Print this page

ቻይና ዋዕላ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከተካይድ እያ

2022-06-07 08:07:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 825 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተመደቡ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዙ ቢንግ  ሃገሮም ንመጀመርያ ግዜ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ 2022 ዋዕላ ሰላም ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከተካይድ ምዃና ሓቢሮም። እዞም ልኡኽ ቻይና ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሃገሮም ኣብ ምፍታሕ ወሰንቲ እስትራተጅያዊ ጐንጽታት ኣብዚ ዞባ ግደኣ ከተበርክት ድልውቲ ምዃና ሓቢሮም።፡

እዞም ኣብ መጀመርያዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዝተመደቡ ቻይናዊ ልኡኽ፡ ነባር ዲፕሎማት  ዙ ቢንግ ኣብ ፔሩ፡ ፑፓ፡ ኒው ጊኒያን ዝተፈላለያ ሃገራት  ኣፍሪቃን ኣንበሳድር ኮይኖም ዘገልገሉ እዮም።

ዙ ቢንግ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጉንበት ነዚ ዋዕላ ንምጥጣሕ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ፡ ሶማሊያን ኬንያን ዑደት ኣካይዶም እተን ሃገራት ኣብዚ ዋዕላ ክሳተፋ ዕድመ ኣቕሪቦም፡ ጉዕዘኦም ናብ ዩጋንዳን ሱዳንን ከም ዘቕነዐን ተሓቢሩ።.ኣብዚ ዋዕላ ንምስታፍ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን እውን ተዓዲመን ኣለዋ።

እዚ ኣብ ኬንያ ክካየደ ተሓሲቡ ዝነበረ ደሓር ግና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝተወሰነ ዋዕላ፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሕድሕደን ዘሎ ፍልልያት ዝፈትሓሉ መድረኽ ዝፈጥር ምዃኑ እቶም ቻይናዊ ፍሉይ ልኡኽ ሓቢሮም።

ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ ሃገሮም ሃገራት ቅርኒ ኣፍሪቃ  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺበን  ዘለወን  ጸጥታውን ቁጠባውን ጸገማት ክፈትሓ ዕድል ናይ ምፍጣር ድሌት ኣለዋ ኢሎም። እዚ ዋዕላ ኣካል ናይቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና ኣቐዲሞም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደት ኣብ ዘካየድሉ ዝወጠንዎ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ። እዚ ድማ ሃገራት ናጽነተ ዓቂበን ቀጻሊ ህድኣት፡ ሃብትን ዕቤትን ክረኽባ ዝሕግዝ መደብ እዩ ተባሂሉ።

ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋንዚ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ትግራይ ዘሎ ብዙሓት ሲቪል ዝሞትሉን ዝተመዛበልሉ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ብስእነት ሰላም ኣብ ስግኣት ከም እትርከብ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ፡ ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ቻይናን ፍሉያት ልኡኻት ቀርኒ ኣፍሪቃ መዚዘን ከም ዘለዋ ዝዝከር እዩ።