Print this page

ጋዜጣዊ መግለጺ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ትግራይ

2022-01-14 08:23:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 798 times
Rate this item
(0 votes)

Tedros Adhanom Ghebreyesus 1

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ ዳይረተር  ትካል ጥዕና ዓለም፡ ብ12 ጥሪ 2022 ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ኣብ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ከምዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጨንቂ ኣብ ዓለም ተራእየ ኣይፈልጥን እዩ ከም ዝበሉ ኣልጀዚራ ሓቢራ። ንሶም ኣተሓሒዞም ዕጽዋ መድሃኒትን ካልእ ህይወት ዘድሕኑ መሰረታዊ ነገራትን ናብታ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እትርከብ ትግራይ፡ ኣብቲ ብውግእ ዝተሃሰየ ከባቢ ዝያዳ ጨንቂ ፈጢሩ ኣሎ ኢሎም። እዚ ከኣ ንናትና ሰብኣውነት ጸርፊ እዩ ክብሉ ገሊጸምዎ። ዝተሓሒዞም ከኣ ከምዚ ኣብ ትግራይ ንዕዘቦ ዘለና ጨንቂ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣይተራእየን ኢሎም። 

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና  መበል 21 ክፍለዘመን፡ ሓደ መንግስቲ ንናይ ገዛእ ርእሱ ህዝቢ  ካብ ዓመት ንላዕሊ መግብን መድሃኒትን ክኽልክል ኣዝዩ ዘሰንብድን ዘይግመትን እዩ ክብሉ ንጋዜጠኛታት ገሊጸም። ኣብ መንጎ ሓይልታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን መሓዙቶምን  ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ውግእ ካብ ዝጅመር ኣሸሓት ሰባት ከም ዝሞቱን ሚሊዮናት ከኣ ካብ መነባብሮኦም ክመዛበሉ ከም ዝተገደዱን ኣብዚ ጋዜጣዊ ዋዕላኦም ጠቒሶም።

ትግራይ ኣብዚ እዋንዚ ህይወት ዘድሕን መድሃኒትን መግብን ከይኣትዋ ዝተዓጽወት እያ። እዚ ዕጽዋ ከኣ ብኣማኢት ኣሸሓት ንዝቁጸሩ ኣብ ደረጃ  ዝለዓለ ሓደጋ  ጥሜት ንዘለዉ ሰባት ዝውስኽ እዩ፡ ምስ በሉ ነቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘሻቕልን ዘሰንብድን ክብሉ ገሊጸምዎ።

ዶ/ር ቴድሮስ  “ኣነ ወዲ’ቲ ከባቢ እየ፡ እንተኾነ ብዘይኣድልዎ  እየ ዝዛረብ ዘለኹ”  ምስ በሉ፡ እቲ ንሸውዓተ ሚሊዮን ህዝቢ ንዝያዳ ሓደ ዓመት ምዕጻው ደጊሞም ኣጨናቒ ኩነታት እዩ ክብሉ ገሊጸምዎ። ዝያዳ ነቲ ኩነታት ንምብራህ ከኣ፡ ሕክምና የለን፡ መድሃኒት የለን፡ ተለፎን የለን፡ ሚድያ የለን ክብሉ ዘርዚሮም። ኣብ ርእሲዚ  ድሮናት ዘይድብድባሉ መዓልቲ ዳርጋ የለን፡ እሞ ከኣ ኣቐዲሙ ብውግእ ኣብ ዝተጠቕዐ ከባቢ ክብሉ ነቲ ኩነታት ኣብሪሀሞ።  ኣተሓሒዞም  ትካል ጥዕና ዓለም፡ ናብ ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያ ሕክምናን መድሃኒትን ከቕርብ ክፍቀደሉ እንከሎ፡ ናብ ትግራይ  ግና ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2020 ጀሚሩ ዋላ ሓንቲ  ኣይተፈቕደሉን ኢሎም።  ኣብ  ትግራይ ዘለዉ ሓካይም መዓልቱ ዝሓለፈን ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝኾነን መድሃኒት ክጥቀሙ ከም ዝተገደዱ ከኣ ጠቒሶም።

እቶም ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም፡ መሰረታዊ ኣቕርቦት ዋላ ኣብ ግዜ ውግእ ክኽልከል ኣይግበኦን እዩ፡ ውግእን ጐንጽን ንምዕጻው ምኽንያት ኮይኑ ክቐርብ ኣይክእልን እዩ ኢሎም።  ኣብቲ ዝለዓለ ኣዕናዊ ውግኣት ሶርያን የመንን እውን ትካላት ጥዕና ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኩሉ ግዜ ኣድላይ  ቀረብ ይሰዳ ነይረን እየን ክብሉ ከም ኣብነት ጠቒሶም።

ናይ ትካል ጥዕና ዓለም ናይ ህጹጽነት ሓላፊ ሚቻየል ሪያን ብወገኖም፡ “ሰኣን ህይወት ዘድሕን መሰረታዊ ነገራት ምቕራብ፡ ብዙሓት ሓሊፎም እዮም” ክብሉ ንኩነታት ትግራይ ገሊጸምዎ። ቀጺሎም ከኣ መሰረታዊ ብመርፍእ ዝወሃብ መድሃኒትን  ካልእ ንሕማም ሽኮር ዝኸውን ኣፋውስን ናብ ትግራይ ከይቀርብ ካብ ፍርቂ ዝሓለፈ ዓመት 2021 ንደሓር ተኸልኪሉ እዩ ድሕሪ ምባል፡  እዚ ከኣ ክኢላታት ሕክምና ሓደገኛ ሕማማት ከይፍውሱ ዓጊትዎም ዘሎ እዩ ኢሎም።

Last modified on Friday, 14 January 2022 09:29