Print this page

ኢትዮጵያ ነቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኣ ዘንበረቶ ናይ ሰበስልጣን ቪዛ እገዳታት ተቓዊማቶ

2021-05-25 07:43:56 Written by  ቢቢሲ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1247 times
Rate this item
(0 votes)

 

24 ጉንቦት 2021

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን

ምንጪ ስእሊ,REUTERS

ኢትዮጵያ ነቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘንበረቶ እገዳ፡ "ግቡእ ዘይኮነ ጸቕጢ" እዩ ብምባል ተቓውሞኣ ገሊጻ።

ኣብ ጉዳይ ትግራይ ብደተደጋጋሚ ሻቕሎቱ ክገልጽ ዝጸንሐ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን እገዳ መገሻ ከምዘንበረ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ እገዳ ኢትዮጵያ ሃገራዊ መረጻ ንምክያድ ኣብ እትሸባሸበሉ እዋን ዝተወስደ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ምስ ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሃናጺ ዝኾነ ክልተኣዊ ዝምድና ንምምስራት ኣብ ዝስራሓሉ ዘሎ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ግጉይ መልእኽቲ ዘሕልፍ'ዩ ኢሉ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ “ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ብግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ጥቕዓታትን ግፍዕታትን ይሳቐይ ኣሎ፤ ብህጹጽ ዘድልዩ ሰብኣዊ ረድኤት ከኣ ብወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ’ውን ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታት መሕለፊ ይእገዱ ኣለዉ” ክብል ኣረዲኡ።

“ማሕበረሰብ ዓለም ግብራዊ ስጉምቲ ዝወስደሉ እዋን እዩ” ዝበለ እቲ መግለጺ፤ ኣብ ልዕሊ ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ወይ ነባራት ሰበስልጣን መንግስታት ኢትዮጵያን ኤራትራን እገዳ መገሻ (ቪዛ) ከምዝተነበረ ሓቢሩ።

ስርዑን ዘይስሩዕን ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ከምኡ’ውን ኣባላት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝርከብዎም ኣባላት ሓይልታት ጸጥታን ውልቀሰባትን እውን መገሽኦም በቲ እገዳ ክግደብ’ዩ።

እዚ እገዳ ኣብ ልዕሊ’ቶም ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ንምህዳእ ዝቐረበ ፍታሕ ክቕበሉ ወይ ክተሓባበሩ ቅሩባት ዘይኮኑ ኣካላት ዝተደንገገ ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ’ሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ደመቀ መኮነን

ምንጪ ስእሊ,MINISTRY OF FOREIGN AFFAIRS OF ETHIOPIA

መግለጺ ስእሊ,

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ደመቀ መኮነን

“ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዓመጻትን ጥቕዓታትን ዝፈጸሙ ከምኡ’ውን ናብቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዛት ከይኣትው ዝኸልከሉ ዘተኣጓጎሉ ዘጠቓልል’ዩ” ይብል መግለጺ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ።

ብተወሳኺ ድማ ምስቶም ሰባት ቀጥታዊ ዝምድና ዘለዎም ኣባላት ቤተሰብ በቲ እገዳታት ከምዝሕጸሩ ተፈሊጡ።

“ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ንምፍታሕ ዝቐረበ ሐሳብ ቅቡል ብዘይምግባር ሓላፍነት ዝወስዱ ኩሎም ካብ ኣሜሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን ተወሰኽቲ ስጉምትታት ይጸበዩ” ኢሉ’ሎ።

ካልኦት መንግስታት እውን ነዞም ስጉምትታት ክወስዱ ጸዊዑ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ዝነበረ ቁጠባውን ጸጥታውን ደገፋት ሰፋሕቲ ገደባት ከምዘቐመጠ ይሕብር። እዚ ድማ ንፖሊሲ ቑጽጽር ወተሃደራዊ ንግዲ ግብራዊ ዝገብር ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።

“እቲ ኣብ ልዕሊ ንኤርትራ ዝግበር ዝነበረ ሓገዛት ብዝምልከት ተነቢሩ ዝጸንሐ ሰፊሕ እገዳታት ድማ ብዝነበሮ ክቕጽል’ዩ” ክብል ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ትግራይ ንዘሎ ኲናት ከኣ ዘተኣማመን ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበር ደጊሙ ዝጸውዐ መንግስቲ ኣሜሪካ “ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ኮነ ኢትዮጵያውያን ኣብዚ እዋን ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ምክፍፋላት ብዕርቅን ዝርርብን ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕርታት ንምድጋፍ ቅሩባት ኢና” ክብል ሓቢሩ።

እንተኾነ ግን "ኣሸባሪ ተባሂሉ ምስ ዝሰየመ ህወሓት ምዝርራብ ከም ዘይክኣል ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ" ክብል'ውን፡ ነቲ ንግጭት ትግራይ ንምፍታሕ ብኣመሪካ ዝቐረበ ጻውዒት ሰላማዊ ፍታሕ ከምዘይቅበሎ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰኔት ኣመሪካ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ተጻብኦታት ጠጠው ክብልን መንግስቲ ኤርትራ ወተሃደራቱ ብቕልጡፍ ከውጽእን ዝብል ውሳነ ምሕላፉ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝወጽኡ ገለ ሰልፈኛታት “ካብ ኢትዮጵያ ኢድኩም ኣልዕሉ” ዝብል ጭርሖ ተሓንጊጦም ተቓውሞ ምስመዖም ድማ ይዝከር።

ኬሚካላዊ መጥቃዕቲ

ኣብ ትግራይ ኲናት ካብ ዝተወለዓሉ እዋን ጀሚሩ ብኣሽሓት ሰባት ክቕተሉ ከለዉ ካልኦት ብዙሓት ከኣ ካብ መረበቶም ተፈናቒሎምን ተሰዲዶምን።

ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ኣካላት ድማ በቶም ዝፍጸሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰሱ ጸኒሖም'ዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብታ ብኲናት ትህሰ ዘላ ትግራይ ሲቪል ዜጋታት ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝፈነውዎ "መጥቃዕቲ ኬሚካለዊ ኣጽዋር ግዳያት ኮይኖም" ንዝብል ነጺጉ'ሎ።

እንግሊዛዊ ጋዜጣ ቴሌግራፍ ኣብ ዘቃልሖ ጸብጻብ፡ ብዙሓት ሰባት ኣዝዩ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ኣካላቶም ብጻዕዳ ፎስፎሮስ ነዲዱ ኣብ ስቓይ ከምዝርከቡ ሓቢሩ ነይሩ።

ጸብጻብ ቴሌግራፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መንበሪ ገዝኣ ዝተወቕዐ ሓንቲ ቆልዓ 13 ዓመት ኣካላታ ነዲዱ ኣብ ከቢድ ስቓይ ከምእትርከብን ሓንቲ ካብ ሞንጎ ግዳያት ምዃናን ኣመልኪቱ።

እቲ ኬሚካል ኣብ ዓውደ ውግእ ምጥቃም'ኳ ዝከኣል እንተኾነ ኣንጻር ሲቪላት ኣብ ረብሓ ምውዓል ግን ከም ገበን ኲናት'ዩ ዝቑጸር።

ኣመዓባብላ ናይቲ ኵናት

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።

ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለዘይተቐበሎ ከምዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ክፍላ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።

ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።

ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።

ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

Last modified on Tuesday, 25 May 2021 09:48