Print this page

ዮውሃንስ ሃብተ ዝተባህለ ኤርትራዊ-ሆላንዳዊ ኣስጋራይ ከምዝተተሓዘ ኢንተርፖል ኣፍሊጡ

2022-01-05 21:55:44 Written by  ቢቢሲ (BBC) Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 896 times
Rate this item
(0 votes)

ዮውሃንስ ሃብተ ዝተባህለ ኤርትራዊ-ሆላንዳዊ ኣስጋራይ ከምዝተተሓዘ ኢንተርፖል ኣፍሊጡ

3 ጥሪ 2022
ዮውሃንስ ሃብተ

ምንጪ ስእሊ,INTERPOL

ዩውሃንስ ሃብተ ዝተብሃለ ኤርትራዊ-ሆላንዳዊ ኣስጋራይ ኣብ ናይሮቢ ብ16 ታሕሳስ ተታሒዙ ንመንግስቲ ሆላንድ ኣብ መዓልቲ ልደት ፈረንጂ ከምዝረከበ ኢንተርፖል ኣፍሊጡ።

ዩውሃንስ ሃብተ፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰሰባት፡ ስኑዕ ሰነዳትን ክሲ ቀሪብሉ ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እዚ ናይ ሆላንድ ዜግነት ከምዘለዎ ዝግለጽ ኤርትራዊ-ሆላንዳዊ፡ ክሳብ ግቡእ መስርሕ ፍርዱ ዝውዳእ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝጸንሕን በቲ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ክሳብ ሸሞንተ ዓመት ክእሰር ከምዝኽእል ኣብ ኢንተርፖል ዝወጽእ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ወዲ 53 ዓመት ዩውሃንስ ሃብተ ብኢንተርፖል ክድለ ድሕሪ ምጽንሑ እዩ ብምትሕብባር ፖሊስ ኬንያ ኣብ ጫፍ ከተማ ናይሮቢ ተታሒዙ።

ዮውሃንስ ሃብተ

ምንጪ ስእሊ,INTERPOL

ዓሰርታትተ መንእሰያት፡ ደቂ ኣንስተዩን ህጻናትን ብመገዲ ኤስያ ናብ ኣውሮጳ ከሰጋግር ከምዝጸንሐ ዝግለጽ ዩውሃንስ፡ ብውሐዱ ኣብ ኣርባዕቲ ስርሒታት ምስግጋር ደቂ ሰባት ከምዝተሳተፈ ፖሊስ ኬንያ ገሊጹ።

ዩውሃንስ ካብ 2017 ጀሚሩ ብመንግስቲ ሆላንድ ክድለ ከምዝጸንሐን ካብ ኬንያ ተታሑዙ ናብ ሆላንድ ምስ ተወሰደ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣምስተርዳም ብቀጥታ ናብ ቤት ማሕቡስ'ዩ ተወሲዱ።

ኢንተርፖል ንመንግስቲ ኬንያ ሃለዋት ዩውሃንስ ሃብተ 10 ታሕሳስ ምስ ሓበሮ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልታት'ዩ ኣብ ቀይዲ ክውዕል ክኢሉ።

ኢንተርፖል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ክደልዮም ዝጽነሐ 286 ኣሰጋገርተን ተሓበባረቶምን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ገሊጹ ነይሩ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ'ውን ኣኽባሪ ሕጊ ሆላንድ ንኤርትራዊ ኣሰጋጋሪ ደቂ ሰባት ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ኣብ ዝርዝር ቀንዲ ተደለይቲ ሰባት ሰሪዕዎ።

ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ሓደ ካብቶም ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ተኸሲሱ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝነበረን ካብ ቤት ፍርዲ ዝሃደመን ውልቀሰብ እዩ።

ኣኽባሪ ሕጊ ኔዘርላንድ፡ ንኤርትራዊ ኪዳነ ሃብተማርያም ኣብ ዝርርዝ ቀንዲ ተደለይቲ ሰባት ብምስፋር ተታሑዙ ናብ ሕጊ ክቐርብ ከምዝኣዘዘ ሮይተርስ ምቅልሑ ይዝከር።

ኣብ ጃልባ ዝተጸዓኑ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ,REUTERS

ኪዳነ ዘካርያስ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንሓደ ዓመት ብጉዳይ ክልተ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኮይኑ ጉዳዩ ክረአ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2020 ካብ ቤት ፍርዲ ሃዲሙ ከምዝተሰወረ ይዝከር።

ካብ ማእከል ቤት ፍርዲ ክሃድም ምኽኣሉ ብዙሓት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘራራቢ ብምግባር ብዓይኒ ጥርጣረ ክርእይዎ እንከለዉ፡ እቲ ምህዳሙ ነቶም ንሰብኣዊ መሰላት ዝቃለሱ ሰባት ዘሰንበደን ዘቐጠዐን ክስተት'ዩ ነይሩ።

ኪዳነ ዘካርያስ፡ ዋላ'ኳ ካብ ቤት ፍርዲ እንተሃደመ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኪዳነ ኣብ ዘይተረኸበሉ ንሕልፈት ክእሰር ፍርዱ ሂቡ'ዩ። ኪዳነ ኣብዚ እዋን ኣበይ ከምዝርከብ ኣይፍለጥን'ዩ።

ብሽም ኪዳነ ገንዘብ ብምቕባል ምስኡ ዝተኸሰሰት ሳባ መንደር ሃይለ፡ ን12 ዓመት ክትእሰር ክትፍረድ እንከላ፡ ተሓባበሪ ኪዳነ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ወሊድ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ተወልደ ጎይትኦም ዝተብሃለ ዕሉል ኣሰጋጋሪ ኸኣ ን18 ዓመት ክእሰር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ተፈሪዱ።

ኣይሪሽ ታይምስ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ገጻቱ ከምዘስፈሮ፡ ኪዳነን ተወልደን ካብ 2014 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ ግዜ ብ10ታት ኣሸሓት ዝቁጸሩ ሰባት ካብን ናብን ሊብያ ከምዘሰጋገሩ ገሊጹ።

ኣኽባሪ ሕጊ ኔዘርላንድ ምስ ጣልያን ብምትሕብባር ንኪዳነ ሒዙ ናብ ፍርዲ ከምዘቕርቦ ገሊጹ ኣሎ።

ዘይጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ነቶም ስደተኛታት ገንዘብ ንክኸፍሉ ንኸገድደዎም ዝተፈላላየ ኣካላዊ ስቃይ'ዮም ዘስዕብሎም
መግለጺ ስእሊ፡ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ነቶም ስደተኛታት ገንዘብ ንክኸፍሉ ንኸገድደዎም ዝተፈላላየ ኣካላዊ ስቃይ'ዮም ዘስዕብሎም

 

ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ኔዘርላንድ፡ ብኪዳነ ግዳያት ዝኾኑ ሰባት፡ ዝተሳቐዩ፡ ተጨውዮም ገንዘብ ክኸፍሉ ዝተገደዱን ጾታዊ ዓመጻት ዝበጽሐንን ኣብ ኔዘርላንድ ስለዝርከቡ ንጉዳይ ኪዳነ ብዕቱብ ክርእዮ ከምዝመረጸ ገሊጹ።

ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድስ፡ ኣብ ኔዘርላንድስ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሳባት በደል ንዝፈጸሙ ደቂ ካልእ ሃገራት ናብ ፍርዲ ዝቐርብሉ ኣገባብ ኣሎ።

ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ዓመታዊ ኣሰጋገርቲ ሚልዮናት ዶላራት ዝሓፍስሉ ስራሕ እዩ።

ንሰድተኛታት ብምትላልን ብፈታውን ብዘይሓጋዊ ኣገባብ ካብን ናብን ሃገራት ብምስግጋር ኸኣ ንኣደደዳ ንስቃይ፡ መግረፍቲ፡ ጾታዊ ዓመጻትን ሞትን ከምዘቃልዕዎም'ዩ ዝግለጽ።

Last modified on Wednesday, 05 January 2022 23:03