Print this page

ካብ ካርቱም ዝሃደሙ ኤርትራውያን፡ ተገዲዶም ይውሰዱ ኣለዉ

2023-04-26 07:40:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 774 times
Rate this item
(0 votes)

ካብቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ብሰንክቲ ውግእ ኣጋጢሙ ዘሎ ወጥሪ፡ ካብ ካርቱም ንወገን ምብራቕ ዝሃደሙ ኤርትራውያን ኣብ ከባቢ ከሰላ ምስ በጽሑ፡ ብሓይሊ ተገዲዶም ናብ ኤርትራ ይውሰዱ ከም ዘለዉ ቢቢሲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዘለዉ ምንጭታታ ብምጥቃ ሓቢራ።

ወተሃደራት ሱዳን እውን ነቶም ምስ ሱዳናውያን ተሓዊሶም ካብ ካርቱም ዝሃደሙ ኤርትራውያን፡ ኣብ ከባቢ ከሰላ ምስ በጽሑ፥ ፈልዮም ናብ ተላታ ዓሸር ገጾም ንክኸዱ እናገደዱ፡ ነቶም ብሓይሊ ዝወስዱዎም  ናይ ኤርትራ ኣባላት ስለያ፡ ከም ዝተሓጋገዝዎም እቶም ምንጭታ ጠቒሶም። እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ከም ዝሕብርዎ እተን ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝጸዓና መካይን ካብ ካርቱም ከተማ ከሰላ ቅድሚ ምእታወን ኣብ ዘሎ መቆጻጸሪ ነቑጣ ይፍተሻ’ሞ፡ እቶም ኤርትራውያን በተን ዝመጽወን መካይን ናብ ተላታ ዓሸር ክቕንዑ ከም ዝግደዱን ካብኡ ድማ ኣባላት  ህግደፍ ከም ዝርከብዎም ይገልጹ።

ካብቶም ኤርትራውያን ስድራ-ቤታት፡ ካብ ካርቱም በበይኖም ወጺኦም፡ ኣብ ከሰላ ክራኸቡ እሞ ኣብኡ ኮይኖም እንታይ ከም ዝገብሩ ክውስኑ እንዳተጸባበዩ፡ ከይተራኸቡ እቶም ኣቐዲሞም ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ ተገዲዶም ከም ዝተወሰዱ ዝሓበሩ ኣለዉ። ካብዚ ኩነታት ክሃድሙ ፈቲኖም ጉድኣት ዘጋጠሞም ኤርትራውያን ከም ዘለዉ እውን ይሕበር።

ምምሕዳር ህግደፍ ብዙሓት ሃገራት ዜጋታተን ካብ ካርቱም ከውጸኣ ክጽዕራን ክሻቐላን እንከለዋ፡ ንሳቶም ግና ነቶም ውሱናት ኣብ ስለላ ኣዋፊረምዎም ዝጸንሑ መሳርሒኦም ጥራይ፡ ብምስጢር ከበግስዎም ከም ዝተራእዩ ምንጭታት ሰዲህኤ ብወገኖም ካብ ካርቱም ኣረጋጊጾም።

እዞም ዝጋፍዑ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ስደተኛታት፡ ንሕክምና ናብ ሱዳን ዝኸዱ፡ ኣብ መርዓ ደቆም ናይ ምስታፍ መደብ ዝነበሮም ስድራ-ቤታትን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ካርቱም ዝገሹን ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትርውያን ካብ ካርቱም ናብ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ቻድን ገጾም ይኸዱ ከም ዘለዉ’ውን ተፈሊጡ።

Last modified on Wednesday, 26 April 2023 09:51