Print this page

ከይተጸወዐ ዝመጽእ፡ ከይጸገበ ይወጽእ

2022-04-17 19:25:09 Written by  ቤት ጽሕፈት፡ ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 829 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብዚ እዋንዚ “ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ጣልቃ ኣትዩ” ዝብል መደምደምታ ኣባና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ከይተረፈ፡ መዛረቢ ኮይኑ ዘሎን ዝጸንሐን ኣጀንዳ እዩ። ብግብሪ ግና ህግደፍ ጣልቃ ኣታዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃንዳሲ ናይቲ ውግእ’ውን እዩ። ካብቶም  ቀዳሞት ሰለስተ ናይቲ ውግእ ተሰለፍቲ ህግደፍ ቅድሚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝስራዕ እዩ። ካብ 2018 ጀሚሩ ኣፍ ኣውጺኡ “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ/weyane game over”  ክብል ዝተሰምዐ ንሱ እዩ። ናይዚ ኣበሃህላኡ ቃና ከኣ ነጋሪት ውግእ ምድሳቕ’ዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋንቲ ከምዚ ዓይነት ዓንዳሪ ድምጺ ብጋህዲ ካብ ኢትዮጵያዊ ሓይልታት ኣይተሰምዐን።

እቲ ኣበሃህላኡ ህግደፍ ናብ ወግእ ኢትዮጵያ-ትግራይ ተዓዲሙ ዘይኮነ፡ ዋኒነይ ኢሉ ከም ዝኣተወ ዘመልክት እዩ። ህግደፍ ውግእ ኣንጻር ክልል ትግራይ ከምዘይተርፍ ክጉስጉስ እንከሎ፡ ድምጾም ዘይስማዕ ዝነበረ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ውግእ ምስተባርዐ ንኣተኣታትዋኡ ዝምልከት ክሳብ ክንደይ ምግላጹ ኣጸጊምዎም ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ እዩ። ገሊኦም ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ወሲኽካ ዝሕባእ መሲልዎም “ኤርትራ ኣብ ጉዳይና ኣይኣተወትን” ይብሉ ነይሮም። በዚ ኣበሃህላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ናይ ሓሶት ምስክርነት ስለ ዝሃብዎ፡ ደሓር ኣብ ዋጢጥ ኣትዮም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ። ገለ ወተሃደራዊ ጀነራላት ኢትዮጵያ ግና ህግደፍ ናብቲ ውግእ ከይተጸውዐ “ስግኣት ኣለኒ” ብዝብል ጉልባብ ብኢደ-ወነኑ ከም ዝኣተወን በቲ ተረኽቦ ኣዝዮም ከም ዝሓዘኑን ከም ዝሓፈሩን ኣብ ኣደባባያት ኣቃሊዖም እዮም። ደሓር ግና ኣብይ እውን “ተሓቢአን ይጠንሰኦ’ሞ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ”  ኮይንዎ፡ ህላወ ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ብምርግጋጽ  “ኤርትራ እንተዘይትረድኣናስ እንታይ መወሓጠና?” ክሳብ ምባል በጺሑ እዩ።

እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ገለ ኤርትራውያን ወገናት ምስሊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከጸባብቑ ክብሉ፡ ነቶም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ  ኣትዮም ዝረግፉ ዘለዉ መንእሰያት ኤርትራ፡ ከምቲ “ዓሻ ሰበይትስ ወዲ ሓሙታ ዘይወዳ ይመስላ” ዝበሃል፡ ካብኣቶም ስለ ዘይተወለዱ ጥራይ ዘይደቆም መሲልዎም  ኣይሻቐልሎምን። ሕሉፍ ሓሊፎም ደገፎም ንምርእይ ዘጣቕዑ ምህላዎም ዘሕዝንን ዘተዓዛዝብን እዩ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶ ሰልሚ ተሸኺሉ ክረግፍን ብዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ባህሊ ዘይኮኑ ግህሰታትን ዓመጻትን ክኽሰስን እንከሎ፡ “ስለምንታይ” እኳ ዘይምባሉ፡ ጽባሕ ይኹን ድሕሪ ጽባሕ ንገዛእ ርእሱ ዘይኮነስ፡ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክብጀው እዩ ኢልካ እምነት እተንብረሉ ኣይኮነን። ምናልባት እውን ንኤርትራዊ  ልኡላውነት ክሕልው ዘይኮነ፡ ካብዚ ዘላቶ ዝኸፈአ ጸረ ልኡላውነት መዘዝ ከይዕድመላ ዘየስግእ ኣይኮነን።

ናይቲ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትይሉ ዘሎ እሞ ጋና ዘይሰለጦ ውግእ ዕላማ፡ ከምቲ ንምምልኻዑ፡ ንልኡላውነት፡ ንሰላም፡ ንዕቤት፡ ኣቐዲሙ ሮኬት ስለ ዝተተኮሰናን ንኤርትራን ዝተፈረደ ዶብ ንምውሓስን ኣናተባህለ ዝድረፈሉ ኣይኮነን። እቲ ሓደን ቀንድን  ዕላማ ናይዚ ኢድ ኣእታውነት፡ ስግኣት ኢሳያስ ዝወለዶ ዕድመ ስልጣኑን  ጉጅለኡን ምንዋሕ እዩ። ምኽንያቱ እቶም ካብቲ ሓቀኛ ምኽንያት ብምህዳም፡ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ኣቲኻ ንረብሓ ኤርትራን ህዝባን ክረጋገጹ ዝበሃሉ ዘለዉ ሸቶታት ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ከይኣተኻ  ብተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ክወሓሱ ዝነበሮም እዮም። እንተኾነ ብሰንኪ ጭካነ  ህግደፍ ክረጋገጽ ኣይከለን። ህግደፍ ከኣ ነዚ ሓቂዚ ንምሕባእ እዩ ካብ ቅድም ጀሚሩ ሓሓሊፉ ኣብ ጐረባብቲ ሓዊ ዝኣጉድ ወይ ኣብ ዘዝተኣጉደ ዝጥበስ። ምናልባት ህግደፍ ከምቲ ብብዙሓት ወገናት ዝሕመ በዚ ውግእዚ ተጐልቢቡ ነገራዊ ረብሓ እንተ ኣዋሃለለ  እውን ኣብ ህግደፋዊ ክሊ ዝተደረተ ጠቕሚ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኢሳያስ እውን ዘተባብዖ ናይ ኣተሓሳስባ ምዝብራቕን ምክፍፋልን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ዲፕሎማስያዊ ተጽዕኖ ተወሲኽዎ፡ “ደጊም ጉዳይና ብውግእ ዘይኮነ፡ ብሰላምን ዘተን’ዩ ዝውዳእ” ዝብል ድምጺ መመሊሱ ይውስኽ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እውን ናይዚ ወገን ኣካል እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ደድሕሪ ኣድጊ ዝኸደስ፡ ህላ እንተዘይለመደ ጠራጥ ለመደ”  ዝበሃል፡ ብኢሳያስ ዝተጸልዉን ኣብ ውግእ ምንባር ዝመረጹን ኢትዮጵያውያን ወገናት ይረኣዩ ኣለዉ። ብፍላይ ኣብቲ ብናጽነት ኤርትራ ዘይሕጉስ ኣምሓራ ዘሎ ሃዋህው ናይዚ ኣብነት እዩ።

ከምቲ ኣብ ማሕበራዊ መድያታት “ኢሳያስ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ፋኖ ኣምሓራ ናብ ኤርትራ ወሲዱ የሰልጥን ኣሎ” ዝበሃልን ምጽራይ ዘድልዮን፡  ነቲ ስኽፍታ ዝያዳ ዘንህሮ እዩ።  መንግስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብሃታሃታ ብዘይትካላዊ ኣገባብ ምስ ኢሳያስ ክተዓራረኽ እንከሎ፡ ሓደ እዋን ዝኸፍሎ ዋጋ ከም ዝህልዎ ይግምቱ ናይ ዝነበሩ ወገናት ሓቅነት ድማ ሎሚ ባዕሉ ዝዛረብ ዘሎ ይመስል። ንኤርትራን ህዝባን ዘይኮነ ኢሳያስ፡ ንኢትዮጵያ ከምዘይከውን ከኣ ተራእዩ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ምሁራት ፖለቲከኛታት ብወገኖም ኣብዚ እዋንዚ ኢሳያስ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ጥዑይ ከምዘይኮነ የመልክቱ ኣለዉ። ንሕና እሞኸኣ ንኤርትራን ህዝባን ዘይኮነስ ንካልእ ክኸውን ከምዘይክእልን  እዚ ሕጂ ዘሎ ኰንታት ከም ዝመጽእን ኣቐዲምና ካብ ምትንባህ ዓዲ ኣይወዓልናን። እዚ ግምት ካብ ሓቂ ዝረሓቐ  ዝመስሎም ኣካላት ስለ ዝነበሩ ግና ክሳብ ባዕሉ ዝገሃድ ክንድቲ ክብደቱ ቆላሕታ ከይረኸበ እዩ ጸኒሑ።

ኣወጻጽኣ ኢሳያስ ካብ ኢትዮጵያ ከምቲ ኣተኣታትዋኡ ቀሊል ከምዘይከውን ፍሉጥ እዩ። ብመሰረቲ ኣብ “ኣነ እንተሞይተላ ዳንዴር ኣይትብቆላ” ዝተሰረተ ፖሊሲኡ፡ እንተሰሊጥዎ ክለኻኽም ክፍትን እዩ። ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ከዕውቶ ዝሓሰቦ ከምዘይሰልጦ ርኡይ እዩ። እቲ ንጉጅላዊ ድሕነቱ ክብል ዘሳወሮ ውግእ ንኽሳራኡ ናይ ምዃኑ ዕድል ሰፊሕ ይመስል።  ስለዚ ዋላኳ እቲ ኣብ ኢትዮጵያዊ ባይታ ዘሎ ኩነታት ንልዝብን ዘተን ዝዕድም እንተኾነ፡ ህግደፍ ክሳራኡ ክቕበል ቅሩብ ስለ ዘይከውን ንትግራይ ጥራይ ዘይኮነ ንምልእቲ ኢትዮጵያ እውን ክበታትና ካብ ምሕላን ዓዲ ኣይክውዕልን እዩ። እቲ ምስ ኣምሓራን ዓፋርን ዘርእዮ ዘሎ ሕግብግብ ምባል ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ። ስለዚ እቶም ኢሳያስ ኣብ ዘይጉዳዩ ክኣቱ እንከሎ፡ “ሕራይ ገበርካ” ዝበልዎ ወገናት፡ ሎሚኸ “ከይተጸወዐ ዝመጽእ፡ ከይጸገበ ይወጽእ” ድዮም ክብልዎ፡ ወይስ ቋንቆኦም “ወትሩ ኣገናዕዩ” እዩ ክኸውን።

Last modified on Sunday, 17 April 2022 21:32