Print this page

ኣብ ቅድሜና ዘሎ ኣገዳሲ ሰልፋዊ ዕማም

2023-05-14 13:18:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 892 times
Rate this item
(0 votes)

ሓደ ፖለቲካዊ ውዳበ፡ ኣብ ርእሲት ንምዕዋቱ ዝቃለሰሉ መሰረታዊ መደብ ዕዮኡን ራኢኡን፡ ዝምረሓሉ ቅዋም ወይ ህንጻ-ሕጊ ኣለዎ። እዚ ቅዋም ኣባላትን ኣካላትን ናይቲ ውዳበ እንታይ ከም ዝዓሙ ዘነጽር ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ኣብ ሕድሕድ ኣካላት ናይቲ ሰልፊ ወይ ውድብ ዝህሉ ዝምድና፡ ምትእስሳርን ምንባብን  ዝቕይስ እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከም ሓደ ብዝተፈላለዩ ተመኩሮታት ዝሓለፈ ፖለቲካዊ ውዳበ፡ ናይ ርሑቕን ቀረባን ዕላማኡ ዝእምት ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ኣለዎ። ነዚ ፖለቲካዊ መድብ ዕዮኡ ኣብ ዘተግብረሉ መስርሕ፡ ዝምረሓሉን ዝቕለሰሉን ቅዋም እውን ኣለዎ። እዚ ቅዋሙ፡ ኣብ ሕድሕድ ትካላቱ ዘሎ ዝምድናን ርክባትን ዘነጽር፡ ብጉባኤ ዝጸድቕ ሰነድ እዩ። እዚ ሰነድ ኣካላት ሰልፊ ጨንፈር፡ ንኡስ ዞባ፡ ዞባ፡ ፈጻሚ ሽማግለን ሓጋጊ ኣካል ማእከላይ ባይቶን ኢሉ መምስ ተግባሮምን ሓላፍነቶምን ዝዝርዝር፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ትካልን ኣባልን ሰልፊ ግቡእ፡ መሰልን ተሓታትነትን  ዘብርህ ዝለዓለ ሕጊ እዩ። ብዓብይኡ ከኣ ዝለዓለ ስልጣን ናይቲ ሰልፊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4ተ ዓመታት ዝጋባእ ጉባኤ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2023፡ ብመሰረት ዓንቀጽ 5. 13.1፡ ናይቲ ቅዋም፡ እቲ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ግዜ ዝጋባእ ጉባኤ ሰዲህኤ፡ ንኣተሃላልዋ ኣባላቱ ኣብ ግምት ብዘእተወ ክካየድ እዩ። ነዚ 4ይ ስሩዕ  ጉባኤ ንምዕዋት  ቅድሚ ሓደ ዓመት ብማእከላይ ባይቶ ዝተመዘዘት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ስረሓታ ኣብ ምጽፋፍ ትርከብ። በዚ መሰረት፡ ቦታን ዕለትን ጉባኤ ተነጺሩን ኣድላይ ቀረብ ተሰናዲኡን፡ ናብቲ ጉባኤ ዝቐርቡ ሰነዳት ብዝተፈላለዩ መስርሓት ሓሊፎም ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ በጺሖም ኣለዉ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ብተመሳስሊ ብማእከላይ ባይቶ ተመዚዛ ስረሓታ ተካይድ ዘላ፡ ኣብ ጉባኤ ቀሪቦም ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ንመሪሕነት ዝወዳደሩ ሕጹያት ኣጻርያ ናብ ጉባኤ እተቕርብ  “ሓጻይት ሽማግለ” በቲ ዝተዋህባ ዕማም መሰረት ስረሓታ ብምጽፋፍ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ በጺሓ ኣላ። ተሳተፍቲ ጉባኤ ዝተዘለ ብቑዕ ባእታ ኣሎ ምስ ዝብሉ፡ ኣብ ጉባኤ ብናይ ዓስርተ ሰባት ደገፍ ሕጹይ ክውስኹ ይኽእሉ እዮም። ኣባላት ሰልፊ ኣብ ጉባኤ ዝውክልዎም ተሳተፍቲ ብዲሞክራሲያዊ ምርጫ መዚዞም ኣለዉ። ኣብ ርእሲዚ ተሳትፎ መሰረታት ኣብቲ ጉባኤ ንምስፋሕ፡ ብፍላይ ነቲ ናብ ጉባኤ ቀሪቡ ዝጸድቕ መሰረታዊ ሰነዳት ንምህብታም ኣብ ርእሲቲ ኣቐዲሞም ብደረጃ ጨናፍር ዘካየድዎ ምይይጥን ዝሃብዎ ሃናጺ ርኢቶታትን፡ ቅድሚ ጉባኤ መላእ ኣባላት ብዝሳተፍሉ ኮንፈረንስ  ተወሳኺ ርኢቶኦም ዘንጸባርቕሉ መደብ ተሰሪዑ ኣሎ።

ካብቲ ኣገደስቲ ዕማማት ናይቲ ጉባኤ፡ ናይ ዝሓለፈ 4ተ ዓመታት ምንቅስቓስ ሰልፊ ዘንጸባርቕ ጸብጻብ ማእከላይ ባይቶ  ተመያይጡ ብምምዛን ከም ሰልፋዊ ሰነድ ምዕቃብ፡ ምጽዳቕ ንድፊ ሰነዳት ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን፡ ኣብ ኣገደስቲ እዋናዊ ኤርትራውን ከባብያውን ኩነታት ፍሉይ ቆላሕታ ኣብ ዝወሃቦም ፍሩያት ዛዕባታት ተመያይጥካ ፖለቲካዊ ውሳነታት ምሕላፍን መሪሕነት ምምራጽን ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ምስዚ ንርከበሉ ዘለና ህልዊ ኩነታት፡ ካብቶም ጉባኤ ኣዕሚቑ ክመዝኖም ትጽቢት ዝገብረሎም ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባታት፡ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ መልከዓቱ እናቐያየረ መመሊሱ ዝገድድ ዘሎ ጭቖናን መዋጸኦኡን፡ ኣብ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ዘዕውት ደረጃ ዘይሓዘ ዘሎ መስርሕ ሓቢርካ ምቅላስ ምድህሳስን መዋጸኦ ምእማትን፡ ከምኡ ድማ  ኣብ ዓለምና ዝምዕብል ዘሎ ሓዲሽ ኣሰላልፋ ፖለትካዊ ሓይልታትን ኣብ ከባቢና ዝሕዞ ዘሎ መልክዕ ምንጻርን ድሕነት ኤርትራን ህዝባን ዝዕቀበሉ ኣቕጣጫ ምእማትን ካብቶም ኣገደስቲ ዛዕባታት ክኾኑ ትጽቢት ይግበረሎም።

ኤርትራዊ ጉዳይና በይኑ ተነጺሉ ዝረአ ስለ ዘይኮነ፡ እዚ ጉባኤ ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝኣመሰለ ዓለማውን ከባብያውን ኩነታት ከም ዝካየድ ኣብ ግምት ከእቱን ክድህስስን ባህርያዊ እዩ። ብፍላይ ከኣ ብዛዕባቶም ተጽዕኖኦም ብቐሊሉ ዝጸልወና ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝረኣዩ ዘለዉ ምዕባለታት ቆላሕታ ዝወሃቦም ክኾኑ ግድን እዩ። ኣብቲ  ጉዳይ ኢትዮጵያን ትግራይን ጌና ናብ  ወግእ ዘይማዕበለሉ ዝነበረ እዋን 2019 ዝተኻየደ፡ 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰዲህኤ፡ እቲ ወጥሪ ናብ ውግእ ከይዓረገ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕን ጉጅለ ህግደፍን ካለኦት ናይ ግዳም ሓይልታትን ኢዶም ኣእትዮም ህውከት ካብ ምብላሕ ክዕቀቡን ዘተሓሳስብ ውሳነ ምሕላፉ ዝዝከር እዩ።

ድሕሪኡ ኣብ ዝተራእዩ ምዕባለታት ከኣ መሪሕነት ሰዲህኤ ነዚ ናይ ጉባኤ ውሳነ ተኸቲሉ እዩ መርገጻት ክወስድን ርትዓዊ መፍትሕታት ክእምትን ዝጸንሐ። ኣብ ቅድሜና ዘሎ 4ይ ጉባኤ ድማ ጉዳይ ኢትዮጵያ ነዚ ሎሚ ሒዝዎ ዘሎ ምስርሕ ትግባረ ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ዘተባብዕን መንግስቲ ኢትዮጵያ ካልእ ጸገማቱ እውን ብሰላማዊ ኣገባብ ክፈትሕ ዝጽውዕን ሚዛን  ክህልዎ ተገማቲ እዩ። ኣብ ጉዳይቲ መቕዘፍቲ ህይወት ብዙሓት ሰላማውያን፡ ዕንወት ትሕተ ቅርጻ፡ ሰብኣዊ ጥሕሰታትን ምምዝባላትን ዘኸትል ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ጀነራላት ሱዳን ዝሕዞ መርገጽ እውን ንፍሉይ ባህርያት ሱዳን ኣብ ግምት ብምእታው ካብቲ ናይ ኢትዮጵያን ትግራይን ናይ ኣተሓሕዛ ተመኩሮ ዘይፍለ ክኸውን ከምዝኽእል፡ እቲ ድሕሪ ምብራዕ  ውግእ ሱዳን ዝሓዞ ፍትሓዊ መርገጽ ዘመላኽት እዩ።

ኣብ ጽባሕ እዚ 4ይ ጉባኤ ሰዲህኤ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ግና ብሰንኪቲ ንዓለምና እውን ኣጨኒቕዋ ዝጸንሐ ኮቪድ-19 በዂሩ ዝነበረ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ፍራንክፈርት ክጋባእ እዩ። ነዚ ካብ 28 ክሳብ 30 ሓምለ 2023 ዝካየደ ፈስቲቫል ዝምልከት ምድላው ድማ   ጐኒ ንጐኒ’ቲ ምድላው ጉባኤ ምቅርራብ ተገይሩ ኣሎ። እዚ ፈስቲቫል ውጽኢት 4ይ ጉባኤ ዝብሰረሉን ተፈላልዮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ብኣካል ተራኺቦም እሂምሂን ዝበሃሃሉሉን ዝዘናግዕሉን ስለ ዝኾነ፡ ፍሉይ ግምት ዝወሃቦ እዩ’ሞ ኤርትራውያን ክሳተፍዎ ይዕደሙ።

ኣባላትን ደገፍትን ሰዲህኤ፡ ጉባኤ ይኹን ፈስቲቫል ንክዕወት ዘርኣይዎ ኩለ-መዳያዊ ደገፍን ገንዘባዊ ወፈያን ከም ወትሩ ኣዝዩ ዝነኣድ እዩ። ኣበርክተኦም ኣብ ምድላው ዝድረት ዘይኮነ፡ ውጽኢት ጉባኤ ኣብ ምትግባር’ውን ከምዘይስልክዩ  እሙን እዩ።

           

Last modified on Sunday, 14 May 2023 15:22