ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ኣንበሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዘገልገሉ 5 ግዱሳት፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ትግራይ ዝሓደሮም ሻቕሎት ከም ዝገለጹ ኤርትራዊ ማእከል ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። እቶም ነባራት ኣንበሳድራት ዳቪድሺን፡ ቪክ ጀይ ሃድለስቶን፡ ፓትሪክ ኤም ሃስላች፡ ኣውረሊያ ኢ ብራዚልን ቲልቦር ፒ ናጂን፡ ዝተባህሉ እዮም። እዞም ኣንበሳድራት ካብተን ንሓለፋ 25 ዓመታት ኣብተን 13 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘገልገሉ ኣንበሳድራት መግለጺ ከውጽኡ እንከለዉ ተበግሶኦምኳ ንኣፍሪቃ ብዝምልከት እንተነበረ፡ እንተኾነ ዝያዳ በቲ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ ክግደሱ ከም ዝተገደዱ ሓቢሮም።
ንሳቶም ኣብቲ መግለጺኦም፡ “ንሕና እዞም ኣስማትና ዝተጠቕሰ በብግዜኡ ኣብ ኢትዮጵያ ንኤሜሪካዊ ዲፕሎማስያዊ ስረሓት ዝመራሕና፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ክንከታተሎ ጸንሕና ኣለና” ኢሎም። ኣተሓሒዞም ከኣ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 2020 ከም ዝጀመረ ብምጥቃስ፡ እቲ ጸገም በቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣውጅዎ ዘሎ ተኹሲ ጠጠው ምባል ክውዳእ ዘለዎም ተስፋ ኣስፊሮም። ኣከታቲሎም ከኣ እዞም ዝስዕቡ መፍትሒ ዝበልዎም ንክትግበሩ ተማሕጺኖም።