራሕ፡ ንሞያእም ሞሳ ከም ምሃብ ኣብ ርእሲ ምቑጻሩ፡ መርኣያ ናይ ወለዶታት ምውርራስ  ከምዝኾነ እዩ ‘ውን ዘመስክር።

ደቀ-ኣንስትዮ ርእሰን ወዲበን ንምንቅስቓስ  "ይኣክል" ኣብ ሎንዶን ዝህቦኦ ዘለዋ ኣገልግሎት፡ ዝገብረኦ ዘለዋ ምትብባዕ ካብ ዓይኒ ዝኾነ ተዓዛባይ ክሕባእ ዘይክእል ኢዩ። ክጎያ ዝኽእላ ዝተማህራ ውፍያት መንእስያት ምርኣይ ተስፋ ዝህብ እዩ። ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መድያት ዝለዓለን ዝሰፍሐን ምእንቲ ክኸውን ተሳተፍቲ ኣኼባ ሓደ ካብ ዝተዛረብሉን ሃብታም ሓሳባት ንኣካያዲት ሽማግለ ካብ ዘቕረብሉን ጉዳያት ነይሩ።

ዓንዲ-ሕቆ ናይዚ ምንቅስቓስ መንእስያት ኢዮም። ከተማ ሎንዶን ኣብ ኣርባዕተ ዞናታት ከፊሎም፡ መንእሰያት ዝበዝሕዎም ጉጅለታት ምውዳብ ይኸይድ ኣሎ። ገሊአን ናተን ዝምእክለን ሽማግለ ኣቑመን ኣለዋ። ገለ ድማ ቆጸራ ዝሓዛ ኢየን። ዕላማ ናይዚ ውደባዚ፡ 1) ነቲ ስራሕ ተመቓቒልካ ንምዕማም 2) ውዳበኻ ንምስፋሕን ብቕዓት ንምድላብን 3) ድማ መንእስያት በብዘለዉዎ ከምዝላለዩ ንምግባርን ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ንምፍጣርን እዩ።

መራሒ ኣካያዲት ሽማግለ፡ ኣብ ጸብጻቡ ካብ ዝጠቐሶም ካልኦት ጉዳያት፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ መድያን ብቕዓት መሪሕነትን ዝምልከቱ ነይሮም።

ጉዳይ መዲያ ብዝምልከት፡ ምስ ኣብቲ ሜዳ ዝዋስኡ ሰብ ሞያ ወይ ኣፍልጦ ዘለዎም፡ ክልተ እዋን ዓውደ-ስራሕ ተኻይዱ ከምዝነበረን፡ ነቲ ስራሕ ሓገዝቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ሓሳባት ተዋህሊሎም ከምዘለዉን ተሓቢሩ። ነዚ ስራሕ'ዚ እትነጥፈሉ መንእሰይ ሓውቲ ብደረጃ ኣካያዲት ሽማግለ ከምዘላቶ ውን ዝፍለጥ ኢዩ።

ህዝብና፡ ብፍላይ ድማ ንኣሽቱ ደቅና ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት መታን ፍልጠት ክህልዎም ዝሕግዛ መንእስያት ደቀ-ኣንስትዮ ተዋፊረን ከምዘለዋ’ውን ኣብቲ ኣኼባ ክንርዳእ ክኢልና።

ካብ ዝቐረበ ጸብጻብ ክርድኦ ከምዝኸኣልኩ፡ ባይቶ ይኣክል ሎንዶን ኣብ መጀመርያ ክቐውም እንከሎ፡ ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ባርዕ ንዘይምዝሓል፡ ብይኹነልና ዝተመስረተ ኢዩ ነይሩ። መን ካብ መን ይሓይሽ ተባሂሉ ብመጽናዕቲ ዝተበገሰ ኣይነበረን። እዚ ድማ መተካእታ ዘይነበሮ ኣገባብ ኢዩ ነይሩ። ነዚ ምንቅስቓስ ዝምጥኖ መሪሕነት ምፍጣር ዘድሊዮ ከም ዝኾነ፡ መራሒ ኣካያዲት ሽማግለ ኣብ ጸብጻቡ ኣብሪህዎ ኣሎ።

ኩሉ ደላይ ለውጢ ብዘለዎ ዓቕሚ፡ ብናይ ዋንነት ስምዒት  ኣበርክቶኡ ክዕዝዝ እንተኾይኑ፡ ዘላ ኣካያዲት ሽማግለ ድማ፡ ኣሳታፊትን ሰማዒትን ክሳብ ዝኾነት፡ ነዚ ምንቅስቓስ ዝምጥን ኣመራርሓ ክትህብ ዘጸግማ ኣይክኸውንን ኢዩ።

በቲ ካልእ ሸነኽ ውን፡ እቲ ናይ ምክፍፋል ስራሕ ገይራ እትኸዶ ዘላ ኣገባብ፡ መራሕቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ዝልለይሉ መስርሕ ስለዝኾነ፡ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ኣካያዲት ሽማግለ ዝሓሸ ውጽኢት ከም ዝህልዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ንምጥቕላል ዝኣክል፡ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ኩሉ ዝተሓጎሰሉ ኣኼባ እዩ ነይሩ። ሱታፈ ሰፊሕ፡ ዝቐረበ መልእኽታትን ኣገባብ ኣቀራርብኡን ኣዕጋቢ ነይሩ። ንኣኼበኛ ብልዑል መንፈስ ቃልሲ ክወጽእ ገይርዎ እዩ። እምበኣር ሕጂ እቲ ዝተርፍ፡ ኩሉ ኣካባይ ይኹን ተኣካባይ፡ መራሓይ ይኹን ተመራሓይ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ፡ ኣብ ቃላቱን፡ ስምምዓቱን፡ መብጻዓታቱን ብምጽናዕ ንትግባረኦም ክረባረብ ይግብኦ። ነዚ ክንበቅዕ እንተክኢልና እቲ ለውጢ ኣብ ቀረባና ኢዩ።

ኣሰፋው በርሀ ሎንዶን

ፖለቲካዊ ምምሕዳራት፡ ከም ንጉሳዊ ወይ ዘውዳዊ፥ ረፑብሊካዊ፥ ዲሞክራሲያዊ፥ ውልቀመላኺ፥ ገባቲ ወዘተ ኣብ ዓለምና ካብ ዝተራእዩ ተመኩሮታት እዮም።   ውጽኢት እቲ ተመኩሮታት እቲ እወንታዊ ወይ ድማ ኣሉታዊ  ክኸውን ይኽእል። ማለት እቲ ምሕደራ ርእይቶ ህዝቢ ዝቕበልን፥ ንርእይቶ ህዝቢ ነጺጉ ብናቱ ዝረኣዮ ዝኸይድን ዝጭፍልቕን። ወይ እውን ፍትሒ ኣልቦ ኮይኑ ንውሑዳት ዘገልግል፥ ወይ ድማ ንኹሉ ብማዓረ ዘተኣናግድን ክኸውን ይኽእል።  እዚ ርሑቕ ከይከድና ኣብ ከባቢና ዝገበር ለውጥታት ነቲ ስልጣን ዝቆጻጸር ኣየናይ ደርቢ ኢዩ ኢልካ ምምማይ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ኢዩ።

ከም ኣብነት ኣብተን መብዛሕተአን ሃገራት  ብብረታዊ ቃልሲ ስልጣን ዝሓዛ ውድባት፥ ዳርጋ ኩለን  ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮአን ዲሞክራስያዊ መትከላት ኢየን ሓንጺጸን። ዲሞክራሲያዊ መትከላት ብዘይ ግብሪ ድማ ናይ ኣፍ ጭርሖ እምበር ዘተኣማምን ኣይከውንን። ብፍላይ እቲ ኣብ ሜዳ ዝነበራሉ እዋን ነቲ ዲሞክራሲያዊ መትከላት ብኸመይ የተግብርኦ ነይረንን ኣለዋን ዝያዳ ምርምር ዘድልዮ ይመስል። ምኽንያቱ ኣብ ሜዳ ኣንከሎኻ ዝነበረ ኣተሓሳስባን ስልጣን ምስ ጨበጥካ ዝፍጠር ኣተሓሳስባን ነንበይኑ ይኸውን ስለዘሎ።

ንኣብነት፡ ስርዓት ኢሰያስ ንውድብ ህዝባዊ ግምባር እናመርሐ ዝመጸ፥ ኣብ መትከላቱ ዝነበረ ወርቃዊ ዝኾነ ዲሞክራሲያዊ ሕንጻጻት እንታይ ክወጾ። እቲ ሕቶ ግን ኣብቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረሉ ግዜ ንዲሞክራሲያዊ መትከላት ንምትግባር፥ እቲ ውሽጣዊ ዲሞክራሲ ናይቲ ውድብ ከመይ ነይሩ ኢልና ክነጽንዖ የድሊ። ቅድሚ ናብቲ ውሽጣዊ ዲሞክራሲ ናይ ሓደ ሰልፊ ምእታውና ግና፥ እቲ ውሽጣዊ ዲሞክራሲ ዝበሃል እንታይ ከማልእ ኣለዎ ምጥቃስ ኣገዳሲ እዩ።

ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ወይ ማሕበር ዝግዘኣሉ ሕጊ ወይ ቅዋም ኣለዎዶ። እንተልይዎኸ በቲ ዝሓንጸጾ ሕግን ቅዋምንከ ይግዛእዶ ዝብል መሰረታዊ ዝኾነ ኣምር እዩ። ካብዚ ቀጺሉ ንናይ መሪሕነት ይኹን ተራ ኣባላት ምትሕስሳብን ቁጽጽርን ብግሁድን ብግልጽንዶ ይጥቀማሉ እየን። ኣገባብ ምምራጽ መሪሕነታትንከ ብነጻን ፍጥሃውን ዲዩ ወይ ብሎቢንግ (loby)፥ ድሕሪ መሪሕነት ምምራጽከ እቲ መሪሕነት ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ክሳብ ጨናፍር ናይ ወኸሳታት መስርሕ ይካየድዶ። ኣባላትን፥ መሪሕነትን  ነቲ መደባት ይኹን ፖለቲካ ወይ ራኢ ሰልፊ ንምምዕባል ብሓባር ኮይኖምዶ ይካትዑሉ። ኣብ ቅዋም ይኹን ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ምቅይያራት እንተልዩ ቅድሚ ኣብ ጉባኤ ምውራዱ ኣብዝን ኣብትን ዝተቐየረ ኣሎ ተባሂሉ ይግለጽዶ ወዘተ ዝብል ነጥብታት ዝሓዘለ እዩ። እዚ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ይኹን ኣብ ኩለን እተን ውድባት ኤርትራ ኩሉ’ኳ እንተዘይተባህለ ብመጠኑ ግን ነይሩ እዩ።

ስለዚ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ኣብ ሜዳ እንከሎ ብጉባኤ ዝተመርጸ መሪሕነት ኣኼባ ከይገበረ ይጎዓዝ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን።  ይኹን እምበር ኣብቲ ውሳኔታት እቲ ኣባል መሪሕነት ዝድግፍን ዝቃወምን ክህሉ ናይ ግድን እዩ። እቲ ሽግር እምበኣር እቶም ንኢሳያስ ዝድግፉ ስለዝበዝሑ፥ እቶም ነቲ ውሳኔ ዝቃወሙ  ውሑዳት እንተኾኑ፡ እቲ ዘቕርብዎ ሓሳባት ዋላ ብድምጺ እንተተዓብለለ ርእይቶ ውሑዳት ኣብ ግምት ከይኣተወ ስለ ዝንጸግ እምበር፥ ዘቕርብዎ ሓሳባት ግጉይ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ከምዚ ስለዝኾነ ድማ እቲ ውድብ ይኹን ሰልፊ በቲ መሪሕነት ዝብሎ ተቐበልትን ወይ ሰዓብነትን ብዝኾኑ ባእታት ስለ ዝኽበብ፥ እቲ ዝወርድ ሓሳባት ቅኑዕ ዲዩ ግጉይ ከይተጸንዐ  ተቐባልነት ይረክብ። ውጽኢቱ ድማ ነቲ ናይ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ይኹን ሓሳባት ክበስልን ዝሓሸ ምርጫ ንምውሳድን ስለዝዓግት፥ ምልኪ ሰላሕ እናበለት ሰራውራ ተስፋሕፍሕ። ምኽንያቱ ምድምማጽን፥ ንሓሳባት ብኹሉ ኩርናዑ ኣዳቒቕካ ናይ ምጽጻዩን ተግባር በቶም ንኹሉ ሕራይ እናበሉ ዝኸዱ ስለዝህረም ሰራውር ምልኪ ብቐሊሉ ይዝርጋሕ።

እነሆ ድማ ኢሳያስ፡ ነቶም ኣብ ጐኑ ዝሓዞም ንኡኡ ሕራይ እናበሉ ዝኸዱ ዝነበሩ ተማእዘዝቲ እንተስ ብጥቕሞም ወይ ብሰዓብነቶም  ነታ ምልኪ ኣራጒዶም ህዝቢ ክምዝጭፍጨፍ ገይሮም። እዚ ማለት ህዝባዊ ግምባር ከም ውድብ በቶም መሳርሕን ሓብሓብትን ኢሰያስ ዝነበሩ፡ ንርእይቶ እቶም ኣይፋልኩምን ዝብሉ ዝነበሩ ገሊፎም ምልኪ ስለ ዝደገፉ፥  ፖለቲካዊ ውድባት  ወይ ሰልፍታት ናቱ ኣሰር ኢየን ክሕዛ እሞ ህላዌ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣድላዪ ኣይኮነን ምባል ዓቢ ጌጋ ኢዩ። ኣብ ክንዲ ኣየድልያን ምባል፥ እተን ውድባት ወይ ሰልፍታት እቲ ውሽጣዊ ዲሞክራሲያውነተን የዕቅባን ይሰርሓሉን ዲየን ኢልካ ምምርማርን ምክትታልን ዝበለጸ ምኾነ። ካብዚ ወጻኢ ብዘይ ውደባ  ቅንዑን ኣደናጋርን ባእታ ክትመሚ ኣይከኣልን እዩ።

ንኣብነት እዚ ናይ "ቀውዒ ዓርቢ"  ብዘይካ ኣብ ቱኒዝያ ገለ ዓወት ምጉንጻፉ፥ ኣብተን ካልኦት ብፍላይ ኣብ  ኣፍሪቃ ዘለዋ ሃገራት ማለት ህዝባዊ ማዕበል ዘካየዳ ከም እኒ ኣብ ግብጽን ኣልጀርያን ዝመረጽዎም መራሕቲ፥ ምውሓስ ሰላምን ምርግጋእን ገዲፎም ኣብ ዕገርግር ተወጢሖም፡ ኣብ ክንዲ ቁጠባዊ ዕቤት ይኹን  ፍትሒ ዘረጋግጹ ንምልኪ ዓትዒቶም ሒዞማ ይርከቡ። ስለዚ እቲ ህዝቢ ነቲ ምልኪ ንምልጋስን ኣብ ክንድኡ ንድሌት ህዝቢ ዘማልእ ስርዓት ንምትካልን ህላዌ ፖለቲካዊ ስልፍታት ክኣምንን ክከታተለንን እምበር ክነጽግን ኣይግበኣን። እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ጥራይ ጐልጐል ሆ ምባል ጥራይ፡ ወይ ደሓር ዝኾነ ይኹን ምልኪ ጥራይ ይወገድልና ምባል እንተኮይኑ፡ ሎሚ ኣቐዲምካ ስለ ዘይሓሰብካሉ ዳሕራይ ሰላምን ፍትሕን ምንጋስ ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ከሎ ጋና ምስትውዓል የድሊ።

 

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንንናጽነት ዝተዓወተ፡ ፍትሓዊ ብምንባሩ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እቲ ካልእ ዘዕወቶ መሰረታዊ ረቋሒ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱ ኣደልዲሉ፡ “ዓወተይ ብቃልሰይ” ኢሉ ነቲ ንሰውራኡ ብምሉእ ልቡ ስለ ዝሓቖፎን ዝሓብሓቦን ምዃኑ ካልእ ዘየማትእ ሓቂ እዩ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይዝኾነ ኣፈላላይ ሓድነቱ ኣደልዲሉ፡ ከም መርኣያ በዓል ቤታዊ ሓላፍነቱ ንሰውራኡ፡ ኣዕጢቑ፡ ቀሊቡ፥ ኣዕቊቡን ኣብ ኩሉ ዝተሓቶ ዝሑልን ውዑይን ብዘይተጉላባ ተሳቲፉ። ንተጋደልቲ ደቁ እንተላይ ነዚ ሎሚ ሕማቕ ዝፈድዮ ዘሎ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣዕንጊሉ፥ ኣገዳሲ ሓበሬታ ሂቡ፡ ኣብ ኢድ ጸላኢ ከይወድቑ በጃ ኮይኑ፡ ንብረቱ ጥራይ ዘይኮነ “ንቃልሲ የድሊ እዩ” ክበሃል እንከሎ ንደቁ እውን መሪቑ ኣሰሊፉ። እዚ ክገብር እንከሎ ኣብ ምዕዋት እቲ ሰውራ፡ ኮነ ኣብ ተጠቃምነት ናይቲ ፍረ መስዋእቲ፡ ንሱ በዓል ቤትን ቀንዲ ተጠቃምን ክኸውን ምሉእ ዕግበትን እምነትን ስለ ዝነበሮ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብዘይመሪሕ ውድብ ወሳኒ ዓወት ከምዘይምዝገብ ይርዳእ ስለ ዝነበረ እዩ ንውድባቱ ከም ብሌን ዓይኑ ዝረኣየን። ከም መርኣያቲ ንውድባቱ ዝነበሮ ፍቕርን ኣኽብሮትን ከኣ ንመራሕተን እውን ሓብሒቡን ኣተባቢዑን። በጃ እውን ሓሊፉ። ኣብዚ መዳይዚ ኣረዳድኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ቅኑዕ ነይሩ። ቅንዑነቱ ኣረዳድእኡ ከኣ ዝኸፈሎ ከቢድ ዋጋ ኣብ መዓላ ውዒሉ ብርሃን ናጽነት ብምርኣዩ ተረጋጊጹ እዩ።

ኢሳይያስን ጉጅለኡን ከምቲ ብተግባር ዝተራእየ፡ ብህዝቢ እንተዘይተሓቚፎም ክዕወቱ ከም ዘይክእሉ ይፈልጡ ነይሮም። በዚ መሰረት ኢሳይያስ እዚ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓቛፊ ኣበርክቶ ከይበኹሮ እሞ ካብ ማይ ዝወጸ ዓሳ ከይከውን፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ሕግብግብ ኢሉ።  ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ካብ ፈቓድ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይወጽእ መሲሉ ብምቕራብ ከኣ ብዙሕ ደሓር ዝተጠልመ መብጸዓታት ኣትዩ ምቁር ጭረሖታት’ውን ጨሪሑ። እንተኾነ እቲ ሽዑ ዝኣተዎ መብጸዓታት ናይ ጉርሕን ሓሶትን እምበር ናይ ልቡ ከምዘይነበረ፡ ካብ ዝቃላዕ ከኣ እነሆ ናብ 30 ዓመታት ዝገማገም ናይ ጥልመት ተመኩሮኡ ባዕሉ ይዛረብ። ስለዚ ኣብቲ ናይ ግዜ ሰውራ ዝነበረ ዝምድና ህዝብን ኢሳይያስን፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ እምነት ካብ ቅንዕና ዝነቅል ግርህና ዝጸለዎ ምንባሩ፡ ናይ ኢሳይያስን ውሑዳት መኻይድቱን ኣካይዳ ከኣ ናብ ክድዓት ብዝማዕበለ ሰራም ጉርሒ ዝተፋሕሰ ምንባሩ እንሆ ሎሚ ከም ጸሓይ ቀትሪ ኮለል ኢሉ በሪሁ።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብግርህነቱ ኣብዚ ሕጂ ወዲቕዎ ዘሎ ከም ዝወደቐ ብግቡእ ተረዲኡ እዩ። ዲክታቶር ኢሳይያስ እውን እቲ ካብ ቀደም ጀሚሩ ህዝቢ ንምዕሻው ዝኣለሞ መፈንጠርያ ከምቲ ዝሓሰቦ ከም ዝኾነሉ ብዘይሕፍረት ነቲ ዝኣትዎ ዝነበረ መብጸዓታት ብዝጻረር፡ ዓው ኢሉ ኣብ ዝዛረበሉ ደረጃ ኮይኑ፡ ዝጠማመቱ ዘለዉ ኣካላት እዮም። ኢሳይያስ ግና እምብዛ ዘይሓፍር፡ ዓይኒ ከንቁር ድሕር ዘይብል ሓሳዊ ብምዃኑ ከምቲ “ምብላዕካ ዝለመደስ ክርእየካ እንከሎ የባሁቕ” ዝበሃል፡ ሕጂ እውን “ደጊምስ ጉርሐይን ተንኮለይን ተቓሊዑ እዩ” ኢሉ ኣይዓረፈን። ነቲ ስጋኡ ግሂጹ ዝወደኦ ህዝቢ፡ ዓጽሙ ክቑርጥሞ ከንባህቑ ይውዓል ኣሎ። ከም መርእያ ናይቲ ዘይውዳእ ምትላሉ ከኣ ክሳብዚ ቀረባ ግዜ ዘይነድፎ ሕገምንግስቲ ክነድፍ እየ፡ ንዘይሓርሶ ብሮጀክቲ ሕርሻ ክትልም እየ፡ ንዘየዕብዮ ቁጠባ ከማዕብሎ እየ፡ ….. ወዘተ ዝብሉ ናይ ሓሶት መብጸዓታት ክኣቱ ጸኒሑ። ኣብዚ መወዳእታ ግና ኩሉቲ ዝርካቡ ትንፋስን ውሕስነትን ዘይነበሮ ትካላቱ እንተላይ ነቲ ህግዲፍ  ዝብሎ ሰልፊ ድዩ ውድብ፡ ጸጸግዑ ኣትሒዙ ካብቲ ናይ ሓሶት መንዝሒ ሚድያኡ እውን ህልም ኢሉ ጠፊኡ።

እንዳወዓለ እንዳሓደረ ብፍላይ ናጽነት ኤርትራ ሒደት ዓመታት ምስ ሰጐመ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ንሳቶም ብገርሂ እቲ እኩይ ዲክታቶር ግና ብጉርሒ ይኸዱ ምንባሮም ተርዲኦም እግሮም ከሕጽሩ ጀሚሮም። ኣዝዮም ውሑዳት ግና ከምቲ “ንመን ኣለዎ መን ኣለዋ ኣላቶ” ዝበሃል፡ ጉርሑን ተንኮሉን ቀልጢፉ ዘይተሰወጦም መጣቓዕቲ ነይረምዎ። ካብ ምንኣድ ሓሊፎምስ “ወዲ ኣፎም ብርየ፡ ንሱ እንበሳ ዓሻክሩ ነብርየ” እንዳበሉ ዝደርፍሉ መራሰንቲ እውን ኣይሰኣነን። ናይዚኣቶም ጫውጫው እቲ ቅድም “ኣለኹ ግዲ እየ” ኢሉ  ዘይቅጽል ትንፋስ ከም ዝሰኹዓሉ ዝግምቱ ወገናት እውን ኣለዉ።

ኣብዚ ሎሚ እዋን እቲ ተሓቢኡ ዝነበረ ጉርሒ ዲክታቶር ተቐሊዑ፡ ኢሳይያስ በቲ ሓቀኛ ባህሪኡ ኣብ ልዕሊኡ ኣዝዩ መሪር ወጽዓ ዝወርዶ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ተገሪሁ ኣብ ስልጣን ዘምጸኦ ጉጅለ ክብደል እንከሎ ከም ዝጠዓስን “ባዕልና ብዘዕበናዮ ከልቢ’ባ ንንከስ ኣለና” ከም ዝብልን ርዱእ እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ዝፈሰሰ ማይ ኣይሕፈስን እዩ” ዝበሃል፡ ናይ ቅድሚ ሕጂ ግርህነት ብጣዕሳ ኣይምለስን እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ግርህነት ዳግማይ ንዘይምግራህ ከም መምሃሪ ክንወስዶ ግና ናይ ግድነት እዩ። ስለዚ ቁጠዐና ኣብቲ ዝሓለፈ ብምሕርቃም ዘይኮነ፡ ዳግማይ ብዘይምግራህ ኢና ከነረጋግጾ ዝግበኣና።

ኢሳይያስ ኣብዚ እዋንዚ ንኹሉ ዝጸልእ ጽላለቱ እውን ዘይኣምን ንጹልን ጽሉልን ባእታ እዩ። ጽልኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነተን ካብ ዘይሕገመንግስታዊ ባይታ ነቒሉ ዝመስረተን መሳርሒኡ ትካላት እውን ጠሊምወን እዩ። ነቲ ባዕሉ ኣቚሙ ባዕሉ ዘሽኮንድሮ ዝነበረ ሃገራዊ ባይቶ ረሲዕዎ እዩ። ንህግዲፍ ከም ትካልን ኣብኡ ዝሰርሑ ዝነበሩ ባእታታትን ምኽንያታት እንዳፈጠረ ኣዋሲንዎም። ወዮ ከምስል ትርጉም ንዘየብሉ ኣጀንዳ ዝእክቦ ዝነበረ ካቢነ ሚኒስተራትኳ ገዲፍዎ። ንኹሉቲ ናይ ኩሉ ሕግታት ኣቦ ሕገመንግስቲ ኣብ ዘይብሉ ባዕሉ ዝእውጆ ኣዋጃት እውን ኣየኽብሮን እዩ፡ ብኣንጻሩ ሕጂ ምስኡ ዘለዉ በሊዖም ዘብልዕዎ፡ ብጉዳይ ህዝብን ሕልነኦምን ዘይሓስቡ ሓንሳብ ኣብቲ ሰልሚ ተሸኺሎም ምውጻእ ዝሰኣኑ፡ ከብዶም ዝዘመዶም ውሑዳት ሰባት ጥራይ እዮም።

ስለዚ ሕሉፍ እንዳዘከርካ ስንኻ ምሕርቃም፡ መፍቶቲ ጌና ሕጂ እውን ኣብ ግዜኡ ዝሓለፎ ጉርሒ ዝነብር ዘሎ ዲክታቶር ምዃን ስለ ዝኾነ፡ ህዝብና ካብዚ ምሕርቃም ስንን ምርምጣጥ ከንፈርን ወጺኡ፡ ካብ ሕሉፍ ግርህነቱ ተማሂሩ ብዛዕባ መጻኢ ክሓስብን ክቃለስን ግዜ ይጠልቦ ኣሎ። ኢሳይያስ ግና ብዘይካ በዚ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ጉርሕን ተንኮልን፡ ክሳብ ወሪደ-መቓብር ምቕጻል ካልእ መተካእታ የብሉን።

ተስፋን ሃንቀውታን ኣብ ዘላምበሳ

Wednesday, 20 November 2019 10:21 Written by

መዐደሊ ነዳዲ ኣብ ዘላምበሳ

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ከተማ ዛላምበሳ ዝተሃነጸ መዐደሊ ነዳዲ

ዶብ ዘላምበሳ-ሰርሓ ዳግም ብዕሊ ካብ ዝዕጾ ሓደ ዓመት ገይሩ። መንግስቲ ኢትዮጽያ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዘላምበሳ ክሰርሑ ዝመደቦም 33 ክኢላታት ኮሚሽን ጉምሩክ ከምኡ እውን 20 ኣባላት ዝሓዘት ሓንቲ ጋንታ ፖሊስ ፈደራል ኣብታ ከተማ ይርከቡ።

እቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ጉምሩክን ቀረጽን ዓንዩ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን'ዚ እቶም ክኢላታት፡ ሓንቲ ፀባብ ገዛ ተኻርዮም ንዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ዕዳጋ ይቆፃፀሩ።

እቲ ቀንዲ ዋኒኖም እቲ ዶብ ምስ ተኸፈተ ንግዳዊ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ብሕጋዊ መስርሕ ንኽሓልፍ ንምምራሕን ምቁፅፃርን እዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር እቲ ዶብ መዓስ ዳግም መዓስ ከምዝኽፈት ብክልቲኡ መንግስራር ዝተህዋበ ዕላዊ ሓበሬታ የሎን።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ወደብ ባጽዕ ብማይ ሓባር ኣቢሉ ናብ ደቀምሓረ ዝኣቱ ብኡ ኣቢሉ ድማ ናብ ዘላምበሳ ዘራኽብ ጽርግያ ይጽግኖን የሐድሶን ከምዘሎ ይፍለጥ።

ዛላምበሳ ኣብ ጽርጊያ ዓውዲ ዘኽይድ ሓረስታይ

ኣብዚ እዋን ግን እቲ ዶብ ስለዝተዓጽወ እቲ ፅርግያ ናብ ዓውዲ ተቐይሩ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዘላምበሳ ኣፋፍኖት ተስፋ ይንበብ። እቲ ዶብ ሎሚ ፅባሕ ክኽፈት'ዩ ብዝብል ተስፋ ትካላት ንግዲ ይህነፁ ኣለዉ።

ኣብ ከተማ ዘላምበሳን ካብታ ከተማ ናብ ፋፂ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ኣብ ትርከብ ዝባን ሑፃ ኣብ ትበሃል ትዕምብብ ኣብ ዘላ ከተማን ክልተ መዐደሊ ነዳዲ ተሃኒፁ'ሎ::

ኣብ ከተማ ዘላምበሳ ከም ስሚንቶ: ቴንዲኖን ሑጻን ዝኣመሰሉ ናውቲ ህንጻ ሑፃ ይርገፍን ብብዝሒ ብሎኬታት ክስራሕን ይረአ።

ብፍላይ ድማ ኣብ ዝባን ሑፃ: ህዝቢ ብበዝሒ ኣባይቲ ብምህናፅ ነቲ ከባቢ ናብ ዕሙር ከተማ ይቕይሮ ኣሎ::

ኣብ ከተማ ዘላምበሳ ሓንቲ ጨንፈር ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ጥራይ ኣገልግሎት ትህብ ነይራ፤ ድሕሪ ምኽፋት እቲ ዶብ ግና ኣርባዕተ ባንክታት ኣገልግሎት ክህባ ተኸፊተን ኣለዋ።

ብኻልእ ወገን ከኣ: መንግስቲ ኤርትራ ካብ ወደብ ዓሰብ ናብ ቡሬ ኢትዮጵያ ዝኸይድ 71 ኪሎ ሜትር ቅጥራን ጽርግያ ጸጊኑ ንኣግልግሎት ድልው ከምዝገበሮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተገልጸ ይዝከር።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-50484447

Harnnet Media - ሓርነት ሚድያ

EPDP Magazines