Print this page

ብዙሕነትና ንሓድነትና

2023-02-21 17:14:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 734 times
Rate this item
(0 votes)

ኤርትራ ብዙሕነታዊት ሃገር እያ። ብዙሕነታ ዝገልጹ ብዙሓት’ኳ እንተኾኑ፡ ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ኣውራጃን ኣቀማምጣ መሬታን ካብ’ቶም ጐሊሖም ዝረኣዩ እዮም። እዚ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ጸጋታትና ኮይኑ፡ ኣብ መስርሕ ዝጥረ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት እውን ኣለና። እዚ ብዙሕነታት ከምቲ ዕንበባ እውን በበይኑ ሕብርታት ክሓቁፍ እንከሎ ዝያዳ ዝምልክዕ፡ መጸበቒናን ግርማናን ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ኣብ ግዜ ቃልስና ንናጽነት’ውን ሓደ ካብ ምስጢራት ዓወትና ምንባሩ ብግብሪ ዝተረጋገጸ እዩ። እዚ ዝኸውን ግና ብምጽውዋርን  ምክብባርን ክመሓደር እንከሎ ጥራይ እዩ። ነዚ ክንበቅዕ ኩሉ ግዜ ንኤርትራን ሓድነት ህዝባን ኣብ ቅድሚት ክንሰርዖም ይግበኣና። ካብዚ ወጻኢ ጸቢብነትን ምንጽጻግን ናብ ዘይተደላዪ ምርሕሓቕ ከም ዝወስደና ዘመልክት ተመኩሮ’ውን ኣለና።

እዞም መግለጺ ብዙሕነትና ዝበልናዮም፡ ኣብ ህይወትና ወሰንቲ እዮም። ኣብ ግብሪ ኣወዓዕለኦም ከከም ከባቢና ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታትን ኣገባባትን ዝዝውተሩ እዮም። ንናይ ሓደ ኣካል ናይ መንነት ኣጠቓቕማን ኣተገባብራን እቲ ካልእ ወገን ከምዘይናቱ ገይሩ ክወስዶ ኣይግባእን።  ነቲ ዋናኡ ብሉጽን ክብሩን መንነቱን ዝገልጸሉን ስለ ዝኾነ ከኽብረሉ ናይ ግድን እዩ። እዞም መለለይ ብዙሕነትና ኣብ ሕድሕዶም ዝጸላለዉ እምበር፡ ሓደ ካብቲ ካልእ ተነጺሉ ዝረኣዩ ድማ ኣይኮኑን። ኣብ መንጎ ሃይማኖትን ባህልን ዘሎ ምጽልላው ከም ኣብነት ዝውሰድ እዩ። በቲ ካልእ ወገን እዞም ናይ መንነት ዛዕባታት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዕዞና እውን ናቶም ተጽዕኖን ጽልዋን ኣለዎም።

እዞም ምቓረት ህይወትና ዝኾኑ መግለጺ መንነትና፡ ወትሩ እነዘውትሮምን ኣጀንዳና ኮይኖም እንዛራበሎምን ኣብ መስርሕ ዓበይቲ እዮም። ከከም ኩነታቱ ከኣ ኣጀንዳነቶም ምስ ግዜ ክብ ለጠቕ ክብል ይኽእል። ንሓንሳብ ሃይማኖት ጐሉሑ ቅድሚት ክስራዕ ከሎ፡ ቋንቋ፡ ባህልን ኣውራጃን እውን ከምኡ በብግዜኡ እዋናዊ ኣጀንዳ ይኾኑ።

እዚ ከም ኤርትራውያን ኣብ ውሽጥና ጥራይ ዝድረት ዑደት ዘይኮነ፡ መምስ ኣብ ከባቢና ዘለዉ ጐረባብትና ህዝብታት እውን የራኽበና እዩ። ብፍላይ ምስቶም ካብ ሃገርና ወጻኢ ዝነብሩ እሞ ምስ ናትና ተመሳሳሊ መንነት ዘለዎም ብትውልዲ፡ ብንግዲ፡ ባህልን መውስቦን እንራኸቦም ወገናት፡ ዝተፈላለዩ ዶብ-ሰገር  ምጽልላው ይረአ። ትግርኛ፡ ኩናማን ዓፋርን ዝዛረቡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምህላዎም ከምኡ እውን ትግረን ሕዳርብን ዝዛረቡ ኣብ ኤርትራን ሱዳንን ምህላዎም ናይዚ ኣብነት እዩ። ቋንቋን ባህልን ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃይማኖት እውን ካልእ መጸላለዊ እዩ። ምስዚ ኩሉ ናይ መንነት ተመሳሳልነት ግና፡ ነናቶም ዘይስገር ልኡላዊ ዜግነት ሕልዊ ምዃኑ ምግንዛቡ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዶብ ዝሰግር ናይ መንነት ተመሳሳልነትን ብዶብ ዝግደብ ሃገርነትን ዜግነትን ብግቡእ ምግንዛብ መሰረታዊ እዩ። እምብዛ ነቲ ዶብ ኣትሪርካ ነቲ ማሕበራዊ ርክብ ናይ ተመሳሳሊ መንነት ምግዳብ፡ ወይ ነቲ ዶብ እምብዛ ኣህሲስካ ምድብላቕ መንነትን ዜግነትን ምስ ዝህሉ  ናብ ሰላምን ምርግጋእን ዝመርሕ ኣይኮነን።

ኤርትራውያን ምስ ኩሉቲ ብዙሕነትና ኣብ ጉዳይ ሃገር ዝፈላልዩና የብልናን። ፍልልያትና ክረአ ዝኽእል ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋኒንና ቅድሚት ምስ ዘይንሰርዕ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ናይ ኣተሓሳስባ ምርሕሓቕና ሓሓሊፉ ዝንጸባረቕ ተርእዮ ኮይኑ፡ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ድማ መናውሒ ዕድመኡ ኣብ ስልጣን ንክጥቀመሉ ከም ዘጋድዶ ርዱእ እዩ። ህግደፍ ኮነ ኢሉ ካብ ዘጻውዶ መፈላለዪ ተንኮላት ወጺእና ግሉጽነትን ምትእምማንን ብዘለዎ እንገብሮ ናይ ሕድሕድ ዝምድና ንሓደ ኣርቢሑ ነቲ ካልእ ዝጐድእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እዚ ጥቁቕን ሓላፍነታውን መንገዲ እንተተኸቲልናዮ፡ ምጥርጣር ዘወግድ እዩ።  ኩልና ክንግንዘቦ ዘለና፡ ምስ ዝኾነ ኣካል ንሓድነትን ሓባራዊ ጠቕምን ህዝቢ ኤርትራ ዘይውዕል  ዝምድና ምፍጣር ተመራጺ ኣይኮነን።

ተጻራሪ ናይ ጫፍ መርገጻት፡ ምስ ናይ መንነት ተመሳስልነት ክትሓሓዝ እንከሎ፡ ነቲ ክሃስስ ዘይግበኦ ሃገራዊ ዶብ እናጸለወ ኣብ ሓድነት ህዝቢ ምትንኻፍ ከምዝፈጥር ተራእዩ እዩ። ንኣብነት ምስ ህዝቢ ትግራይ ብቐረባ ዝደናገጽ ባእታ ድዩ ውዳበ፡ ቋንቋኡ ከምቲ ኣብ ትግራይ ዝዝረብ እንተኮይኑ ነቲ ካልእ ኤርትራዊ ወገን ከሻቕሎን ኣብ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ሃሳይ ጽልዋ ከንጸላሉን ተራእዩ እዩ። ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምዕቃብ ከኣ መተካእታ ዘየብሉ ዋሕስ ህልውና እዩ። እንተ’ቲ ምስ ብዱላት ወጊንካ፡ ወራርን ሳዕቤን ውግእን ምኹናን፡ ፍልልያት ኣብ ክንዲ ብውግእ ብሰላም ክፍታሕ ምምሕጻን ግና ነቲ ቀይሕ መስመር ክሳብ ዘይጠሓሰ፡ ብዓይኒ ዘራይን ምድኻም ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ክረአ ዝግበኦ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ክወርድ ዘይንደልዮ ኣብ ልዕሊ ካልእ ህዝቢ ክፍጸም እንከሎ፡ ምቅዋሙ ከኣ ፖለቲካዊ ጥራይ ዘይኮነ ሞራላዊ ግቡእ እውን እዩ። እቲ ምድንጋጽ፡  ቅድሚ ኩሉ ከም ኤርትራውያን ውሽጣዊ ሓድነትናን ሃገራዊ ክብርታትናን ዝጻረር ከይከውን ምጥንቃቕ ኣገዳሲ እዩ።  ህግደፍ ብዘሳውሮ ውግኣት ዕንወትን ጽልእን ዘኸትል ክነሱ፡ መሬት ዘምልስን ልኡላውነት ዝዕቅብን መሲሉካ ኣብ ጐኑ ምስላፍ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደ ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። 

ኣብ ትግራይ ውግእ ምስተጀመረ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ግዜ ከይበለዐ ዝወሰዶን ሎሚ ህያውን ብብዙሓት ወገናት ዝተደገፈን መፍትሒ ኮይኑ ዘሎን ቅኑዕ ኣቕጣጫ እዩ። ኣብ ውዑይ መድረኻዊ ዛዕባ ሓደ ኣካል ዝወስዶ መርገጽ ንምድጋፍ ኮነ ንምቅዋም ካብ ታህዋኽን ጥርጣረን  ወጺእካ እኹል ግዜ ሂብካ፡ ብመንጽር ኤርትራዊ ልኡላውነትን ሓድነት ህዝባን መዚንካ ምስትውዓሉ  ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ከም ኤርትራውያን ዘለና ወጽዓ ናይ ምውጋድ ቀዳምነትናን ምስ ጐረባብትና ህዝብታት ዘራኽቡና ጉዳያትን ምንጻር ኣገዳሲ እዩ። ኣብቲ  ጉዳይና እቲ ካልእ ወገን፡ ኣብቲ ንሕና እንጠልቦ ክተሓጋገዘና እምበር፡ ማዕሬና በዓል ዋኒን ምስዝኸውን ኢድ ምትእትታው ስለ ዘኸትል፡ ቅኑዕ ኣይኮነን። ንሕና እውን ከምኡ ኣብቲ ናይ ካለኦት ጉዳይ ብጽሒትናን ደረትናን ክሳብ ክንደይ  ምዃኑ ክንግንዘብ መሰረታዊ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ከምቲ ህግደፍ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ናይ ጐረቤት እዩ ኢልና ንገድፎ ኣይኮነን” ዝብሎ፡ ደረቱ ዝሓለፈ ምትእትታው ግና ሓላላኺ እምበር ሓጋዚ ኣይኮነን።

ስለዚ ብመጽርዚ ዘለናዮ ኣዝዩ ተሃዋሲ መድረኽን ዘይነጸረ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታትን ንብዙሕነትና ኣብ ክንዲ ናብ ግጉይ ኣቕጣጫ እናወጠጥና ኣብ መረሓሓቕን መዳኸምን ኤርትራዊ ሃገራውነት ነውዕሎ፡ ተኸኣኢልናን ተጸዋዊርናን መደልደሊ ሓድነትና፡ ካብ ምውዓሉ ካልእ ምርጫ የብልናን። ኤርትራዊ ማሕበራዊ መራኸብታት ከኣ ኣብዚ መዳይ  ሓላፍነታዊ ግደአን ክጻወታ ይግበአን።

Last modified on Tuesday, 21 February 2023 18:16