Print this page

ኣብ ሱዳን ሕጂ’ውን፡ መሰጋገሪ ካቢነ ቆይሙ።

2022-01-20 18:40:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 761 times
Rate this item
(0 votes)

Transitional government in Sudan 1

ኣዛዚ ሓይልታት ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታህ ኣል ቡርሃን፡ ብ19 ጥሪ 2022 ኣብ ክሊ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝሰርሕ ናይ ሚኒስተራት ተግባር ዘካይድ ካቢነ ከም  ዘቖመ መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ።

ኣገልግሎት ዜና ሱዳን (ሱና)፡ ብወገና ኣብ ዘቕረበቶ ዝተፈልየ ጸብጻብ፡ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን፡ ንዋና ጸሓፊ ናይቲ ካቢነት ዑስማን ዑመር ሓሰን ናይ ቀዳማይ ሚኒስተርነት መዝነት ከምዝሃቦ ጠቒሳ። እታ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን  እዚ ውሳነታት ቀጻሊ ምርጫ ኣብ ምድላው ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢራ።

ምስቲ ወታደራዊ ሓይሊ ሱዳን ዝሰርሕ ኣካል’ቲ ሃገራዊ ቻርተር ብወገኑ፡ ብዝተፈላለዩ መግለጽታቱ  መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ  ኣልቡርሃንን ምክትሉ መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ (ሀመቲ)ን ምስቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ጸሓፊ ዝተመዘዙ ኣባላት ካቢነ ኣኼባ ኣካይዶም፡ ብዛዕባቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታትን ግደ እቲ ካቢነ ኣብ ምህዳእ እቲ  ናይ ቅልውላውን ኩነታትን ብዝምልከት ኣብሪሀምሎም።

ኣብቲ ኣኼባ ንሱዳን ካብቲ ዘላቶ ዘሻቕል ኩነታት ንምውጻእን ፍትሓዊ ምርጫ ተኻይዱ ስልጣን ናብ ህዝቢ ክሳብ ዝርከብን ብዛዕባ ዘድሊ ሓያል ስራሕን ጻዕርን ከም ዝተሰማምዑ ከኣ፡ ኣብዚ ሓደሽ ካቢነ ተጠባባቒ ሚኒስተር ዜና ናስር ኣልዲን ኣሕመድ መሓመድ  ገሊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ እዚ ሓድሽ መሰጋገሪ ካቢነ፡ ናይ 2022 በጀት ከም ዘጽደቐ እቲ ተጠባባቒ ሓላፊ ዜና መሓመድ ሓቢሩ። ንሱ ብተወሳኺ ከም ዝበሎ፡ እቲ ዝጸደቐ በጀት ንመዳያት፡ ጸጥታ፡ ናይ ወጻኢ ዝምድናን ዲሞክራስያዊ ምርጫን ዝምልከት እዩ።

ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ብ2 ጥሪ 2022 ካብ ሓላፍነቱ ከም ዝሰሓበ ይዝከር። ንሱ ነዚ ካብ መዝነቱ ናይ ምውራድ ውሳነ ዝወሰነ፡ ነቲ ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት ዝተፈጥረ ደማዊ ጐንጽታት ጠጠው ከብልን ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ክምስርትን ስለ ዘይከኣለ እዩ።

Last modified on Thursday, 20 January 2022 19:42