Print this page

ኣሚሪካ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ፍሊጶስ እገዳ ወሲና

2021-08-24 08:05:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1116 times
Rate this item
(0 votes)

Philipos

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ  ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ እገዳ ከም ዝወሰነት “ተስፋ ኒውስ” ዝተባህለ ማዕከን ዜና ብትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ምኽንያት ናይዚ ኣብዚ ሳልስቲ ዝተወሰነ እገዳ ጀነራል ፍሊጶስ ዝእዝዞ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣብ ጐኒ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኮይኑ ኣብ ዘካየዶ ኣንጻር ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ውግእ ብዝፈጸሞ ከበድቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከተቕርቦ ንዝጸንሐት ክስታትን ኣብ ልዕሊ ጀነራል ፍሊጶስ ንዝወሰነቶ እገዳን ኣነኣኢስዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝቐርብ ክስታት ሓድሽ ኣይኮነን ድሕሪ ምባል ነጺግዎ። ብመሰረት እዚ ናይ  እገዳ ውሳነ እቲ ጀነራል ኣብ ኣሜሪካ ዘቐመጦ ገንዘብን ንብረትን ካልእ ጠቕምታቱን ክስእን እዩ። ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ከኣ እዚ እገዳ ናብ ዝምልከቶ ተቖጻጻሪ ኣካል ከምዝመሓላለፍ እቲ ዜና ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ተወሲኑ ዘሎ እገዳ  “ማግነቲስት” ብዝበሃል ናይ ሰብኣዊ መሰል ተሓታትነት” ብይን ኮይኑ፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝፍጸሙ ዓበይቲ ጥሕሰት መሰላትን ምጥፍፋእን ዝትግበር  እዩ። ናይ ኣሜሪካ ዓቃብ ገንዘብን ንብረትን ኣካል ከም ዝበሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ትግራይን ኣብ ካልእ ከባብታት ዓለምን ኣብ ልዕሊ ኣብ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፉ ኣካላት ዝውሰድ ስጉምቲ ቀጻሊ ክኸውን እዩ።

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ21 ሕዳር 2020 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነዚ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ውግእ ኣብ ዝምልከት ልፍና ንዝኾነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝግበር ዝምታን ሲቪላዊ ዓመጽን ኣይቅበልን። ስለዝኾነ ከኣ፡ ነዚ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ ጉልባብ ጌርካ ዝዝመት ንብረት ህዝቢ ምስዝህሉ ብገበን ዘሕትትን ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ንብረት ናብ ዋንኡ ክምለስ ስለዝግባእን፤ ኣየናይ ሸነኽ ይገብሮ ብዘየገድስ ዝኾነ ሰብ ካብ ናይ ዝምታን ዓመጽን ተግባራት ክቑጠብ ኣጥቢቕና ነተሓሳስብ።” ኢሉ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Tuesday, 24 August 2021 10:24