Print this page

ንዘይመጸካ ናይ ምጽባይ መኻን ተስፋ

2021-10-22 10:24:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1245 times
Rate this item
(0 votes)

ለውጢ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሓባር ጭረሖ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። ምጭራሕ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ትሕቲዚ ወጽዓ ዝወለዶ ጭረሖ ተወዲብካ ምቅላስ ካብ ዝጅመር እውን ነዊሕ ግዜ ገይሩ። ለውጢ ንኤርትራውያን ካብዚ ብሰንኪ ህግደፍ ዘጋጥሞም ዘሎ ብዙሓት መልከዓትን ዓሚቕን ምረት ዘለዎ ወጽዓ ዘወግድ ኩነታት  ምምጻእ ማለት እዩ። እንተኾነ ለውጢ ክንድቲ ዝበሃጎ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝረጋገጽን ቀሊል ዝዋግኡን ከም ዘይኮነ ብግብሪ ንርእዮ ዘለና እዩ ኮይኑ። እዚ ማለት ግና ከምቲ ገለ ወገናት ዝግምትዎን እቲ ጉጅለ ዘተባብዖን ንሓዋሩ ኣይመጽእን እዩ ማለት ኣይኮነን።

እቲ ህዝብና ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዝብህጎን ንቃለሰሉ ዘለናን መሰረታዊ ረብሓ ህዝቢ ዝማእከሉን ለውጢ፡ በቲ ንደልዮ ቅልጣፈን ኣገባብን ናይ ዘይምርግጋጹ ምኽንያት ድኽመት ናይቶም ለውጢ ንብህግን ምእንታኡ ንቃለስ ዘለናን ድዩ ወይስ፡ ብርታዐን ተሰማዕነትን ናይቲ ጨቋኒ ኣካል እዩ? ዝብል ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮይኑ ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን እዩ። እቲ ጨቛኒ ጉጅለ ዕድመኡ ዘንውሕ ኣርዑት ጭቆናኡ ብምትራር እምበር ብህዝባዊ ተቐባልነት ከምዘይኮነ ባህሪኡን ተግባሩን መስከርቲ እዮም።  ኩሉቲ ዝገብሮ ከኣ ነዚ ናይ ምንባሩ ቀንዲ ረቛሒ ዝኾነ ናይ ጭቆና በትሩ መመሊሱ ብምሕያል እዩ። ስለዚ እዩ ድማ እዚ ሓደገኛ ሓይሊዚ ክርህርህን ጻዋዒት ህዝቢ ክሰምዕን ዘይትጽበዮ። ብኣንጻሩ ከምዚ ዝገብሮ ዘሎ ጸማም እዝኒ እናሃበ፡ እቲ ጌጋ ናይቶም ንዘይመጽእ  ዝጽበዩ እዩ ዝኸውን።  እቲ ካብ ወጻዒና ክትኮበልና  እንሓልሞ ለውጢ ዝረጋገጽ፡ ካባናን ብኣናን ምስ መላእ ህዝብና ጥራይ ምዃኑ ተኣሚንና ኢና ክንተሓሕዞ ዝግበኣና።

ሎሚ እቲ “ንህግደፍ ዝኣመነ ማይ ዝሓቖነ” ዝብል ኣረዳድኣ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብዘይካ ኣዝዮም ውሑዳት ኣብታ ናበይ ከምትወስዶም ከይፈለጡ ዝተሳፈርዋ ናይ ህግደፍ መርከብ ዝነበሩ እውን  ወሪዶም እዮም። እዚ ናይ ብዙሓት ካብታ መርከብ ጥፍኣኣት ምውራድ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ኣብ ጉዕዞ ናብ ለውጢ ኢዩ። እንተኾነ ግን እቲ ቀንዲ ኣብ ክንዲ ነቲ ጸዊዕካዮ ከምዘይሰምዓካ ደጋጊሙ ዝነገረካን ብግብሪ ዘርኣየካን ብፍላይ ድማ ሎሚ ካልእ ዘይኤርትራዊ ዋኒን ሒዙ ዘሎ ኣካል ከይተጸበኻ፡ ባዕልኻ ክትዓሞ ግብራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ግዜ ዘይህብ ግደታ እዩ። እዚ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ግንዛበ ረኺቡ ዘሎ እዩ። ካብዚ ግንዛበዚ ነቒሎም እዮም ከኣ ብዙሓት ኤርትራውያን ብደረጃ ውድብ፡ ሰልፊ፡ ማሕበርን ህዝባዊ ምንቅስቓስን መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ  ዝቃለሱ ዘለዉ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ምውዳብን ተወዲብካ ኣድማዒ ስጉምቲ ምውሳድን ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭቆና ዝነቅል ግደታ እምበር፡ ካለኦት ገበርዎ ኢልካ ዝካየድ ምርጫ ኣይኮነን።

እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ኣዝዮም ውሑዳት ገለን ከይተረድኦም ገለን ድማ ለውጢ ንረብሓኦም ከምዘይኮነ ዝሓስቡ ምስቲ ጉጅለ ዝተላሕጉ ኣለዉ። ካብዚኣቶም ኣዝዮም ውሑዳት ብረብሓ ዝመሰረቱ ስልጣን ምስቲ ዲክታተር ከም ቁርዲድ ዝተጣበቑ  ሰብ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መዓርግ ኣለዉ። ጽባሕ ዝወግሕ ዘይመስሎም ንዓኣቶም ዝተጐዝጐዙ ናብ ዝደለይዎ ናይ “ይሕለፍ ወረቐት ዘለዎም” ተለኣኣኽትን   ኣሳሰይትን እውን ኣለውዎም። እዚኣቶም ተሓተትቲ እውን ስለ ዝኾኑ ክሳብ ወሪደ-መቓብር ካብቲ ጉጅለ ዘይፍለዩ ክኾኑ ይኽእሉ። ብኣንጻሩ ናይቲ ጉጅለ “ደገፍቲ” ዝብል  ዝለጠፉ፡ ከጸባብቕዎ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ብግብሪ ግና ናይቲ ጭቆና ግዳይ ዝኾኑ ወገናት ኣለዉ። እዚኣቶም እቲ ጭቆና ዝያዳ ሳዕሪሩስ ልኡላውነት ኤርትራ ናብ ዝህድደሉ ደረጃ እንዳደየበ እንከሎ፡ ሳዕቤኑ ከይተረድኡ ኢሳያስ መምስ ዝተዓራረኾም ኣብ ዘይጉዳዮም ባንዴራ ኤርትራ ዘውለብልቡ እዮም። እንተ’ቲ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ዝረጋገጽ ለውጢ፡ ንረብሓ ተቓወምቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ብኣውርኡ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ደገፍቲ ኢና በሃልቲ’ውን ክግንዘብዎ ምተገብአ።

ዕድል ረኺብካ ነዞም ኣካላት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጽዓን ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤንን ክትዝርዝረሎም እንከለኻ  ይኣምንዎ እዮም። እዚ ክልወጥ ኣለዎ ንዝብል እውን ኣይቃወምዎን። እንተኾነ ብናይቲ ጉጅለ ረቂቕ፡ መርዛምን ጥበበኛን ግሁድን ዘይግሁድን መደናገሪ ስልቲ ተዳህሊሎም “ኩሉ እቲ ጉጅለ ዝብሎ ቅኑዕን መድሕን ሃገርን እዩ” ብዝብል ስለ ዝተመረዙ ኣፍ ኣውጺኦም ኣንጻሩ ኣየቕንዑን። ኣብ ክንዲ ዝረግምዎ ክምርቕዎ ዘይሓንኩ እውን ኣለዉ። እቲ ኣዝዩ ዝገደደ ከኣ ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዩ ንዝዘርጎ ዘሎ፡ ከም ናይ ሓርበኛነቱ መግለጺ ገይሮም ዘቕርብዎ’ውን ኣለዉ።  ከምቲ ከለቅሕ ዘይደሊ ወሃቢ ኣገልግሎት፡ “ልቓሕ ጽባሕ” ዝብል ጥቕሲ ኣመላኺዑ ዝሰቅል፡ ጉጅለ ህግደፍ ከኣ ለውጢ ከም ዘተኣታቱ መሲሉ ግና ድማ ሎሚ ከምዘይከኣል ንምምሳል ንኤርትራ ዝምልከታን ዘይምልከታን ምኽንያታት እንዳጸብጸበ “ለውጢ ጽባሕ” ዝብል ዘይትግበር መብጸዓ ይኣትወሎም’ሞ ንሳቶም ከኣ  ከም ሓቂ ይወስድዎ።  “ንዘይመጽእ ናይ ምጽባይ መኻን ተስፋ” ዝበልናዮ ከኣ እዚ እዩ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ  “ንህደፍ ዝኣመነ ማይ ከም ዝሕቖነ” እዩ።

ስለዚ ቃልስና ምእንቲ መሰረታዊ ለውጢ ከምቲ ዝድለን ኣብቲ ዝድለ ግዜን ስለ ዘይተረጋገጸ ወጽዓ ህዝብና መመሊሱ ዝገደሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ጉጅለ ጥልመትን ጭካነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓይልታት ለውጢ በቲ ክንከዶ ዝግብኣና ኣገባብን ቅልጣፈን ናይ ዘይምኻድና ድኽመት እዩ። ነዚ ናትና በዓል ቤታዊ  ሕጽረት ኣቐሚጥና ናብ ካልእ ምልጋብን ምርጋምን መፍትሒ ከምጸኣልና ኣይክእልን እዩ። ድኽመት ሓይልታት ለውጢ ካብ ዝግለጸሉ ብዙሕ መዳያት እቲ ቀንዲ ናይ ሓባር ጸላኢና መን ምዃኑን ንዓኡ እንስዕረሉ መንገዲ ንጹር ክነሱን ብሓባር ክንስጉም ዘይምብቃዕና እዩ። ሕጂ እውን ኣብ ክንዲ“ዘይመጽእ ናይ ምጽባይ መኻን ተስፋ”፡  ዘሎ ዓቕምና ኣከኣኢልናን ኣብ ትሕቲ ሰፊሕ ጽላል ጠርኒፍናን ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢና ካብ ምኽታት መተካእታ የብልናን። ብቐጥታ ንዝምልከተና ኤርትራዊ ዛዕባን ንዝጸልወና ከባብያዊ ጉዳይን እንህቦ ደረጃ ኣድህቦ  ምንጻር ከኣ ሓጋዚ እዩ።

Last modified on Friday, 22 October 2021 12:27