Print this page

24 ግንቦት ዕለተ ነጻነት ኤርትራ

2021-05-24 18:51:22 Written by  ረዘነ ተስፋጽዮን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1413 times
Rate this item
(0 votes)

ግንቦት 24 ዝተባረኸትን ብጽእትን ዕለት ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ ኢያ። ንዓና ኤርትራውያን ካብ ኲለን መዓልታት ልዑል ክብሪ ኣለዋ። ንዂሉ መግዛእቲ ኣብ ጎሓፍ ደርብያ። ስዒበን ዝመጻ መዓልታት: ሰሙናት: ዓመታትን ዘመናትን ታሪኽ ክብርን ሓበንን ምዕባለን ከስምዓ ደገ ዝኸፈተት: ብርሃን ዘጓነጸፈት ክነሳ: ብሰንኪ ጠላማት መራሕቲ ህግደፍ ስውኣትና ዘይሓለምዎ: ብህይወት ዘለና ዘይተጸበናዮ ከሰል ኣምሲሎም ንውቃበኣ ኣደዊኖማ ኣለው።

ቅድሚ 30 ዓመት ዝነበረት ወጋሕታ ዕለት 24 ግንቦት ዝተሃርመት ነጋሪት: ኣብ እዝኒ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ጋሻ ነይራ። ብዙሓት ኣብ ጒዳይ ኣርትራ ሓሳባቶም ተዛቢዑ ኣእምሮኦም ብትምክሕቲ ሰኺሩ: ዝዓጠቐን ንዝመከተን ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ብዝሒ ብረትን ሓጺንን ብምእማን ንቖራጽነትን ውሳኔ ህዝባ ንነጻነትን ልዑላውነት ኤርትራ ከስትብህሉ ዘይከኣሉ መልሓሶም ኣሓይኻ።

ግንቦት 24 ብንቕሓት ዝዓጠቕን ንዝመከተን ሓርነታዊ ህዝባዊ ቃልሲ ንድሕሪት ዝገትእ የለን ዝብል ፍልስፍና ኣብነት ብምዃን: ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ኣኽሊል ወርቂ ነጻነት ኣብ ክብ ዝበለ መዓርግ ከተደይብ ዝበቕዐት`ያ። እዛ ዕለት`´ዚኣ መቓልሓን መኣዛ ክብራን ኣብ ዶባት ኤርትራ ከይተሓጽረ፣ ኣብ ከባቢ ኤርትራ ኣፍሪቃን ዓለምን ተንበልብል ኣላ። ኤርትራ ኣባል ኣፍሪቃን ዓለምን ኮይና ተፈሊጣ። እዚ ቅድሚ 30 ዓመት ኣይነበረን። እቲ ክብሪ ግን ብሰንኪ ጻሕተርቲ ሕሰምን ዓመጽን ኣባልነታ ኣብ ዓለም ኣርስሖም ንስማ ኣባላሽየሞ ኣለው።

ኣብቲ ብለይትን ቀትርን ዝርገጽ ዘሎ ጎደናታት ኤርትራ: ኣብቲ ሓረስታይን ጓሳን ዝባኑ ቀሊዑ ከፍርየሉ ዝነበሮ ግርሁን ጎላጒልን ጎቦታትን ስንጭሮታትን: ሰላምን ዕረፍትን ተሓሪሞም ጥቕምን ርብሓ ምልክን ህግደፋውያን ንምሕላው ኣብ መዓስከራትን ድፋዓትን ተዳጒኖም ባርነታዊ ህይወት የሕልፉ ኣለው። ህዝቢ ኤርትራ ዘይግብኦ መከራን ሕሰምን ”ብደቁ ኢና” ዝብሉ ዘይተጸበዮ ሓደጋ ኢዩ ረኺቡ። መግዛእታዊ ዘመናት ሓሊፉን ተሰጊሩን ኤርትራዊ ናይ መሬቱን ንብረቱን ጎይታ ክኸውን ተጸብዩ። እዚ ተርፉ ነታ ዘላቶ ህይወት እውን ዋሕስነትን ቅሳነትን ኣብ ዘይብሉ ጸልማት ተጻጢሑ ይርከብ። ሽምገለታት ኣምዑቶም ብጓሂ ሓሪሩ መርጎሞም ንህግደፋውያን ንሰማያት የዕርጉ ኣለው።

ክብሪ ንዕለተ ነጻነት 24 ግንቦት! ኣታ ብህይወት ዘለኻ ኤርትራዊ ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ ዕድለኛ ኢኻ ዝበሃለሉ ግዜ ኢና ከነብዕል ነይሩና። እንተኾነ ብሰንኪ ጨካንን ትምክሕታውን ፖለቲካ እቲ ከይሲ መላኺ: መንእሰያትን ዓበይትን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ምስዳዶምን ኣብ ውቅያኖሳትን ባሕርን ምደረበዳን ይጥሕሉን መላገጺ ድሑራት ስሱዓት ናይ ዘመንና ማፍያ ይኾኑ ምህላዎም፣ ነዚ ዝተገንዘበት ዓለም ብሰንኪ እዞም ሰብ ጸሊም ታሪኽ መመሰል ጉዕዙይ ምልካውነት ገይሮማ ኣለው።

እታ መሬት ሳዕሪ እኽሊ ካልእ ኲሉ ህይወት ዘለዎ ከተብቊል: ከተዕብን ክትምግብን ተጸብያ። ታሪኽ ጀጋኑኣ ክትዝክርን ከተኽብርን ሓወልቲ ስውኣታ ክትከልን ነይሩዋ። ኣብ ከርሳ ዝርከብ ማዕድናት ፍሒራ ስንኩላታ ክትኣሊ: ደቃ ከተምህር ህዝባ ሓቑፋ ክትሕብሕብ ሓሊማ። ገማግም ባሕራን ወደባትን ኣውቂባ: ንዓለምን ህዝብታታን ከተጋይሽ ነይሩዋ። ብሰንኪ`ዚ ሰራም ፍጡራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ ግን: ኣብ ክንዲ ሰላምን ምዕባለን ትዕድም: ኤርትራ ውግእን ወረ ውግእን: ጥሜትን ዕርቃንን: ጽምእን ሕማምን ኰይና ኣላ። ኤርትራ ናይ ውሽጣ ሽግር ከይኣኽላ: በቲ ዘየቋርጽ ናይ ጥፍኣት ዕጣቑ ተሰንዩ ሕማቕ ታሪኽ ዕዳ ጒርብትና ድሕሪኡ ገዲፉ ዕምሩ ከቃላጥፍ ይሃልል ኣሎ። ነዚ ናብ ሕውነትን ሰናይ ጒርብትናን ምሕዝነትን ቀይርዎ። ድልየት እንተ ገርኩም እቲ መገዲ ክመርሓኩም ኢዩ።

ኣብ ከርሲ እዛ መሬት 100ሺሕ ስውኣት ኣለው። ግንቦት 24 እትዛረቦን ትነግሮን: ክብረይ ኣብኦም ዝተሰረተ`ዩሞ ዝበልዎን ዝወደቕሉን ዕላማ ዘክሩ ክትብል ምስቶም ሓርነታውያን ደለይቲ ፍትሕን ማዕርነትን ድምጻ ዓው ኣቢላ ትድሀ ኣላ። ነቶም ዘሕለፍክዎም ደቀይ ኣሰሮም ተኸቲልኩም ዝኽሮም ሰንደቕ ዕላማኹም ገርኩም: ኣገባብ ፖለቲካኹም ይጸብቕ: ጌጋታትኩም ይተኣረም: ብሕግን ቅዋምን ተሰርዑ፣ መገዲ ጥፍኣትን ዛረጊ ቅዲ ምልካውነት ቅበሩ። ሕጊ ዘይክተል ብዘይ ሕጊ´ዩ ዝጠፍእ ዝበሉ ደቀይ ኣብ ጸልማት ጋህስታት ይሳቐዩን ይሞቱን ንዘለው ዘኪርኩም ናይ ሓባር መደብ ሓርነት ሓንጽጹ። ነዚ ሎሚ ንዕለተይ ደዊኑ ዘሎ ኣቦ ጸልማትን ሓሶትን መልኣከ ሞት ጒሒፍኩም ብብርሃን ሓድነትን ማዕርነትን ስዒርኩም ክትክእዎ ኣጻብዕ ሓድነት እሰሩ። እቶም ብረት ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ብኤርትራዊ ደው ይበል ዝበሉ: ኑዛዜኦም ንህዝቢ ዝገለጹ ኣብነት ኰይኖም  ምስክረይ ዝዀኑ: በዚ እኩይ ጥልመት ዝዕጣቑ ዳጒንዎም ዘሎ ንዓይነይ ዘየቋርጽ መሪር ትኪ ኰይኑኒ ምህላው ዘክሩ።

ናይዛ ዕለተይ ዜናን መቓልሕን ክስማዕ ከሎ ክልተ ቃና ኣለዎ። እቲ ሓደ ትዕቢት ጎልያድ ኰይኑ ንደቀይ ዝኸፋፈለን ዝምቆሐን ኢዩ። እቲ ካልእ ቃና ንስመይ ቅኑዕ ስም ቦታ ሓርነት ሂቡ: ፍትሕን ደሞክራስን ኣስፊሑ: ኣብ ትሕቲ ሉዑላውነተይ ዘጽልል ኢዩ። ጽላለይ፣ ቁዋማዊ ሰርዓተይ መዕቆብ ኩሉኹም ደቀይ ደቂ ዕለተይ ኢኹም። ኣብ ትሕቲ ኣእጋርኩም ዘለው ሰማእታት ደቅኹምን ኣሕዋትኩምን ኣቦታትኩምን ባህ ክብሎምሲ: ንሰላምን ሓውነትን ሕሰቡ። መብጽዕኦም ክሕደስ ቃል-ኪዳን እሰሩን ስርሑን። ስውኣትን ስንኩላትን ደቀይ ነዞም ናይ ግዚኡ ኣጋንንቲ ኣይተሰውኡን ኣይሰንከሉን። ንሳቶምሲ ንዳሕራይ ወለዶ ዝኸውን ታሪኽ መንነት ንልዑላውነተይ እዮም መሰረት ሰሪቶም። ነዚ ሕድር´ዚ ብቑዓት ኮንኩም ክትርከቡ ትኽእሉ ኣብ ትሕቲ ጽላል ልዕልናይ ምስ እትእከቡ ኢዩ። ጒዕዞኹም ጸበባን መከራን: ምስጓጒን ምጽላምን ኣለዎ። ድሕሪ ጽቓይ ራህዋ ከም ዝህልዎኩም ግን ጭቡጥ ግበርዎ።

ኣብ ትሕቲ ልዑላውነተይ ኣጽሊልኩም ድላይኩም እመኑ። ኣብ ዝመረጽኩሞ ተጠርነፉ። እዚ ክትውለዱ ከሎኹም ኣትሒዙ ዝተዓደለኩም ዘይትንከፍ ብጹእ ህያብ ኢዩ። ኲሉ ግዜ ግን ብዘተን ምይይጥን ኣሰንይዎ። ኣነ ንኹሉኹምን ምስ ኩሉኹምን ኢየ። ንነብሲ ወከፍኩም ብሓደ ዓይኒ ኢየ ዝርእየኩም። ንስኹም`ውን ተኻባቢርኩም ብማዕርነት ተሓቛቖፉ። እዚ እንተገርኩም ጸላኢኹም ክትስዕሩ ኢኹም። ንሱ እቲ ስሱዕ ምስ ጠፍአ ድማ ኩሉ ምዕባለ ክትጓናጸፉ ኢኹም። ከመይሲ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኹም ንኹሉኹም ዝኣክል ምንጪ ሃብቲ ኣሎኒ።

ኣነ 24 ግንቦት ክሳብ ሎሚ ደው ክብል ዝኸኣልኩ ኣብ ትሕቲ መሬተይ ዘለውን ምስ ቃንዝኦም ብህይወት ዘለውን ደቀይ ኣንጊሆም ስለዝተባራበሩለይ ኢዩ። ዝተኸልዎ ዕላማ ብዂሉ ይተሓሎ። እቲ ዕማም ፍስሃ ሓርነት ጀሚርኩሞ ኣለኹም። እቲ ዕላማ ክብጻሕ ድማ ተጊህኩም ስርሑ። ነዊሕን ዝተሓላለኸን ጒዕዞ ከም ዘለኩም ካብ ምግንዛብ ኣይትሰልክዩ።

ባዛዕባቶም ቀደም በቲ ቀዳማይ ጸላኢ ዘርምዘርሞ ዝኣተዎም ደቀይ ብዙሕየ ዘስቆርቊር። ቅድሚ 30 ዓመት ደው ካብ ዝብል ኣትሒዘ ኢደይ ዘርጊሐ ንዑ ክብል ምስ ጀምርኩ: እቲ ርኹስ ናይ ውሽጢ ጸላኢ ንዝርጉሕ ዓዳሚ ኢደይ ስለ ዝዓንቀፎን ወሲኹ እውን ስለዘግደዶን ብማዕዶ ከም እንርአአ ገይሩና ኣሎ። ግሉጹን ዘይተገልጸን ናፍቖቶም ኣብ ውሽጦም ኰይኑ ክሕይኾም ከሎ ንቖላሕታይ ይመሮ ኢዩ። ኣውራኳ ብዛዕባ ዝወልድዎምን ቀጺሎም ዝውለዱን ብዙሕየ ዝሓስብ። ከምቲ ቀዲመ ዝበልኩኹም ከኣ እቲ ሕሱም ናይ ውሽጢ ጸላኢ ንሱ ከይኣኽሎ: ምሳይ ዝጸንሑን ኣብ ልዕልነተይ ዝተወልዱን ኣብ ምብታኖም ይታናዀል ኣሎ። ካብ ባሕሪ ከብደይ ዝወጸ መርገም ግን ኣይከስሮርንዩ`ሞ ርግኡ። ምሳኹም ምስ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለኹም ኣኽበርቲ ሉዑላውነተይ ድማ ልበይ እሱር ኢዩ።

ዝኸበርኩም ደቀይ ደቂ ግንቦት 24! ኣነ ብዝንተ ሞጎት ዝተሰኔኹ ኢየ። ካብቲ መሪር ጓህየይ ንዓኹም ምርካበይ ተስፋይ ዓቢ ኢዩ። ሎሚ 24 ግንቦት ዕለተይ ስለዝኾነት ኩሉኹም ብኣይ ሕሰቡ። ዝተኸፍተ ባብ ነጻነት መሊሱ ከይግፍተን ዕጥቁኹም ኣጽንዑ። ካብዚ ጒሒላ ተጠንቀቑ። ኣብዛ ዕለተይ ብዝገብሮ ዳንኬራ ሓሶት እይትተሃመሉ። ቁስለይ ዝጐድእ ጓይላ ካብ ምግባር መዝሙር ሽሕጣን ካብ ምዝማር ደው ኣይክብልንዩ። እዚ ግን እቲ ግዳማዊ ናይ ሞቱ ዋዜማ ኢዩ። ኣብቲ ዕያግ ርስሓቱ ዝሕንብሱ ተረፍ ኣለው። ብኣዳናጋሪ መናውርኡ ዝኣሰሮምን ከም ጣኦት ዘምልኽዎን ውሑዳት ኣለውዎ። ልቦም ዝሰረቖም ብጣዕሳ ሕኒን ዝብሉ ኣብ ውሽጡ ከም ዘለውኒ ኣይትርስዑ። ናይ ምትእስሳርኩም ግዜ ድማ ርሑቕ ኣይኮነን።

ክሳብ ትመጽእ ዕለተይ ደሓን ኩኑ።

Last modified on Monday, 24 May 2021 20:56