Print this page

ኢትዮጵያዊት ጋዜጠኛ መኣዛ መሓመድ ተፈቲሓ

2022-01-18 21:14:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 914 times
Rate this item
(0 votes)

ምንጪ ሓበሬታ፥-ኣዲስ ስታንዳርድ

 

 

Meaza Mohammed 1

 

                                                           ጋዜጠኛ መኣዛ መሓመድ

ቅድም ክብል ኣብ ኣባይ መዲያ  ትነጥፍ ዝነበረት፡ ደሓር ግና ሮሃ መዲያ  ኣብ ዝበሃል ናታ  ናይ ቀጥታ ፈነወ  መስሪታ ከም ሓላፊት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክትነጥፍ ጀመረት ጋዜጠኛ  መኣዛ መሓመድ ብ18 ጥሪ 2022 ከም ዝተፈትሐት ኣዲስ ስታንዳርድ  ዝተባህለት መርበብ  ሓቢራ። መኣዛ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን  ወርሒ ታሕሳስ 2021 እያ ሲቪል ብዝለበሱ ኣባላት ጸጥታ ካብ ገዝኣ ተኣሲራ።

በዓል ቤታ ኣቶ ሮበል ገበየሁ ንጋዜጠኛታት ከም ዝገለጾ፡ መኣዛ መሓመድ ምስተኣስረት፡ ገዝኣ ኣይተጐርጐረን ብዛዕባ ዝተኣስረትሉ ምኽንያት እውን ኣይተሓተተትን። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከም ዝጠቐሶ፡ ዋላኳ መኣዛ ብተደጋጋሚ ናብ ቤት ፍርዲ እንተቐረበት ፖሊሲ ብዛዕባ መእሰሪኣ ምኽንያት መረጋገጺ ከቕርብ ኣይከኣለን። ካብዚ ሓሊፉ፡ ናይ ኣዲስ ኣበባ ፖሊስ መርተዖ ምስ ሰኣነ ከም መህደሚ ዝተጠቕሞ ሜላ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይምቕራባ ከም ዝነበረ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።  ኣብ መወዳእታ ፖሊስ ዝሃቦ ምኽንያት ብድፉኑ ብምኽንያት ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ስለ ዝተኣስረት ናብ ቤት ፍርዲ ክትቀርብ ኣይከኣለትን  ዝብል ነይሩ። መኣዛ ኣብ ርእሲ ሞያ ጋዜጠኝነት መምህር እያ።

ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ዓለም ለኸ ኮሚተ ከም ዘስፈሮ፡ ኣብ 2021 ካብ ሃገራት ሳብ ሳሕራን ብምእሳር ጋዜጠኛታት ናይ ቀዳማይን ካለኣይን ደረጃ ዝሓዛ ብቕደም-ሰዓብ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን እየን። ብዓለም ደረጃ ከኣ ኤርትራ ምስ በዓል ቻይና፡ ማያንማር፡ ግብጺ፡ ቨትናምን ቱርክን ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስረዓ ሃገራት ሓንቲ እያ። ኣብ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ናይ ምፍታሕ ዕድል ኣለዎም። ኣብ ኤርትራ ግና ሓንሳብ እንተተኣሲርካ ምውጻእስ ይትረፍ ሓታታይ እውን የለን።

Last modified on Tuesday, 18 January 2022 22:18