Print this page

ሻቕሎት 5 ነባራት ኣንበሳድራት ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ

2021-07-06 06:17:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1178 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ  ዝተፈላለዩ ግዝያት ኣንበሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዘገልገሉ 5 ግዱሳት፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ትግራይ ዝሓደሮም ሻቕሎት ከም ዝገለጹ ኤርትራዊ ማእከል ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። እቶም ነባራት ኣንበሳድራት ዳቪድሺን፡ ቪክ ጀይ ሃድለስቶን፡ ፓትሪክ ኤም ሃስላች፡ ኣውረሊያ ኢ ብራዚልን ቲልቦር ፒ ናጂን፡ ዝተባህሉ እዮም። እዞም ኣንበሳድራት ካብተን ንሓለፋ 25 ዓመታት ኣብተን 13 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘገልገሉ ኣንበሳድራት መግለጺ ከውጽኡ እንከለዉ ተበግሶኦምኳ ንኣፍሪቃ ብዝምልከት እንተነበረ፡  እንተኾነ ዝያዳ በቲ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ ክግደሱ ከም ዝተገደዱ ሓቢሮም።

ንሳቶም ኣብቲ መግለጺኦም፡ “ንሕና እዞም ኣስማትና ዝተጠቕሰ በብግዜኡ ኣብ ኢትዮጵያ ንኤሜሪካዊ ዲፕሎማስያዊ ስረሓት ዝመራሕና፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ክንከታተሎ ጸንሕና ኣለና” ኢሎም። ኣተሓሒዞም ከኣ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 2020 ከም ዝጀመረ ብምጥቃስ፡ እቲ ጸገም በቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣውጅዎ ዘሎ ተኹሲ ጠጠው  ምባል  ክውዳእ ዘለዎም ተስፋ ኣስፊሮም። ኣከታቲሎም ከኣ እዞም ዝስዕቡ መፍትሒ ዝበልዎም ንክትግበሩ ተማሕጺኖም።

  • • ኩሎም ኣብ ውግእ ትግራይ ክሳተፉ ዝጸንሑ ኣካላት ነቲ ተኹሲ ተጠው ናይ ምባል ኣዋጅ ብዘይውልውል ክቕበልዎ።
  • • ኩሎም ሰብኣዊ ትካላት ንጽጉማት ህጹጽ ሓገዝ ከየቕርቡ ዝዓግትዎም ምስሕሓባት ቀልጢፎም ክፍትሑ።
  • • ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብቲ ናይ ጐንጺ ዞባ ቀልጢፎም ክወጹ።
  • • ኩሎም ኣብቲ ጐንጺ ተሳተፍቲ ኣካላት፡ ነቲ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ዕድል ተጠቒሞም ብዛዕባ ቀጻሊ ሰላም ምውሓስን መጻኢ ዕድል ትግራይን ክመያየጡ።
  • • ሰላምን ዕርቅንን ንክፍጠር ብዓለም ለኻዊ ማሕበረሰብን፡ ተደራራቢ ሓላፍነት ካብ ዘለዎም ሲቪላዊ ትካላት፡ እንተላይ ብኣዕሩኽን ጐረባብትን ኣድላይ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ክግበር። ሰላምን ምርግጋእን ምስ ተረጋገጸ ከኣ፡ ቀልጢፍካ ኮንፈረንስ ወዲብካ ክልቲኦም ሰብ ጉዳይ  ናይ ሓባር መሊስካ፡  እግሪ ምትካልን በቲ ጸገም ዝተሃስዩ መዳያት ናብ ንቡር ምምላሶምን።
  • • ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ኮምሽንን ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰልን፡ ኣብ ትግራይ ብኹሎም ኣካላት ዝተፈጸመ ግህሰታትን ዓመጻት ብሓባር ናይ ምጽራይን ምምርማርን ዕማማት ንከካይዱ ምትብባዕ።
Last modified on Tuesday, 06 July 2021 08:21