Print this page

መልክዓቱ ዝቐያይር፡ ጸገማት ኤርትራዊ ስደተኛ

2022-03-24 19:50:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1004 times
Rate this item
(0 votes)

ካብቲ ጌና ብዙሕ ምስሊ ኤርትራ ዝድውን ዘሎ ተርእዮታት ብመንጽር ብዝሒ ህዝባ ዝለዕለ ቁጽሪ ስደተኛ ዘመዝገበት ሃገር ምዃና ሓደ እዩ። ስደት ጠንቁ ብዙሕ ክኸውን እንከሎ ናይ ኤርትራውያን ስደት ዘይህዝባዊ ምምሕዳር ዘስዓቦ ምዃኑ ብመጽናዕቲ ኮነ ኣብ ባይታ ብዘሎ ዝድህሰስ መርተዖታት ዝተረጋገጸ እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሱም ኩነታት ስለ ዝፍለጥ ኤርትራዊ ስለምንታይ ከም ዝስደድ ዝሓትት ኣካል የለን።

ስደት ኤርትራውያን ዓቕሊ ጽበትን መተካእታ ምስኣንን ዝወለዶ ኮይኑ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዘቕንዕ እዩ። እቲ ዝበዝሕ ናብ ኣንፈት ሱዳንን ኢትዮጵያን ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዚያት ብዝተፈላለዩ ኣሃዛት ተረጋጊጹ እዩ። ብፍላይ እቲ ናይ ሱዳን ሓድሽ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ህግደፍ ዝተፈጥረ ዘይኮነ፡ ካብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ብሰንኪ ጭካነ ሓይሊ መግዛእቲ ዝጀመረ ነዊሕ ዝዕድመኡ እዩ። ናብዘን ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት ምስዳድ ዝበዝሐን ዝቐለለን ካብ ዝኾነሉ  ኣብዘን ሃገራት ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝመሳሰል ህዝቢ ምህላዉ ሓደ ምኽንያት እዩ። ብቐሊሉ ብመሬት ምስ ኤርትራ ብሰፊሑ ዝዳወባ ምዃነን ድማ ካልእ ምኽንያት እዩ። እዘን ሃገራት ምስ ኤርትራ ብመሬት ዝራኸባ ምዃነን ስደተኛ  ናብኣተን ንክትኣቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብኣተን ስደተኛታት ኮኑ ተቓለስቲ   ብሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ክጭወዩን ክቕተሉን እውን ቀሊል እዩ። በዚ ምኽንያት ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተዳህሲስና ብፍላይ ኣብ ሱዳን ብናይ ሎሚ  ብህግደፍ ዝተቐንጸሉን ዝተጨውዩን ሓርበኛታት ብዙሓት እዮም። ኣብ ዝተፈላለዩ ግዚያት ካብ ሱዳን ዝተጨውዩ ሓርበኛታት፡ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ተኽለብርሃን ገብረጻድቕ (ወዲ ባሻይ)፡ ወልደማርያም ባህልቢ፡ ገብርሂይወት ቀለታ፡ ወልደስላሰ ቻንቹን ተስፋጋብር  ኣብራሃን  ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።

ኤርትራውያን ድሕሪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2001 ናብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ክስደዱ ጀሚሮም። ኣብቲ መጀመርያ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ብላቴንን ደዴሳን ኣብ ዝበሃሉ ወተሃደራዊ መሰልጠንታት ተዓቚቦም ነይሮም። ብላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ረኺቦም ብወግዒ ክምዝገቡ ዝጀመሩ ግና  ኣብ ክልል ትግራይ ሽመልባ ኣብ ዝበሃል መደበር እዩ። እቲ ዋሕዚ ምስ ዛየደ ከኣ ሕንጻጽ፡ ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ዝበሃሉ መደበራት ኣብ ዝተፈላልየ ግዝያት ተኸፊቶም። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ እውን ኣስሓይታን በርሓለን  ዝበሃሉ መደብር ኤርትራውያን ስደተኛታት ተኸፊቶም። ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝነበሩ ሰነዳት ይምስክሩ። እቲ መደበራት መሰረታዊ ቀረባት እንተላይ ትምህርትን ሕክምናን ብስሩዕ ኣብ ዘቕርበሉ ደረጃ በጺሑ ምንባሩ ይዝከር። በዚ መንገዲዚ ዝተወሰኑ ኤርትራውያን ናብ 3ይ ሃገር ናይ ምጥያስ ዕድል ዝረኸብሉ ኩነታት ከኣ ነይሩ።

ኣብ ትግራይ ብ24 ሕዳር 2020 ውግእ ምስ ጀመረ ግዳይ ካብ ዝኾኑ ወገናት ኣብ መደበራት ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቐዳምነት ዝጥቀሱ እዮም። እቲ መደበራት ዝርከበሉ ከባብታት ቀንዲ ዓውዲ ውግእ ምንባሩ ከኣ ነቲ ዝወረዶም ጉድኣት ዝያዳ ኣግዲድዎ። ካብዚ ሓሊፉ ናይቲ ካብ ኤርትራ ክወጹ እንከለዉ ኣብ ዶባት ኣብ ኢዱ እንተወዲቖም ዝኣስሮምን ዝቐትሎምን ዝነበረ ህግደፍ ሰራዊት ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝተኸፈተ ውግእ ኣካል ምንባሩ ኣብ ልዕሊ እቶም ራሕሪሐምዎ ዝተሰዱ መንእሰያት ሕነ ከም ዝፈዲ ርዱእ ነይሩ። ብግብሪ ዝተራእየ ከኣ ከምኡ እዩ። ሰራዊት ትግራይ እውን ኤርትራውያን ብምዃኖም ሕቡእ ሓይሊ ህግደፍ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ስለ ዝተርጠሮምን ኣብ ነብሱ-ምክልኻል ስለ ዝነበረን   ዕቑባ ክኾኖም ኣይከኣለን። ብፍላይ መደበራት ሽማልባን ሕንጻጽን ሽዑንሽዑ እየን ተደምሲሰን። ኣብኣተን ዝነበሩ ስደተኛታት ከኣ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣሃዛት እንዳጠቐሱ “ክንድዚ ተቐቲሎም፡ ተደፊረን፡ ሃለዋቶም ጠፊኡ፡ ንብረቶም ዓንዩ” ዝብሉ ጸብጻባት የቕርቡ ነይሮም። እቲ ብቐጥታ ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት  ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ግና ነዚ ዝምልከት ንጹር ጸብጻብ ኣየቕረበን። ናይቲ ዕንወት ተሓታቲ መን ምዃኑ ድማ ኣየነጸረን። ነዚ ከም ምኽንያት ዘቕርቦ እቲ ቦታ ዓውዲ ውግእ ምስ ኮነ ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕ  መራኸቢ መንገድታት ተቛሪጹ ሓበሬታ ዘይምርካቡ እዩ።

ኣብቲ ግዜ ውግእ ተሃስየን ተሪፈን ዝነበራ መደበራት ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ዓፋር ሎሚ ዳርጋ ኩለን ዓንየን እየን። ኣብኣተን ዝነበሩ ስደተኛታት ከኣ በብመንገዶም ናብ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ ከምኡ እውን ናብ ኣዲስ ኣበባን ካለኦት ከተማታት ኢትዮጵያን ፋሕ ኢሎም ኣለዉ። ኣብተን ዝኸድወን ቦታታት እውን ዋና ኣይረኸቡን። መግቢ፡ መጽለልን ሕክምናን ዘቕርበሎም ኣካል የለን። ውሑስ ናይ መንነት ወረቐት ዝህቦም ወይ መዓልቱ ዝሓለፈ ዘሕድሰሎ  ኣይረኽቡን። ዓቕሎም ምስ ጸበቦም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ክሰግሩ ኣብ ዶባት ኢድ መልሻን ፍሉይ ሓይልን ኣምሓራ ዝወደቑ፡ ናብ ሰራዊት ህግደፍ የረክብዎም ከም ዘለዉ ሓበሬታ ኣሎ። ሰራዊት ህግደፍ ከኣ ተቐቢሉ ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት ናብ ዝርከብ መዳጐኒ ከም ዝወስዶም ይንገር። ዕድል ረኺቦም ኣብ ሱዳን ዝበጽሑ እንተኾኑ እውን መንበሪ ፈቓድ ዝህቦም ኣካል ስለ ዘየለ፡ ኣብ ጐደናታት ብፖሊስ እናተገፈፉ ክኸፍልዎ ዘይክእሉ ዓቐን ገንዘብ ክኸፍሉ ወይ ክእሰሩ ይግደዱ። ብኻእል ወገን ኣብዚ ግዝያትዚ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ግብጺ ኣደዳ ማእሰርትን ምጥራዝን ይኾኑ ምህላዎምን ዓለም ርእያ ከምዘይረኣየት ኮይናቶም ምህላዋን ካልእ መልክዕ መግለጺ ናይቲ ደድሕሪኦም ዝስዕብ ጸገም እዩ። እዚ መልክዓቱ ዝቐያይር ጸገማት ምስ ብዙሕ ኩነታት ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ሕመረቱ ስደት ግዝያዊ መዕገሲ እምበር መሰረታዊ መፍትሒ  ዘይምዃኑ ዘርኢ እዩ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕሪ ክንደይ ውረድ ደይብ ኣርሒቖም ምስ ከዱ፡ ንኣብነት ኤውሮጳ ምስ በጹሑ እውን ሳዕቤን ስደት ቀልጢፉ ኣይገደፎምን። ሎሚ ብዙሓት ኤርትራውያን ናብራ ስደት ምጽዋር ስኢኖም  ነብሶም ቀቲሎም ወይ ሰብ ሓዳር ተቓቲሎም ዝብል ፍጻመታት ይስማዕ ምህላዉ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ስንብራት ስደት ቀልጢፉ ዘይሓዊ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ኩሉ ግዜ ደድሕሪ ስደተኛታት እዩ ዝስዕብ። እንተሰሊጥዎ ኣብ ዘዝኣተውዎ ኣትዩ ይቐትሎምን ይጨውዮምን። ካብኡ ሓሊፉ ከኣ እንተስ ኣዕሽዩ እንተስ ኣፈራሪሑ ናይ ኣታዊ ምንጩን ናይ ስለያ መሳርሒኡን ካብ ምግባሮም ድሕር ኣይብልን። መጻኢ ዕድሎም ከይገደሶ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ኣብ ልዕሊኦም ዝኣልሞ ዘሎ ተንኮላት ንእኩይ ተግባራቱ ዘርኢ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይርጉእ ህይወት ኤርትራዊ ስደተኛ፡ እቲ ናይዚ ኩሉ ጠንቂዚ ስደትን ሳዕቤኑን ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ዘሎ ቀጻሊ እዩ። መሰረታዊ መፍትሒኡ ከኣ ነቲ ጠንቂ ምውጋድ ጥራይ እዩ።

Last modified on Thursday, 24 March 2022 20:55